ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ፧

እቲ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ፧

እቲ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ፧

ናይ ጥንቲ መጻሕፍቲ ባህርያውያን ዝዀኑ ጸላእቲ​—⁠ሓዊ: ኣውሊ: ሰበባ​—⁠ነይሮምዎ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሓደጋታት ናጻ ኣይነበረን። ኣብ ዓለም ኣዝዩ ብብዝሒ ዝርከብ መጽሓፍ ንኽኸውን ካብቲ ዘጋጠሞ ናይ ግዜ ሓደጋታት ብኸመይ ክሳዕ ሕጂ ክጸንሕ ከም ዝኸኣለ ዝገልጽ መዝገብ ካብቶም ጥንታዎት መጻሕፍቲ ብሉጽ ዝገብሮ ኢዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ሕልፍ ሕልፍ ካብ ምባል ንላዕሊ ተገዳስነት ክግበሮ ዘድልዮ ኢዩ።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላቶም ኣብ ኣእማን ኣይወቐርዎን፣ ወይ እውን ኣብ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ጽላት ኣይቀረጽዎን። ቃላቶም ብርግጽ ኣብ ክጠፍእ ዝኽእል ነገራት​—ፓፒረስ (በዚ ስም እዚ ካብ ዝጽዋዕ ናይ ግብጺ ተኽሊ እተሰርሐ) ከምኡውን ብራና (ካብ ቈርበት እንስሳታት እተሰርሐ) ኢዮም መዝጊቦምዎ።

ነቲ በዅሪ ጽሑፋት እንታይ ኣጋጠሞ፧ ምናልባት ነዊሕ ይገብር ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ተበታቲኑ ይኸውን። ኦስካር ፖረት እተባህለ ምሁር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ክልቲኣቶም እዞም ንምጽሓፍ ዝጠቕሙ ነገራት [ፓፒረስን ቈርበትን] ኣውሊ: ሰበባ: ከምኡውን ካልኦት እተፈላለዩ ንኣሽቱ ሓሳኹ ብማዕረ ኢዮም ዘጥቅዕዎም። ካብ መዓልታዊ ተመክሮ: ወረቓቕቲ ከምኡውን ድልዱል ቈርበት እውን ከይተረፈ ኣብ ደገ ወይ ድማ ኣብ ኣውሊ ዘለዎ ክፍሊ ምስ ዝቕመጥ ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ከም ዝበላሾ ንፈልጥ ኢና።”1

እቲ በዅሪ ጽሑፋት እንተድኣ ዘየለ ኰይኑ: ቃላት ናይቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ግዜና ክጸንሕ ዝኸኣለ ድኣ ብኸመይ ኢዩ፧

ብጥንቁቓት ቀዳሕቲ ጽሑፍ ኢዩ ተዓቂቡ

እቲ በዅሪ ጽሑፍ ምስ ተዳለወ ብዙሕ ከይጸንሐ: ብኢድ እተጻሕፉ ቅዳሓት ክዳለዉ ጀመሩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ቅዱሳት ጽሑፋት ምቕዳሕ ከም ሓደ ሞያ ኰነ። (እዝራ 7:⁠6፣ መዝሙር 45:⁠1) ይኹን እምበር: እቶም ቅዳሓት እውን ክጠፍእ ኣብ ዝኽእል ነገራት ኢዮም ዝምዝገቡ ነይሮም። ቀስ እናበሉ እዚኣቶም እውን ብኻልኦት ብኢድ እተጻሕፉ ቅዳሓት ክትክኡ ነበሮም። እቲ በዅሪ ጽሑፋት ካብ ህላወ ምስ ኣቋረጸ: እዞም ቅዳሓት እዚኣቶም መሰረት ናይቶም ክመጹ ዝነበሮም ኢደ⁠-​ጽሑፋት ኰኑ። ካብቲ ቅድሓት እንደገና ምቕዳሕ ንነዊሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት ዝቐጸለ መስርሕ ኰነ። እቶም ቀዳሕቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበናት ክቐድሑ ከለዉ ዝገበርዎ ጌጋታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ዓቢ ለውጢ ገይሩሉዶ ኢዩ፧ መርትዖ ከም ዘይገበረሉ ኢዩ ዘርኢ።

እቶም ክኢላታት ቀዳሕቲ ኣዝዮም ውፉያት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ዝቐድሕዎ ዝነበሩ ቃላት ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይርዎም ኢዩ። ጥንቁቓት እውን ኢዮም ነይሮም። እታ “ቀዳሒ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ሶ·ፈር ʹ ኢያ: ምቝጻርን ምምዝጋብን ድማ ኢያ እተስምዕ። እቶም ቀዳሕቲ ልክዕ ምንባሮም ብኣብነት ንምግላጽ: ንማሶራውያን ርአ። a ብዛዕብኦም ታመስ ሃርትወል ሆርን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ንሳቶም . . . ነታ ማእከለይቲ ፊደል ናይ ፔንታቱክ [እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ]: ነቲ ማእከላይ ሓረግ ናይ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ: ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ፊደል [እብራይስጢ] ኣብ ኵሉ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንደይ ግዜ ኣትያ ከም ዘላ ቈጺሮምዎ ኢዮም።”3

ስለዚ እምበኣር: ክኢላታት ቀዳሕቲ ጌጋ ንኸይህሉ ንምርግጋጽ እተፈላለየ መገድታት ይጥቀሙ ነይሮም ኢዮም። ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ሓንቲ ፊደል እውን ትኹን ምእንቲ ከይትጐድል: ነቲ ዝቐድሕዎ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ፊደላት እውን ከይተረፈ ክሳዕ ምቝጻር በጺሖም ኢዮም። ነቲ ከምዚ ንኽትገብር ዘድልየካ ጻዕሪ ዘለዎ ጥንቃቐ እሞ ሕሰቦ:⁠- ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ 815,140 ቃላት ቈጸርዎ!4 ከምዚ ዝበለ ትግሃት እተሓወሶ ጻዕሪ: ልዑል ዝዀነ ልክዕነት ንኽህልዎ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሕቲ ዘይጋገዩ ኣይነበሩን። ዋላ እኳ ንዘበናት ዝኣክል ብተደጋጋሚ ይቕዳሕ እንተነበረ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ክእመን ብዝኽእል ኣገባብ ክሳዕ ሕጂ ከም ዝጸንሐ ዘረጋግጽ ገለ መርትዖ ኣሎዶ፧

እምንቶ ንኸነሕድር መሰረት ዝኸውን ድልዱል መርትዖ

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ግዜና ብልክዕ ከም እተመሓላለፈ ንኽንኣምን እኹል ዝዀነ መርትዖ ኣሎ። እቲ ሕጂ ዘሎ መርትዖታት 6,000 ዝኸውን ናይ ብምሉኡ ወይ ድማ ክፋል ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡውን ገለ 5,000 ዝኸውን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ዝርከቦ ኢዩ። ኣብ መንጎ እዚ ኸኣ ምቕዳሕ ቅዱሳት ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ ልክዕ ከም ዝነበረ ዘርኢ ብ1947 እተረኽበ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ይርከቦ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ “ኣብዚ ዘመናዊ እዋን እተረኽበ እቲ ዝዓበየ ኢደ⁠-​ጽሑፍ” ተባሂሉ ተሰየመ።5

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዓመት እቲ: ሓደ ሰበኽ ሳግም መንእሰይ ጓሳ መጓሲኡ እናጓሰየ ከሎ: ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ሓደ በዓቲ ረኸበ። ኣብ ውሽጡ ድማ መብዛሕትኡ ጥርሑ ዝነበረ ካብ መሬት እተሰርሐ ንኣሽቱ ዓታሩ ረኸበ። ይኹን እምበር: ካብተን ዓታሩ ኣብ ሓንቲ ኣጸቢቓ ተሓቲማ ዝነበረት: ብልሕጺ እንጣጢዕ ካብ እተሰርሐ ዓለባ ብጥንቃቐ እተጠቕለለ: ኣብ ውሽጡ ነታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ምልእቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዝሓዘ ጥቕላል ቈርበት ረኸበ። እዚ ብግቡእ እተዓቀበ እንተዀነ ግን ንብዙሕ ግዜ እተጠቐምሉ ጥቕላል: ከም እተዓረየ ዘርኢ ምልክታት ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ጓሳ: ነቲ ዝረኸቦ ጥንታዊ ጥቕላል ሓደ መዓልቲ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ክግበረሉ ኢዩ ኢሉ ኣይሓሰበን።

ነዚ ኢደ⁠-​ጽሑፍ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንታይ ኣሎ፧ ክሳዕ 1947 እቲ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ዝብሃል ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-ጽሑፍ ኣብ ከባቢ ዓስራይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ ነይሩ። እዚ ጥቕላል እዚ ግን ኣብ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. b​—⁠ልዕሊ ሽሕ ዓመታት ኣቐዲሙ c⁠—​⁠እተጻሕፈ ኢዩ ነይሩ። ምሁራት ነዚ ጥቕላል እዚ ምስቲ ብድሕሪኡ ብዙሕ ግዜ ጸኒሑ እተቐድሐ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ ፍልልይ ከም ዘለዎ ንምርካብ ኣዝዮም ህንጡያት ነበሩ።

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ: ምሁራት ነታ ኣብ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላል ዘላ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ምስታ ብድሕሪኡ ሽሕ ዓመት ጸኒሓ እተዳለወት ናይ ማሶራውያን ጽሕፍቲ ኣወዳደርዋ። እታ ኤ ጀነራል ኢንትሮዳክሽን ቱ ዘ ባይብል ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ከምዚ ኢላ ትገልጾ:⁠- “ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 53 ዘሎ 166 ቃላት: ዓሰርተ ሸውዓተ ፊደላት ጥራይ ኢዩ ዘጠራጥር። ካብዘን ፊደላት እዚኣተን ዓሰርተ ናይ ኣጸሓሕፋ (ስፐሊን) ጕዳይ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ትርጕም ኣይትንክፎን ኢዩ። ካልኦት ኣርባዕተ ፊደላት ድማ ከም መስተጻምር ዝኣመሰለ ውሑድ ለውጢ ናይ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ኢዩ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ፊደላት ነታ ኣብ ቍጽሪ 11 ተወሲኻ ዘላ ‘ብርሃን’ እትብል ቃል ዘጠቓልላ ኢየን: ነቲ ትርጕም ድማ ብዙሕ ለውጢ ኣየምጽኣሉን ኢየን። . . . ስለዚ እምበኣር: ኣብ ሓንቲ 166 ቃላት ዘለዋ ምዕራፍ: ድሕሪ ናይ ሓደ ሽሕ ዓመታት ምትሕልላፍ ኣብ ሕቶ እትኣቱ ሓንቲ ቃል (ሰለስተ ፊደላት ዘለዋ) ጥራይ ኢያ: እዛ ቃል እዚኣ ድማ ንትሕዝቶ ናይቲ ዓንቀጽ ርኡይ ዝዀነ ለውጢ ኣይተምጽኣሉን ኢያ።”7

እቲ ንብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ዘጽንዐ ፕሮፌሰር ሚለር ቡሮውዝ: ነቲ ትሕዝቶ ብምምርማር ኣብ ተመሳሳሊ ዝዀነ መደምደምታ በጽሐ:⁠- “ዝበዝሕ እቲ ኣብ መንጎ . . . ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥቕላልን ናይ ማሶራውያን ጽሑፍን ዘሎ ፍልልይ ናይ ኣቀዳድሓ ጌጋ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ድማ: ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ክፍለ⁠-​ዘበን እተረኽበ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ጕሉሕ ዝዀነ ስምምዕ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኣዝዩ ኣረጊት ዝዀነ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ክትረክብ: እቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ሓፈሻዊ ዝዀነ ልክዕነት ከም ዘለዎ ዘተኣማምን መርትዖ ዝህብ ኢዩ።”8

ብዛዕባ ምቕዳሕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እውን ተመሳሳሊ “ዘተኣማምን መርትዖ” ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን እተረኽበ ኮዴክስ ሲናይቲኩስ: ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጸሕፈ ናይ ቈርበት ኢደ⁠-​ጽሑፍ: ናይቶም ብድሕሪኡ ዘበናት ጸኒሖም እተጻሕፉ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢደ⁠-​ጽሑፋት ልክዕነት ንምርግጋጽ ሓጊዙ ኢዩ። ኣብ ኣውራጃ ፈየም: ግብጺ: እተረኽበ ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ናይ ፓፒረስ ቍርጽራጽ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ: እዚ ድማ ድሕሪ እቲ በዅሪ ጽሑፍ ካብ 50 ዓመታት ዝውሕድ ጸኒሑ እተጻሕፈ ማለት ኢዩ። ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ንቑጽ ሑጻ ተዓቂቡ ዝጸንሐ ኢዩ። እቲ ትሕዝቶ ምስቲ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጸኒሑ እተረኽበ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ዝሰማማዕ ኢዩ።9

እዚ ናይ ኢደ⁠-​ጽሑፋት መርትዖ እቶም ቀዳሕቲ ኣብ ምቕዳሕ ኣዝዮም ልክዕ ከም ዝነበሩ ዘረጋግጽ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጌጋ እውን ገይሮም ኢዮም። ነቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ እውን ሓዊስካ ጌጋ ዘይብሉ ኢደ⁠-​ጽሑፍ የለን። ይኹን እምበር: ምሁራት ነቲ ካብቲ በዅሪ ጽሑፋት እተፈልየ ኰይኑ እተረኽበ ዘበለ ክእርምዎ ክኢሎም ኢዮም።

እቶም ቀዳሕቲ ዝገበርዎ ጌጋ ምእራም

100 ሰባት ንሓደ ነዊሕ ሰነድ ብኢዶም ክቐድሕዎ ተነግሮም ንበል። እንተወሓደ ገለ ካብቶም ቀዳሕቲ ጌጋታት ከም ዝገብሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኵላቶም ሓደ ዓይነት ጌጋ ኣይገብሩን ኢዮም። ንዅሉ እቲ 100 ቅድሓት ወሲድካ ተጠንቂቕካ ምስ እተወዳድሮ: ነቲ ጌጋታት ፈሊኻ ከተውጽኦ: ነቲ ናይ መጀመርታ ትሕዝቶ ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ እውን ኩን እቲ ልክዕ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ እንታይ ከም ዝነበረ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ብተመሳሳሊ: እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳሕቲ ኵሎም ሓደ ዓይነት ጌጋ ኣይገበሩን። ንምውድዳር ዝጠቕሙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ስለ ዘለዉ: ነቲ ትሕዝቶ ዝምርምሩ ምሁራት ነቲ ጌጋታት ክረኽብዎ: እቲ በዅሪ ጽሑፍ ከመይ ከም ዝነበረ ክውስኑ: ከምኡውን እቲ ዘድሊ መኣረምታ ክምዝግቡ ክኢሎም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ስለ እተገብረ ድማ ኢዩ: ነቲ ትሕዝቶ ዘጽንዑ ምሁራት በቲ መጀመርታ እተዳለወሉ ቋንቋታት ገይሮም ቀንዲ መወከሲ ዝኸውን ጽሑፋት ዘዳለዉ። እዚ እተጻረየ ሕታማት ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ጽሑፋት ነቲ ብሓፈሻ ናይ መጀመርታ ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ መብዛሕትኡ ቃላት ዝሓዘ ኢዩ: ኣብ ገለ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ወይ ኣማራጺታት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እግረ⁠-​ጽሑፍ ይዝርዘር ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምቲ ናብ ዘመናዊ ቋንቋታት ንምትርጓም ዝጥቀምሉ ድማ ነዚ በቶም ትሕዝቶ ዝምርምሩ ምሁራት እተዳለወ እተጻረየ ሕታማት ኢዩ።

ስለዚ ዘመናዊ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: እቲ እተመስረተሉ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ጽሑፋት: ነቲ ናይ መጀመርታ ቃላት ናይቶም ጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ከም ዘሎ ንኽትተኣማመን እኹል ዝዀነ ምኽንያት ኣሎካ። d እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሽሓት ዓመታት ብኢድ እናተቐድሐ ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ክጸንሕ ከም ዝኸኣለ ዝገልጽ መዝገብ ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: እቲ ንነዊሕ እዋን ናይ ብሪጣንያ ቤተ⁠-​መዘክር ሓላፊ ኰይኑ ዝዓየየ ሰር ፍረድሪክ ኬንዮን ከምዚ ክብል ዝኸኣለ:⁠- “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ልክዕ ኢዩ ምባል ካብ መጠን ንላዕሊ እተጋነነ ኣይኰነን . . . ዝዀነ ይኹን ኣብ ዓለም ዘሎ ካልእ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ከምዚ ክበሃለሉ ዝኽእል የለን።”10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ማሶራውያን (ትርጕሙ “መምህራን ናይ ልምዲ”) ኣብ መንጎ ሻድሻይን ዓስራይን ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ቀዳሕቲ ኢዮም። እቲ ንሳቶም ዝቐድሕዎ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ናይ ማሶራውያን ጽሑፋት ተባሂሉ ይጽዋዕ።2

b ቅ.ኣ.ዘ. “ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘመንና” ማለት ኢዩ። ከ.ኣ.ዘ. ድማ “ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና” ኢዩ ዘመልክት: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ዓ.ም.: ዓመተ ምሕረት ተባሂሉ ይጽዋዕ: ትርጕሙ “ጐይታና ዝመጸሉ ዓመት” ማለት ኢዩ።

c ብኤማንዌል ቶቭ እተዳለወት ቴክስቹዋል ክሪቲሲዝም ኦቭ ሂብሪው ባይብል (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:⁠- “ብሓገዝ ናይ ካርቦን 14 ገይርካ እተገብረ ምርመራ: 1QIsaa [ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥቕላል] ካብ 202 ክሳዕ 107 ቅኣዘ (ብዛዕባ ናይ ጥንቲ ጽሑፋትን እተቐርጹ ነገራትን መጽናዕቲ ብምግባር ዝወሃብ ዕለት [ፓሌዮግራፊካል ደይት]:⁠- 125⁠-​100 ቅኣዘ) ኣብ ዘሎ እዋን ኢዩ ተጻሒፉ። . . . እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት እተመሓየሸ: ናይቲ ፊደላት ቅርጽን ኣሰራርዓን ምስ ከም እኒ ዕለት ዘለዎም ሰናቲምን እተቐርጸ ነገራትን ዝኣመሰሉ ናይ ወጻኢ ምንጭታት ብምውድዳር ልክዕ ዝዀነ ዕለት ንምውሳን ዘኽእል ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ ፓሌዮግራፊ ኣወሃህባ ዕለት ንገዛእ ርእሱ ብተዛማዲ ክእመን ዝኽእል ኣገባብ ኢዩ።”6

d ተርጐምቲ ብብሕቶም ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ትሕዝቶ ኣጸቢቖም ዝስዕብዎ ወይ ድማ ሸለል ዝብልዎ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓቂ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብኽኢላታት ቀዳሕቲ ተዓቂቡ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]

እቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ናይ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥቕላል (ቅዳሑ ኣብዚ ዝርአ ዘሎ) ምስቲ ብድሕሪኡ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ እተጻሕፈ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ዳርጋ ሕደ ኢዩ