ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

መዓልቲ ፍርዲ ኸመይ ኰይና እያ እትስምዓካ፧ ብዙሓት ሰባት ብቢልዮናት ዚቝጸራ ነፍሳት በብሓደ ናብ ዝፋን ኣምላኽ ዚቐርባሉ እዋን ኰይኑ ይስምዖም። ኣብኡ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ፍርዲ ይውሃቦ። ገሊኦም ናብ ሰማያዊት ገነት ይኣትዉ፡ ገሊኦም ድማ ዘለኣለማዊ ስቓይ ይፍረዶም ይብሉ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እዋን እዚ እተፈልየ መግለጺ እዩ ዘለዎ። ቃል ኣምላኽ፡ ከም ዜፍርህ እዋን ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ተስፋ ዚህልወሉን እተበላሸወ ነገራት ዚዕረየሉን እዋን ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጽ።

ኣብ ራእይ 20:11, 12 ሃዋርያ ዮሃንስ ንመዓልቲ ፍርዲ ዝሃቦ መግለጺ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን ኣብኡ እተቐመጠን ከኣ ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፡ ቦታ እውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ፈራዲ መን እዩ፧

እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ፈራዲ ደቂ ሰብ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ ምፍራድ ዕዮ ንኻልእ ሂቡዎ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:31 ኣምላኽ “በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ” በለ። እዚ እተመደበ ፈራዲ እዚ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሃንስ 5:22) መዓልቲ ፍርዲ ደኣ እሞ መዓስ እያ እትጅምር፧ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜኸ እያ ኽትጸንሕ፧

መጽሓፍ ራእይ መዓልቲ ፍርዲ እቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ስርዓት ሰይጣን ምስ ጠፍአ ኸም እትጅምር ትገልጽ። * (ራእይ 16:14, 16፣ 19:19–20:3) ድሕሪ ኣርማጌዶን ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪእሰሩ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ሰማያዊ ውርሻ ዘለዎም 144,000 ፈራዶ ኪዀኑ፡ ‘ምስ ክርስቶስ ከኣ 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም።’ (ራእይ 14:1-3፣ 20:1-4፣ ሮሜ 8:17) መዓልቲ ፍርዲ ኽትብሃል ከላ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ጥራይ እተብቅዕ ሓጻር እዋን ዘይኰነትስ፡ ንሽሕ ዓመት እትቕጽል እያ።

ኣብቲ ሽሕ ዓመት፡ የሱስ ክርስቶስ “ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ” እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:1) እቶም “ህያዋን” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ “ብዙሓት ህዝቢ” እዮም። (ራእይ 7:9-17) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ “ምዉታት . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን [ፍርዲ] ደው ኢሎም” ርእዩ እዩ። ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ እቶም ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ድምጺ ክርስቶስ ሰሚዖም ኪወጹ፡’ ማለት ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እንተዀነ ግና፡ ብምንታይ መሰረት እዮም ዚፍረዱ፧

ብመሰረት እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ፡ . . . እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” (ራእይ 20:12) እዚ መጻሕፍቲ እዚ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርዎ ነገራት ዝሓዘ መዝገብ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ እቲ ፍርዲ ኣብቲ ሰባት ቅድሚ ሙማቶም ዝገበርዎ ነገራት ኣይኬተኵርን እዩ። ከምዚ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:7) ስለዚ፡ እቶም ዚትንስኡ ዅሉ እቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቶም ተረሲዑ እዩ። እምበኣር፡ እቲ መጻሕፍቲ ነቲ ኣምላኽ ሽዑ ኸነማልኦ ዚሓተና ተወሳኺ ብቕዓታት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ዀኑ እቶም ዚትንስኡ ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ትእዛዛት ኣምላኽ፡ እንተላይ እቲ የሆዋ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዚገልጾ ዝዀነ ይኹን ብቕዓታት ኪሕልዉ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ውልቀ ሰባት ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ብዚገብርዎ ነገራት እዮም ዚፍረዱ።

መዓልቲ ፍርዲ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ኪምሃሩን ምስኡ ተሰማሚዖም ኪነብሩን ኣጋጣሚ ኽትከፍተሎም እያ። እዚ ድማ ዓብዪ ትምህርታዊ ዕዮ ኸም ዚህሉ እዩ ዜመልክት። እወ፡ “ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ [ኺ]ምሃሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 26:9) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሎም ሰባት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ይደልዩ እዮም ማለት ኣይኰነን። ኢሳይያስ 26:10፡ “እኩይሲ ሞገስ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ጽድቂ ኣይምሃርን። ኣብ ሃገር ቅንዕና እኳ እከይ ይገብር፡ ግርማ የሆዋ እውን ኣይርእን” ትብል። እዞም ረሲኣን እዚኦም ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዘለኣለም ኪሞቱ እዮም።—ኢሳይያስ 65:20

መዓልቲ ፍርዲ ኣብ እትውድኣሉ እዋን፡ እቶም ሽዑ ዚተርፉ ደቂ ሰብ ፍጹማት ሰባት ኰይኖም ምሉእ ብምሉእ “ህያዋን” ኪዀኑ እዮም። (ራእይ 20:5) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ ደቂ ሰብ ናብቲ ናይ ፈለማ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) ድሕሪኡ፡ ናይ መወዳእታ ፈተና ኺህሉ እዩ። ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ንእተወሰነ ግዜ ኺፍታሕ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኸኣ ንሰባት ኬስሕት ኪፍቀደሉ እዩ። (ራእይ 20:3, 7-10) እቶም ዚጻረርዎ እቲ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኺፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም። (መዝሙር 37:29) እወ፡ መዓልቲ ፍርዲ ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ በረኸት ከተምጽኣሎም እያ!

^ ሕ.ጽ. 1 ብዛዕባ ኣርማጌዶን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ፡ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 594-595, 1037-1038 ከምኡ እውን ኣብ ምዕራፍ 20 እታ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።