ገበር | መወዳእታ ቐሪቡ ድዩ፧
“መወዳእታ” እንታይ ማለት እዩ፧
“መወዳእታ ቐሪቡ እዩ!” ዚብላ ቓላት ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንቕኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ፡ ንእኩያት ከኣ ናብ ገሃነም ንምውሳድ ዚመጸሉ፡ “ምጽኣተ ዓለም” ተባሂሉ ዚፍለጥ ግዜ ዲኻ እትሓስብ፧ ወይስ ኑክልየሳዊ ውግእ ወይ ሳልሳይ ውግእ ዓለም እዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ፧ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምሕሳብ ንገሊኦም ሰባት የጨንቖም እዩ። ካልኦት ግና “መወዳእታ” እንተ ኣልዩ እውን ይጠራጠሩ እዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ይብል። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ፍጻመ እዚ፡ “እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ከምኡ እውን “ኣርማጌዶን” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 16:14, 16) ሓቂ እዩ፡ ብዛዕባዚ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምድንጋራትን ዜሻቕል ኣሉታዊ ርእይቶታትን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ እንታይ ከም ዝዀነን እንታይ ከም ዘይኰነን ብንጹር እዩ ዚገልጸልና። መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ንኽንርዳእ እውን ብንጹር ይሕብረና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብኸመይ ክንድሕን ከም እንኽእል ይምህረና እዩ። ፈለማ ግና፡ ሰባት ብዛዕባ መወዳእታ እንታይ ጌጋ ምርዳእ ከም ዘለዎምን ናይ ሓቂ ትርጉም መወዳእታ እንታይ ምዃኑን ንርአ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ “መወዳእታ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
መወዳእታ እንታይ ከም ዘይኰነ
-
መወዳእታ፡ ምድሪ ብሓዊ ነዲዳ እትጠፍኣሉ ኣይኰነን።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ይብል። (መዝሙር 104:5) እዛ ጥቕሲ እዚኣን ካልእን፡ ኣምላኽ ንምድሪ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣን ንኽትጠፍእ ድማ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድጋን እዩ ዜረጋግጸልና።—መክብብ 1:4፣ ኢሳይያስ 45:18።
-
መወዳእታ፡ ዘይምዱብን ብሃውሪ ዜጋጥምን ኣይኰነን።
መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ ምዱብ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ፣ ኣምላኽ ውሱን ግዜ መዲብሉ ኣሎ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ፡ ኣቦ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። እቲ ምዱብ እዋን መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተቛመቱን ንቕሑን።” (ማርቆስ 13:32, 33) ኣምላኽ (“ኣቦ”)፡ መወዳእታ ዜምጽኣሉ “ምዱብ እዋን” ወሲኑ ኸም ዘሎ እምበኣር ንጹር እዩ።
-
መወዳእታ፡ ብሰባት ወይ ካብ ህዋ ብዚውንጨፍ ስብርባራት ኣኻውሕ ዚመጽእ ኣይኰነን።
መወዳእታ ዚመጽእ ብኸመይ እዩ፧ ራእይ 19:11፡ “ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ። እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን” ትብል። ፍቕዲ 19 ድማ ቀጺላ፡ “እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ” ትብል። (ራእይ 19:11-21) መብዛሕትኡ እዚ ቓላት ምሳልያዊ እኳ እንተዀነ፡ ኣምላኽ፡ ሰራዊት መላእኽቲ ብምልኣኽ ንጸላእቱ ኸም ዜጽንቶም ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ መወዳእታ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕማቕ ዜና ዘይኰነስ ብስራት እዩ
መወዳእታ እንታይ ከም ዝዀነ
-
መወዳእታ፡ ጥፍኣት ሰብኣውያን መንግስትታት እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን ዳንኤል 2:44) ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ነጥቢ 3 እተገልጸ፡ እቶም “ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን” ንኺዋግኡ ዚእከቡ “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 19:19።
መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ብምባል ይገልጽ። ( -
መወዳእታ፡ ጥፍኣት ውግእን ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን እዩ።
“[ኣምላኽ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።” (መዝሙር 46:9) “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ።”—ራእይ 21:4, 5።
-
መወዳእታ፡ ጥፍኣት እተን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ዝፈሸላ ሃይማኖታት እዩ።
“ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ አለዉ፡ . . . ኣብ መወዳእታኡ [“መወዳእታ ምስ መጸ፡” NW] ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” (ኤርምያስ 5:31) “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካዶ ኣይተነበናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧ ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23።
-
መወዳእታ፡ ጥፍኣት እቶም ነዚ ህሉው ኵነታት ዓለም ዚድግፉን ኣብኡ ኢድ ዘለዎምን እዩ።
የሱስ ክርስቶስ፡ “ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን ከኣ እዚ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፣ ሰባት ግና ግብሮም እኩይ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ” በለ። (ዮሃንስ 3:19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ግዜ እቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ይገልጽ እዩ። “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከኣ ብእኡ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቓ ጠፍአት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና በቲ ቓል እቲ ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ድማ ይሕሎ ኣሎ።”—2 ጴጥሮስ 3:5-7።
እቲ ዚመጽእ ዘሎ “መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣትን” ምስ ጥፍኣት እታ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረት “ዓለም” ተመሳሲሉ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። ኣየነይቲ ዓለም እያ ጠፊኣ፧ ምድርና ኣይኰነትን ጠፊኣ፣ የግዳስ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት፡” ማለት ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም ‘ጠፊኦም’። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ጸላእቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚመርጹ ሰባት፡ ኣብታ እትመጽእ “መዓልቲ ፍርዲ” ኣምላኽ ኪጠፍኡ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ኖህን ስድራ ቤቱን ዝደሓኑ፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዘበሉ ኺድሕኑ እዮም።—ማቴዎስ 24:37-42።
ኣምላኽ ንዅሉ እኩይ ጽልዋታት ምስ ኣጥፍኦ፡ ምድርና ኽሳዕ ክንደይ እተደንቕ ከም እትኸውን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ መወዳእታ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕማቕ ዜና ዘይኰነስ፡ ብስራት ምዃኑ እምበኣር ንጹር እዩ። ገና ግና፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ይነግረና ድዩ፧ ቀሪቡ ደዀን ይኸውን፧ ብኸመይከ ኽድሕን እኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።