መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

እዛ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ መጽሓፍ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መከራ ዚወርደና ምኽንያትን ኵነታት ምዉታትን መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤትን ካልእ እተፈላለየ ዛዕባታትን እንታይ ከም ዚብል ንኽትፈልጥ ክትሕግዘካ እያ።

እዝስ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ ነይሩ፧

ሎሚ ኣዝዩ ብዙሕ ጸገማት ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ለውጢ ኸም ዚመጽእን ንስኻ እውን ካብኡ ኽትጥቀም ከም እትኽእልን ዚገልጽ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧

ምዕራፍ 1

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ብብሕቲ ዚሓልየልካዶ ይመስለካ፧ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎን ብኸመይ ክንቀርቦ ኸም እንኽእልን ተምሃር።

ምዕራፍ 2

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ ጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታት ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

ምዕራፍ 3

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጸም ድዩ፧ ዚፍጸም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መዓስ፧

ምዕራፍ 4

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ስለምንታይ እቲ ተስፋ እተገበረሉ መሲሕ ከም ዝዀነን ካበይ ከም ዝመጸን ስለምንታይ ንየሆዋ ሓደ ዝዀነ ወዲ ኸም ዝዀነን ተምሃር።

ምዕራፍ 5

እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ

በጃ እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ ብኸመይ ይጠቕመካ፧

ምዕራፍ 6

ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

ምዉታት ብዛዕባ ዘለዉሉ ዅነታትን ሰባት ብዛዕባ ዚሞቱሉ ምኽንያትን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ተምሃር።

ምዕራፍ 7

እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ

እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካዶ ይፈልጥ፧ እንደገና ኽትርእዮ ትኽእል ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ከም ዚምህር ፍለጥ።

ምዕራፍ 8

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ብዙሓት ሰባት ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት ይፈልጥዋ እዮም። እሞኸ፡ እቲ “መንግስትኻ ትምጻእ” ዚብል ሓረግ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

ምዕራፍ 9

ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧

እቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ተግባራትን ኣረኣእያታትን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነግረ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ እዩ።

ምዕራፍ 10

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽትን ኣጋንንትን ይዛረብ እዩ። እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ብሓቂ ዘለዉ ድዮም፧ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ ኺገብሩኸ ይኽእሉ ድዮም፧

ምዕራፍ 11

ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ መከራ ተሓታቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ ብዛዕባ እቲ መከራ ዜጋጥመሉ ዘሎ ምኽንያታት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ተምሃር።

ምዕራፍ 12

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር ይከኣል እዩ። ወረግ ፈታዊኡ እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ምዕራፍ 13

ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻል ጥንስን ምምሕልላፍ ደምን ህይወት እንስሳታትን ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 14

ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ውሉዳትን ነታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ ኪቐድሑዋ ኣለዎም። ካብ የሱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ምዕራፍ 15

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ

እቶም ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት ዚልለዩሉ ሽዱሽተ መገዲ ርአ።

ምዕራፍ 16

ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቑም

እምነትካ ንኻልኦት ከተካፍሎም ከለኻ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧ ንኻልኦት ከየቐየምካ ብኸመይ እምነትካ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧

ምዕራፍ 17

ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ

ክትጽሊ ኸለኻ ኣምላኽ ይሰምዓካ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚምህር ክትርዳእ ኣሎካ።

ምዕራፍ 18

ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን

ንክርስትያናዊ ጥምቀት ብቑዕ ዚገብረካ እንታይ ስጕምትታት እዩ፧ ጥምቀት ንምንታይ ከም ዜመልክትን ብኸመይ ኪፍጸም ከም ዘለዎን ተምሃር።

ምዕራፍ 19

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ

ንኣምላኽ ስለቲ ዝገበረልካ ዅሉ ነገራት ፍቕርን ሞሳኻን ኽትገልጸሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም

ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ካብ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳት ወጺኡ እዩ። ስለምንታይ፧ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ኣገዳሲ ድዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ

ኣምላኽ ልዕሊ 500 ዓመት ኣቐዲሙ መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ መሳጢ ትንቢት እዚ ተምሃር!

መመላእታ ጽሑፍ

የሱስ ክርስቶስ—እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ

የሱስ ንዅሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መሲሕ ዚንበዮ ትንቢታት ፈጺምዎ እዩ። እዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ ብዝርዝር ከም እተፈጸመ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣረጋግጽ።

መመላእታ ጽሑፍ

ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ

ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስላሴ ኸም ዚምህር ይኣምኑ እዮም። እዝስ ሓቂ ድዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት

የሱስ ብሓቂ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ድዩ ሞይቱ፧ ነቲ መልሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ።

መመላእታ ጽሑፍ

ድራር ጐይታ—ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል

ክርስትያናት በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ ተኣዚዞም እዮም። እዚ መዓስን ብኸመይ እዩ ዚብዓል፧

መመላእታ ጽሑፍ

”ነፍሲ”ን “መንፈስ”ን ዚብላ ቓላት ብሓቂ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሞትና ኣብ ውሽጥና እትነብር ዘይትርአ ነገር ካብ ኣካላት ተፈልያ ምንባር ከም እትጅምር ይኣምኑ እዮም። ቃል ኣምላኽከ እንታይ ይብል፧

መመላእታ ጽሑፍ

ሲኦልን ሃደስን እንታይ እዩ፧

ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ሲኦልን ሃደስን ዚብላ ቓላት፡ “መቓብር፡” ወይ “ጕድጓድ” ኢሉ ይትርጉመን። እዘን ቃላት እዚአን ግና ብሓቂ እንታይ እዩ ትርጉመን፧

መመላእታ ጽሑፍ

መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

መዓልቲ ፍርዲ ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ብኸመይ በረኸት ከም እተምጽኣሎም ተምሃር።

መመላእታ ጽሑፍ

1914—ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት

1914 ኣገዳሲት ዓመት ከም ዝዀነት ዜረጋግጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መርትዖ እንታይ እዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንነት እቲ ሓያል ሊቀ መላእኽቲ ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እዚ ሊቀ መላእኽቲ እዝን ሕጂ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ተምሃር።

መመላእታ ጽሑፍ

ነታ “ዓባይ ባቢሎን” ምልላያ

መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ “ዓባይ ባቢሎን” እትብሃል ሰበይቲ ይዛረብ እዩ። ቃል ብቓሉ ሰበይቲ ድያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧

መመላእታ ጽሑፍ

የሱስ ኣብ ታሕሳስ ድዩ ተወሊዱ፧

ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ ወቕቲ ዝነበረ ዅነታት ኣየር መርምር። ካብኡ እንታይ ኢና እንምሃር፧

መመላእታ ጽሑፍ

በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

መበቈል እቲ ኣብ ከባቢኻ ብሰፊሑ ዚብዓል በዓላት እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኼገርመካ ይኽእል እዩ።