ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር፡ ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳርን ስድራ ቤትን ኪህልወካ ይኽእል እዩ።
መእተዊ
ነቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ግብራውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳርን ሕጕስቲ ስድራ ቤትን ኪህልወካ ይኽእል እዩ።
3ይ ክፋል
ንጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሖ
ሓዳር በቲ ንስኻ እትመርጾ ቕኑዕ ኣቀራርባ እዩ ድልዱልን ሓጐስ ዝመልኦን ወይ ከኣ ሕማቕን ከርፋሕን ኪኸውን ዚኽእል።