2ይ ክፋል

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማርቆስ 10:9

የሆዋ ‘ተኣማንነት ክንፈቱ’ እዩ ዚደልየና። (ሚክያስ 6:8) እዚ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ ጥልመት እንተ ኣልዩ፡ ምትእምማን ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። ፍቕሪ ምእንቲ ኽትዓቢ ኸኣ፡ ተኣማንነት ኣድላዪ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ሓዳር እሙን ምዃን እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓዳርካ ምእንቲ ኸተዕቍቦ፡ ክልተ ነገራት ክትገብር ኣሎካ።

1 ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃቦ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምር።’ (ፊልጲ 1:10) ሓዳርካ፡ ኣብ ህይወትካ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዩ። ስለዚ፡ ቀዳምነት ክትህቦ ኣሎካ።

የሆዋ፡ ኣብ መጻምድትኻ ኸተተኵርን ብሓባር ‘ክትሕጐሱን’ እዩ ዚደሊ። (መክብብ 9:9) ንሓድሕድኩም ክትተሓጓጐሱ ደኣ እምበር፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ሸለል ኪብሎ ኸም ዘይግባእ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ንመጻምድትኻ፡ ዚድለን ዚፍቀርን ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ግበር።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ወትሩ ብሓባር ኴንኩም ግዜ ኣሕልፉ፣ ንመጻምድትኻ ድማ ጽን ኢልካ ስምዓዮ

  • “ኣነ” ኢልካ ዘይኰነስ፡ “ንሕና” ኢልካ ሕሰብ

2 ንልብኻ ሓልዎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ።” (ማቴዎስ 5:28) ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ርኽሰት ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድቱ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ዜጕድል።

የሆዋ፡ “ንልብኻ ሓልዎ” ኢሉ መኺሩካ ኣሎ። (ምሳሌ 4:23፣ ኤርምያስ 17:9) ከምኡ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ንኣዒንትኻ እውን ክትሕልወን ኣሎካ። (ማቴዎስ 5:29, 30) ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ስዓቦ፣ ንሱ ንኻልእ ሰበይቲ ብፍትወት ምእንቲ ኸይጥምታ፡ ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ተኣታተወ። (እዮብ 31:1) ፈጺምካ ስእለ ጽዩፍ ከይትርኢ ቝረጽ። መጻምድትኻ ምስ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ፍቕራዊ ርክብ ከይትምስርት ድማ ወስን።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ካልኦት ሰባት፡ ምሉእ ብምሉእ ንመጻምድትኻ እሙን ምዃንካ ኸም ዚፈልጡ ግበር

  • ንስምዒት መጻምድትኻ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ባህ ከም ዘይብሎ ኺገብር ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርክብ ብቕልጡፍ ኣቋርጾ