መእተዊ
ኣብዚ ኣብ ልዕሊ ሓዳርን ስድራ ቤትን መጥቃዕቲ ዚወርደሉ ዘሎ ጽንኩር እዋን፡ ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል ድያ፧ እዚ ቐሊል ጕዳይ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሓዳር መምርሒ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ዜተኣማምን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ግብራዊ ርእይቶታትን ዝሓዘት እያ። ነቲ ስርዓታትን ርእይቶታትን ብግቡእ መገዲ እንተ ተግቢርካዮ፡ ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ።