9ይ ክፋል
ብስድራ ቤት ኴንኩም ንየሆዋ ኣምልኽዎ
“ነቲ ሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ ኣምልኽዎ።”—ራእይ 14:7
ከምቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ እተምሃርካዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኪሕግዘኩም ዚኽእል ብዙሕ ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። የሆዋ ድማ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደልየካ። ንኣምልኾኡ ቐዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ‘እዚ ዅሉ ኸም ዚውሰኸልካ’ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:33) ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት መስርት። እዚ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ።—ማቴዎስ 22:37, 38።
1 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።” (2 ቈረንቶስ 6:18) ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ከምኡ እትገብረሉ ሓደ መገዲ ድማ፡ ጸሎት እዩ። የሆዋ፡ ‘ከየቋረጽካ ኽትጽሊ’ ዓዲሙካ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:17) ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባትካን ዜሻቕለካ ነገራትን ኪሰምዕ ይህንጠ እዩ። (ፊልጲ 4:6) ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘሎካ ኺርእዩ እዮም።
ንኣምላኽ ብጸሎት ክትዛረቦ እኳ እንተ ኣሎካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ክትሰምዖ ኣሎካ። ነዚ ድማ፡ ንቓሉን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትን ብምጽናዕ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል። (መዝሙር 1:1, 2) ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትን። (መዝሙር 77:11, 12) ንኣምላኽ ምስማዕ፡ ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ እውን ዜጠቓልል እዩ።—መዝሙር 122:1-4።
ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እተደልድለሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምንጋር እዩ። ብዝያዳ ኸምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።—ማቴዎስ 28:19, 20።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
-
በብመዓልቱ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንጸሎትን ዚኸውን ግዜ መድብ
-
ከም ስድራ ቤት መጠን፡ ካብ መዘናግዒ ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ሃቡ
2 ብኣምልኾ ስድራ ቤትካ ተሓጐስ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከተውጽእን ኣዘውቲርካ ኽትስዕቦን ኣሎካ። (ዘፍጥረት 18:19) ኰይኑ ግና፡ ካልእ ተወሳኺ ነገር እውን ክትገብር ኣሎካ። ኣምላኽ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትካ ኪኸውን ኣለዎ። “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን” ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራብ፡ ነቲ ስድራ ቤትካ ምስኡ ዘለዋ ርክብ ኣደልድሎ። (ዘዳግም 6:6, 7) ከም እያሱ ንምዃን ሸቶ ግበር፣ ንሱ፡ “ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል” በለ።—እያሱ 24:15።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
-
ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዜድልዮ ነገራት ዜጠቓልል ስሩዕ መደብ ስልጠና ይሃሉኻ