ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ኵሉ ትምኒተይ ዝረኸብኩ ይመስል ነይሩ”

“ኵሉ ትምኒተይ ዝረኸብኩ ይመስል ነይሩ”
  • ዓመተ ልደት፦ 1962

  • መበቈል ሃገር፦ ካናዳ

  • ታሪኽ፦ ርኹስ ኣነባብራ ዚነብር

ሕሉፍ ህይወተይ

 ኣብታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ኣውራጃ ኲበክ ዘላ ሞንትርያል እትብሃል ዝዓበየት ከተማ እየ ተወሊደ። ኣነን ክልተ ኣሕዋተይን ሓብተይን ሮዝሞንት ኣብ ዚብሃል ባህ ዜብል ገዛውቲ ኢና ዓቢና። ፈቃራት ወለዲ እውን እዮም ነይሮምና። ጸጥታ ዝሰፈኖ ሰላማዊ ህይወት እዩ ነይሩና።

 ቈልዓ ኸለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይስሕበኒ ነይሩ እዩ። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ህይወት የሱስ ከንብብን ብእኡ ብዙሕ ክሕጐስን ትዝ ይብለኒ እዩ። በቲ ንሰባት ዝነበሮ ፍቕርን ርሕራሐን ልበይ ስለ እተተንከየ፡ ከምኡ ክኸውን ደለኹ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እናዓበኹ ምስ ከድኩ እሞ፡ ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ክውዕል ምስ ጀመርኩ፡ እዚ ባህገይ እዚ ቐሃመ።

 ኣቦይ ተጻዋታይ ሳክስፎን እዩ ነይሩ፣ ነታ መሳርሒ ሙዚቃኡ ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ ነቲ ኣብ ህይወተይ ቀንዲ ኣትኵሮ ዝገበርኩሉ ፍቕሪ ሙዚቃ ኣውሪሱኒ እዩ። ሙዚቃ ኣዝየ እፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ ጊታር ተምሃርኩ። ጸኒሐ ኸኣ፡ ምስ ገሊኦም ኣዕሩኸይ ጕጅለ ሙዚቃ ሮክ መስረትኩ፣ እተፈላለየ ምርኢታት ድማ ነቕርብ ነበርና። ገሊኦም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዚዓይዩ ውሩያት ኣዳለውቲ ስለ ዘቕለቡለይ ከኣ፡ ምሳታቶም ክዓዪ ሕቶ ኣቕረቡለይ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ሓደ ዓብዪ ኩባንያ ሪኮርድ ውዕል ፈረምኩ። ሙዚቃይ ህቡብ ኰነ፣ ኣብ ኲበክ ኣብ ዘሎ ረድዮ እውን ኣዘውቲሩ ይስማዕ ነበረ።

 ኵሉ ትምኒተይ ዝረኸብኩ ይመስል ነይሩ። ውሩይ መንእሰይ እየ ነይረ፣ ዝፈትዎ ስራሕ እናሰራሕኩ እውን ብዙሕ ገንዘብ እረክብ ነይረ። ቀትሪ፡ ኣብ ጂምናዝዩም ምውስዋስ ኣካላት እገብር፡ ቃለ መጠይቓት እህብ፡ ንደገፍተይ እፍርመሎም፡ ኣብ ተለቪዥን ከኣ እርአ ነይረ። ለይቲ ድማ፡ ኣብ ምርኢታት እጻወትን ኣብ ፓርቲ እሓድርን ነይረ። ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ትብዓት ምእንቲ ኽረክብ ኢለ፡ ብንእስነተይ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰቲ ጀሚረ ነይረ፣ እዚ ድማ ሓሽሽ ናብ ምውሳድ መርሓኒ። ፋሉልን ርኹስን እውን እየ ነይረ።

 ሕጉስ እመስል ስለ ዝነበርኩ፡ ገሊኦም ብናብራ ህይወተይ ይቐንኡ ነይሮም እዮም። ኣነ ግና ምናዳ በይነይ ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ውሽጠይ ባዶነት ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። ጭንቀትን ሻቕሎትን እውን ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ብዙሕ ኪሰልጠኒ ምስ ጀመረ፡ ክልተ ኻብቶም ዜዕይዩኒ ዝነበሩ ኣዳለውቲ ብአይድስ ሞቱ። በዚ ኸኣ ሰምበድኩ! ሙዚቃ እፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ኣነባብራ ግና ፈንፈንክዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ኣብ ዓለም ዓብዪ ጸገም ከም ዘሎ ግና እፈልጥ ነይረ እየ። ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኪህሉ ዝኸኣለ፧ ኣምላኽ ስለምንታይ ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ ክሓስብ ጀመርኩ። መልሲ ንምርካብ እውን፡ ናብ ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕ ጸለኹ። ካብቲ ምርኢታት ንምቕራብ እንገብሮ ዙረት ኣዕሪፍና ኸለና፡ ከም ብሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ። መብዛሕትኡ እቲ ዘንበብክዎ እኳ እንተ ዘይተረድኣኒ፡ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ኪኸውን ከም ዘለዎ ደምደምኩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ምድረ በዳ 40 መዓልቲ ኸም ዝጾመ ረኸብኩ። (ማቴዎስ 4:1, 2) ስለዚ ድማ፡ ከምኡ እንተ ገይረ፡ ኣምላኽ ይግለጸለይ ይኸውን ኢለ ዝጾመሉ መዓልቲ ወሰንኩ። ካብቲ ኽጾመሉ ዝሓሰብኩ ኽልተ ሰሙን ኣቐዲሙ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማዕጾይ ኳሕኵሑ፣ ኣነ እውን ክጽበዮም ከም ዝጸናሕኩ መሲለ ኽኣትዉ ዓደምክዎም። ዣክ ንዝስሙ ሓደ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓይን ዓይኑ እናጠመትኩ፡ “ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ዓለም እዚኣ ንነብር ከም ዘለና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱሱ ገንጺሉ፡ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንበበለይ። ንኽልቲኦም ከኣ ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክዎም፣ በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ዜእምንን ዜዕግብን መልስታቶም እውን ደንጸወኒ። ሒደት ሳዕ ተመላሊሶም ምስ በጽሑኒ፡ ክጸውም ከም ዘየድልየኒ ተገንዘብኩ።

 ድሕሪኡ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ነቲ ነዊሑ ዝነበረ ጸጕረይ ቈሪጸ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክእከብ ጀመርኩ። ኣብቲ ኣኼባ ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበሉኒ ድማ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ተወሳኺ መርትዖ ዀነኒ።

 ነቲ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጥታት ክገብር ነይሩኒ እዩ። ብቐዳምነት፡ ሓሽሽ ምውሳድን ብርኹስ ኣነባብራ ምምልላስን ክሓድጎ ነይሩኒ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሰይ ዘተኰረ ኣረኣእያ ከወግድ፡ ንኻልኦት እውን ብዝያዳ ኽሓሊ ነይሩኒ። ነቶም ብዘይ ኣደ ዘዕብዮም ክልተ ደቀይ ድማ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ከማልኣሎም ነይሩኒ። ስለዚ፡ ከም ሙዚቀኛ ዝነበረኒ ሞያ ሓዲገ፡ ሒደት ደሞዝ ኣብ ዚኽፈሎ ፋብሪካ ኽሰርሕ ጀመርኩ።

 እዚ ዅሉ ለውጥታት ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ሓሽሽ ከቋርጽ ክጽዕር ከለኹ፡ ወልፊ ስለ ዝበርትዓኒ፡ ሒደት ሳዕ ደጊሱኒ እዩ። (ሮሜ 7:19, 21-24) ምናዳ ነቲ ርኹስ ኣነባብራይ ምሕዳግ፡ ከቢድ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ስራሐይ ኣድካሚ እዩ ነይሩ፣ እቲ ሒደት ኣታውየይ እውን ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ። ሙዚቀኛ ዀይነ ኣብ ክልተ ሰዓት ዝረኽቦ ዝነበርኩ ኣታዊ ንምርካብ፡ ሰለስተ ወርሒ እዩ ወሲዱለይ።

 ጸኒዐ ነዚ ኣጸጋሚ ምትዕርራያት ምእንቲ ኽገብር፡ ጸሎት ሓጊዙኒ እዩ። ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣድላዪ ዀይኑ እየ ረኺበዮ። ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ እዩ። ሓንቲአን 2 ቈረንቶስ 7:1 እያ ነይራ፣ ንሳ ኸኣ፡ ክርስትያናት ‘ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእሶም ኬንጽሁ’ ትላቦ። ካብ ሕማቕ ወልፊ ናጻ ኽትወጽእ ከም እትኽእል ዘተባብዓትኒ ኻልእ ጥቕሲ ድማ ፊልጲ 4:13 እያ ነይራ፣ ንሳ ኸኣ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ትብል። የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎተይ ምላሽ ሂቡኒ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ እውን፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲአ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ህይወተይ ንዕኡ ኽውፊ ደሪኹኒ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:1, 2) ስለዚ፡ ብ1997 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 በቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ እንተ ዝቕጽል፡ ሎሚ ሞይተ ምሃለኹ ነይረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ ህይወት ኣሎኒ። ንሰበይተይ ኤልቪ ብምርካበይ፡ ብሓቂ ተባሪኸ እየ። ብሓባር ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንምህር ኣለና። እዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣለይ እዩ። የሆዋ ናብኡ ስለ ዝሰሓበኒ፡ ብሓቂ አመስግኖ እየ።—ዮሃንስ 6:44