ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ህይወተይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ነይሩ

ህይወተይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ነይሩ
  • ዓመተ ልደት፦ 1971

  • መበቈል ሃገር፦ ቶንጋ

  • ታሪኽ፦ ውሉፍ ሓሽሽ ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐነ

ሕሉፍ ህይወተይ

 ስድራ ቤተይ መበቈሎም ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓሲፊክ እትርከብ ኣስታት 170 ደሴታት እትሓቍፍ ሃገረ ቶንጋ እዮም። ኣብ ቶንጋ ብዘይ ኤለክትሪክ ወይ ማኪና፡ ቀሊል ናብራ ኢና እንነብር ኔርና። ኣብ ገዛና ግና ማይ ቡምባ ነይሩና፣ ሒደት ደርሁ እውን ነይረናና። ካብ ትምህርቲ ኣብ እነዕርፈሉ እዋን፡ ኣነን ክልተ ኣሕዋተይን ንኣቦይ ኣብ ሕርሻና ንሕግዞ ኔርና፣ ኣብኡ ኸኣ ባናና፡ ያም፡ ታሮ፡ ካሳቫ ዚብሃል ኣትክልቲ ነይሩና። እዚ ኣትክልቲ እዚ፡ ነቲ ኣቦይ ንኣሽቱ ስራሓት ብምስራሕ ዚረኽቦ ቝሩብ ቍራቦ ደሞዙ መወሰኽታ ይዀነና ነይሩ። ስድራ ቤትና ኸምቶም ካልኦት ነበርቲ ደሴት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ኣኽብሮት ነይሩና፡ ናብ ቤተ ክርስትያን እውን ኣዘውቲርና ንኸይድ ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ጽቡቕ ህይወት እትረኽበሉ ሓደ በይኑ መገዲ፡ ናብ ሃብታም ሃገር ምግዓዝ ከም ዝዀነ ኢና እንኣምን ኔርና።

 ወዲ 16 ዓመት ከለኹ፡ ኣኮይ ንስድራ ቤትና ናብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ኽንግዕዝ ኣሳሊጡልና። እቲ ሽዑ ዘጋጠመና ናይ ባህሊ ለውጢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ቍጠባዊ ዅነታትና እኳ እንተ ተመሓየሸ፡ ዓመጻን ሓሽሽን ኣብ ዝበዝሓሉ እንዳ ድኻታት ኢና እንነብር ኔርና። ለይቲ ብዙሕ ሳዕ ተዅሲ ንሰምዕ ኔርና፣ መብዛሕትኦም ጐረባብትና ድማ ንዓዋሉ ይፈርህዎም ነይሮም እዮም። ብዙሓት ሰባት ንርእሶም ንምክልኻል ኢሎም ወይ ንባእሲ ኪዀኖም ኢሎም ሽጉጥ ይሕዙ ነይሮም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ባእሲ እተተኰሰት ጥይት፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣፍ ልበይ ኣላ።

 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ምስቶም መንእሰያት ተመሳሲለ ኽነብር እደሊ ነይረ እየ። በብቝሩብ ቀይዲ ናብ ዘይብሉ ድግስ ክኸይድ፡ መስተ ኸብዝሕ፡ ኣብ ዓመጻ ኽሳተፍ፡ ከምኡ እውን ሓሽሽ ክወስድ ጀሚረ። እናሓደርኩ እውን ወልፊ ኮከይን ዚብሃል ዓይነት ሓሽሽ ኣጥርየ። ሓሽሽ ንምዕዳግ ከኣ፡ ክሰርቕ ጀሚረ። ኣባላት ስድራ ቤተይ ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ ክርስትያን ዝኸዱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ኽፉእ ክገብር ዜጋጥመኒ ጸቕጢ መዛኑ ኽጻረር ዜኽእል ትምህርቲ ግና ኣይተዋህበንን። ዓማጺ ብምንባረይ ብዙሕ ሳዕ ተኣሲረ እየ። ህይወተይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ነይሩ! ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

 ብ1997 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ እሱር ኣብ ኢደይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘላ ኣስተብሂሉ። በዓል ልደተ ክርስቶስ ዚብዓለላ መዓልቲ እያ ነይራ፣ መብዛሕትና ቶንጋውያን ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣዝያ ቕድስቲ ኸም ዝዀነት ጌርና ኢና እንርእያ። ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ዝፈልጥ እንተ ዀይነ ሓቲቱኒ፣ ኣነ ግና ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሽዑ፡ ንሱ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀሊል ዛንታ ልደት ክርስቶስ ኣርእዩኒ፣ ኣነ ድማ ሓያሎ ልምድታት በዓል ልደተ ክርስቶስ ኣብኡ ኸም ዘይተጠቕሰ ርእየ። (ማቴዎስ 2:1-12፣ ሉቃስ 2:5-14) ሽዑ፡ ብዙሕ እዩ ደንጽዩኒ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ካልእ ከም ዚብል እውን ክሓስብ ጀሚረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ዝነበረ ሰሙናዊ ኣኼባታት ይእከብ ነይሩ እዩ፣ ኣነ ድማ ምስኡ ክኸይድ ወሲነ። ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ ብዛዕባ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ እዮም ዚመያየጡ ነይሮም። ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚብሃል ዝነበረ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተረድኣኒ፡ ኵሉ እቲ ዚምሃርዎ ዝነበሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ግና ኣስተውዒለ።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ሓሳብ ምስ ኣቕረቡለይ፡ ተሓጒሰ እየ ተቐቢለዮም። ብዛዕባ እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኸኣ ንፈለማ ግዜ ተማሂረ። (ኢሳይያስ 35:5-8) ንኣምላኽ ባህ ከብሎ እንተ ዀይነ፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ንጹር ኰይኑለይ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብታ ዘተስፈዋ ገነት ንዋላ ሓደ ኻብ ሕማቕ ኣመላተይ ሒዘ ኽኣቱ ኸም ዘይፈቅድ ክፈልጥ ክኢለ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ስለዚ፡ ቍጥዓይ ክቈጻጸር፡ ምትካኽ ክሓድግ፡ መስተ ኸየብዝሕ፡ ሓሽሽ እውን ከይወስድ ቈሪጸ።

 ብ1999፡ እተፈርደኒ ማእሰርቲ ቕድሚ ምውዳአይ፡ ሰበ ስልጣን ናብ ሰፈር ስደተኛታት ኣመሓላሊፎምኒ። ንልዕሊ ዓመት፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርክብ ኣይነበረንን። ቀጻሊ ለውጥታት ንምግባር ግና ቈሪጸ እየ ነይረ። ኣብ ዓመተ 2000፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንምንባር ዝነበረኒ ፍቓድ ሰሪዙ ናብ ቶንጋ ጠሪዙኒ።

 ናብ ቶንጋ ምስ ተመለስኩ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣናድየ ድሕሪ ምርካብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺለ። ነቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ፈትየዮ እየ፣ እቶም ኣብታ ደሴት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዅሉ ትምህርትታቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሶም ከም ዚምህሩ ምስ ረኣኹ፡ እዚ መሲጡኒ እዩ።

 ኣቦይ ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ዓብዪ ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ፡ ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባረይ፡ ኣብ ፈለማ ቤተ ሰበይ በዚ ይድንጽዎምን ይሓርቁን ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ወለደይ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ከዐሪ ይሕግዘኒ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ በዚ ባህ ኢልዎም እዩ።

ከም ብዙሓት ካልኦት ቶንጋውያን፡ ኣብ ሰሰሙን ንሓያሎ ሰዓታት ካቫ ዚብሃል መስተ እሰቲ ነይረ

 ሓደ ኻብቲ ኣመና ዘጸገመኒ ለውጥታት፡ እቲ ኣብ ባህልና ዚዝውተር መስተ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ቶንጋውያን ኣብ ሰሰሙን ንሓያሎ ሰዓታት ካቫ ዚብሃል ካብ ሰራውር ተኽሊ በርበረ ዚስራሕ መስተ ይሰትዩ እዮም። ኣነ ድማ ናብ ዓደይ ምስ ተመለስኩ፡ ዳርጋ ምሸት ምሸት ናብ እንዳ ካቫ ኸይደ ኽሳዕ ዝድንዝዝ እሰቲ ነይረ እየ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ጸገም ኣበርክቶ ዝገበረ ኸኣ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዲ ዘይብሎም ኣዕሩኽ ስለ ዝገበርኩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እዚ ኣመለይ እዚ ንኣምላኽ ከም ዘጕህዮ ኽግንዘብ ክኢለ። በረኸትን ስምረትን ኣምላኽ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ ለውጥታት ገይረ።

 ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀሚረ። ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ ምስ ዚጽዕሩ ሰባት ምሕባረይ ከኣ፡ ንዚቐርበለይ ፈተናታት ክጻረር ሓጊዙኒ እዩ። ብ2002 ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠሚቐ እየ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዚርከብ ትዕግስቲ ኣምላኽ ተጠቒመ እየ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣምላኽ ነዚ ብልሹው ኣረጊት ስርዓት ቀደም መጥፍኦ ነይሩ፣ ከማይ ዝበሉ ሰባት ምስኡ ዕርክነት ክሳዕ ዚምስርቱ ግና ኪጸንሕ ፈቒዱ ኣሎ። ንዓይ እውን ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ኪጥቀመለይ ተስፋ እገብር እየ።

 ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዚኸውን ዝነበረ ህይወተይ ደው ኣቢለዮ እየ። ነቲ ንህይወተይ ዚጐድእ ወልፈይ ከርዊ ኢለ እውን ደጊም ኣይሰርቕን እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰባት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንምግባር ክሕግዞም እየ ዝጽዕር። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓበርኩ፡ ምስታ ተያ ዝስማ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ ተራኺብና። ኣነን ንሳን ወድናን ድማ ኣዝዩ ዜሐጕስ ስድራ ቤት ኣሎና። ብሓባር ኴንና ኸኣ ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ገነት ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዜተስፉ ንሰባት ንምሃር ኣለና።