ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሓደ ሰብ እተጀመረ መጽናዕቲ ብዙሓት መጽናዕትታት ኣፍርዩ

ምስ ሓደ ሰብ እተጀመረ መጽናዕቲ ብዙሓት መጽናዕትታት ኣፍርዩ

 ማርታ እትብሃል ሓንቲ ኣብ ጓተማላ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ቋንቋ ኬክቺ ንዚዛረቡ ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትነግር ኢላ፡ ነቲ ቛንቋ ትምሃር ኣላ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሆስፒታል ኪወጽእ ረኣየቶ። ብትርኢቱ ድማ ኣብ ኣኽራናት ኣብ ዚርከብ ናይ የሆዋ መሳኻኽር ሳሕቲ ኻብ ዚሰብኩሉ ቝሸት ኬክቺ ኸም ዝመጸ ገመተት። ናብኡ ቐሪባ ኸኣ በተን እትፈልጠን ሒደት ቃላት ቋንቋ ኬክቺ ተዛረበቶ።

 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ድማ ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ ንሕቶኣ ተሓጒሱ ተቐበሎ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ መጽናዕቲ ኪኸፍል ከም ዘይክእል ነገራ። ንሳ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ክፍሊት ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህሩ ነገረቶ። እቲ መጽናዕቲ ብተሌፎን ኪግበር ከም ዚኽእልን ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ኺካፈሉ ኸም ዚኽእሉን እውን ገለጸትሉ። ንሱ ኸኣ በቲ ሓሳብ ተሰማምዐ። እቲ ሰብኣይ ስጳንኛ ኺዛረብን ኬንብብን ስለ ዚኽእል፡ ብቛንቋ ስጳንኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሃበቶ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብቛንቋ ኬክቺ እተዳለወት ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበቶ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ክልተ ደቁን ምስ ማርታ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ነቲ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ይገብርዎ ነበሩ። ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ማርታ ኸምዚ ትብል፦ “ንቛንቋ ኬክቺ ኣጸቢቐ ስለ ዘይመልኮ፡ ነቲ መጽናዕቲ ብስጳንኛ ኢና እንገብሮ ኔርና። እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ ይትርጕመላ ነበረ። ደቁ ግና ስጳንኛ ይኽእሉ እዮም።”

 እቲ ሰብኣይ ኣብ ቤተ ክርስትያኑ ፓስተር ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ኻብ መጽናዕቲ ዝፈለጦ ንምእመናኑ ኺምህሮም ጀመረ። እቶም ምእመናን ድማ ነቲ ዝነገሮም ስለ ዝፈተውዎ፡ ነዚ ሓድሽ ትምህርትታት ካበይ ከም ዝረኸቦ ሓተትዎ። ብዛዕባ እቲ ዝጀመሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ነገሮም ከኣ፡ በብሓደ ኣብቲ መጽናዕቲ ኺካፈሉ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ዳርጋ 15 ዚዀኑ ሰባት፡ ሰሙን ሰሙን ምስ ማርታ ብተሌፎን መጽናዕቲ ይገብሩ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኺሰምዕ፡ ነታ ተሌፎን ኣብ ጥቓ ማይክሮፎን ኬቐምጥዋ ጀመሩ።

 ማርታ ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ንሽማግለታት ጉባኤኣ ምስ ነገረቶም፡ ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት፡ ናብቲ እቶም ተምሃሮ ዚነብሩሉ ቝሸት ከይዱ በጽሖም። እቲ ሽማግለ ድማ ነቶም ተምሃሮ ሓላው ወረዳ a ናብ ዚህቦ ህዝባዊ መደረ ዓደሞም። እቲ መደረ ዚውሃበሉ ቦታ፡ ካብ ቍሸቶም ብማኪና ሓደ ሰዓት፡ ድሕሪኡ ድማ ብእግሪ ኽልተ ሰዓት ዚወስድ መገዲ ነበሮ። እቶም ተምሃሮ ኸኣ ነቲ ዕድመ ተቐበልዎ። ካብኣቶም 17 ዚዀኑ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ተረኸቡ።

 ድሕሪ እተወሰነ ሰሙን፡ እቲ ሓላው ወረዳን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምስቶም ተምሃሮ ንኣርባዕተ መዓልቲ ጸንሑ። ንግሆ ንግሆ ኣብ jw.org ዚርከብ ብቛንቋ ኬክቺ እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቪድዮታት ይርእዩ ነበሩ። ጸኒሖም ከኣ ነታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር የጽንዑ ነበሩ። ድሕሪ ቐትሪ ድማ፡ ካብ ፈነወ JW እተወሰነ መደባት ይርእዩ ነበሩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነቶም ተምሃሮ፡ ነናቶም መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚህልዎም ገበረ።

 እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብተን ዝጸንሑለን ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከባ ኻልኦት ኣቝሻት ኬክቺ ሰቢኾምን ነቶም ሰባት ናብ ፍሉይ ኣኼባ ዓዲሞምዎምን እዮም። እቶም ኣሕዋት ከኣ ነቶም ናብቲ ኣኼባ ዝመጹ 47 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ዓደምዎ። ዓሰርተው ሓደ ስድራ ቤታት ከኣ ነቲ ዕድመ ብሓጐስ ተቐበላኦ።

 ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ እቶም ሽማግለታት ኣብታ ናይ መጀመርታ ቝሸት ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣኼባ ኺግበር ምድላዋት ገበሩ። ሎሚ ዳርጋ 40 ሰባት ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ይካፈሉ እዮም። እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ቦታ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብ ዘብዓሉሉ እዋን፡ 91 ሰባት ተኣኪቦም እዮም።

 ማርታ እዚ ተመክሮ ብኸመይ ከም ዝጀመረን ኣበይ ከም ዝበጽሐን ክትዝክር ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ብዙሕ እየ ዘመስግኖ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ክዓዪ ኸም ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ዘለና ናውቲ ኢና። ኣምላኽ ንልቢ ነበርቲ እታ ቝሸት ስለ ዚፈልጦ ናብ ህዝቡ ስሒብዎም እዩ። የሆዋ የፍቅሮም እዩ።”

a ሓላው ወረዳ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወረዳ ንዚርከባ ኣስታት 20 ጉባኤታት ዚበጽሕ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ።