ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ዀይኖም፡ ካብ ኵሉ ዓሌታትን ባህልታትን እተዋጽኡ እዮም። ነዞም እተፈላለዩ ሰባት ሕብረት ከም ዚህልዎም ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ፍቓዱ ኣብ መላእ ምድሪ ኺፍለጥ ይደሊ። ፍቓዱ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ዚምህሩ ዘለዉኸ መን እዮም፧

LESSON 1

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ክንደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጥ፧ ብዛዕባና ብሓቂ እትፈልጦ እንታይ እዩ፧

LESSON 2

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ስለምንታይ ኢና፧

ስለምንታይ በዚ ስም እዚ ኽንጽዋዕ ከም ዝጀመርና ዜብርህ ሰለስተ ረቛሒታት ርአ።

LESSON 3

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም ብሓድሽ እተረኽበ ብኸመይ እዩ፧

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፡ ብልክዕ ተረዲእናዮ ኸም ዘለና፡ ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

LESSON 4

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧

ነዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ትርጉማት ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

LESSON 5

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕን ንሓድሕድና ንምትብባዕን ኣብ ኣኼባታት ንእከብ ኢና። ንዓኻ እውን ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኻ እዮም።

LESSON 6

ምስ ክርስትያን ብጾትና ምሕባርና ብኸመይ ይጠቕመና፧

ቃል ኣምላኽ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንሓብር የተባብዖም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል ርአ።

LESSON 7

ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

ኣብ ኣኼባታትና እንታይ ከም ዚግበር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ኣኼባታትና ምስ ተኣከብካ፡ ብጽፈት እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትምሰጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

LESSON 8

ንኣኼባታትና ጽቡቕ እንኽደን ስለምንታይ ኢና፧

ኣከዳድናና ንኣምላኽ የገድሶ ድዩ፧ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ብዚምልከት ኣብ እንገብሮ ምርጫ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ኸም ዝዀነና ርአ።

LESSON 9

ንኣኼባታት ጽቡቕ ጌርና ኽንዳሎ እኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ኣኼባታትና ቕድሚ ምእካብካ ኣቐዲምካ ምድላውካ ብዙሕ ክትጥቀም ይኽእል እዩ።

LESSON 10

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ርክብ ስድራ ቤትካ ንምድልዳልን ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

LESSON 11

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ዓዓመት፡ ኣብ ሰለስተ ፍሉይ ኣኼባታት ንእከብ ኢና። ካብዚ ኣኼባታት እዚ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

LESSON 12

ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧

ነቲ የሱስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣሰባብኻ ኢና እንቐድሖ፧ ገለ ኻብዚ ኣሰባብኻ እንታይ እዩ፧

LESSON 13

ፈላሚ እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወርሒ 30፡ 50፡ ወይ ከኣ ዝያዳ ሰዓታት ኣብ ዕዮ ስብከት የሕልፉ። ከምኡ ኺገብሩ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

LESSON 14

ንፈለምቲ እንታይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ፧

ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ግዜኦም ዚውፍዩ ፈለምቲ እንታይ ፍሉይ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ፧

LESSON 15

ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧

ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ዚመርሑ ብመንፈስ ዝበሰሉ ሰብኡት እዮም። እንታይ ሓገዝ እዮም ዚህቡ፧

LESSON 16

ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ጉባኤ ብጽቡቕ ክትንቀሳቐስ ይሕግዙ። ኵሎም ተኣከብቲ ኻብ ዕዮኦም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ፍለጥ።

LESSON 17

ሓለውቲ ወረዳ ብኸመይ ይሕግዙና፧

ሓለውቲ ወረዳ ሎሚ ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበጽሕወን ስለምንታይ እዮም፧ ካብ ምብጻሖም ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

LESSON 18

ኣብ ጭንቂ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ብኸመይ ንሕግዞም፧

መዓት ኬጋጥም ከሎ፡ ነቶም እተጐድኡ ግብራዊ ሓገዝን መንፈሳዊ ምጽንናዕን ንምሃብ ብኡብኡ ረድኤት ንውድብ ኢና። ብኸመይ፧

LESSON 19

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

የሱስ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ዚህብ ባርያ ኸም ዚሸይም ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

LESSON 20

ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሽማግለታትን ሃዋርያትን ዝሓቘፈት ንእሽቶ ጕጅለ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እታ ሽዑ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይና ተገልግል ነበረት። ሎሚኸ፧

LESSON 21

ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧

ቤት-ኤል ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ዜደንቕ ቦታ እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ብዝያዳ ፍለጥ።

LESSON 22

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧

በጻሕቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርና ኺበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ኽትገብር ብኽብሪ ንዕድመካ።

LESSON 23

ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧

ጽሑፋት ብልዕሊ 750 ቋንቋ ንትርጕም ኢና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

LESSON 24

ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧

ንዕዮና ብዛዕባ ምምዋል፡ ንውድብና ኻብ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፈልያ እንታይ እዩ

LESSON 25

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

ንቦታ ኣምልኾና፡ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ” ኢልና እንጽውዖ ስለምንታይ ኢና፧ እዚ ብሒደት ወጻኢ ዚህነጽ ቦታ ኣምልኾና፡ ንጉባኤታትና ብኸመይ ከም ዚሕግዘን ብዝያዳ ፍለጥ።

LESSON 26

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

ጽሩይን ጽቡቕ ጽገና እተገብረሉን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣምላኽና ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ። ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን፡ እንታይ መደባት እዩ ዚወጽእ፧

LESSON 27

ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ምእንቲ ኺውስኽ፡ ምርምር ክትገብር ትደሊዶ፧ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጻእ።

LESSON 28

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ብዛዕባናን ብዛዕባ እምነትናን ኰነ ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ዲኻ፧

የሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ የፍቅረካ እዩ። ንስኻኸ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንዕኡ ኸተሐጕሶ ኸም እትደሊ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧