ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ቐሺ መልሲ ረኸበ

ሓደ ቐሺ መልሲ ረኸበ

 ሓደ መዓልቲ፡ ኤሊሶ እትብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ተገዳሲት ሰበይቲ ናብ ገዛኣ ኸይዳ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመርሓትላ ኸላ፡ ዘይተጸበያኦም ኣጋይሽ መጹ። ሓደ ቐሺ ምስ ብዓልቲ ቤቱ እዩ ነይሩ። እዞም ሰብ ሓዳር ኣብ ቀረባ ግዜ ሓደ በይኑ ወዶም ከም ዝሞቶም፡ ኤሊሶ ሰሚዓ ነይራ እያ።

 ኤሊሶ ብሞት ወዶም ልባዊ ሓዘና ምስ ገለጸትሎም፡ እቲ ቐሽን ሰበይቱን ኣምሪሮም ኪበኽዩ ጀመሩ። ሽዑ፡ እቲ ቐሺ ብቝጥዓ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ፈተና ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን! ከመይ ኢሉ ንሓደ ወደይ የሕድገኒ፧ ንኣምላኽ 28 ዓመት ኣገልጊለዮ እየ፡ ብዙሕ ሰናይ ተግባር ገይረ እየ፡ ግናኸ እዚ እዩ ፈዲዩኒ! ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንወደይ ቀቲልዎ፧”

 ኤሊሶ ነቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣምላኽ ንወዶም ከም ዘይወሰዶ ገለጸትሎም። ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃን ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ሕማቕ ኬጋጥም ዝፈቐደሉ ምኽንያትን እውን ኣዘራረበቶም። እቲ ቐሽን ሰበይቱን ከኣ ንኤሊሶ፡ ነቲ ዚጽልዩሉ ዝነበሩ ነገር፡ መልሲ ኸም ዝሃበቶም ነገርዋ።

 ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ እቲ ቐሽን ሰበይቱን ኣብቲ ኤሊሶ ምስታ ሰበይቲ ዚገብራኦ መጽናዕቲ ተጸምበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤሊሶን እታ ሰበይትን፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ እትብሃል መጽሓፍ ዘላ፡ “እቶም እተፍቅሮም ምዉታት ዘለዎም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ምዕራፍ እየን ዚመያየጣላ ነይረን። እቶም ሰብ ሓዳር ከኣ ኣብቲ ምይይጥ ጽቡቕ ተሳትፎ ገበሩ።

 ክልቲኦም ድማ ኣብቲ ደሓር ኣብ ቲቢሊሲ፡ ጆርጅያ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከቡ። በቲ ኣብኡ እተዓዘብዎ ብሉጽ ፍቕርን ሓድነትን ከኣ ውሽጦም ተተንከየ። እዚ ድማ ንነዊሕ ግዜ ኣብቶም ኣባላት ቤተ ክርስትያኖም ኬስርጽዎ ዝፈተኑ፡ ግናኸ ዘይተዓወቱሉ ባህርያት እዩ ነይሩ።