ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃገራውነት ኣብ ዚንጸባረቖ ጽምብላት ዘይሳተፉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃገራውነት ኣብ ዚንጸባረቖ ጽምብላት ዘይሳተፉ ስለምንታይ እዮም፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስትታትን ንሃገራዊ ኣርማታቶምን ኣኽብሮት ኣለዎም። ካልኦት ሰባት ንሰንደቕ ዕላማ ኺምሕሉ፡ ሰላምታ ኺህቡ፡ ወይ ሃገራዊ መዝሙር ኪዝምሩ እንተ መሪጾም፡ ምርጫታቶም ነኽብረሎም ኢና።

 ይኹን እምበር፡ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ጽምብላት ኣይንሳተፍን ኢና። ምኽንያቱ እዚ ጽምብላት እዚ፡ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ኢና እንኣምን። ከምቲ ንሕና ንምርጫታት ካልኦት ሰባት እነኽብር፡ ንሳቶም እውን እምነትና ኬኽብሩልና ንደሊ ኢና።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ኣየናይ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣብዚ ጽምብላት ክንሳተፍ ከም ዘይብልና ዚገልጽ፧

 ንውሳነታትና ዚጸሉ ኽልተ ኣገዳሲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  •   ኣምልኾና ዚግብኦ፡ ኣምላኽ በይኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” እዩ ዚብል። (ሉቃስ 4:8) መብዛሕትኡ እዋን ንሰንደቕ ዕላማ ዚግበር ማሕላን ሃገራዊ መዝሙራትን፡ ተወፋይነትና ልዕሊ ዅሉ ንሃገርና ኪኸውን ከም ዚግባእ ዚገልጽ ቃላት ኣለዎ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምብላት ኪሳተፉ ሕልናኦም ኣይፈቕደሎምን እዩ።

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ፡ ኣምልኾ ኸም ምሃብ ወይ ጣኦት ከም ምምላኽ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ይኽልክል እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:14) ገሊኦም ተመራመርቲ ታሪኽ፡ ሰንደቕ ዕላማ፡ ሃይማኖታዊ ምልክት ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ነዚ ብዚምልከት ተመራማሪ ታሪኽ ካርልተን ሀይስ a፡ “ሃገራውነት ልክዕ ከም ሃይማኖት እዩ፡ ቀንዲ ምልክቱን ኣምልኾ ዚውሃቦን ነገር ድማ ሰንደቕ ዕላማ እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብዛዕባ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዳንኤል ማክሲን እተባህለ ጸሓፊ፡ “ክርስትያናት. . . ንመንፈስ ናይቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ መስዋእቲ ምቕራብ ይኣብዩ ነበሩ። እዚ ድማ ኣብዚ ግዜና ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምስ ዘይምሃብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። b

    ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይህቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሰንደቕ ዕላማ ወይ ካልእ ሃገራዊ ኣርማ ኣይቀዱን፡ ኣየቃጽሉን፡ ወይ ኣየሕስሩን እዮም።

  •   ኵሎም ደቂ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ካብ ሓደ ሰብ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ’ እዩ ዝብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ኣብሊጽካ ምርኣይ ጌጋ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ሰባት መበቈሎም ወይ ዚነብሩሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ንዅሎም ነኽብሮም ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:17

 ኣብ ጽምብላት ክንሳተፍ ዜገድድ ሕጊ ምስ ዚህሉኸ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስትታት ኣይጻረሩን እዮም። እኳ ድኣስ፡ መንግስትታት ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ኪህሉ ዝፈቐዶ ስርዓት ምዃኖም እዮም ዝኣምኑ። (ሮሜ 13:1-7) ክርስትያናት ንሰበ ስልጣን ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም እውን ይኣምኑ እዮም።—ሉቃስ 20:25

 መንግስትታት ዜውጽእዎ ሕጊ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ምስ ዚጋጮኸ፧ ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ኣብቲ ሕጊ ምትዕርራያት ዚግበረሉ እንተ ዀይኑ ብሕጋዊ መገዲ ኪሕተት ይከኣል እዩ። c ኪዕረ እንተ ዘይተኻኢሉ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ኪእዘዙ’ እዮም ዚመርጹ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጽምብላት ብዘይ ምስታፍ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ወገን ድዮም ዚሕዙ ዘለዉ፧

 ኣይፋልን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ወገን ኣይሕዙን እዮም። ንሰንደቕ ዕላማ ዘይንምሕል፡ ሰላምታ ዘይንህብ፡ ወይ ሃገራዊ መዝሙር ዘይንዝምር ፖለቲካዊ ዕላማ ስለ ዘሎና ኣይኰነን። የግዳስ ነቲ ብዛዕባ እዚ ጽምብላት ዚገልጽ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንስዕብ ኢና።

a ኢሰይስ ኦን ናሽናሊዝም፡ ገጽ 107-108።

b ዘ ወይ ኦፍ ዘ ግላድያተር፡ ገጽ 212።