ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ

ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ

 ሓያሎ ሰብ ሓዳር፡ ብሓባር ኣብ ዚዀኑሉ እውን ከይተረፈ፡ እሂን ምሂን ከም ዘይብሃሃሉ ይገልጹ እዮም። እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፧

 ብሓንሳእ ክነሶም ዚረሓሓቑ ስለምንታይ እዮም፧

  •   ድኻም

     “ሓቢርና ግዜ ኸነሕልፍ ክንደሊ ኸለና ሓዴና ኣዝዩ ደኺሙ ይጸንሕ። ክደክም ከለኹ ብጢጥ ቅሚጥ እየ ዝሓርቕ። ሽዑ ቲቪ ኽንርኢ ኢና እንመርጽ።”—ኣና።

  •   ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት

     “ማሕበራዊ መራኸብን ብኢንተርነት ምዝንጋዕን ንግዜኻ ኺሰርቆ ይኽእል እዩ። ምስ መጻምድትኻ ሓንቲ ቓል እኳ ኸየውጻእኻ፡ ሰዓታት ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ከምዛ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ብሓንሳእ ዘየለኻ ኢኻ ትኸውን።”—ካትሪን።

  •   ፍልልያት

     “በዓል ቤተይ ካብ ስራሕ ምስ መጸ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ባህ ኣብ ዜብሎ ነገራት እዩ ግዜ ዜሕልፍ። ደኺሙ ስለ ዚመጽእ፡ ከምኡ ኺገብር ሓቁ እዩ። ሓቢርና ግዜ እንተ ነሕልፍ ግና ባህ ምበለኒ።”—ጄን።

  •   ስራሕ

     “ቴክኖሎጂ ምስ ስድራና ኸለና እውን ኣብ ስራሕ ከም እንጽመድ እዩ ዚገብረና። ምስ ሰበይተይ ከለኹ እውን ከይተረፈ፡ ብዙሕ ሳዕ ካብ ስራሕ ንዚለኣኸለይ ኢ-መይልን ቴክስትን ክምልስ እየ ግዜ ዘሕልፎ።”—ማርክ።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ምስ መጻምድትኻ ግዜ ምሕላፍ ኣገዳሲ ደኣ እምበር፡ ብወዝቢ ጥራይ ዚግበር ጌርካ ኣይትርኣዮ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ።”—ፊልጲ 1:10

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንሓዳርካ፡ ካብ ስራሕካ ወይ ካብ መዘናግዒታትካ ከም ዚሓይሽ ወይ ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርካ ኸም ትርእዮ ብተግባርካ ተርኢ ዲኻ፧ ንመጻምድትኻ ወትሩ ኻልኣይ ቦታ ዲኻ እትህቦ፧

     ምኽሪ፦ ምስ መጻምድትኻ ምሉእ ምሉእ እተሕልፈሉ ግዜ መድብ።

     “በዓል ቤተይ መዲቡ ምሳይ ግዜ ኼሕልፍ ከሎ፡ ባህ እዩ ዚብለኒ። እዚ፡ ከም ዜፍቅረንን ምሳይ ግዜ ኼሐልፍ ባህ ኸም ዚብሎን እዩ ዜረጋግጸለይ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ብዝያዳ ኸፍቅሮ እየ ዝድረኽ።”—ኣና።

  •   ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ግዜ ፍለየሉ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡- “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ።”—መክብብ 3:1

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብቴክስት ዚለኣኸልካ መልእኽቲ ንመጻምድትኻ ምሉእ ኣቓልቦ ኸይትህቦ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዕንቅፋት ዚዀነካ፧

     ምኽሪ፦ ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ምስ መጻምድትኻ እትምገበሉ ግዜ መድብ። ስልክኻ ኸኣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ግበሮ። እዋን መኣዲ፡ ምስ መጻምድትኻ ኸተዕልል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልካ።

  •   ዕዳጋ ዀነ ዕዮ ገዛ ብእተኻእለ መጠን ሓቢርኩም ግበርዎ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ጻዕሮም ዝያዳ ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ።”—መክብብ 4:9፡ እግረ ጽሑፍ።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንስድራ ቤትኩም ዜድሊ ነገራት ክትዓዳድጉ ኸለኹም፡ ወትሩ በበይንኹም ዲኹም እትገብርዎ፧

     ምኽሪ፦ “ሓደ ሰብ ጥራይ ኪገብሮ ንዚኽእል ዕዮ እውን ከይተረፈ፡ ሓቢርኩም ግበርዎ።

     “ኣስቤዛ ምዕዳግ፡ ኣቕሑ ምሕጻብ፡ ክዳውንቲ ምዕጻፍ፡ ጀርዲን ምክንኻን ከም ዕዮ ጌርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓንሳእ ግዜ ንምሕላፍ ከም ዚሕግዝ እጋጣሚ ጌርና ዘይንርእዮ፧”—ኒና

  •    ሚዛናውያን ኩኑ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካብ መጻምድትኻ ኣብ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ምዃንካ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

     ምኽሪ፦ ንኽልቴኹም ብዛዕባ ዜድልየኩም ነገራት ተላዘቡ። ክልቴኹም ተሓጒስኩም እተሕልፍሉ ግዜ መድቡ።

     “በዓል ቤተይ ኣይደክምን እዩ፡ ኣነ ግና ብሰሪ ጥዕና ምስኣን፡ ሓይለይ ጽንቅቕ እዩ ዚብለኒ። ንበዓል ቤተይ ኣነ ገዛ ኽጸንሓካ እየ፡ ንስኻ ግና ተዘናጊዕካ ምጻእ እየ ዝብሎ። ንሱ ምውስዋስ ኣካላት ኪገብር ኪወጽእ ከሎ፡ ኣነ ኣብ ገዛ ዀፍ ኢለ አዕርፍ። ክልቴና ዜድልየና ዘበለ ስለ እንገብር ሕጕሳት ኢና።”—ዳንኤላ።

 መምርሒ ምይይጥ

 መጀመርታ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት በበይንኹም ኴንኩም ሕሰቡሉ። ድሕሪኡ፡ መልስታትኩም ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።

  •    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም፡ እኹል ግዜ እተሕልፉ ዀይኑዶ ይስመዓካ፧

  •   በዚ መዳይ እዚ ንመጻምድትኻ እትንእደሉ ነጥቢ ኣሎዶ፧

  •   በየናይ መዳይ ከመሓይሽ ኢኻ እትደልዮ፧

  •   መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኣቓልቦ ኸይትሰምዖ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብዙሕ ሳዕ ይዓናቕፈካ ድዩ፧

  •   ካብ ንሓድሕድኩም ኣብ እትጽበይዎ ነገራት፡ ሚዛናውያን ምዃንኩም ከተርእዩ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

  •   ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ከይተዓናቐፍኩም ጽቡቕ ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም እንታይ ለውጢ ኢኹም ክትገብሩ እትኽእሉ፧