ንስድራ ቤት | ሓዳር
ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧
ኣብዚ ዘመን ተክኖሎጂ ኣስራሒኻ፡ መሳርሕትኻ ወይ ዓማዊልካ ሰሙን ምሉእ መዓልትን ለይትን ኣብ ስራሕ ክትርከበሎም ይጽበዩኻ እዮም። እዚ ድማ ንስራሕካ ኻብቲ ኻልእ መዳያት ህይወትካ፡ እንተላይ ሓዳርካን ካልእ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ ነገራትን ክትፈልዮ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ክትፈልጦ ዘሎካ
ተክኖሎጂ ነቲ ምስ መጻምድትኻ ኸተሕልፎ ዚግብኣካ ግዜ ኺሰርቀካ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ ስልኪ ኺድወለልካ ኸሎ፡ ኢ-መይል ወይ መልእኽቲ ጽሑፍ ብሞባይልካ ኺስደደልካ ኸሎ ኽትምልስ ግዴታ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ይገብር።
“እቲ ስራሕ ውዒልካ፡ ገዛ ምስ መጻእካ ምስ ስድራ ቤትካ እተሕልፎ ንቡር ህይወት፡ ካብ ስራሕ ዚድወል ስልክን ዚመጸካ መልእኽትን ንሓዳርካ ኸም እትርስዖ ዚገብር እዩ።”—ጃነት።
ስራሕካን ህይወትካን ሚዛናዊ ንምግባር ተበግሶ ውሰድ። መደብ እንተ ዘየውጺእካ፡ ስራሕካ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ኸም ዚኣቱ ፍሉጥ እዩ።
“‘ኪርዳኣለይ እዩ፣ ኣይሕዘለይን እውን እዩ፣ ደሓር ከኣ ካልእ እዋን ምስኡ ግዜ ከሕልፍ እየ’ ኢልካ ስለ እትሓስብ፡ እቲ መጀመርያ ሸለል እትብሎ ሰብ መጻምድትኻ እዩ።”—ሆሊ።
ሚዛንካ ኽትሕሉ ዚሕግዝ ምኽሪ
ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ይብል። (ማቴዎስ 19:6) ሰብ ካብ ሓዳርካ ኺፈልየካ ዘይትፈቕደሉ ኻብ ኰንካ፡ ስራሕ ካብ ሓዳርካ ኺፈልየካ ስለምንታይ ተፍቅደሉ፧
“ገለ ዓማዊል፡ ገንዘብ ስለ ዚኸፍሉኻ ጥራይ፡ ዝወነኑኻ እዩ ዚመስሎም። ንሓዳረይ ቀዳምነት ክህቦ ኸም ዘሎኒ ስለ ዝግንዘብ፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኽሰርሕ ከም ዘይክእል፡ ግናኸ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኽምልሰሎም ከም ዝዀንኩ እነግሮም።”—ማርክ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንሓዳረይ ካብ ስራሐይ ኣብሊጸ ኸም ዝርእዮስ ብግብሪ አርኢ ድየ፧’
ኬድሊ ኸሎ፡ ከም ዘይጥዕመካ ግለጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ጥበብ ምስ ትሑታት እያ’ ይብል። (ምሳሌ 11:2) ትሕትና ንገሊኡ ስራሕ ከይትቕበሎ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎ ጥበባዊ ምዃኑ ኽትርዳእ ክትሕግዘካ እያ።
“ስራሐይ ምዕራይ ቡንባ ማይ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ዓማዊለይ ቡንባ ተሰይርዎ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ኪጭነቕ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንሱ ዚደልዮ ግዜ ኸርክበሉ ዘይክእል እንተ ዀይነ፡ ንኻልእ ሰብ እሕብረሉ።”—ክሪስቶፈር
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መጻምድተይ ሸለል ከም እተባህለ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ፡ ተወሳኺ ስራሕ ከይቅበል ፍቓደኛ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’
ምስ መጻምድትኻ ብሓባር እተሕልፉሉ ግዜ መድብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1) ምስ መጻምድትኻ ግዜ ኸተሕልፍ መደብ ክትገብር ዜድልየካ፡ ብዝያዳ ስራሕ ኪጽዕቀካ ኸሎ እዩ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ ኪጽዕቀና ኸሎ፡ ከይተመናጐና ብሓባር ነሕልፈሉ ግዜ ንምድብ ኢና። እዚ ኸኣ፡ ድራር ብሓባር ምብላዕ ወይ ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ምዝዋር ኪኸውን ይኽእል እዩ ።”—ደብራ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንመጻምድተይ ምሉእ ቈላሕታ ምእንቲ ኽገብረሉ መደብ አውጽእ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’
ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኣጥፍእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ይብል። (ፊልጲ 1:10) ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ፡ ብዚመጸካ ናይ ስራሕ መልእኽትታት ምእንቲ ኸይትመናጎ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ተጥፍኦ ዲኻ፧
“ኣብቲ ዝመደብክዎ ናይ ስራሕ ሰዓት፡ ጠጠው ከብል ኣበርቲዐ እየ ዝጽዕር። ኣብ ሞባይለይ መልእኽቲ ኺመጽእ ከሎ ምእንቲ ኸይሰምዕ ነቲ ድምጺ አጥፍኦ እየ።”—ጀረሚ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ምናልባት ሓለቓይ ወይ ሓደ ኻብ ዓማዊለይ እንተ ደለዩኒ ብምባል፡ ንስልከይ ክፍትቲ እገድፋ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’
ተዓጻጻፊ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ይብል። (ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ) ምናልባት ንስኻ ወይ መጻምድትኻ ኣብቲ ብሓደ ኽትኰኑ ዝመደብኩምሉ ግዜ፡ ሓዴኹም ኪሰርሕ ይግደድ ይኸውን። ንኣብነት፡ መጻምድትኻ ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኪሰርሕ ይግደድ ይኸውን። ስለዚ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኺገብር ኣይትጸበዮ።
“ብዓል ቤተይ ነጋዳይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ዚስራሕ ህጹጽ ጕዳያት የጋጥሞ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ቅጭ እዩ ዚመጸኒ፣ ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ግዜ ስለ እነሕልፍ ሸለል እብሎ እየ።”—በቨርሊ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መጻምድተይ ልዕሊ ዓቕሙ ምሳይ ግዜ ኼሕልፍ ትጽቢት ከይገብረሉ፡ ነቲ ዘለዎ ጻዕቂ ስራሕ ኣብ ግምት አእቱ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’
መምርሒ ምይይጥ
ፈለማ፡ በበይንኹም ኴንኩም ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰቡሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መልስታትኩም ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።
መጻምድትኻ ኻብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኸይተረፈ፡ ብዛዕባ ስራሕካ ጥራይ ከም ትሓስብ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖ፧ እሞኸ፡ ነዚ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧
ብዛዕባ ስራሕን ህይወትን ዚምልከት ሚዛናዊ ምእንቲ ኽትከውን፡ ኣበየናይ መዳይ ኢኻ ምምሕያሽ ክትገብር ዜድልየካ፧
መጻምድትኻ ንስራሑ ኣብ ቦታኡ ኸም ዘይገድፎ ዀይኑ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኣጋጣሚ ትዝክር፧
ብዛዕባ ስራሕን ህይወትን ብዚምልከት መጻምድትኻ ሚዛኑ ኪሕሉ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ለውጢ ኺገብር ኢኻ እትጽበዮ፧