ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስድራ ቤት

ምስ ወለድኻ ኣብ ዘሎካ ርክብ ጸገማት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካንከ ኽትሳነ ትኽእልዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዝን ኣብ ስድራ ቤት ንዜጋጥም ካልእ ጸገማትን ንምፍታሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ርክብ ምስ ወለዲ

ምስ ወለደይ ብኸመይ እየ ተሳንየ ኽነብር ዝኽእል፧

ብዝሕን ክብደትን ገሊኡ ግጭታት ንምንካይ ክትወስዶ ዚግባእ ሓሙሽተ ስጕምትታት ርአ።

ንወለደይ ከዘራርቦም ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ክትዛረብ ኣብ ዘይትደልየሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ምስ ወለድኻ ኽትረዳዳእ ትኽእል፧

ንወለደይ ብዛዕባ እቲ ዜውጽእዎ ሕግታት ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧

ንወለድኻ ኸመይ ጌርካ ብኣኽብሮት ከም እትዛረቦም ተምሃር፡ በዚ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ኢኻ።

ንስርዓት ወለደይ እንተ ጥሒሰ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ነቲ ጌጋ ኽትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ግናኸ ኸይጋደድ ክትጥንቀቕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ እዛ ዓንቀጽ ክትሕግዘካ እያ።

ከመይ ገይረ እየ ወለደይ ከም ዚኣምኑኒ ኽገብር ዝኽእል፧

ዝያዳ ናጽነት ምእንቲ ኽትረክብ ዚሕግዘካ ሰለስተ ስጕምትታት።

ከመይ ገይረ እየ ዝያዳ ናጽነት ክረክብ ዝኽእል፧

ከም ዓብዪ ኽትርአ ዚግብኣካ ይመስለካ ይኸውን፡ ወለድኻ ግን ነዚ ኣይሰማምዑሉን ይዀኑ። ምእንቲ ኺኣምኑኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ወላድየይ እንተ ሓሚሙ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘጋጠሞ መንእሰይ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን። ክልተ መንእሰያት ነዚ ብኸመይ ከም እተዋጽኣሉ ኣንብብ።

ወላዲኻ ምስ ዚሓምም

እዛ ወረቐት ዕዮ እዚኣ ንወላዲኻን ንገዛእ ርእስኻን ክትከናኸን ክትሕግዘካ እያ።

ዘቤታዊ ህይወት

ምስ ኣሕዋተይ ተሳንየ ኽነብር ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

ተፍቅሮም እኳ እንተ ዀንካ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ኣዝዮም እዮም ዜሕርቑኻ።

ምስ ኣሕዋትካ ተሳኒኻ ምንባር

በዛ ወረቐት ዕዮ እዚኣ ጌርካ ነቲ ምስ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ዘሎካ ግጭት ኣለልዮን መርምሮን ፍትሓዮን።

ናብ ቤት ክትምለስ ምስ ዜድልየካ

ካብ ቤት ወጺእካ፡ ርእስኻ ኽኢልካ ኽትነብር ምስ ፈተንካ፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጢሙካ ድዩ፧ ነዚ ግብራዊ ምኽሪ እዚ ተጠቒምካ፡ ብቝጠባ ርእስኻ ኽኣል።