ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን፡ እዛ ፕላነት ዝዀነት ምድሪ ብሓዊ ወይ ብኻልእ መገዲ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትትካእን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለኣለማዊት መንበሪት ሰብ ክትከውን ከም ዝፈጠራ ይምህር።

  •   “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

  •   “[ኣምላኽ] ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ።”—መዝሙር 104:5

  •   “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4

  •   “እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ዘይፈጠራ።”—ኢሳይያስ 45:18

ሰባት ኬጥፍእዋ ድዮም፧

 ኣምላኽ ንሰባት፡ ንምድሪ ብብከላ፡ ብውግእ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ኼጥፍእዋ ኣይኪፈቅድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’ (ራእይ 11:18) ነዚ ብኸመይ ኪገብሮ እዩ፧

 ኣምላኽ ነተን ንምድሪ ኻብ ጕድኣት ኬዕቍባኣ ዘይከኣላ ሰብኣውያን መንግስትታት ብፍጽምቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኺትክአን እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ገዛኢ እታ መንግስቲ እቲኣ ኸኣ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ባህርያዊ ሓይልታት ተኣምራዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ማርቆስ 4:35-41) ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ድማ፡ ንምድርን ንባህርያዊ ሓይልታትን ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ እዩ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ዳግም ኪፈጥሮ ወይ ኪሕድሶ እዩ፣ ምስቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ዅነታት ከም ዚመሳሰል እውን ኪገብሮ እዩ።—ማቴዎስ 19:28፣ ሉቃስ 23:43

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ብሓዊ ኸም እትቃጸል ይምህር ደይኰነን፧

 ኣይፋልን፡ ኣይምህርን እዩ። እዚ ግጉይ ግንዛበ እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ 2 ጴጥሮስ 3:7 ካብ ዘሎ ግጉይ ርድኢት እዩ ዚነቅል፣ እታ ጥቕሲ፡ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና በቲ ቓል እቲ ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ” ትብል። ትርጉም እዚ ቓላት እዚ ኽንርዳእ ዚሕግዘና ኽልተ ኣገዳሲ ነጥቢ እስከ ንርአ።

  1.   መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ሰማያት፡” “ምድሪ፡” “ሓዊ” ዚብል ቃላት ንበበይኑ ነገራት ንምምልካት ይጥቀመሉ እዩ። ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 11:1፡ “ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋ . . . ትዛረብ ነበረት” ትብል። ኣብዚ፡ “ምድሪ” ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ተመልክት።

  2.   ኣብ ከባቢ 2 ጴጥሮስ 3:7 ዚርከብ ሕሳባት፡ ትርጉም እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ሓውን ይሕብር እዩ። ኣብ ፍቕዲ 5ን 6ን፡ እቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ምስቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ተመሳሲሉ ኣሎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ሽዑ ዝነበረት ጥንታዊት ዓለም እኳ እንተ ጠፍአት፡ ፕላነትና ግና ኣይጠፍአትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ማይ ኣይሂ ነቶም ዓመጽቲ ሕብረተሰብ (ወይ “ምድሪ”) እዩ ኣጥፊእዎም። (ዘፍጥረት 6:11) እቶም ከም “ሰማያት” ጌርካ እተገልጹ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዚገዝኡ ሰባት እውን ጠፊኦም እዮም። ስለዚ፡ እኩያት ሰባት ደኣ እዮም ጠፊኦም እምበር፡ ፕላነትና ኣይጠፍአትን። ኖህን ስድራ ቤቱን ካብ ጥፍኣት እታ ዓለም ድሒኖም እዮም፣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ድማ ኣብዛ ምድሪ ምንባር ቀጺሎም እዮም።—ዘፍጥረት 8:15-18

 ከምቲ ማይ ኣይሂ ንእኩያት ሰባት ዘጥፍአ፡ እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:7 ተጠቒሱ ዘሎ “ሓዊ” እውን ነዛ ፕላነትና ዝዀነት ምድሪ ዘይኰነስ፡ ነታ ናይ እኩያት ሰባት ዓለም እዩ ኼጥፍኣ። ኣምላኽ ድማ፡ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ኣተስፍዩና ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ተባሂሉ ዘሎ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜመልክት ሓድሽ መሪሕነት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ “ሓዳስ ምድሪ” ተባሂሉ ዘሎ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኪገዝእ እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ ምድሪ ሰላም ዝሰፈና ገነት ክትከውን እያ።—ራእይ 21:1-4