ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መወዳእታ ዓለም መዓስ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓለም” እትብል ቃል ብኸመይ ከም ዚጥቀመላ ኽንርዳእ ኣሎና። እታ “ዓለም” ተባሂላ እትትርጐም ኮስሞስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ምስ ኣምላኽን ምስ ፍቓዱን ዘይሳነዩ ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። (ዮሃንስ 15:18, 19፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ሓድሓደ ግዜ፡ እታ ኮስሞስ እትብል ቃል ነቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት ተመልክት እያ፣ እዚ ኸኣ ንንግዳውን ንፖለቲካውን ንሃይማኖታውን ስርዓት የጠቓልል።—1 ቈረንቶስ 7:31፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16 a

“መወዳእታ ዓለም” እንታይ እዩ፧

 እታ ኣብ ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “መወዳእታ ዓለም” እትብል ሓረግ፡ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 24:3) ንጥፍኣት ምድሪ ወይ ንጥፍኣት ኵሎም ደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንጥፍኣት እቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት እያ እተመልክት።—1 ዮሃንስ 2:17

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕያዎት ሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ‘እኩያት ኪጠፍኡ’ ኸም ዚዀኑ ይምህር እዩ። (መዝሙር 37:9-11) እዚ ጥፍኣት እዚ ኣብቲ ብውግእ ኣርማጌዶን ዚዛዘም “ብርቱዕ ጸበባ” ኺፍጸም እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 22፣ ራእይ 16:14, 16

“መወዳእታ ዓለም” መዓስ እዩ፧

 የሱስ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:36, 42) ቀጺሉ ድማ እቲ መወዳእታ ዚዀነሉ ግዜ፡ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ እዋን ከም ዚመጽእ ንምሕባር፡ “ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 24:44

 እዚ ዚፍጸመሉ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን ክንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ የሱስ ናብ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረብና ኸነለሊ ዚሕግዘና “ምልክት፡” ወይ ፍጻመታት ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7-14) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዋን እዚ፡ “ግዜ መወዳእታ፡” ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ዳንኤል 12:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ድሕሪ መወዳእታ ዓለም ዚተርፍ ነገር ኪህሉ ድዩ፧

 እወ። ምድርና ኽትህሉ እያ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ” ይብል እዩ። (መዝሙር 104:5) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ዘተስፈዎ ድማ፡ ምድሪ ብሰባት ክትመልእ እያ። (መዝሙር 37:29) ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ዅነታት ከም ዚፍጸም ኪገብር እዩ፦

a እታ ኤዮን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱሳት “ዓለም” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኤዮን በዚ መገዲ እዚ ኽትትርጐም ከላ ምስ ኮስሞስ ዚመሳሰል ትርጉም ኣለዋ፣ ነቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እተመስረተሉ ስርዓት ድማ ተመልክት።