ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | የሱስ የድሕን​—ካብ ምንታይ፧

ሞትን ትንሳኤን የሱስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ሞትን ትንሳኤን የሱስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም።” —ግብሪ ሃዋርያት 16:31

እዘን ፍሉጣት ቃላት እዚአን፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ፊልጲ ዝነበረ ሓላው እሱራት እተዛረብወን እየን። እንታይ ትርጕምከ እዩ ዘለወን፧ ብየሱስ ምእማንን ካብ ሞት ምድሓንን ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ንኽንርዳእ፡ ፈለማ ስለምንታይ ከም እንመውት ክንፈልጥ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ንርአ።

ደቂ ሰብ ንኺሞቱ ኣይኰኑን ተፈጢሮም

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን ኣቐመጦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።” —ዘፍጥረት 2:15-17

ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ማእለያ ብዘይብሎም እንስሳታትን ብልሙዕ ኣትክልትን ኣብ ዝመልአት ገነት ኤድን ኣቐመጦ። ኣዳም ከም ድላዩ ኺበልዓሉ ዚኽእል፡ ፍረ ዜፍሪ ኣእዋም እውን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብንጹር ካብ ፍረ ሓንቲ ኦም ከይበልዕ ኣዘዞ፣ ካብኣ ምስ ዚበልዕ ድማ ኪመውት ምዃኑ ኣጠንቀቖ።

ኣዳም ነዚ ትእዛዝ እዚ ብኸመይ ረኣዮ፧ ሞት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ምኽንያቱ እንስሳታት ኪሞቱ ርእዩ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣዳም ንኺመውት ተፈጢሩ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ትርጕም ኣይምሃለዎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣዳም ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዙን ካብታ ኦም እውን እንተ ዘይበሊዑን ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ እምበር፡ ከም ዘይመውት ይፈልጥ ነበረ።

ገለ ሰባት እታ ኦም ንጾታዊ ርክብ ከም እተመልክት እዮም ዚኣምኑ፣ እዚ ግና ኪኸውን ዘይክእል እዩ። ምኽንያቱ የሆዋ፡ ኣዳምን ሄዋንን ‘ኪፈርዩን ኪበዝሑን ንምድሪ ኸኣ ኪመልእዋን ኪመልክዋን’ እዩ ዚደሊ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ቃል ብቓሉ ኻብ ናይ ሓቂ ኦም እዮም ተኸልኪሎም። የሆዋ፡ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ኢሉ ዝጸውዓ፡ ንሰባት፡ ጽቡቕን ክፉእን ብዚምልከት ንኺውስነሎም ዘለዎ መሰል እትውክል ስለ ዝነበረት እያ። ኣዳም ነቲ ዝፈጠሮን ኣብዚሑ ዝባረኾን ኣምላኽ ዘለዎ ተኣዛዝነትን ሞሳን ኬርኢ ዚኽእል ዝነበረ፡ ካብ ፍረ እታ ኦም ብዘይምብላዕ እዩ ነይሩ።

ኣዳም ንኣምላኽ ብዘይምእዛዙ ሞተ

“[ኣምላኽ] ንኣዳም . . . ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝአዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ . . . ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ።”—ዘፍጥረት 3:17, 19

ኣዳም፡ ካብታ እተኸልከለት ኦም በልዐ። ዘይምእዛዙ ድማ ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይነበረን። እዚ ዕልወት እዩ ነይሩ፣ ነቲ የሆዋ ዝገበረሉ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ኣኽብሮት ኣየርኣየን። ካብታ ፍረ ብምብላዑ ንየሆዋ ነጸጎ፣ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ብርእሱ ኺነብር ምምራጹ ድማ ጥፍኣት ዜስዕብ እዩ ነይሩ።

ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ ኣዳም ሞተ። ኣምላኽ ንኣዳም “ካብ ሓመድ ምድሪ” እዩ ፈጢርዎ፡ “ናብ መሬት” ከም ዚምለስ ድማ ነጊርዎ እዩ። ኣዳም ከም መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ካልእ ዓለም ምንባር ኣይቀጸለን። ምስ ሞተ፡ ልክዕ ከምቲ እተፈጥረሉ ሓመድ ምድሪ፡ ህይወት ዘይብሉ እዩ ዀይኑ።—ዘፍጥረት 2:7፣ መክብብ 9:5, 10

ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና ኢና እንመውት

“ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።”—ሮሜ 5:12

ዘይተኣዛዝነት ወይ ሓጢኣት ኣዳም፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሳዕቤናት ነይርዎ እዩ። ኣዳም ብምሕጣኡ ን70 ወይ 80 ዓመት ዚጸንሕ ተራ ህይወት ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እዩ ኣጥፊኡ። ብዘይካዚ፡ ምስ ሓጥአ ፍጽምናኡ ኣጥፈአ፣ ናብ ኵሎም ዘርኡ ድማ ዘይፍጽምና ጥራይ እዩ ኼሕልፍ ዚኽእል ነይሩ።

ኵላትና ዘርኢ ኣዳም ከም ምዃና መጠን፡ ብዘይ ምርጫና ንሓጢኣትን ሞትን እተቓልዐ ዘይፍጹም ኣካላት ወሪስና ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅነታትና ጽቡቕ ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኣነ ግና ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬድሕነኒ እዩ፧” ጳውሎስ ነቲ ባዕሉ ዝሓተቶ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን!” በለ።—ሮሜ 7:14, 24, 25

የሱስ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ህይወቱ ሃበ

“ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን [ለኣኾ]።”—1 ዮሃንስ 4:14

የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ ጽልዋ ሓጢኣትን መቕጻዕቲ ዘለኣለማዊ ሞትን ሓራ ኼውጽኣና ዚኽእል ምድላው ገይሩ ኣሎ። ብኸመይ፧ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ልክዕ ከም ኣዳም፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ንኺውለድ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ኣዳም እኳ እንተ ሓጥአ፡ የሱስ ግና “ሓጢኣት ኣይገበረን።” (1 ጴጥሮስ 2:22) ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲ መቕጻዕቲ ሞት ኣይኰነን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ንዘለኣለም ኪነብር ይኽእል ነይሩ እዩ።

ኣብ ክንዳኡ ግና የሆዋ ኣምላኽ፡ የሱስ ብጸላእቱ ንኪቕተል ፈቐደ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸኣ፡ ናብ ሰማይ ምእንቲ ኺምለስ፡ መንፈሳዊ ኣካል ሂቡ ኣተንስኦ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣዳም ንዕኡን ንዘርኡን ዘጥፍኦ ህይወት ንኺብጀዎ፡ የሱስ ዋጋ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ናብ ኣምላኽ ኣቕረበ። የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ብምቕባል፡ ነቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—ሮሜ 3:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 2:2

በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ነቲ ኣዳም ዜጥፍኦ መሊሱ ዓደጎ። ንሕና ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር፡ ኣብ ክንዳና ተሳቕዩ ሞተ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት ኪጥዕምሲ፡ ብምኽንያት መከራ [ሞተ]” ይብል።—እብራውያን 2:9

እዚ መሰናድዎ እዚ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ እዩ ዚገልጸልና። በቲ ልዑል መለክዒታት ፍትሒ የሆዋ ኺርአ ኸሎ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ንገዛእ ርእሶም በጃ ኪኸፍሉ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብፍቕርን ብምሕረትን ተደሪኹ፡ ንመለክዒታቱ ዚበቅዕን ድሕነት ንኽንረክብ ዚሕግዝን ዓብዪ ዋጋ ኸፈለ፣ እዚ ድማ ወዱ ብምሃብ እዩ።—ሮሜ 5:6-8

የሱስ ካብ ምውታት ተንስአ፡ ካልኦት እውን ኪትንስኡ እዮም

“ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝዓረፉ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ። ከመይሲ፡ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።”—1 ቈረንቶስ 15:20-22

የሱስ ብህይወት ይነብር ከም ዝነበረን ከም ዝሞተን ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ይኹን እምበር ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ ሓደ ኻብቲ ሓያል መርትዖ፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሓያሎ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ግዜያትን ተራእይዎም እዩ። አረ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ፡ ካብ 500 ንዚበዝሑ ሰባት ተራእይዎም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ገለ ኻብቶም መሰኻኽር ሽዑ ብህይወት ከም ዝነበሩ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ካብዞም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዚኦም ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኬረጋግጹ ኸም ዚኽእሉ ዚእምት እዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 15:3-8

ጳውሎስ፡ ክርስቶስ “በዅሪ” እቶም ዝተንስኡ ምዃኑ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ካልኦት እውን ኪትንስኡ ምዃኖም እዩ ዚሕብር ነይሩ። የሱስ እውን ባዕሉ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም” ብምባል ተዛረበ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር፡ ኣብ የሱስ ክንኣምን ኣሎና

“ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”—ዮሃንስ 3:16

እተን ቀዳሞት ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ሞት ዝጀመረሉን ገነት ድማ ዝጠፍኣትሉን ግዜ እየን ዚገልጻ። እተን ናይ መወዳእታ ገጻት ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ሞት ዚሰዓረሉን ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ዚቕይረሉን ግዜ እየን ዚገልጻ። ሽዑ ሰባት ተሓጒሶም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ብዛዕባ እዚ ራእይ 21:4፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን እዩ” ትብል። እዚ መብጽዓ እዚ ዜተኣማምን ምዃኑ ንምርግጋጽ ከኣ ፍቕዲ 5፡ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ” ትብል። የሆዋ ንዅሉ እቲ እተመባጽዖ ኺፍጽሞ ይኽእል እዩ።

“እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን” ከም ዝዀነ ትኣምን ዲኻ፧ እምበኣር፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብዝያዳ ተምሃር፡ ኣብኡ ድማ እምነት ኣርኢ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ፡ ስምረት የሆዋ ኽትረክብ ኢኻ። ሕጂ ብዙሕ በረኸታት ክትረክብ ኢኻ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸኣ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪህልወካ እዩ፣ ኣብኡ ድማ፡ “ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”