ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | የሱስ የድሕን​—ካብ ምንታይ፧

ሞት የሱስ ኪብዓል እዩ—ኣበይን መዓስን፧

ሞት የሱስ ኪብዓል እዩ—ኣበይን መዓስን፧

የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ንኼብዕሉ መምርሒ ሃቦም። “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ድማ በሎም።—ሉቃስ 22:19

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ዓርቢ 3 ሚያዝያ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺውዕል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓኻን ንስድራ ቤትካን፡ ኣብዚ በዓል እዚ ተኣኪብኩም፡ ነቲ ሞት የሱስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካን ዜብርህ መደረ ንኽትሰምዑ ይዕድሙኻ ኣለዉ።