ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧

ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም—ስለምንታይ፧

ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም—ስለምንታይ፧

እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ፡ * ኵሉ ዚኽእል ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብዛ ዓለምና ዜጋጥም ዝዀነ ይኹን ነገራት፡ እንተላይ በቲ ሕማቕ ነገራት ተሓታቲ ይገብርዎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እስከ ርአ፦

  • “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ።”—መዝሙር 145:17

  • “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ፡” NW] እዩ . . . ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።”—ዘዳግም 32:4

  • “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን ርሕሩሕን እዩ።”—ያእቆብ 5:11

ኣምላኽ ጠንቂ ሕማቕ ነገራት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ሕማቕ ነገራት ንኺገብሩ የለዓዕሎም ድዩ፧ ኣይፋሉን። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል” ይብል። ስለምንታይ፧ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ።” (ያእቆብ 1:13) ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ሕማቕ ነገራት ንኺገብር ብምልዕዓል ኣይፍትኖን እዩ። ስለዚ፡ ጠንቂ ሕማቕ ነገራት ኣይኰነን፣ ንኻልኦት እውን ከምኡ ንኺገብሩ ኣየለዓዕሎምን እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ነዚ ዅሉ ዜጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት ዚሕተተሉ መን እዩ፧

ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ምጽናሕ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ኻብቲ ንደቂ ሰብ መከራ ዜጋጥመሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ይብል። (መክብብ 9:11) ሓደ ሰብ ብዘይተሓስበ ፍጻመታት ወይ ሓደጋታት ንኺጕዳእ ወይ ንኸይጕዳእ ዚውስኖ፡ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ዚጸንሓሉ ቦታ እዩ። ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ግምቢ ወዲቕዎም ብዛዕባ ዝሞቱ 18 ሰባት ጠቒሱ ነበረ። (ሉቃስ 13:1-5) እቶም ሰባት ብሰሪ እቲ ሕሉፍ ህይወቶም ኣይኰኑን ግዳያት ኰይኖም፣ የግዳስ፡ እቲ ግምቢ ኺወድቕ ከሎ ኣብ ትሕቲኡ ስለ ዝነበሩ ጥራይ እዮም ሞይቶም። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ማለት ኣብ ጥሪ 2010 ኣብ ሀይቲ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነበረ፣ መንግስቲ ሀይቲ ድማ ልዕሊ 300,000 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ሓበረ። ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዘይ ኣፈላላይ እዮም ሞይቶም። ሕማም እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪቐትል ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ ንቕኑዓት ሰባት ካብ ሓደጋታት ዘየዕቍቦም ስለምንታይ እዩ፧

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ፡ እዚ ዅሉ ጸገማት ንኸየጋጥም ኪዓግቶ ኣይክእልን ድዩ፧ ንቕኑዓት ሰባትከ ኻብ ጕድኣት ኬዕቍቦም ኣይክእልን ድዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። ኣምላኽ ኣብዚ ጕዳያት እዚ ኢዱ ኼእቱ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሕማቕ ነገራት ኣቐዲሙ ኺፈልጦ ኣለዎ ማለት እዩ። ከምኡ ናይ ምግባር ክእለት እኳ እንተ ሃለዎ፡ ፈለማ ግና፡ ‘ኣምላኽ ነቲ ንነገራት ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ሓይሉ ብዘይ ገደብ ንኺጥቀመሉ ይመርጽ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኽንምርምር ኣሎና።—ኢሳይያስ 42:9

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፡ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ” ይብል። (መዝሙር 115:3) የሆዋ  ዓቕሚ ስለ ዘለዎ ጥራይ፡ ኵሉ ነገር ኣይገብርን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዝኣመነሉ ነገር እዩ ዚገብር። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እውን ዚምልከት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብተን ጥንታውያን ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን እከይ ምስ በዝሐ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ “ከምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኽርኢ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 18:20, 21) የሆዋ ንእተወሰነ እዋን፡ እቲ ኣብተን ከተማታት ዚግበር ዝነበረ እከይ ኣበየናይ ደረጃ ኸም ዝበጽሐ ኺፈልጥ ኣይመረጸን። ስለዚ፡ የሆዋ ንዅሉ ነገራት ኣቐዲሙ ንኸይፈልጥ ኪመርጽ ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 22:12) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ዘይፍጹም ወይ ድኹም እዩ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ግብሩ ፍጹም” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ምስ ዕላማኡ ብዚሳነ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ፣ ደቂ ሰብ ተገዲዶም ንሓደ መገዲ ኸም ዚስዕቡ ድማ ኣይገብርን እዩ። * (ዘዳግም 32:4) እሞኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ፡ ብምርጫን ብምስትውዓልን እዩ ዚጥቀመሉ።

ኣምላኽ ንቕኑዓት ሰባት ካብ ገበን ዘየዕቍቦም ስለምንታይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ተሓተትቲ ድዮም፧

ደቂ ሰብ እውን ብእተወሰነ መዳይ ብእከይ ተሓተትቲ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ብኸመይ በብደረጃኡ ናብ ጕድኣት ኪበጽሕ ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ” ይብል። (ያእቆብ 1:14, 15) ገሊኦም ሰባት ነቲ ዘይግቡእ ትምኒቶም ዚትግብርዎ እንተ ዀይኖም ወይ ነቲ ግጉይ ትምኒቶም ኢዶም ዚህቡ እንተ ዀይኖም፡ ሕማቕ ሳዕቤን ኬምጽእ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:21-23) ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ድማ፡ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገራት ከም ዚወርድን ከቢድ መከራ ኸም ዜጋጥምን ገይሮም እዮም። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ እኩያት ሰባት ንኻልኦት ሰባት ብልሹዋት ከም ዚዀኑ ብምግባር፡ ሕማቕ ነገራት ከም ዚቕጽል ይገብሩ እዮም።—ምሳሌ 1:10-16

ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገራት ከም ዚወርድን ከቢድ መከራ ኸም ዜጋጥምን ገይሮም እዮም

እሞኸ ኣምላኽ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኢዱ ብምእታው፡ ሰባት ሕማቕ ነገራት ንኸይገብሩ ኺዓግቶም ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ደቂ ሰብ እሞ ሕሰብ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ፡ ማለት ብምስሉ ኸም ዝፈጠሮ ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ደቂ ሰብ ንባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ኣለዎም። (ዘፍጥረት 1:26) ብዘይካዚ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ እተዋህቦም፡ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎን ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ብምግባር ምስኡ ኺጠብቁን ይኽእሉ እዮም። (ዘዳግም 30:19, 20) ኣምላኽ ንሰባት፡ ተገዲዶም ንሓደ መገዲ ኸም ዚስዕቡ እንተ ገይሩ፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ደይኰነን ዚጥሕሶ፧ እዚ ኸኣ ንሰባት ልክዕ ከምቲ ብእተሰርሓሉ ፕሮግራም ጥራይ ዚሰርሕ ማሽን እዩ ዚገብሮም። እዚ ኸኣ ነቲ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ነገራት ከም ዚቈጻጸሮ ጌርካ ዚሕሰብ ዕድል ወይ ጽሕፍቶ እውን ዚምልከት እዩ። ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት  ብምሃብ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣኽቢሩና! ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቲ ብሰንኪ ጌጋታትን ሕማቕ ምርጫታትን ደቂ ሰብ ዚመጽእ ጕድኣት፡ ንሓዋሩ ንሰባት እናኣሳቐዮም ኪቕጽል እዩ ማለት ኣይኰነን።

ካርማ ጠንቂ መከራ ድዩ፧

ንሓደ ኣማኒ ሂንዱነት ወይ ቡድህና፡ ነታ ኣብ ገበር እዛ መጽሔት እዚኣ ዘላ ሕቶ እንተ ትሓትቶ፡ “ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም፡ ብምኽንያት ሕጊ ካርማ እዩ። ፍረ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቶም ዝዘርእዎ ነገራት እዮም ዚዓጽዱ ዘለዉ” ኢሉ ይምልሰልካ ይኸውን። *

ምስ ትምህርቲ ካርማ ብዚተሓሓዝ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት እንታይ ከም ዚብል ምምርማርና ሓጋዚ እዩ። ፈጣሪ ኣብታ መበቈል ደቂ ሰብ ዝዀነት ገነት ኤድን፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ኣዳም ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት እንተ ዘይሓጥእ ነይሩ፡ ንዘለኣለም ኪነብር ምኸኣለ። ስለዚ፡ ሞት፡ ሕጊ ኣምላኽ ብዘይምእዛዝ ዝመጸ መቕጻዕቲ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣዳም ውሉዳት ምስ ወለደ፡ “ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።” (ሮሜ 5:12) በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ሮሜ 6:23) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:7) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሰባት ምስ ሞቱ፡ ነቲ ምስ ዕዳ ዚመሳሰል ሓጢኣት ንሓዋሩ እናኸፈሉ ኣይኰኑን ዚነብሩ።

ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንመከራ ደቂ ሰብ ምስ ካርማ የተሓሕዝዎ እዮም። ሓደ ብካርማ ዚኣምን ሰብ፡ ነቲ ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ዜጋጥሞም መከራ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ይቕበሎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካርማ፡ ሕማቕ ነገራት ከም ዜቋርጽ ተስፋ ኣይህብን እዩ። የግዳስ፡ ብመሰረት ካርማ፡ ሓደ ሰብ ካብዚ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ዘየቋርጽ ምውላድ ሓራ ኺወጽእ ዚኽእል፡ ብማሕበረ ሰብ ተቐባልነት ዘለዎ ናብራ ብምንባርን ፍሉይ ፍልጠት ብምርካብን እዩ። እዚ ግና ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። *

ቀንዲ ጠንቂ እከይ

ንመከራ ብቐንዱ ዚሕተተሉ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧—ዮሃንስ 14:30

ቀንዲ ጠንቂ እከይ፡ ደቂ ሰብ ኣይኰኑን። እቲ ኣብ ፈለማ እሙን መልኣኽ ኣምላኽ ዝነበረ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ‘ኣብ ሓቂ ስለ ዘይጸንዐ፡’ ሓጢኣት ናብዛ ዓለም ከም ዚኣቱ ገበረ። (ዮሃንስ 8:44) ኣብ ገነት ኤድን ድማ፡ ዕልወት ኣለዓዓለ። (ዘፍጥረት 3:1-5) የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን፡ “እኩይ”ን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ”ን ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:13፣ ዮሃንስ 14:30) ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ድማ፡ ሰይጣን ካብቲ ናይ የሆዋ ሰናይ መገዲ ንኺወጹ ንዚገብሮ ድፍኢት ብምቕባል፡ ንዕኡ ይስዕብዎ ኣለዉ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) ቀዳማይ ዮሃንስ 5:19፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ትብል። እኩያት ብምዃን ንሰይጣን ዝሓበርዎ ኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት እውን ኣለዉ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ‘ንብዘላ ዓለም የስሕትዋን’ ኣብ ልዕሊ ምድሪ መዓት የምጽኡን ከም ዘለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 12:9, 12) ስለዚ፡ ንእከይ ብቐንዱ ዚሕተተሉ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

ብንጹር እምበኣር፡ ነቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ሕማቕ ነገራት ዚሕተተሉ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሰባት ከም ዚሳቐዩ እውን ኣይገብሮምን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ከምቲ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እትሕብሮ፡ ኣምላኽ ንእከይ ከም ዜጥፍኦ ተመባጺዑ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 3 የሆዋ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣምላኽ ስለምንታይ እከይ ኪቕጽል ከም ዝፈቐደ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ብዛዕባ መበቈል “ሕጊ ካርማ” ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 8-12 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 18 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ብዛዕባ ዘለዎም ተስፋን እንታይ ከም ዚብል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን ርአ።