ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ቅድሚ ምጥፋኣ፡ ክርስትያናት ካብ ይሁዳ ሃዲሞምዶ፧

“የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ።” (ሉቃስ 21:20, 21) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንጥፍኣት የሩሳሌም ብዚምልከት፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ መምርሒ ሃቦም። እሞኸ ደቀ መዛሙርቱ ንመጠንቀቕታ የሱስ ከም ዘቕለቡሉ ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧

ድሕሪ ሞት የሱስ ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ፡ ብሰስትየስ ጋለስ ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ፡ ነቲ ኣብ እስራኤል እተላዕለ ዕልወት ንምጭፍላቕ መጸ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቲ ወራር ገሊጹ ነበረ። ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፣ ከም ዚስዕርዋ ኸኣ ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። ብሃንደበት ግና፡ ጋለስ ንኼንሳሕቡ ኣዘዞም። እቲ ዩሴቤስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም ዝገለጾ፡ ኣይሁዳውያን ዝዀኑ ክርስትያናት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም፡ ናብታ ኣብ ኣኽራን ደካጶሊስ እትርከብ ፔላ እትብሃል ከተማ ሃደሙ።

ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ማለት ብ70 ድ.ክ. ብጀነራል ቲቶስ ዚእዘዝ ሰራዊት ሮሜ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ነታ ርእሰ ኸተማ ኣይሁዳውያን ከበባ። እቶም ሰራዊት ነቲ ጋለስ ሓዲግዎ ዝኸደ ዕዮ ብምዝዛም፡ ነታ ኸተማ ኣጥፍእዋ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ መጻወድያ ኣተዉ፣ ህይወቶም ከኣ ሰኣኑ።

“ደቂ ነብያት” እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ኣብቲ ብዛዕባ ነብዪ ሳሙኤልን ነብዪ ኤልያስን ነብዪ ኤልሳእን ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደቂ ነብያት” ዚብሃሉ ሰብኡት ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኤልሳእ ንየሁ፡ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ኪሸሞ ምስ ደለየ፡ “ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት” ልኢኹ እዩ ቐቢእዎ።—2 ነገስት 9:1-4

ምሁራት፡ እታ “ደቂ ነብያት” እትብል መግለጺት፡ ቃል ብቓሉ ንዘርኢ ነብያት ዘይኰነትስ፡ ንሓደ ቤት ትምህርቲ ወይ ከኣ ሰባት ብሓባር ንዚነብሩሉ ማሕበረሰብ ከም እተመልክት ይገልጹ እዮም። እታ ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊትረቸር ዘርእስታ መጽሔት ከም ዝገለጸቶ፡ ኣባላት እዚ ጕጅለታት እዚ፡ ምናልባት “እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ . . . መንፈሳዊ ኣቦኦም ዝዀነ ነብዪ ዀይኖም ገዛእ ርእሶም ንኣገልግሎት ያህወህ [የሆዋ] ዝወፈዩ” ውልቀ ሰባት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (2 ነገስት 2:12) እቲ ኣብቲ የሁ ኸም እተቐብአ ዚገልጽ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ኤልሳእ ዝለኣኾ መንእሰይ፡ “ጊልያ እቲ ነብዪ” እዩ ነይሩ።—2 ነገስት 9:4

“ደቂ ነብያት” ቀሊል ናብራ ዚነብሩ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ሓደ ኻብቶም ብግዜ ኤልሳእ ዝነበሩ ጕጅለታት፡ ቤቶም ባዕላቶም ይሃንጹን ፋስ ይልቅሑን ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ነገስት 6:1-5) እቲ ሓንቲ “ኻብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት” ናብ ኤልሳእ ከይዳ ኸም ዘዘራረበቶ ዚገልጽ ሓሳባት፡ ገሊኦም ኣባላት እቶም “ደቂ ነብያት” ሰብ ሓዳር ምንባሮም እዩ ዚሕብር። (2 ነገስት 4:1) እሙናት እስራኤላውያን ንደቂ ነብያት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም፣ ኣብ ሓደ ጸብጻብ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ፡ ምግቢ ይህብዎም ነይሮም እዮም።​—2 ነገስት 4:38, 42