ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም፡ ሓቀኛ ኽትከውን ይከኣል ድዩ፧
“ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና።”—እብራውያን 13:18፡ NW።
ሓጥእ ዝንባለና፡ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ከምኡውን ድያብሎስ ከቢድ ጸቕጢ ኼውርዱልና ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንጽልዋኦም ክንቃወሞ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ናብ ኣምላኽ ብምቕራብን ነቲ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍቱን መሰረታዊ ስርዓታት ብምትግባርን እዩ። ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ።
መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።”—ሮሜ 12:2።
“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቀኛ ናይ ምዃን ጥቕሚ ንኽርኢ ሓጊዙኒ እዩ።”—ጊልየርመ
ናይ ሓቂ ታሪኽ፦ ጊልየርመ ኣብ ብራዚል ዚነብር ዕዉት ነጋዳይ እዩ። ሓቀኛ ምዃን ቀሊል ከም ዘይኰነ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ሓደ ነጋዳይ ምናልባት ነቲ ትካሉ ዘውጽኦ ሸቶታት ንምውቃዕ ወይ ከኣ ኣብዛ ብውድድር ዝመልአት ዓለም ኣብ ንግዲ ንምቕጻል፡ ብቐሊሉ ኣብ ሸፈጥ ኪኣቱ ይኽእል እዩ። ንብዙሓት ሰባት፡ ጉቦ ምሃብን ምቕባልን ንቡር እዩ። ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ከቢድ ሓላፍነት ዘሎካ ነጋዳይ እንተ ዄንካ፡ ሓቀኛ ምዃን ከቢድ እዩ።”
ይኹን እምበር፡ ጊልየርመ ነቲ ኣብ ሸፈጥ ኪኣቱ ዜጋጥሞ ጸቕጢ ብዓወት ኪቃወሞ ኽኢሉ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ቅጥፈት ሸለል ኣብ ዚብሃለሉ ኣከባቢ እውን እንተ ዀነ፡ ሓቀኛ ኽትከውን ይከኣል እዩ። ድልዱል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪህልወካ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቀኛ ናይ ምዃን ጥቕሚ ንኽርኢ ሓጊዙኒ እዩ። ሓቀኛ ሰብ፡ ጽሩይ ሕልናን ውሽጣዊ ሰላምን ርእሰ ኣኽብሮትን ኣለዎ። ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ እውን ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድረሎም ይኽእል እዩ።”
መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10።
“ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባረይ፡ ጽቡቕ ስም ስለ ዘምጽኣለይ አመስግን እየ።”—ኣንድሬ
ናይ ሓቂ ታሪኽ፦ ኣንድሬ ኣብቲ ዓማዊሉ ዚደልይዎ ቦታ ናይ ሓለዋን ድሕንነትን ናውቲ ዚገጥም ትካል ኣለዎ። ካብቶም ዓማዊሉ፡ ሓደ ዓብዪ ኽበብ ኵዕሶ እግሪ ይርከቦ። ሓደ እዋን፡ ዓብዪ ውድድር ምስ ተገብረ፡ ኣንድሬ ዋጋ እቲ ዝሃቦ ኣገልግሎት ኪቕበል ናብቲ ኣብቲ ኽበብ ዚርከብ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ከደ። እቲ ኽፍሊ ገንዘብ፡ ገና ነቲ ብመሸጣ ትኬት እተረኽበ ገንዘብ እዩ ዚቘጽር ነይሩ። መስዩ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓላፊ ንኣንድሬን ነቶም ኣገልግሎት ዝሃቡ ኻልኦት ሰባትን ብሃወኽ ገንዘቦም ከፈሎም።
ኣንድሬ ኸምዚ በለ፦ “ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ፡ እቲ ሓላፊ ዝያዳ ገንዘብ ከም ዝሃበኒ ፈለጥኩ። ዝያዳ ገንዘብ ዝወሰደ መን ምዃኑ ኺፈልጥ ከም ዘይክእል ይርድኣኒ እዩ። እቲ ሓላፊ ነቲ ዝጠፍአ ገንዘብ ካብ ጁባኡ ኪኸፍሎ ኸም ዚግደድ እውን እፈልጥ እየ። ስለዚ፡ ክምለስ ወሰንኩ። በቲ እቶም ጸወታ ኺርእዩ ዝመጹ ሰባት ዝፈጠርዎ ጽቕጥቅጥ ተዳፊአ ሓሊፈ፡ ነቲ ገንዘብ መለስኩሉ። እቲ ሓላፊ ኺኣምን ኣይከኣለን። ዋላ ሓደ ሰብ ገንዘብ መሊሱሉ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።
“ሳላ እቲ ዘርኣኽዎ ሓቀኛነት፡ እቲ ሓላፊ ኬኽብረኒ ኸኣለ። ብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ካብቶም ኣብ ፈለማ ኣገልግሎት ዚህቡ ዝነበሩ ዅሎም ትካላት፡ ናተይ ጥራይ እዩ ኽሳዕ ሕጂ ምስቲ ኽበብ ኮንትራቱ ዚቕጽል ዘሎ። ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባረይ፡ ጽቡቕ ስም ስለ ዘምጽኣለይ አመስግን እየ።”
ብሓገዝ ኣምላኽ ንገዛእ ርእስና ኻብቲ ዜበላሹ ጽልዋታት ከነዕቍባ ኸም እንኽእል ምፍላጥና የተባብዓና እዩ። ይኹን እምበር፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚግበር ጻዕሪ ንብልሽውና ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍኦ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ፡ ጠንቂ እቲ ጸገም፡ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብገዛእ ርእሶም ኪፈትሕዎ ዚኽእሉ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ብልሽውና ኣየኽትምን እዩ ማለት ድዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜበራትዕ መልሲ ኸተጕልሖ እያ።