ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ

ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ

ጴጥሮስ ነታ ምስ የሱስ ዓይኒ ንዓይኒ እተረኣኣየላ ህሞት ፈጺሙ ኣይርስዓን እዩ። ኣብ ኣዒንቲ የሱስ ናይ ጓሂ ወይ ወቐሳ ምልክት ኣንቢቡ ድዩ፧ ርግጸኛታት ኴንና ኸምዚ ወይ ከምቲ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና፣ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ፡ “ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ” ጥራይ እዩ ዚብል። (ሉቃስ 22:61) ኰይኑ ግን፡ ጴጥሮስ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ጌጋ ኸም ዝገበረ ተረድአ። ነቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባኡ እተነበዮ፡ ንሱ ግን ፈጺሙ ኸም ዘይውዕሎ ኣትሪሩ እተዛረበሉ ነገር ከም ዝገበረ ኣስተውዓለ። እወ፡ ነቲ ፈቃር ጐይታኡ ኽሒድዎ እዩ። እቲ ኣብታ ተካል መዓልቲ ዝገበሮ ጌጋ፡ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዝገበሮ እቲ ዝኸፍአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ወዲቑ ኣይተረፈን። ከመይሲ፡ ዓባይ እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ ካብ ጌጋታቱ ኺምለስን ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ትምህርትታት የሱስ ኪመሃርን ኣጋጣሚ ነይርዎ እዩ። እቲ ኻብ የሱስ ዝረኸቦ ትምህርቲ ኸኣ፡ ይቕረ ምባል እዩ። ነፍሲ ወከፍና እዚ ትምህርቲ እዚ ኽንረክብ ስለ ዜድልየና፡ ጴጥሮስ ነዚ ኣጸጋሚ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ከም ዝረኸቦ ንርአ።

ብዙሕ ኪመሃር ዝነበሮ ሰብኣይ

ጴጥሮስ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣቐዲሙ፡ ኣብታ ዓዱ ዝዀነት ቅፍርናሆም፡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ከም ዝለገሰ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓደ ሰብ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ በደል ኪሓድግ ከም ዘለዎ እዮም ዚምህሩ ነይሮም። የሱስ ግን፡ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴዎስ 18:21, 22

የሱስ ንጴጥሮስ፡ እቶም ዝበደልዎ ሰባት ብዛዕባ ዝገበርዎ ነፍሲ ወከፍ ተግባር መዝገብ ኪሕዝ ድዩ ዚነግሮ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ ሸውዓተ፡ ናብ ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ ምቕያሩ ይቕረ ምባል ውሱን ገደብ ከም ዘይብሉ እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ጴጥሮስ በቲ ንይቕረ ምባል ከም ሓደ ተሓዝ መዝገብ ዚሕዞ ጌርካ ዚተሓዘሉ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ጭከናን ይቕረ ናይ ዘይምባልን መንፈስ ከም እተጸልወ፡ የሱስ ኣስተውዓለ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ተመርኲስካ ዚግበር ይቕረታ ሰፊሕ እዩ።

ጴጥሮስ ምስ የሱስ ኣይተኸራኸረን። ኰይኑ ግን፡ ትምህርቲ የሱስ ብሓቂዶ ንልቡ ተንኪፍዎ እዩ፧ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ብዝያዳ እንመሃር፡ ንሕና ንባዕልና ይቕረ ኺበሃለልና ኣዝዩ ኸም ዜድልየና ምስ እንግንዘብ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ናብቲ ናብ ሞት የሱስ ዘምርሐ ፍጻመታት ንመለስ። ኣብተን ጽንኩራት ሰዓታት እቲኣተን፡ ጴጥሮስ፡ ጐይታኡ ይቕረ ኺብለሉ ዜድልዮ፡ ሓያሎ ጌጋታት ገይሩ እዩ።

ብዙሕ ይቕረታ ኣድለዮ

እታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ኣዝያ ኣገዳሲት ለይቲ እያ ነይራ። የሱስ ንሃዋርያቱ ኺምህሮም ዝነበሮ ብዙሕ ኻልእ ነገራት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ትሕትና ኺጥቀስ ይከኣል። የሱስ፡ ሓደ ዝተሓተ ኣገልጋሊ ዝዓዮ ዕዮ ብምዕያይ፡ ማለት ብትሕትና ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ፡ ኣብነት ሰሪዑ እዩ። ጴጥሮስ መጀመርታ ንተግባር የሱስ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ቀጺሉ፡ ከይሕጸብ ኣበየ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣእጋሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣእዳዉን ርእሱን እውን ኪሕጸብ ኣትሪሩ ተዛረበ። የሱስ፡ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ብህድኣት ደኣ ገለጸሉ እምበር፡ ትዕግስቱ ኣይወድአን።—ዮሃንስ 13:1-17

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ እቶም ሃዋርያት መኖም ከም ዚዓቢ ተኸራኸሩ። ጴጥሮስ እውን ኣብዚ ትዕቢት ዜንጸባርቕ ዜሕፍር ክርክር ተሳቲፉ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ብሕያውነት ኣረሞም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን በቲ ዝገበርዎ ጽቡቕ ነገር፡ ማለት ምስ ጐይታኦም ብምዕጋስ ዘርእይዎ ተኣማንነት ንኣዶም። ምስናይዚ ግን ኵሎም ከም ዚሓድግዎ ተነበየ። ሽዑ ጴጥሮስ ክሳዕ ሞት እውን እንተ ዀነ፡ ንየሱስ ከም ዘይሓድጎ ተዛረበ። የሱስ ግን ብኣንጻሩ፡ ጴጥሮስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ ንዕኡ ሰለስተ ሳዕ ከም ዚኽሕዶ ተነበየ። ጴጥሮስ ንየሱስ ተቓዊምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኵሎም እቶም ካልኦት ሃዋርያት ንላዕሊ እሙን ከም ዚኸውን ተጃሃረ።—ማቴዎስ 26:31-35፣ ማርቆስ 14:27-31፣ ሉቃስ 22:24-28

እቲ የሱስ ንጴጥሮስ ዜርእዮ ዝነበረ ትዕግስቲ ተጸንቂቑ ድዩ፧ ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን እኳ ከይተረፈ፡ ኣብቶም ዘይፍጹማት ሃዋርያቱ ጽቡቕ ነገር ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይወዓለን። ጴጥሮስ ከም ዚኽሕዶ እናፈለጠ፡ “ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” በሎ። (ሉቃስ 22:32) በዚ ኸምዚ የሱስ፡ ጴጥሮስ ካብ ጌጋኡ ተኣሪሙ ኣገልግሎቱ ኪቕጽል ምዃኑ ኸም ዚተኣማመነሉ ገለጸሉ። እዝስ ከመይ ዝበለ ሕያውነትን ይቕረ ናይ ምባል መንፈስን ዜርኢ ዀን እዩ!

ዳሕራይ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሰማኔ፡ ጴጥሮስ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ መአረምታ ኣድለዮ። የሱስ ኪጽሊ ኪኸይድ ከሎ፡ ንዕኡን ንያእቆብን ንዮሃንስን ኪነቕሑ ነገሮም። ስምዒታዊ ስቓይ እኳ እንተ ነበሮ፡ ሓገዝ እውን የድልዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ግን ብተደጋጋሚ ይድቅሱ ነበሩ። የሱስ፡ “መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡” ብምባል ድንጋጽን ይቕረ ምባልን ዜንጸባርቕ ቃላት ተዛረበ።—ማርቆስ 14:32-38

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጭፍራ ሰባት ፋናታትን ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። እቲ ግዜ እቲ፡ ጥንቃቐን ምስትውዓልን ዜድልዮ ግዜ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ጴጥሮስ ብሃወኽ ተላዒሉ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ማልኮስ እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ንጴጥሮስ ብህድኣት ኣረሞ፡ ነቲ ቝሱል ኣሕወዮ፡ ንሰዓብቱ ኽሳዕ እዚ ግዜና መምርሒ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓት ከኣ ገለጸ። (ማቴዎስ 26:47-55፣ ሉቃስ 22:47-51፣ ዮሃንስ 18:10, 11) ጴጥሮስ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ጐይታኡ ይቕረታ ዜድልዮ ሓያሎ ነገራት ገይሩ ነበረ። እዚ ነገር እዚ ድማ ነቲ፡ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ዚብል ጥቕሲ እዩ ዜዘኻኽረና። (ያእቆብ 3:2) መን ካባና እዩ እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብ ኣምላኽ ይቕረታ ኺረክብ ዘየድልዮ፧ ጴጥሮስ በታ ለይቲ እቲኣ ዝገበሮ ጌጋታት ግን በዚ ኣየብቅዐን። ዝኸፍአ ነገር እውን ገይሩ እዩ።

ጴጥሮስ ዝገበሮ ዝኸፍአ ጌጋ

የሱስ ነቶም ኪሕዝዎ ዝመጹ ጭፍራ፡ ንዕኡ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ንሃዋርያቱ ይኺዱ ኺሓድግዎም ነገሮም። እቶም ጭፍራ ንየሱስ ኪኣስርዎ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ተዓኒዱ ይጥምት ነበረ። ሽዑ ጴጥሮስ ኰነ እቶም ካልኦት ሃዋርያት ሃደሙ።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ኪሃድሙ ጸኒሖም ኣብ መገዲ፡ ምናልባት ኣብ ጥቓ ቤት እቲ ቕድም ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃና ደው በሉ፣ ናብኡ ኸኣ እዩ የሱስ ንኺምርመር መጀመርታ እተወስደ። ንየሱስ ካብኡ ኺወስድዎ ኸለዉ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ‘ርሕቕ ኢሎም’ ይስዕብዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 26:58፣ ዮሃንስ 18:12, 13) ጴጥሮስ ፈራህ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ደድሕሪ እቶም ጭፍራ ምስዓብ ትብዓት ዚሓትት እዩ። እቶም ጭፍራ ዕጡቓት እዮም ነይሮም፡ ጴጥሮስ ከኣ ንሓዲኦም ኣቐዲሙ ኣቝሲልዎ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግን ነቲ ባዕሉ ኽሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ንየሱስ ኪስዕቦ ፍቓደኛ ምዃኑ እተዛረቦ ዘረባ ኺትግብር ኣይተራእየን።—ማርቆስ 14:31

ሎሚ ሓያሎ ሰባት ከም ጴጥሮስ ንክርስቶስ ‘ርሕቕ ኢሎም፡’ ማለት ዋላ ሓደ ኸየስተብሃለሎም፡ ኪስዕብዎ ይደልዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጴጥሮስ ጸኒሑ ዝጸሓፎ፡ ንክርስቶስ ብግቡእ ክንስዕበሉ እንኽእል እንኮ መገዲ፡ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ኣብ ኵሉ ነገራት ኣብነቱ እናቐዳሕና፡ ብእተኻእለ መጠን ኣስኣሰሩ ብምስዓብ እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21

ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ ዓብዪ ቤት ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ነቶም ጭፍራ ተጠንቂቑ ሰዓቦም። እቲ ቤት፡ ናይቲ ሃብታምን ስልጡንን ዝነበረ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቤት፡ ኣብ ማእከሉ ቐጽሪ ዘለዎ ዀይኑ፡ ብቕድሚኡ ኸኣ ኣፍ ደገ ነበሮ። ጴጥሮስ ኣብቲ ኣፍ ደገ ምስ በጽሐ፡ ከይኣቱ ተኸልከለ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ዮሃንስ፡ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ነጊሩ፡ ንጴጥሮስ ኣእትዎ። ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ብሓንሳእ ዝጸንሐ ኣይመስልን እዩ፣ ናብ ውሽጢ ቤት ኣትዩ ኣብ ጐድኒ ጐይታኡ ኪኸውን እውን ኣይፈተነን። የግዳስ፡ ምስቶም ኣብቲ ቘራሪ ለይቲ ሓዊ ኣጕሂሮም ዚስሕኑ ዝነበሩ ባሮትን ገላዉን ኣብቲ ቐጽሪ እዩ ጸኒሑ። ኣብኡ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቶም ንየሱስ ኪጥቅንዎ ኢሎም ናብ ውሽጢ ቤት ዚኣትዉን ዚወጹን ዝነበሩ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ይርእዮም ነበረ።—ማርቆስ 14:54-57፣ ዮሃንስ 18:15, 16, 18

እታ ንጴጥሮስ ዘእተወቶ ገረድ፡ ብብርሃን እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ኣጸቢቓ ምስ ረኣየቶ፡ ኣለለየቶ። “ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ” እናበለት ድማ ከሰሰቶ። እዚ ንጴጥሮስ ድቦላ ስለ ዝዀኖ፡ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ብምግላጽ ከሓደ፣ እታ ጓል እትብሎ ዝነበረት ከም ዘይተረድኦ እውን መሰለ። ኣትኵሮ ምእንቲ ኸይስሕብ፡ ናብ ጥቓ እቲ ኣፍ ደገ ኸይዱ ደው በለ፣ ሓንቲ ኻልእ ስለ ዘስተብሃለትሉ ግን፡ “እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ” ኢላ ተዛረበት። ጴጥሮስ ድማ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን” ኢሉ መሓለ። (ማቴዎስ 26:69-72) ምናልባት ካልኣይ ግዜ ምስ ከሓደ እዩ፡ ደርሆ ኺንቁ ዝሰምዐ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ተረቢሹ ብምንባሩ፡ ነቲ የሱስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት እተነበዮ ትንቢት ኪዝክሮ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጴጥሮስ ኣትኵሮ ሰባት ከይስሕብ ይጽዕር ነበረ። ኣብቲ ቐጽሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ግን፡ ናብኡ ቐረቡ። ሓደ ኻባታቶም፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾ ማልኮስ ዝስሙ ባርያ፡ ዘመዱ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ “ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧” በሎ። ጴጥሮስ ከም እተጋገዩ ኼእምኖም ጸዓረ። ስለዚ ድማ፡ ከም ዘይሓሰወ ንምርግጋጽ፡ ኪምሕልን ንባዕሉ ኺረግምን ጀመረ። እቲ ቓላት ካብ ኣፉ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ጴጥሮስ ንኻልኣይ ግዜ ሰምዖ።—ዮሃንስ 18:26, 27፣ ማርቆስ 14:71, 72

ሽዑ የሱስ ናብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐጽሪ ዘሎ ሰገነት ወጸ። ኣብታ ኣብ መእተዊ እተገልጸት ህሞት እቲኣ፡ ምስ ጴጥሮስ ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣኣዩ። ጴጥሮስ ድማ ንጐይታኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘጕሃዮ ተረድአ። በቲ ዝገበሮ ስለ እተደቝሰ፡ ካብቲ ቐጽሪ ወጸ። ናብቲ በታ ምልእቲ ወርሒ ዝበርሀ ጐደና ኣምርሐ። ኵሉ እቲ ዝገበሮ ቕጅል በሎ። ኣዒንቱ ብንብዓት ቅጽርጽር በለ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምኽኣል ኣብይዎ፡ ኣምሪሩ በኸየ።—ማርቆስ 14:72፣ ሉቃስ 22:61, 62

ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ጌጋ ምግባሩ ምስ ኣስተውዓለ፡ ፈጺሙ ይቕረ ኸም ዘይበሃለሉ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ጴጥሮስ እውን ከምኡ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ይቕረ ኺበሃለሉ ዘይከኣል ድዩ ነይሩ፧

ንጴጥሮስ ይቕረ ኺበሃለሉ ዘይከኣል ድዩ ነይሩ፧

ምድሪ ኺወግሕ ምስ ጀመረ፡ ጴጥሮስ ድማ ነቲ በታ መዓልቲ እተገብረ ተግባራት ምስ ተዓዘበ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየ ንምግማቱ ዜሸግር እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቐትሪ፡ የሱስ ንሰዓታት ተሳቕዩ ምስ ሞተ፡ ጴጥሮስ ንርእሱ ወቒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ንጐይታኡ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስቓዩ ስቓይ ከም ዝወሰኸሉ እናሓሰበ እህህ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። መሪር ጓሂ እኳ እንተ ነበሮ፡ ተስፋ ግን ኣይቀበጸን። ከመይሲ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ምስ ኣሕዋት ይእከብ ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 24:33) ኵሎም እቶም ሃዋርያት በታ ለይቲ እቲኣ ዝገበርዎ ነገር ከም ዘጠዓሶምን ንሓድሕዶም ከም እተጸናንዑን ኣየጠራጥርን እዩ።

ጴጥሮስ ጽቡቕ ውሳነ እዩ ገይሩ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪወድቕ ከሎ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ኣወዳድቓኡ ዘይኰነስ፡ ንኺትንስእን ጸገሙ ንኼዐርን ዚገብሮ ቘራጽነት እዩ። (ምሳሌ 24:16) ጴጥሮስ ተደቚሱ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ኣሕዋቱ ብምእካብ ግን፡ ናይ ሓቂ እምነት ኣርኣየ። ጓሂ ወይ ጣዕሳ ንሓደ ሰብ ጾር ኪዀኖ ኸሎ፡ ርእሱ ኺፈሊ እዩ ዚደሊ፣ ከምኡ ምግባር ግን ሓደገኛ እዩ። (ምሳሌ 18:1) የግዳስ፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ኪለግብን መንፈሳዊ ብርታዐ ኺረክብን እዩ ዘለዎ።—እብራውያን 10:24, 25

ጴጥሮስ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ስለ ዝነበረ፡ ስጋ የሱስ ኣብቲ መቓብር ከም ዘየሎ ዚሕብር ዜሰምብድ ወረ ሰምዐ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ ስጋ የሱስ እተነብረሉን ማዕጾኡ እተሓትመሉን መቓብር ጐየዩ። ዮሃንስ ብዕድመ ዝነኣሰ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ናብቲ ቦታ ቐዲሙ በጽሐ። ማዕጾ እቲ መቓብር ተኸፊቱ ምስ ጸንሖ፡ ናብ ውሽጢ ንምእታው ተወላወለ። ጴጥሮስ ግን ኣይተወላወለን። እናላህልሀ ናብ ውሽጢ እቲ መቓብር ኣተወ። እቲ መቓብር ከኣ ጥራዩ ጸንሖ።—ዮሃንስ 20:3-9

እሞኸ ጴጥሮስ፡ የሱስ ከም ዝተንስአ ኣሚኑ ድዩ፧ ኣብ ፈለማ ኣይኣመነን፣ እተን እሙናት ኣንስቲ፡ መላእኽቲ ኸም እተራእይወንን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ከም ዝነገርወንን ምስ ሓበራኦ እውን ከይተረፈ ኣይኣመነንን። (ሉቃስ 23:55–24:11) በታ መዓልቲ እቲኣ ግን፡ ኵሉ እቲ ኣብ ልቢ ጴጥሮስ ዝነበረ ጓህን ጥርጣረን ተቐንጠጠ። የሱስ ህያው ኰይኑ እዩ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር እውን ብርቱዕ መንፈስ እዩ። ንዅሎም ሃዋርያቱ ተራእዮም። ኣቐዲሙ ግን፡ ሓደ ነገር ገበረ። ሃዋርያት በታ መዓልቲ እቲኣ፡ “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ” ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። (ሉቃስ 24:34) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ “ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:5) ኬፋን ስምኦንን፡ ጴጥሮስ ዚጽውዓሉ ኻልእ ስማት እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ በታ መዓልቲ እቲኣ በይኑ ኸሎ ተራእይዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስን ጴጥሮስን እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይንረክብን ኢና። ጴጥሮስ ነቲ ዜፍቅሮ ጐይታኡ እንደገና ህያው ኰይኑ ኺርእዮ ብምኽኣሉ፡ ጓሂኡን ንስሓኡን ኪገልጽ ከኣ ኣጋጣሚ ብምርካቡ፡ ክሳዕ ክንደይ ውሽጡ ኸም እተተንከፈ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ ይቕረታ እዩ ዚደሊ ነይሩ። የሱስ ኣብዚሑ ይቕረ ኸም ዝበለሉ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሎሚ ዘለዉ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ ክርስትያናት እውን፡ ንጴጥሮስ ኪዝክርዎ ኣለዎም። ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዘይብለልና ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ የብልናን። የሱስ ነቲ፡ “ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ” እተባህለሉ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ።—ኢሳይያስ 55:7

ተወሳኺ መርትዖ ይቕረታ

የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ ገሊላ ኪኸዱ፡ ኣብኡ ድማ እንደገና ኸም ዚረኽብዎ ነገሮም። ንሳቶም ድማ ናብ ገሊላ ምስ በጽሑ፡ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ ኺገፍፍ ወሰነ። እተወሰኑ ኻልኦት እውን ምስኡ ኸዱ። ጴጥሮስ ኣብቲ መብዛሕትኡ ህይወቱ ዘሕለፈሉ ቐላይ ኪዓዪ ጀመረ። ደሃይ እታ ዓጠጥ እትብል ጃልባን ደሃይ እቲ ዚጻፋዕ ማዕበላትን እቲ ሓርፋፍ መርበብን፡ ዝለመዶ ነገራት እዩ ነይሩ። ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ብምብቃዑ፡ ህይወቱ ብኸመይ ኪመርሕ ከም ዘለዎ ሓሲቡ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ቐሊል ናብራ ገፋፍ ዓሳ ስሒብዎ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ዋላ ሓደ ዓሳ እኳ ኣይሓዙን።—ማቴዎስ 26:32፣ ዮሃንስ 21:1-3

ምስ ወግሐ ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ገምገም ደው ኢሉ ተዳሃዮም፡ መርበቦም ናብቲ ኻልእ ሸነኽ ኣቢሎም ኬውድቑ ድማ ነገሮም። ከምቲ ዝበሎም ምስ ገበሩ፡ 153 ዓሳ ሓዙ። ጴጥሮስ፡ እቲ ሰብ መን ምዃኑ ፈለጠ። ካብታ ጃልባ ዘሊሉ ኣትዩ፡ እናሓምበሰ ናብ ገምገም መጸ። ኣብቲ ገምገም ከኣ፡ የሱስ ብጓህሪ እተጠብሰ ዓሳ ሃቦም። ሽዑ፡ ኣብ ጴጥሮስ ኣተኰረ።

የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ፣ ከምኡ ኺብሎ ኸሎ ድማ፡ ናብቶም ዝገፈፍዎም ዓሳ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ጴጥሮስ ነቲ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ምስቲ ንየሱስ ዝነበሮ ፍቕሪ ዚወዳደር ድዩ ነይሩ፧ ከምቲ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ንጐይታኡ ሰለስተ ሳዕ ዝኸሓዶ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ኣብ ቅድሚ ብጾቱ ሰለስተ ሳዕ ፍቕሩ ኼረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ጴጥሮስ ንየሱስ ፍቕሩ ኼረጋግጸሉ ኸሎ፡ የሱስ እውን ነቲ ጴጥሮስ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ንቕዱስ ኣገልግሎት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ብምሃብን ነቶም እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ኣባጊዕ ብምምጋብን ብምጕሳይን ኬርኢ ኸም ዚኽእል ነገሮ።—ዮሃንስ 21:4-17

በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ንዕኡን ንኣቦኡን ጠቓሚ ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ጴጥሮስ ኣብታ ብክርስቶስ እትምራሕ ጉባኤ፡ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። እዝስ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ዜርኢ ሓያል መርትዖ ደይኰነን፧ ጴጥሮስ በቲ እተገብረሉ ምሕረት ልቡ ኸም እተተንከፈ ኣየጠራጥርን እዩ።

ጴጥሮስ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ፈጺሙ እዩ። ከምቲ የሱስ ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ዝኣዘዞ፡ ንኣሕዋቱ ኣጸናኒዕዎም እዩ። ንሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ምጕሳይን ኣብ ምምጋብን፡ ብለውሃትን ብትዕግስትን ዓዪዩ እዩ። እወ፡ ኣብታ ጉባኤ ብጽንዓቱን ብብርታዐኡን ብተኣማንነቱን ጽቡቕ ጽልዋ ብምሕዳር፡ ምስቲ የሱስ ዘውጸኣሉ ጴጥሮስ ወይ ከውሒ ዚብል ስሙ ተሰማሚዑ ተመላሊሱ እዩ። እዚ ጽልዋኡ፡ ኣብተን ፍቕሪ ዝመልአን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ንሱ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት ይርአ እዩ። እዘን መልእኽትታት እዚኣተን፡ ጴጥሮስ ነቲ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ካብ የሱስ እተማህሮ ትምህርቲ፡ ፈጺሙ ኸም ዘይረስዖ እውን ይሕብራና እየን።—1 ጴጥሮስ 3:8, 9፣ 4:8

ንሕና እውን ካብዚ ኽንመሃር ኣሎና። ኣምላኽ ነቲ ብዙሕ ሳዕ እንፍጽሞ ጌጋታትና ይቕረ ኺብለልና መዓልታዊ ንልምኖ ዲና፧ ይቕረ ምስ በለልናኸ፡ ካብ ሓጢኣትና ኸም ዜንጽሃና ንኣምን ዲና፧ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉኸ፡ ይቕረ ንብለሎም ዲና፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣስኣሰር እምነት ጴጥሮስን ኣስኣሰር ምሕረት ጐይታናን ክንስዕብ ኢና።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጴጥሮስ፡ ጐይታኡ ይቕረ ኺብለሉ ዜድልዮ፡ ሓያሎ ጌጋታት ገይሩ እዩ፣ መን ካባና እዩ እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይቕረታ ኺረክብ ዘየድልዮ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ”

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ጐይታ . . . ንስምኦን እኳ ተራእይዎ”