ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ መዓልታዊ ኺዛረበካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

ኣምላኽ መዓልታዊ ኺዛረበካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧

ክንደይ ሳዕ መስትያት ትርኢ፧ መብዛሕትና መዓልታዊ፡ ሓድሓደ እዋን ድማ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ መስትያት ንርኢ ኢና። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ ትርኢትና ስለ እንግደስ እዩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መስትያት ኣትኲርካ ምስ ምርኣይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 1:23-25) እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዘሎ መልእኽቲ ናይ ሓቂ መንነትና ንኽንፈልጥ ዚሕግዝ ሓይሊ ኣለዎ። አረ “ነፍስን መንፈስን . . . ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም” እውን እዩ። (እብራውያን 4:12) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ደጋዊ ትርኢትና ኻብቲ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ እንታይነትና ዚፈላሊ እዩ። ልክዕ ከም መስትያት፡ ነቲ ኽንገብሮ ዘሎና ምትዕርራይ የርእየና።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ይነግረና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ምትዕርራይ እዚ ኽንገብር እውን ይሕግዘና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ነቲ ኣብዛ ጥቕሲ ጐሊሑ ዘሎ ኣርባዕተ ጥቕምታት እሞ ኣስተብህለሉ፣ እቲ ሰለስተ፡ ማለት ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንምእዳብ ይጠቅም ዚብል ሓሳብ፡ ኣብ ኣረኣእያናን ኣብ ተግባርናን ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ። ትርኢትና ጽቡቕ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ኵሉ ግዜ ኣብ መስትያት ክንርኢ ኻብ ኣድለየና፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ወትሩ ኸነንብቦ ዘይግባእ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምእንቲ ኺመርሖም ንእያሱ ምስ ሸሞ፡ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” በሎ። (እያሱ 1:8) እወ፡ እያሱ ንቓል ኣምላኽ “መዓልትን ለይትን፡” ማለት ወትሩ እንተ ኣንቢብዎ እዩ ኺሰልጦ ዚኽእል ነይሩ።

እታ ቐዳመይቲ መዝሙር እውን እንተ ዀነት፡ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዘለዎ ጥቕሚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፡ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” (መዝሙር 1:1-3) ብርግጽ እምበኣር፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ኢና ኽንከውን እንደሊ።

ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣለዎም። ሓደ ክርስትያን ስለምንታይ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብብ ምስ ተሓተተ ኸምዚ በለ፦ “መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ዝጽልን ኪሰምዓኒ ዝጽበን እንተ ዀይነ፡ ስለምንታይ ደኣ እሞ ኣነኸ መዓልታዊ ንቓሉ ብምንባብ ንዕኡ ዘይሰምዖ፧ ንፉዓት ኣዕሩኽ ክንከውን እንተ ደሊና፡ ስለምንታይ ንሕና ጥራይ ንዛረብ፧” ሓቁ ኸኣ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ገሊኡ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ ስለ እንርዳእ፡ ንዕኡ ኸም ምስማዕ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ።

ነቲ ብድሆ ምግጣሙ

ምናልባት ቅድሚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ጀሚርካ ኔርካ ትኸውን። እሞኸ ኻብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣንቢብካዮዶ፧ ከምዚ ዓይነት ንባብ፡ ምስቲ ትሕዝቶኡ ብዝያዳ ንኽትላለ ዚሕግዝ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ብተደጋጋሚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ጀመሩ፡ ቍሩብ ጸኒሖም ነቲ መደቦም የቋርጽዎ። ንስኻኸ ኸምዚ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ሸቶኻ ንኽትወቅዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንምንታይ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ኽልተ ሓሳባት ዘይትፍትኖ፧

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ መደብ ኣውጽእ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ እትኽእለሉ ግዜ ሕረ። ብገለ ምኽንያት ኣብቲ ዝሓሰብካዮ ግዜ ኸተንብብ እንተ ዘይክኢልካ፡ ከም መተካእታ ዀይኑ ኼገልግል ዚኽእል መደብ ኣውጽእ። እዚ ኸኣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቓል ኣምላኽ ከየንበብካ ንኸይትውዕል ኪሕግዘካ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንኣርኣያ እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ትስዕብ ኣለኻ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም፡ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11

ንጹር ሸቶ ይሃሉኻ። ንኣብነት፡ ኣብ መዓልቲ ኻብ ሰለስተ ኽሳዕ ሓሙሽተ ምዕራፍ ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ገጽ ዘሎ ሰሌዳ ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል ኬርእየካ እዩ። ንምንታይ ነዚ መደብ እዚ ኽትፍትኖ ቘራጽነት ዘይትገብር፧ ኣብ ትሕቲ እቲ “ዕለት” ዚብል ዓምዲ፡ ነተን እተጠቕሳ ምዕራፋት መዓስ ከም እተንብበን መድብ። ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ ኣብቲ ሳጹን ምልክት ግበር። ከምዚ ምግባርካ፡ ክንደይ ከም ዘንበብካ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።

ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ምስ ኣንበብካዮ ጥራይ ስለምንታይ ተቋርጽ፧ ነቲ መደብ ተጠቒምካ ኻብ ዝደለኻዮ ኽፋል ብምጅማር እንደገና ምሉእ ዓመት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ቀስ ኢልካ ከተንብብ እንተ ደሊኻ ድማ ነተን ተጠቒሰን ዘለዋ ምዕራፋት ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ኸተንብበን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብበሉ እዋን፡ ኣብ ህይወትካ ኸተውዕሎ እትኽእል ቅድሚ ሕጂ ዘየስተብሃልካሉ ሓድሽ ነጥብታት ክትረክብ ኢኻ። ስለምንታይ፧ “[ናብራ] እዛ ዓለም እዚኣ” ኸምኡውን ህይወትናን ኵነታትናን ብተደጋጋሚ ይቀያየር እዩ ዘሎ። (1 ቈረንቶስ 7:31) እምበኣር፡ ኣብቲ ኸም መስትያት ተመሲሉ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርኣይ ቈራጽነት ግበር። በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ መዓልታዊ ንኺዛረበካ ኸም ዝፈቐድካሉ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 16:8

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ግዜ ኽትምድብ ትኽእልዶ፧