ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቈጽላ ዘይረግፍ’ ኦም

‘ቈጽላ ዘይረግፍ’ ኦም

‘ቈጽላ ዘይረግፍ’ ኦም

ብልሙዓት ኣእዋም እተሸፈነ ገጠር ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ኣዝዩ ባህ ዜብል ትርኢት ምዃኑ ትሰማማዓሉ ትኸውን። ብዙሓት ልሙዓትን ዓበይትን ኣእዋም እንተ ርኢኻ፡ ኣብቲ ኸባቢ ድርቂ ኸም ዘሎ ጌርካዶ ምገመትካ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ኣእዋም ከም ዘይሓርርን ልሙዕን ዚገብሮ እኹል ማይ ከም ዘሎ ምገመትካ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብመንፈሳዊ ጥዑያት ዝዀኑ ሰባት፡ ምስ ልሙዓትን ዓበይትን ኣእዋም የነጻጽሮም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መዝሙር 1:1-3 ዚርከብ ማራኺ ቓላት እስከ ንርአ፦

“ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፡ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።”

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኤርምያስ 17:7, 8 ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን [“ዘይትጭነቕ፡” ትርጕም 1990]፡ ካብ ምፍራይውን ኣይተቋርጽን።”

ኣብ ክልቲኡ እዚ ጥቕስታት እዚ፡ ቅኑዕ ዚገብርን ብሕጊ ኣምላኽ ዚፍሳህን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ዚውከልን ሰብ እንታይ ከም ዚኸውን ንምግላጽ፡ ኦም ከም ምሳሌ ጌርካ ተጠቒሱ ኣሎ። ካብዚ ተበጊስና፡ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ፡ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኸም ልምዕቲ ኦም ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ነዚ ጥቕስታት እዚ እስከ ብዝርዝር ንመርምሮ።

“ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት”

እተን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣእዋም፡ “ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ” ወይ “ኣብ ጥቓ ማይ” ከም እተተኽላ እየን ተገሊጸን። ኣብ ኢሳይያስ 44:3, 4 ተመሳሳሊ ስእላዊ ኣዘራርባ ይርከብ፣ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ባቢሎን ንዚምለሱ ዚንስሑ ኣይሁድ ብኸመይ ከም ዚከናኸኖም ገሊጹ ኣሎ። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ . . . ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቝሉ እዮም” በለ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ወሓይዝ” ወይ “ወሓዚ ርባ” ነቶም ብሩኻት ከም ልሙዕ ዕቦል ንኺዓብዩ ኸም ዜኽእሎም ተገሊጹ ኣሎ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ከም ዓሚቝ ዔላ፡ ፈለግ፡ ቀላይ፡ ወይ ሓጽቢ ዝኣመሰለ ብዙሕ ማይ ዚርከቦ ቦታ፡ ብመትረባት ኣቢሉ ሕርሻ ናብ ዚካየደሉ ቦታታት ኪውሕዝ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንግራውቲ ብመስኖ ንምልማዕ እዩ ኸምኡ ዚግበር። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ መትረባት ማይ ክሳዕ እቲ ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም ይበጽሕ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ብሓደ ሸነኽ እቲ ግራውቲ ብመስኖ ማይ ኪበጽሖ ኸሎ፡ በቲ ኻልእ ሸነኹ ኸኣ ልሙዕ ኣእዋም ተር ኢሉ ይትከል፣ እዚ ድማ ምናልባት ንዶብ እቲ መሬት ንምምልካት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ወሰን ወሓይዝ ማያት እተተኽላ ኣእዋም ክሳዕ ክንደይ እየን ዚለምዓ፧ መዝሙር 1:3 ብዛዕባ “ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ” ኦም ትገልጽ። ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ዓድታት፡ ኦም በለስ፡ ኦም ሮማን፡ ኦም ቱፋሕ፡ ኦም ተምሪ፡ ከምኡውን ኦም ኣውልዕ ይበቍል ነበረ። ኦም በለስ ክሳዕ ትሽዓተ ሜተር ኪዓብን ጨናፍሩ ኣመና ኼስፍሕን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ኻልእ ኣእዋም ግን ነዊሕ ቍመት የብሉን። ኰይኑ ግን፡ ልሙዕን ዕሙርን ኪኸውንን ኣብ ግዜኡ ድማ ብዙሕ ፍረ ኺፈርን ይኽእል እዩ።

ብግዜ ጥንቲ፡ ኣብ ወሰን እቲ ኣብ ሶርያን ፍልስጥኤምን ዚርከብ ኣፍላጋትን ወሓይዝን፡ ዓበይቲ ኣእዋም ዕቦል ይበቍል ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዕቦል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቓ ማያት ወይ ‘ርባታት’ ከም ዚበቍል እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (ዘሌዋውያን 23:40፣ ህዝቅኤል 17:5) እዚ ዓብይን ልሙዕን ኦም ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙርን ኤርምያስን ኬመሓላልፍዎ ዝደለዩ ነጥቢ ኣጸቢቑ ዚበቅዕ እዩ፦ እቶም ሕጊ ኣምላኽ ኪስዕቡን ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪውከሉን ዚደልዩ ሰባት፡ ብመንፈሳዊ ጥዑያት ኪዀኑ እዮም፡ ‘ዚገብርዎ ዅሉ እውን ኪሰልጦም እዩ።’ ኣብ ህይወትና ኣሳልጦ ኽንረክብ ደይኰንናን እንደሊ፧

ብሕጊ የሆዋ ምፍሳህ

ሎሚ ሰባት ብብዙሕ መገድታት ኣሳልጦ ኺረኽቡ ይጽዕሩ እዮም። ዝናን ሃብትን ኬምጽኣሎም ኣብ ዚኽእል ንጥፈታት እኳ እንተ ጠሓሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሸቶኦም ዘይብጻሕን ዜጕህን ኰይኑ እዮም ዚረኽብዎ። ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕግበትን ነባሪ ሓጐስን ኬምጽእ ዚኽእል ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ሂቡ ኣሎ። “ብመንፈስ ድኻታት፡ [“እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ፡” NW] መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን [“ሕጉሳት፡” NW] እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3) እወ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብዙሕ ጥሪት ብምጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ብምግንዛብን ነቲ ዜድልየና ብምምላእን እዩ ዚርከብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ በብግዜኡ ፍሪኣ እትህብ ልምዕቲ ኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ንኸውን። ብመንፈሳዊ መዳይ ከመይ ጌርና ኽንለምዕ ንኽእል፧

ብመሰረት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ቀዳማይ፡ ክንርሕቆ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ኣብ መዝሙሩ፡ “ምኽሪ ረሲኣን፡” “መገዲ ሓጥኣን፡” ከምኡውን “መንበር መላገጽቲ” ጠቒሱ ኣሎ። ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ ካብቶም ንሕጊ ኣምላኽ ዜላግጹ ወይ ዕሽሽ ዚብሉ ኽንርሕቕ ኣሎና።

ካልኣይ፡ ብሕጊ የሆዋ ኽንፍሳህ ኣሎና። ብሓደ ነገር ወይ ንጥፈት ክንፍሳህ ከለና፡ ኣብኡ ንኽንጽመድ ኣጋጣሚታት ደይኰንናን እነናዲ፧ እምበኣር፡ ብሕጊ ኣምላኽ ክንፍሳህ ኪበሃል ከሎ፡ ንቓል ኣምላኽ ልዑል ኣኽብሮት ነሕድር፡ ብዝያዳ ንኽንመሃሮን ንኽንርድኦን ከኣ ባህጊ ይህልወና ማለት እዩ።

ሳልሳይ፡ ንቓል ኣምላኽ ‘ለይትን መዓልትን ክንመራምሮ’ ኣሎና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ኸነንብቦን ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉን ማለት እዩ። ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ፡ ከምቲ፡ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ከነሕድር ኣሎና።—መዝሙር 119:97

እወ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠትን ምርዳእን ምስ እነጥሪ፡ ኣብኡን ኣብ መብጽዓታቱን ድማ ምሉእ ብምሉእ ምስ እንተኣማመን፡ ብርግጽ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ክንከውን ኢና። ሽዑ፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገለጾ ብጹእ ወይ ሕጉስ ሰብ ክንከውን፡ ‘እንገብሮ ዅሉ እውን ኪሰልጠና እዩ።’