ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብትግሃት ምንዳይ

ብትግሃት ምንዳይ

ካብ ኣየርላንድ እተላእከት ደብዳበ

ብትግሃት ምንዳይ

በታ መዓልቲ እቲኣ ብዘይምቍራጽ ኪፍኪፍ ይብል ነበረ። እቲ ኻፋ ንመስትያት ማኪናይ ይሽፍኖ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ከባብየይ ዝነበረ ገጠራት ብንጹር ክርእዮ ኣይከኣልኩን። ዓሰርተው ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ምስ ተጓዓዝኩ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ናብታ ዌስትፖርት እትበሃል ኣብ ምዕራብ ኣየርላንድ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ዜማዕዱ ዅድዅዶ በጻሕኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ጸሓይ ነቲ ግመ ምስ በተነቶ፡ እተን ኣብ ከባቢ እቲ ልሳን ባሕሪ ዚርከባ ንኣሽቱ ደሴታት፡ ኣብ ሰማያዊ ምንጻፍ እተበተና ቐጠልያ ኣዕናቝ መሲለን ተራእያ። መብዛሕትአን ሰብ ዘይነብረለን እኳ እንተ ዀና፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሓረስቶት ግን መገሃጫ ንምርካብ፡ ንመጓሰኦም ናብ ገሊአን ደሴታት ይወስድወን እዮም።

ናብ ምዕራብ ገጹ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ገምገም ባሕሪ ተር ኢሉ ዚርከብ ሰንሰለት ኵድዅዶታት ኣሎ። ኣጋ ዕራርቦ፡ እቲ ዅድዅዶታት ነሓሲ እተለኽየ ይመስል ነበረ። ነቲ ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ሪክ ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ክሮ ፓትሪክ ዚበሃል ነዊሕ ከረን ካብ ርሑቕ ረኣኽዎ። ነቲ ሰብ ዝበዝሖን ጸበብትን ጐደናታት ዌስትፖርትን ነቲ ሪክ ተባሂሉ ዚፍለጥ ከረንን ሓሊፈ፡ ናብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ሳሕቲ ዚብጻሕ ከባቢ ኸድኩ።

እቲ ኽበጽሖ ዝኸድኩ ሰብኣይ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዝመጽእ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ኸባቢ ኸም ዝገዓዘን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጀመሮ ምይይጥ ኪቕጽል ከም ዚደልን እትገልጽ ደብዳበ በጺሓትኒ ነይራ። ‘ወዲ ኽንደይ ኰን ይኸውን፧ ንጽል ድዩ ወይስ ብዓል ሓዳር፧ ብዛዕባ እንታይ እዩኸ ዚግደስ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ናብ ቦርሳይ ቍሊሕ በልኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ሒዘ እንተ ዀይነ ድማ ብሓሳበይ ፈተሽኩ። ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ተገዳስነት ብዝያዳ ንኸለዓዕለሉ፡ እንታይ ክብል ከም ዝኽእል ሓሰብኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከረን ሪክ ብድሕረይ እዩ ነይሩ። ናብ ገምገም ባሕሪ ኽሳዕ ዝበጽሕ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ግራውቲ፡ ነቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ዘጋጠመ ብርቱዕ ጥሜት እተሃንጸ ዃናታት እርኢ ነበርኩ። ሓደ ሮብራ ኣብ ሰማይ ይዝምቢ ነበረ። ከም ኣረጊት ሰብኣይ ዝጐበጠ ኣእዋም፡ ብሓንሳእ እክብ ኢሉን ንንፋስ ዝባኑ ሂቡን ብማዕዶ ይርአ ነበረ።

እቲ ዝኸድኩሉ ገጠር፡ ቍጽሪ ገዛ ዀነ ስም ጐደና የብሉን። እቲ ሰብኣይ ዚነብረሉ ኸባብን ስም እታ ዚነብረላ ቤትን ጥራይ እዩ ተዋሂቡኒ። ቅድሚ ዅሉ፡ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበይ ከም ዚነብር ዚፈልጥ ኣበጻጻሒ ጶስጣ ኽረኽቦ ነበረኒ። ድሕሪ ሰላሳ ደቒቕ፡ ነቲ መንበሪ ገዛ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ቤት ረኸብክዎ። ኣብ ማዕጾኡ፡ “ዕጹው” ዚብል ምልክት ተሰቒሉ ነበረ። በዚ ተስፋ ኸይቈረጽኩ፡ ንሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ብዓል ድኳን ሓተትክዎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቀረባኡ ናብ ዚርከብ ከባቢ ሓበረኒ።

ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ዚኣክል ምስ ተጓዓዝኩ፡ ነቲ ፈለማ ናብ የማን ተጠውዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ጸጋም ዚዕጸፍ ቀጢን መገዲ ኸም ዝረክብ እተነግረኒ መሐበሪ ምልክት ረኸብክዎ። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዘላ ገዛ ኸይደ ዃሕኳሕኩ። ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ኸፈተትኒ እሞ፡ ኣብቲ ኸባቢ መዋእላ ኸም እተቐመጠት ብሓበን ተዛረበትኒ፣ እቲ ዘናድዮ ዘለኹ ሰብ ግን ከም ዘይትፈልጦ ሓበረትኒ። ተሌፎን ደዊላ ኸም እተጻርየለይ ብምንጋር፡ ናብ ቤታ ኽኣቱ ዓደመትኒ።

ክትዛረበኒ ኸላ ኣተኲራ እናጠመተትኒ፡ መን ምዃነይን እንታይ ከም ዝደልን ትሓስብ ነበረት። ንእሽቶ ምስሊ ድንግል ማርያም ኣብ ማዕጾ፡ ዓብዪ ስእሊ ክርስቶስ ከኣ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ረኣኹ። ኣብቲ ኣብ ክሽነ ዝነበረ ሰደቓ፡ መቝጸርያ ተቐሚጡ ነበረ። ብዛዕባ መንነተይ ምእንቲ ኸይትጭነቕ፡ “ካብ ኣዕሩኹ እተላእከ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሎኒ” በልክዋ።

ሰብኣያ መጺኡ፡ ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ኸባቢ ኺነግረኒ ጀመረ። እታ ሰበይቲ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ዝደወለቶ ዋላ ሓንቲ ኽትረክብ ኣይከኣለትን፡ ንኻልኦት ደዊላ ኽሳዕ እትሓትት ክጸንሕ ድማ ግዲ በለትኒ። ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ ኰነ ብዛዕባ ቤቱ ዚፈልጥ ሰብ ግን ኣይተረኽበን። ሰዓተይ ረኣኹ። ይመሲ ነበረ። ካልእ መዓልቲ ኽምለስ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ንኽልቲኦም ኣመስጊነ፡ ናብ ማኪናይ ተመለስኩ፡ እንደገና ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዘ ድማ ናብ ቤተይ ከድኩ።

ኣብታ እትቕጽል ሰሙን እንደገና ኸድኩ። ሽዑ ግን ነቲ ኣበጻጻሒ ጶስጣ ረኸብክዎ፡ ንጹር ዝዀነ ኣድራሻ ኸኣ ሃበኒ። ድሕሪ 15 ደቒቕ፡ ነቲ ዝሓበረኒ መስቀላይ መገዲ ረኸብክዎ። ብማኪናይ ናብ የማን ተጠውየ፡ ነቲ ቐጺሉ እተሓበረኒ ምልክት ማለት፡ ብእምኒ እተሰርሐ ድልድል ንምርካብ ንቝልቍል ገጸይ ከድኩ። ክረኽቦ ግን ኣይከኣልኩን። ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን፡ ነታ ናይ መወዳእታ መሐበሪ ምልክት ረኸብክዋ፡ እታ ዘናድያ ዝነበርኩ ቤት ድማ ኣብኡ ነበረት።

ንእተወሰነ ግዜ፡ ነቲ ብስራት ብኸመይ ከቕርቦ ኸም ዘሎኒ ሓሰብኩ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ነቲ ማዕጾ ኸፈቶ። “እታ እተናድያ ዘለኻ ቤት ኣብቲ ንየው እያ ዘላ” በለኒ። ናብ ሓንቲ ብኣግራብ እተኸበበት ቤት ኣመልከተኒ። ተሃንጥየ ናብ ማዕጾ እታ ቤት ከይደ ዃሕኳሕኩ። እቲ ማዕጾ ኽሳዕ ዚኽፈት ክጽበ ኸለኹ፡ ነቲ ሒደት ሜተራት ርሒቑ ዚርከብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣማዕድየ እጥምት ነበርኩ። ንፋስ በርቲዑ ነይሩ፡ እቲ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት ተጓዒዙ ዚመጽእ ማዕበል ምስ ገምገም ባሕሪ ኺጋጮ ኸሎ ኸኣ፡ ጻዕዳ ሕብሪ ይፈጥር ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ዀነ ኣብታ ቤት ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።

ኣብ ካልእ እዋን፡ ክልተ ግዜ ነዚ ጕዕዞ እዚ ድሕሪ ምግባረይ፡ ሓደ መንእሰይ ረኸብኩ። እቲ መንእሰይ፡ “እታ ቤት እዚኣ እያ። እቲ ኣቐዲሙ ተኻርዩ ዝነበረ እተናድዮ ዘለኻ ሰብ ግን ቀይሩ እዩ፡ ናበይ ከም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን” በለኒ። ስለምንታይ ከም ዝመጻእኩ ነገርክዎ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘየዘራረብዎ ኸኣ ፈለጥኩ። ግዳይ ስርቂ ዀይኑ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ምጕዳል ፍትሒ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ይሓስብ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ዝገልጻ ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ባህ ኢልዎ ተቐበለ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ብትግሃት ከነናድዮም ይእዝዘና እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ነቲ ዘናድዮ ዝነበርኩ ሰብ ኣይረኸብክዎን። ኰይኑ ግን፡ ጻዕረይ ከንቱ ኸም ዝዀነ ገይረ ኣይሓሰብኩን። ኣብ ኣየርላንድ፡ ብዙሓት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስማዕ ሃንቀውታ ኣለዎም። እታ ኣብ ልቢ እቲ መንእሰይ እተዘርአት ንእሽቶ ዘርኢ ሓቂ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ ብሓገዝ የሆዋ ፍረ ተፍሪ ትኸውን።