ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወንጌላት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧

ወንጌላት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧

ወንጌላት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧

“ሕጂ ወንጌላት ኣብ መጀመርታ ክርስትና እተፈጥረ ጽውጽዋይ ከም ዝዀነ ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።” —ቡርቶን ኤል.ማክ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ዜጽንዕ ዝነበረ ፕሮፌሰር

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፕሮፌሰር ጥራይ ኣይኰነን። ብዙሓት ምሁራት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚገልጽ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ እዮም። ገሊኦም ንወንጌላት ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧ ኣረኣእያኦም ብዛዕባ ሓቅነት ወንጌላት ጥርጣረ ኼሕድረልካ ኣለዎዶ፧ ገለ ኻብቲ መርትዖታት እስከ ንመርምር።

ሓቅነት ወንጌላት ኣብ ሕቶ ኣተወ

ኣብተን ድሕሪ ክርስቶስ ዝሓለፋ ቐዳሞት 17 ዘመናት፡ ሓቅነት ወንጌላት ኣብ ሕቶ ዳርጋ ኣይኣተወን። ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ካብ መበል 19 ዘመን ንነጀው፡ ብዙሓት ምሁራት ንወንጌላት ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዘይኰነስ፡ ከም ምህዞ ሰባት ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጸሓፍቲ ወንጌል ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓበሬታ ብቐጥታ ኸም ዘይፈልጥዎን ገሊኦም ካብቶም ጸሓፍቲ ዜተኣማምን ታሪኽ ኪምዝግቡ ኸም ዘይክእሉን ገለጹ። ኣብ ኣሰራርዓን ትሕዝቶን እተን ቀዳሞት ሰለስተ ወንጌላት ዘሎ ምምስሳል፡ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ኣመና ኸም እተቐዳድሑ ዜመልክት ምዃኑ እውን ደምደሙ። ብዘይካዚ፡ ሓያስያን ነቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዘሎ ተኣምራትን ትንሳኤን የሱስ ሓቂ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኣይቅበልዎን እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ የሱስ ዚበሃል ብሓቂ ኸም ዘይነበረ ይማጐቱ እዮም!

እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ማርቆስ ዝጸሓፋ ወንጌል ነተን ማቴዎስን ሉቃስን ዝጸሓፍወን ብዙሕ ስለ ዘይትውስኸለን፡ ፈለማ ተጻሒፋ ኽትከውን ከም ዘለዋ ይድምድሙ። ማቴዎስን ሉቃስን ኣብ መጽሓፍ ማርቆስ ተመርኲሶም ንወንጌሎም ከም ዝጸሓፍወን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብቲ በቶም ምሁራት Q [ኪው] (ካብታ Quelle [ክቨል] እትብል “ምንጪ” ዝትርጕማ ናይ ጀርመንኛ ቓል) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ተወሳኺ ሰነድ ከም ዝወሰዱ ሓያስያን ይዛረቡ። ብመሰረት እቲ ኣልበርትዩስ ፍረደሪክ ዮሃንስ ክላይን ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ እዚ ህቡብ መሰረተ-ሓሳብ እዚ “ንጸሓፍቲ ወንጌል ናብ ጠርነፍቲ ዛንታታት እዩ ኣውሪድዎም።” ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ንጸሓፍቲ ወንጌል ከም ሰረቕቲ ሓሳብን መሃዝቲ ጽውጽዋይን ገይርዎም እዩ። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዘይተጻሕፈ ጌርካ ናብ ምእማን መሪሑ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ነቲ ሓሳባት ሰሪቖምዎ ድዮም፧

ኣብ መንጎ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ወንጌላት ዘሎ ምምስሳላት፡ እቶም ጸሓፍቲ ኸም እተቐዳድሑ ዚሕብር ድዩ፧ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ነቲ ንሱ ዝነገሮም ዘበለ መንፈስ ቅዱስ ኼዘክሮም ምዃኑ’ ተመባጺዑሎም ነይሩ። (ዮሃንስ 14:26) ስለዚ፡ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ሕደ ፍጻመታት ምዝካሮምን ምምዝጋቦምን ዜገርም ኣይኰነን። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ኣንቢቦምን ተወኪሶምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ከምዚ ምግባሮም ግን ተጠንቂቖም ከም ዝመርመሩ ደኣ እምበር፡ ሓሳብ ከም ዝሰረቑ ኣይሕብርን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:15) ብተወሳኺ፡ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ኸም ዝበሎ፡ “ያታ ብኣፍ ይመሓላለፍ ምንባሩ፡ ነቲ ብቐሊሉ ዚዝክር ዘረባ የሱስ ብተመሳሳሊ መገዲ ንኺምዝገብ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”

ሉቃስ ንሓያሎ ብኣዒንቶም ዝረኣዩ ኸም ዘዘራረበን ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝሰዓቦን’ ገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 1:1-4) እዝስ ሰራቒ ሓሳብ ወይ መሃዚ ጽውጽዋይ ምንባሩ ዚሕብር ድዩ፧ ኣይኰነን! ዊልያም ራምዚ ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ንጽሑፋት ሉቃስ ብደቂቕ ድሕሪ ምምርማሩ ኸምዚ በለ፦ “ሉቃስ ቀዳማይ ደረጃ ዚወሃቦ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ። እቲ ዝጸሓፎ እሙን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ታሪኽ ብኸመይ ኪምዝገብ ከም ዘለዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ። . . . እዚ ደራሲ እዚ ምስቶም ኣዝዮም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኪቝጸር ኣለዎ።”

ጥንታውያን ኣበው ቤተ-ክርስትያን፡ እንተላይ እቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝነበረ ኦሪጀን፡ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ፈለማ ወንጌል ዝጸሓፈ ሃዋርያ ማቴዎስ ምዃኑ ይሕብር። ኦሪጀን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ነታ ቐዳመይቲ፡ እቲ ተጋዊ ዝነበረ፡ ደሓር ግን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ማቴዎስ ነቶም እምነቶም [ናብ ክርስትና] ዝቐየሩ ኣይሁድ ብእብራይስጢ እዩ ጽሒፍዋ።” ማቴዎስ ሃዋርያን ናይ ዓይኒ ምስክርን ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዘይነበረ ማርቆስ ሓሳብ ኪሰርቕ ኣየድለዮን። ማቴዎስን ሉቃስን ካብ ማርቆስን ካብ ሓደ ኪው ተባሂሉ ዚፍለጥ ሰነድን ቀዲሖም ዚብል ሓሳብከ ሓቅነት ኣለዎ ድዩ፧

ወንጌል ማርቆስ መጀመርታ ድያ ተጻሒፋ፧

ወንጌል ማርቆስ መጀመርታ ኸም እተጻሕፈትን ንማቴዎስን ንሉቃስን ከም ምንጪ ዀይና ኸም ዘገልገለትን ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ፡ “ኣብ ዜእምን መጐተ” እተመስረተ ኸም ዘይኰነ፡ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ይኣምነሉ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ምሁራት፡ ማርቆስ ንወንጌሉ ቕድሚ እቲ ማቴዎስን ሉቃስን ንወንጌላቶም ዝጸሓፉሉ እዋን ከም ዝጸሓፋ ይኣምኑ፣ ከምዚ ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ ወንጌል ማርቆስ ካብቲ ኣብ ካልኦት ወንጌላት ዚርከብ ሓበሬታ እተፈልየ ብዙሕ ሓበሬታ ስለ ዘይብላ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ዮሃንስ ኩን ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ወንጌል ማርቆስ ቀዳመይቲ ተጻሒፋ ኽትከውን ከም ዘለዋ ኣትሪሩ ተዛረበ። እንተ ዘይኰይኑ፡ “ማርቆስ ነተን ብማቴዎስን ብሉቃስን እተጻሕፋ ኽልተ ጥቕላላት ብደቂቕ ቈራሪጹ ኣብ ሓደ ቝራዕ ብሓደ ሓዋዊሱ ኻብቲ ሕውስዋስ ንወንጌሉ ኸም ዘዳለዋ ጌርካ ምተወስደ” በለ።

ወንጌል ማርቆስ ካብ ኵለን ዝሓጸረት ስለ ዝዀነት፡ ኣብኣ ጥራይ ዚርከብ ሓበሬታ ኻብቲ ኣብ ካልኦት ዘሎ ዝወሓደ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። እዚ ግን መጀመርታ ኸም እተጻሕፈት ዜረጋግጽ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ወንጌል ማርቆስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ሉቃስን ዘይርከብ ሓበሬታ ኸም ዘይብላ ዚገልጽ ሓሳብ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ማርቆስ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዝጸሓፎ ሓጺርን ውዕዉዕን ሓበሬታ፡ ኣብቲ ማቴዎስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ዘይርከብ 180 ነጥብታትን ዜደንቕ ዝርዝራትን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንወንጌል ማርቆስ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ብርቂ ጸብጻብ ዝሓዘት መጽሓፍ ይገብራ።—ኣብ  ገጽ 13 ዚርከብ ሳጹን ርአ።

እቲ ሰነድ ኪው ዚበሃልከ፧

ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ንማቴዎስን ንሉቃስን ምንጪ ኸም ዝዀኖም ዚዛረቡሉ ሰነድ ኪው እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ጄምስ ኤም. ሮቢንሰን ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ፡ “ካብ ዘሎና ክርስትያናዊ ጽሑፋት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ሎሚ ስለ ዘይርከብ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝነበረ እውን መርትዖ ኬቕርብ ዚኽእል ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ እዚ ዘረባ እዚ ዜገርም እዩ። ምሁራት ሓያሎ ቕዳሓት እቲ ሰነድ ተዘርጊሑ ምንባሩ ስለ ዚዛረቡ፡ እዚ ሰነድ እዚ ሕጂ ፈጺሙ ምጥፋኡ ብዝያዳ ዜስደምም እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ነዚ ሰነድ እዚ ፈጺሞም ኣይጠቐስዎን።

ሕስብ እሞ ኣብል። እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሰነድ ሕጂ ኺህሉን ነቲ ወንጌል ማርቆስ ቐዳመይቲ ተጻሒፋ ዚብል መሰረተ-ሓሳብ ኪድግፎን እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። እዝስ ሓደ ግምታዊ ዝዀነ መሰረተ-ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ መሰረተ-ሓሳብ ደይኰነን ዚደራረብ ዘሎ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኽልሰ-ሓሳብ ብዚምልከት፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ዚብል ምስላ ኽንርስዕ የብልናን።—ምሳሌ 14:15

ወንጌላት—ሓቅነቱ እተረጋገጸን ዜተኣማምንን

ሓያስያን በቲ ግምታቶምን መርትዖ ዘይብሉ መሰረተ-ሓሳባቶምን ኣቢሎም ንብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚገልጽ ዜተኣማምን ወንጌል ንኸይምርምሩ ዕንቅፋት ኰይኖምዎም እዮም። እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻባት፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ንህይወትን ኣገልግሎትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ከም ዘይረኣይዎ ብንጹር ይሕብር እዩ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ፍጻመታት እዚ ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። እዞም ንየሱስ ኪስዕቡ ኢሎም መስጐጕትን ሞትን እውን ኬጋጥሞም ፍቓደኛታት ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት፡ ኣገልግሎትን ትንሳኤን የሱስ ሕልሚ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ክርስትያን ምዃኖም ዕሽነት ከም ዚኸውን ምሉእ ብምሉእ ይርድኦም ነበረ።—1 ቈረንቶስ 15:3-8, 17, 19፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:2

ፕሮፌሰር ስነ-ሃይማኖት ዝዀነ ጆርጅ ዳብሊው. ብዩካነን ብዛዕባ እቲ ወንጌል ማርቆስ መጀመርታ ኸም እተጻሕፈት ዚገልጽ መሰረተ-ሓሳብን ብዜስደምም ከም ዝጠፍአ ዚንገረሉ ሰነድ ኪው ዚበሃል ጽሑፍን ከምዚ በለ፦ “ኣብቲ ብዛዕባ ምንጪ ዚገልጽ መሰረተ-ሓሳባት ምትኳር፡ ንተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጽሑፍ ንባዕሉ ንኸየጽንዖ ኣቓልቦኡ ይሰርቆ።” እዚ ርእይቶ እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ምዓድ። እዚ ነገራት እዚ ክትዕ እምበር ኣብቲ ብእምነት ዚርከብ ናይ ኣምላኽ መደብ ዚጠቕሞ ይብሉን” ኢሉ ዝመኸሮ ምኽሪ ይሰማማዕ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:4 ትርጕም 1990

ወንጌላት ዜተኣማምን እዩ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እተረኽቡሉ እሙን ጸብጻባት ዝሓዝ እዩ። ኣብ ደቂቕ ምርምር ተመርኲስካ እዩ ተጻሒፉ። ብዛዕባ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ዜስደምም ሓቅታት ሒዙ ኣሎ። ስለዚ፡ ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና። እምበኣር፡ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ እንተላይ እቲ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ጌርና ንኽንቅበሎ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 3:14-17

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ወንጌል ማርቆስ እንተ ዘይትጸሓፍ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣይምፈለጥናዮን፦

የሱስ በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብዅራ ኸም ዝጠመቶም (ማርቆስ 3:5)

ዮሃንስን ያእቆብን ቦኣኔርጌስ ዚብል ስም ከም ዝወጸሎም (ማርቆስ 3:17)

እታ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ፡ ኵሉ ገንዘባ ኸም ዝወድአት (ማርቆስ 5:26)

ሄሮድስ ንዮሃንስ ይፈርሆን ይሕልዎን ከም ዝነበረ ኸምኡውን ሄሮድያዳ ንዮሃንስ መጥምቕ ከም እተቐየመቶ (ማርቆስ 6:19, 20)

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓንሳእ ኬዕርፉ ኸም ዝሓተቶም (ማርቆስ 6:31)

ፈሪሳውያን ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ይሕጸቡ ኸም ዝነበሩ (ማርቆስ 7:2-4)

የሱስ ነቶም ቈልዑ ኸም ዝሓቘፎም (ማርቆስ 10: 16)

የሱስ ነቲ መንእሰይ መራሒ ኸም ዝፈተዎ (ማርቆስ 10:21)

ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም ንየሱስ ከም ዝሓተትዎ (ማርቆስ 13:3)

ሓደ ጐበዝ ነጸላኡ ሓዲጉ ኸም ዝሃደመ (ማርቆስ 14:51, 52)

ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ኻብ ምሳሌታት የሱስን ክልተ ኻብ ተኣምራቱን ኣብ መጽሓፍ ማርቆስ ጥራይ እዩ ዚርከብ።—ማርቆስ 4:26-29፣ 7:32-37፣ 8:22-26

ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ነጥብታት፡ ወንጌል ማርቆስ ኣብ ካልኦት ወንጌላት ዘየሎ ሓያሎ ብቐጥታ እተረኽበ ዝርዝራት ሒዛ ኣላ። ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኣገዳሲ ዝርዝራት ግዜ ወሲድና ምስ እነስተንትን፡ ነታ ወንጌል ዘሎና ሞሳ ኺውስኽ እዩ።