ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ግብሪ

“ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ግብሪ

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ግብሪ

ሃዋርያት 17:24-27

ሰባት ምስ ዩኒቨርስ ኪነጻጸሩ ኸለዉ ኣዝዮም ንኣሽቱን ድኹማትን እዮም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ‘ሰባት ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብሓቂዶ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እዚ ኪኸውን ዚኽእል: እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ክንቀርቦ እንተ ደልዩ ጥራይ እዩ። እሞኸ ኽንቀርቦ ይደሊ ድዩ፧ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ ንምሁራት ሰብ ኣቴና እተዛረቦ ብሉጽ ቃላት: ዜጸናንዕ መልሲ ይርከብ እዩ። ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ ዝጠቐሶ ኣርባዕተ ነጥብታት ርአ።

ቀዳማይ: ጳውሎስ: “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ” ምዃኑ ተዛረበ። (ቍጽሪ 24) እቲ ንህይወት እተሐጕስ ዚገብራ ጽባቐን በብዓይነቱ ፍጥረትን: ፈጣሪና ሓላይን ፈቃርን ከም ዝዀነ እዩ ዚምስክር። (ሮሜ 1:20) ስለዚ: እዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ኣምላኽ ካብቶም ዜፍቅሮም ሰባት ኪርሕቕ ይደሊ ኢልካ ምሕሳብ ትርጕም ዘይብሉ እዩ።

ካልኣይ: የሆዋ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ።” (ቊጽሪ 25) ሓብሓቢ ህይወት እውን እዩ። (መዝሙር 36:9) ኵሉ እቲ ንህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣየርን ማይን ምግብን ካብ ፈጣሪና እተዋህበ ውህበት እዩ። (ያእቆብ 1:17) እሞ ደኣ እቲ ለጋስ ዝዀነ ኣምላኽና ንርእሱ ብምግላል መን ምዃኑ ንኸይንፈልጦን ናብኡ ንኸይንቀርብን ይኽልክለና ኢልካ ምእማን ርትዓዊ ድዩ፧

ሳልሳይ: ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ።” (ቍጽሪ 26) ኣየዳሉን እዩ: ንዝዀነ ይኹን እውን ብድብድቡ ኣይጸልእን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ኸምኡ ኺገብር፧ ካብ “ሓደ ሰብ:” ማለት ካብ ኣዳም እኮ እዩ ዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ፈጢሩ። የግዳስ: “ኵሉ ሰብ ኪድሕን” እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ስለዚ: ሕብሪ ቘርበትና: ዜግነትና: ወይ ዓሌትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ዘሎና ኣጋጣሚ ኽፉት እዩ።

ራብዓይ: ጳውሎስ: የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ብምሕባር ኣዝዩ ዜተባብዕ ሓቂ ገለጸ። (ቍጽሪ 27) የሆዋ ኣዝዩ ኽብ ዝበለ እኳ እንተ ዀነ: ነቶም ካብ ልቦም ኪቐርብዎ ዚደልዩ ሰባት ግን ኵሉ ግዜ ይርከበሎም እዩ። ካብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ከም ዘይኰነ: የግዳስ “ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም” ምዃኑ ቓሉ የረጋግጸልና።—መዝሙር 145:18

እምበኣር: ኣምላኽ ክንቀርቦ ኸም ዚደሊ: ቃላት ጳውሎስ የነጽረልና እዩ። ይኹን እምበር: ነቶም ‘ኪደልይዎን ሃሰስ ኪብልዎን’ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ጥራይ ኪቐርብዎ ኸም ዚፈቕደሎም ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 27) ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: “ክልቲኡ ግስታት ኪብጻሕ ዚከኣል ተኽእሎ ወይ ኪብጻሕ ዚከኣል ትምኒት ንምግላጽ እዩ ዜገልግል” በለ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ እትፈልጦ ጸልማት ክፍሊ መብራህቲ ንምውላዕ ወይ ማዕጾ ንምርካብ ሃሰስ ትብል ትኸውን: ነቲ ዝደለኻዮ ኸም እትረክብ ግን ኣይትጠራጠርን ኢኻ። ንኣምላኽ ብሓቂ እንተ ደሊናዮን ሃሰስ እንተ ኢልናዮን: ጻዕርታትና ዓስቢ ኸም ዚረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ‘ኽንረኽቦ’ ምዃንና እውን ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ቍጽሪ 27

ንኣምላኽ ክትቀርቦ ሓያል ትምኒት ኣሎካዶ፧ ብእምነት ንኣምላኽ ‘ክትደልዮን ሃሰስ ክትብሎን’ እንተ ጀሚርካ: በዚ ኣይክትጕህን ኢኻ። የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ብምዃኑ: ንምርካቡ ኣጸጋሚ ኣይኰነን።