ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 2:11-15 ብዛዕባ እቲ ንኣይሁድን ንኣህዛብን ዚፈላሊ ቐጽሪ ኺዛረብ ከሎ: ቃል ብቓሉ ንቐጽሪ ድዩ ዜመልክት ነይሩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ንኣይሁድ ምስ “ኣጋይሽ” ኣነጻጺርዎም ኣሎ። ነዞም ክልተ ጕጅለታት ዚፈላሊ “ኸልካሊ ቐጽሪ” ኸም ዝነበረ ተዛረበ። (ኤፌሶን 2:11-15) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብሙሴ እተዋህበ “ሕጊ ትእዛዝ” ይገልጽ እኳ እንተ ነበረ: እታ “ቐጽሪ” እትብል ቃል ግን ንኣንበብቲ ነቲ ብሓቂ ዝነበረ ብእምኒ እተነድቀ ቐጽሪ ኸተዘኻኽሮም ትኽእል እያ።

ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ: ውሱናት ሰባት ጥራይ ኪኣትውዎ ዚኽእሉ ኣጸዳት ነበረ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብ ኣጸድ ኣህዛብ ኪኣቱ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ: ናብ ኣጸድ እቲ ቤተ መቕደስ ግን ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ጥራይ እዮም ኪኣትዉ ዚኽእሉ ነይሮም። ኣብ መንጎ ኣጸድ ኣህዛብን ኣጸድ እቲ ቤተ መቕደስን ዳርጋ 1.3 ሜተር ዝቝመቱ ሶረግ ዚበሃል ብብሉጽ እምኒ እተነድቀ መንደቕ ነበረ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ከም ዝበሎ: ኣህዛብ ካብ ቀጽሪ እቲ ቕዱስ ቤተ መቕደስ ሓሊፎም ንኸይኣትዉ ዜጠንቅቕ ጽሑፍ ብግሪኽን ላቲንን ኣብቲ ቐጽሪ ተጻሒፉ ነበረ።

ኣብዚ ዚፈላሊ መንደቕ እዚ: ሓደ ብግሪኽ እተጻሕፈ ጽሑፍ ተረኺቡ እዩ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ:- “ዝዀነ ይኹን ወጻእተኛ ናብ ውሽጢ እዚ መጋረዲ እዚ ይኹን ናብቲ ኣብ ዙርያ እታ ቕድስተ ቕዱሳን ዘሎ ሓጹር ኪኣቱ የብሉን። ኣብዚ እተረኽበ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዚቕተል ተሓታቲ ባዕሉ እዩ።”

ጳውሎስ ነታ ሶረግ እትብል ቃል: ነቲ ንኣይሁድን ንኣህዛብን ፈላልዩ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ንኼመልክት ከም እተጠቕመሉ ፍሉጥ እዩ። መስዋእታዊ ሞት የሱስ ነቲ ሕጊ ኺዳን ሰዓሮ: በዚ ኸምዚ ድማ: ‘ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪ ኣፍረሶ።’

ነገዳት እስራኤል 13 ኽነሶም: ከም 12 ነገድ ዚጥቀሱ ስለምንታይ እዮም፧

ነገዳት ወይ ከኣ ዓሌታት እስራኤል ካብ ደቂ እቲ ስሙ ናብ እስራኤል እተቐየረ ያእቆብ ዚመጹ እዮም። እዚ ኣበው እዚ ሮቤል: ስምኦን: ሌዊ: ይሁዳ: ዳን: ንፍታሌም: ጋድ: ኣሴር: ይሳኮር: ዛብሎን: ዮሴፍ: ቢንያም ዚበሃሉ 12 ደቂ ነበርዎ። (ዘፍጥረት 29:32–30:24፣ 35:16-18) ብስም እቶም ዓሰርተ ሓደ ኣሕዋት ዚጽውዑ ነገዳት እኳ እንተ ነበሩ: ብስም ዮሴፍ እተጸውዐ ነገድ ግን ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ: ክልተ ነገዳት ብስም እቶም ደቁ ዝነበሩ ኤፍሬምን ምናሴን ይጽውዑ ነበሩ። ስለዚ: ቍጽሪ ነገዳት እስራኤል 13 እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ 12 ነገድ ከም ዝዀኑ ገይሩ ዚዛረብ፧

ነገድ ሌዊ ኻብ መንጎ እስራኤላውያን: ኣብ ማሕደር የሆዋ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኬገልግሉ ተሓርዮም ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ: ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ነበሩ። የሆዋ ንሙሴ: “ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትቝጸሮም: ቍጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ። ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ኣመዝዞም” በሎ።—ዘሁልቍ 1:49, 50

ሌዋውያን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ርስቲ ኣይተዋህቦምን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ መላእ ግዝኣት እስራኤል እተበታተና 48 ከተማታት ተዋህቦም።—ዘሁልቍ 18:20-24፣ እያሱ 21:41

በዚ ኽልተ ምኽንያት እዚ: ነገድ ሌዊ ብሓፈሻኡ ምስቶም ካልኦት ነገዳት ኣይቍጸርን እዩ ነይሩ። እምበኣርከስ: መብዛሕትኡ ግዜ ነገዳት እስራኤል 12 ከም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚጥቀሱ።—ዘሁልቍ 1:1-15

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Archaeological Museum of Istanbul