ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሕንቃቐ ዝመልኣ ዓለም ውሉዳት ምዕባይ

ኣብዛ ሕንቃቐ ዝመልኣ ዓለም ውሉዳት ምዕባይ

ኣብዛ ሕንቃቐ ዝመልኣ ዓለም ውሉዳት ምዕባይ

ሓደ ቘልዓ ንወላዲኡ መጻወቲ ኺዕድገሉ ሓቲቱ ምስ ኣበዮ: ደጋጊሙ ኺልምን ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ሓደ ኣደብ ንኺገብር እናተነግሮ ኽነሱ: እናጐየየ ኺጻወት ዝደሊ ቘልዓኸ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ወላዲ ነቲ ውሉድ ዚጠቕሞ ስጕምቲ እኳ ኺወስድ እንተ ደለየ: ውሉዱ ምኒን ስለ ዚብል ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኢዱ ይህብ።

ብዙሓት ወለዲ: ጽቡቕ ኣተዓባብያ ቘልዑ ኢሎም ዚሓስብዎ: ንዅሉ እቲ ውሉድ ዚደልዮ ነገራት ምሃብ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኻብ 12 ኽሳዕ 17 ዝዕድሚኦም 750 ዝዀኑ ውሉዳት ሕቶ ቐሪቡሎም ነበረ። ወለዶም ነቲ ዚደልይዎ ነገራት ኪኸልእዎም ከለዉ እንታይ ከም ዚገብሩ ምስ ተሓተቱ: ዳርጋ 60 ሚእታዊት ዚዀኑ ደጋጊሞም ከም ዚሓቱ መለሱ። ዳርጋ 55 ሚእታዊት ድማ ነዚ ሜላ እዚ ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኸብዎ። ወለዲ ንደቆም ኬሐንቅቕዎም ከለዉ: ፍቕሪ ዘርኣይዎም ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ፣ ብሓቂ ግን ፍቕሪ ድዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ብግዜ ጥንቲ እተጻሕፈ ጥበብ ሓዘል ምስላ እስከ ርአ:- “እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ [“ዘይመማሰዊ:” NW] ይኸውን።” (ምሳሌ 29:21) ሓቂ እዩ: ውሉድ: ባርያ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: እቲ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣተዓባብያ ውሉዳት እውን ኪውዕል ከም ዚኽእል ኣይትሰማማዕንዶ፧ እቶም ዝደለይዎ ዅሉ እናተዋህቦም ብሕንቃቐ ዚዓብዩ ቘልዑ: በጽሕታት ምስ ኰኑ: ‘ዘይመማሰውቲ:’ ማለት በሽቃጣትን ገታራትን ዘየመስግኑን እዮም ዝዀኑ።

ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ: “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ” ኢሉ ይመኽሮም። (ምሳሌ 22:6) ጥበበኛታት ወለዲ ነዚ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: ንጹርን ዘይቀያየርን ርትዓውን ሕግታት የውጽኡ፣ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ከኣ ይገብሩ። ንፍቕሪ ምስ ምሕንቃቕ ኣይሓዋውስዎን እዮም፣ ደቆም ምኒን ስለ ዝበሉ: ስለ ዘስተማሰሉ: ወይ ብሓርቖት ስለ እተዛረቡ ዝደለይዎ ኣይህብዎምን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ምስቲ የሱስ እተዛረቦ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት እዮም ዚሰማምዑ፣ ንሱ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 5:37) ንውሉዳት ምስልጣን እንታይ የጠቓልል፧ ሓደ ሓያል ምሳሌ እስከ ርአ።

“ከምቲ ኣብ ኢድ . . . ዘሎ ፍላጻ”

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ርክብ ብምሳሌ ኣብ ዚገልጸሉ እዋን: ውሉድ ናይ ወላዲ መምርሒ ኸም ዜድልዮ የጕልሕ እዩ። መዝሙር 127:4, 5 “ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ትብል። ስለዚ: ውሉዳት ምስ ፍላጻ: ወላዲ ኸኣ ምስ ሓደ ጅግና ተመሳሲሎም ኣለዉ። ከምቲ ሓደ ቐስተኛ ፍላጻታቱ ነቲ ዕላማ ብኣጋጣሚ ኸም ዘይወቕዓ ዚፈልጥ: ፈቃራት ወለዲ ድማ ንቘልዑ ምዕባይ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ከም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም። ደቆም “ዕላማ” ኪወቕዑ: ማለት ሕጉሳትን ሓላፍነት ዚስከሙን በጽሕታት ኰይኖም ዜዕግብ ህይወት ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። ብዘይካዚ ጽቡቕ ምርጫ ኺገብሩ: ካብ ዘየድሊ ጸገማት ብምርሓቕ ጥበበኛታት ኪዀኑ: ከምኡውን ኣብ ጠቓሚ ሸቶ ኺበጽሑ እዮም ዚደልዩ። ይኹን እምበር: ምምናይ ጥራይ እኹል ኣይኰነን።

ሓደ ፍላጻ ዕላማኡ ንኺወቅዕ እንታይ የድሊ፧ ብግቡእ ከተዳልዎን ክትሕልዎን ናብ ዕላማ ኣቕኒዕካ ኽትውርውሮን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ: ውሉዳት ናብ ብጽሕና ገጾም ዚገብርዎ ጕዕዞ ዕዉት ንኪኸውን: ከተዳልዎምን ክትሕልዎምን ከተቕንዖምን። ነዚ ምስ ምዕባይ ውሉዳት እተተሓሓዘ ሰለስተ መዳያት እስከ በብሓደ ንርኣዮ።

ነቲ ፍላጻ ብግቡእ ምድላዉ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቐስተኛ ዚጥቀመሉ ፍላጻ ብግቡእ እተዳለወ እዩ ነይሩ። እቲ ምናልባት ካብ ፈኲስ ዕንጨይቲ ዚስራሕ ዝነበረ ዘንጊ: ብኢድ ይጽረብ፣ ብእተኻእለ መጠን ቅኑዕ ኪኸውን ድማ ጻዕሪ ይግበር ነበረ። ጫፉ በሊሕ ኪኸውን ነበሮ። እቲ ፍላጻ ኺውርወር ከሎ ኣንፈቱ ሓልዩ ንኪኸይድ: ኣብ ዳሕረዋይ ጫፍ እቲ ዘንጊ ኽንቲት ይግበረሉ ነበረ።

ወለዲ: ውሉዳቶም ከምቲ ትኽ ዝበለ ፍላጻ: ቅኑዓትን ዘየላግሱን ኪዀኑሎም እዮም ዚደልዩ። ስለዚ: ወለዲ ጥበበኛታት እንተ ደኣ ዀይኖም: ንጕድለት ደቆም ከም ዘይረኣዩ ዀይኖም ኣይሓልፍዎን እዮም፣ ኣብ ክንዳኡስ: እቶም ውሉዳት ነቲ ጕድለት ንኺዋጽኡሉ ብፍቕሪ ተደሪኾም ይሕግዝዎም። ንዝዀነ ይኹን ውሉድ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ንምሃብ ብዙሕ ክንዓዪ ኣሎና፣ ከመይሲ: “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ።” (ምሳሌ 22:15) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ: ንውሉዳቶም ኪግስጽዎም ዚምሕጸኖም። (ኤፌሶን 6:4) ብርግጽ ከኣ ተግሳጽ: ንኣተሓሳስባን ባህርይን ውሉዳት ኣብ ምቕራጽን ኣብ ምቕናዕን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።

እምበኣር: ምሳሌ 13:24 “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” እንተ በለት ኣየገርምን እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: ብሸቦጥ ምቕጻዕ ኪበሃል ከሎ: ዓይነት እቲ ተግሳጽ ብዘየገድስ: መአረሚ ማለት እዩ። ሓደ ወላዲ ብፍቕሪ እተሰነየ ተግሳጽ ዚህብ: ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ሱር ምስ ዚሰድድ ኣብ እዋን ብጽሕና ጸገም ኬምጽእ ዚኽእል ጕድለታት ንምእላይ እዩ። እምበኣር: ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ዘይምሃብ ዳርጋ ጽልኢ እዩ፣ ተግሳጽ ምሃብ ግን መግለጺ ፍቕሪ እዩ።

ሓደ ፈቃር ወላዲ ንውሉዱ: ሕግታት እተዋህበሉ ምኽንያት ንኺፈልጥ ይሕግዞ እዩ። ስለዚ: ተግሳጽ ኪበሃል ከሎ: ትእዛዝ ምሃብን ምቕጻዕን ጥራይ ዘይኰነስ: ልዕሊ ዅሉ እቲ ቘልዓ ነቲ ትእዛዝ ከም ዚርድኦ ምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 28:7

ሓደ ቐስተኛ ምስ ፍላጻኡ ዜተሓሕዞ ኽንቲት: እታ ፍላጻ ምስ ተወርወረት ትኽ ኢላ ንኽትከይድ ይሕግዛ። ብተመሳሳሊ: እቲ መስራቲ ስድራ ቤት ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንውሉዳት ዚህቦም ትምህርቲ: ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ግናኸ ወለዲ ነዚ ትምህርቲ ምስ ደቆም ‘ኬተሓሕዝዎ” ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣምላኽ ነቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ወለዲ እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ኣስተብህል:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም።” (ዘዳግም 6:6, 7) ስለዚ: ወለዲ ኽልተ ነገራት ኪገብሩ ኣለዎም። ቀዳማይ: ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪመሃሩን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ንሕግታት ኣምላኽ ከም ዜፍቅርዎ ይገብሮም። (መዝሙር 119:97) ብድሕሪኡ ነቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ: ማለት ንደቆም ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ‘ኪምህርዎም’ ይኽእሉ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ንኣገዳስነት እቲ ሕጊ ብውጽኢታዊ ትምህርትን ብምድግጋምን ኣብ ልቢ ደቆም ኪቐርጽዎ ኣለዎም ማለት እዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ወይ ከቢድ ጕድለት ንምእራም ፍቕራዊ ተግሳጽ ምሃብ: ዘይስልጡን ወይ ከኣ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር: ነዞም ክቡራት “ፍላጻታት” ኣንፈቶም ሓልዮም ናብ ብጽሕና ንኺበጽሑ ኣብ ምድላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ፍላጻ ኸይበላሾ ምሕላዉ

ናብቲ ኣብ መዝሙር 127:4, 5 ዚርከብ ምሳሌ እስከ ንመለስ። እቲ ቐስተኛ ን“ጕልድባኡ” ብፍላጻ ኸም ዝመልኦ ዘክር። እቲ ፍላጻ ሓንሳእ ምስ ተዳለወ: ምእንቲ ኸይበላሾ ኺሕሎ ኣለዎ። ስለዚ: እቲ ቐስተኛ ነቲ ፍላጻ ኣብቲ ብቐሊሉ ዘይበላሸወሉን ዘይስበረሉን ቦታ: ማለት ኣብ ጕልድባኡ ይስከሞ። እቲ ዜገርም ከኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ኪንበ ኸሎ: ስሑል ፍላጻ ስለ ዝዀነ: ኣቦኡ ‘ኣብ ጕልድባኡ ከም ዝኸወሎ’ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 49:2) እቲ ኻብ ዝዀን ይኹን ኣቦ ንላዕሊ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ነቲ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ክሳዕ እቲ ምዱብ ግዜኡ ኣኺሉ ዚመውት ካብ ጕድኣት ሓልይዎ እዩ። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ: ንሓዋሩ ሞይቱ ምእንቲ ኸይተርፍ ኢሉ ኻብ ሞት ኣተንሲኡ ንዘለኣለም ንኺነብር ናብ ሰማይ መለሶ።

ብተመሳሳሊ: ንፉዓት ወለዲ ንውሉዳቶም ካብ ሓደጋታት እዛ ብልሽውቲ ዓለም ብኸመይ ኪሕልውዎም ወይ ኬዕቍብዎም ከም ዚኽእሉ ይጭነቑ እዮም። ንደቆም ድማ ኣብቲ ብሕማቕ ከም ዚጽለዉ ዚገብሮም ንጥፈታት ንኸይካፈሉ ይኽልክልዎም። ንኣብነት: ጥበበኛታት ወለዲ ነቲ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ውሉዳቶም ምስቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ዘይስዕቡ ሰባት ከይተዓራረኹ ምሕላዎም: ንህይወቶም ኣዝዩ ዚጸልዎ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሞት ኬስዕበሎም ዚኽእል ጌጋታት ንኸይገብሩ ኼዕቍቦም ይኽእል እዩ።

ውሉዳት ነቲ ወላዲ ዚገብሮ ሓለዋ ዅሉ ግዜ ኣየማስውሉን ይዀኑ። ንውሉዳትካ ምሕላው ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ኣይፋል’ ምባል እውን ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ: የማርሩ ይዀኑ። ሓንቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉዳት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ሕፍርቲ ደራሲት ከምዚ ኢላ ርእይቶኣ ሃበት:- “ውሉዳት ብኡንብኡ ምስጋናኦም ዘይገልጹ እኳ እንተ ዀኑ: ወለዲ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜድልዮም ዜተኣማምንን እተረጋገጸን መዋቕር ኪሃንጹሎም ይደልዩ እዮም። ከምዚ ኽንገብር እንኽእል ከኣ ንኣኻይዳ እቲ ውሉድ ደረት እንገብረሉ ንስልጣንና እንጥቀመሉ ወለዲ እንተ ዄንና እዩ።”

ንውሉዳትካ ኻብቲ ንሰላሞም: ንግርህነቶም: ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለዎም ንጽህና ዜበላሹ ዝዀነ ይኹን ነገር ምሕላውካ: ሓደ ኻብቲ ንዕኦም ዘሎካ ፍቕሪ እተርእየሉ ኣገዳሲ መገድታት እዩ። ድሕሪ ግዜ: ከምኡ ዝገበርካሉ ምኽንያት ኪርድእዎ እዮም: ነቲ ኻብ ፍቕሪ ተላዒልካ ዝገበርካሎም ሓለዋ ድማ ኬማስውሉ እዮም።

ነቲ ፍላጻ ኣቕኒዕካ ምውርዋሩ

መዝሙር 127:4, 5 ንወላዲ ምስ “ጅግና” ኸም እተመሳስሎ ኣስተብህል። እዚ ግን: ኣቦ ጥራይ እዩ ነቲ ወላዲ ናይ ምዃን ግደ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺፍጽሞ ዚኽእል ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ኣብዛ ምሳሌ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣቦን ኣደን: እንተላይ ኣብ ንጽል ወለዲ ዚውዕል እዩ። (ምሳሌ 1:8) እታ “ጅግና” እትብል ቃል: ንሓንቲ ፍላጻ ኻብ ቀስቲ ንምውርዋር ብዙሕ ሓይሊ ኸም ዜድሊ እያ እትሕብር። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ገሊኡ ቐስቲ ብነሓሲ ይራጐድ ስለ ዝነበረ: ሓደ ወተሃደር ነቲ ቐስቲ በቲ ሓደ ጫፉ ረጊጹ: በቲ ሓደ ድማ ቝሩብ ኣቕንን ኣቢሉ ነቲ ጅማት ‘ይግትሮ’ ነበረ። (ኤርምያስ 50:14, 29) ብንጹር እምበኣር: ነቲ ፍላጻ ናብ ዕላማኡ ንኽትውርውሮ ኢልካ ነቲ እተወጠረ ጅማት ምስሓብ ብዙሕ ጕልበትን ጻዕርን እዩ ዜድልዮ።

ብተመሳሳሊ: ንውሉዳት ምዕባይ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ከምቲ ሓንቲ ፍላጻ ብርእሳ ናብቲ ዕላማኣ ዘይትውርወር: ውሉዳት እውን ብርእሶም ኪዓብዩ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ዜሕዝን ግን: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ወለዲ ነቲ ንውሉዳት ንምዕባይ ዜድሊ ግቡእ ጻዕሪ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካልእ ቀሊል መገዲ ይመርጹ። ውሉዳቶም ንቕኑዕን ጌጋን ንስነ-ምግባርን ንጾታዊ ርክብን ብዚምልከት ካብ ተለቪዥን: ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ካብ መሳቱኦም ኪመሃሩ ኸለዉ ስቕ ኢሎም ይርእዩ። ብዘይካዚ: ደቆም ዝደለይዎ ነገር ከም ዚረኽቡ ይገብሩ። ‘ኣይፋል’ ምባል ኣጸጋሚ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎ: ንስምዒት ደቆም ኪሃስዩ ኸም ዘይደልዩ ብምምኽናይ ‘ሕራይ’ ይብሉ። ከም ሓቂ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕንቃቐ ንደቆም ነባሪ ጸገም እዩ ዜምጽኣሎም።

ውሉዳት ምዕባይ ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ እዩ። ብመምርሒ ኣምላኽ እናተመራሕካ ነዚ ዕዮ ብምሉእ ልቢ ምፍጻሙ ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ: እዚ ዜምጽኦ ዓስቢ ግን ብዋጋ ዘይሽነን እዩ። ሓንቲ ፓረንትስ እትበሃል መጽሔት ከምዚ በለት:- “መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ: በቶም ፈቃራት ግን ከኣ ንስልጣኖም ዚጥቀሙሉ ወለዲ: ማለት በቶም ንደቆም ዚድግፉ ኽነሶም ጽኑዕ ሕግታት ዘለዎም ወለዲ ዚዓብዩ ቘልዑ: ኣብ ትምህርቲ ንፉዓት ይዀኑ: ምስ ሰባት ብዝሓሸ ይረዳድኡ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይህልዎም፣ ብሓፈሻኡ ኻብቶም ብኣመና ልምሉማት ወይ ብእምብዛ ሕሱማት ወለዲ ዚዓብዩ ቘልዑ ብዝያዳ ሕጉሳት ይዀኑ።”

ካብዚ ዚዓቢ ዓስቢ እውን ኣሎ። ኣቐድም ኣቢልና ነታ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ” እትብል ቀዳመይቲ ኽፋል ምሳሌ 22:6 ርኢና ኔርና። እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ዚብል ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ሒዛ ኣላ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ ምሉእ ውሕስነት ዚህብ ድዩ፧ ከይከውን ይኽእል እዩ። ውሉድካ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎ: ምስ ዓበየ ድማ ነዚ ናጽነት እዚ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንወለዲ ፍቕራዊ መረጋገጺ ትህቦም እያ። እዚ መረጋገጺ እዚ እንታይ እዩ፧

ንውሉዳትካ ብምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣሰልጢንካዮም: ኣብ መጻኢ ዜደንቕ ውጽኢት ከም ዚህሉ ዚገብር: ማለት ሕጉሳትን ዕጉባትን ሓላፍነት ዚስከሙን በጽሕታት ከም ዚዀኑ ዚገብሮም ምሹእ ኵነታት ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ። (ምሳሌ 23:24) እምበኣር: ነዞም ክቡራት “ፍላጻታት” ከተዳልዎምን ክትሕልዎምን ከምኡውን ኣቕኒዕካ ኽትውርውሮምን ዚከኣለካ ኽትገብር ኣሎካ። ነዚ ኸኣ ፈጺምካ ኣይክትጠዓሰሉን ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንደቆም ፍቕሪ ዜርእይዎም: ዝደለይዎ ዅሉ ብምሃብ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፈቃር ወላዲ: ሕግታት ስድራ ቤት እተዋህበሉ ምኽንያት ይገልጽ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንፉዓት ወለዲ ንደቆም ካብ ሓደጋታት እዛ ብልሽውቲ ዓለም ይሕልውዎም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳት ምዕባይ ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ እዩ: እቲ ዜምጽኦ ዓስቢ ግን ብዋጋ ዘይሽነን እዩ