ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ክርስትያናት፡ ሬሳ ኼንድዱ ይግባእ ድዩ፧

ሬሳ ኸተንድድ ወይ ከይተንድድ ብሕታዊ ውሳነ እዩ። ዋላ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ተግባር እዚ ብቐጥታ ዘይዛረብ እንተ ዀነ፡ ንጉስ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ሬሳኦም ነዲዱ ኸም እተቐብሩ ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። (1 ሳሙ. 31:2, 8-13)—15/6፡ ገጽ 7

ኣምላኽ ጠንቂ ሕማቕ ነገራት ከም ዘይኰነ፡ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ኣምላኽ ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ። ንሱ ቕኑዕን እሙንን ጻድቕን እዩ። ብዘይካዚ፡ ፈቃርን ርሕሩሕን እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ መዝ. 145:17፣ ያእ. 5:11)—1/7፡ ገጽ 4

ሓደ ሰብ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ኼገልግል ከሎ፡ እንታይ ጸገማት ኬጋጥሞ ይኽእል፧

ኬጋጥሞ ዚኽእል ሰለስተ ጸገማት፡ (1) ንእተፈላለየ ናብራ ምልማድ፡ (2) ምስ ናፍቖት ምቅላስ፡ (3) ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ኣሕዋት ዕርክነት ምምስራት። ብዙሓት ነዚ ጸገማት እዚ ሳላ እተዋጽኡሉ፡ ብዙሕ ተባሪኾም እዮም።—15/7፡ ገጽ 4-5

ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ዚጸልእዎ ስለምንታይ እዮም፧

ቅድም ቀዳድም፡ ያዕቆብ ንዮሴፍ ሓለፋ ዅሎም ይፈትዎ ነበረ፡ ፍሉይ ክዳን ድማ ከደኖ። በዚ ኸምዚ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ቀንኡሉ፣ ንባርነት ከኣ ሸጥዎ።—1/8፡ ገጽ 11-13

እተን ሓደስቲ ትራክትታት ኣዝየን ውጽኢታውያንን ንኽትጥቀመለን ቀለልትን ዝዀና ስለምንታይ እየን፧

ኵለን እተን ሓደስቲ ትራክትታት ሕደ ኣቀራርባ እዩ ዘለወን። ነፍሲ ወከፍ ትራክት፡ ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕሲ ንኸነንብብን ነቲ ብዓል ቤት ሕቶ ንኽንሓትቶን ተተባብዓና። እቲ ብዓል ቤት ዚምልሶ መልሲ ብዘየገድስ፡ ናብ ውሽጢ እታ ትራክት ብምግንጻል፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን ሕቶ ኽንሕብሮ ንኽእል ኢና።—15/8፡ ገጽ 13-14

ፐሺታ ሱርስት እንታይ እዩ፧

ሱርስት፡ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ዝጀመረ ላህጃ ኣረማይስጢ እዩ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እተወሰነ ኽፋሉ፡ ፈለማ ብቛንቋ ሱርስት እተተርጐመ እዩ ዚመስል። እቲ ብቛንቋ ሱርስት ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፐሺታ ተባሂሉ ይፍለጥ።—1/9፡ ገጽ 13-14

ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ብጽቡቕ ምእንቲ ኺጓስይዎም፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንውሉዳት ንኽትፈልጦም ጽን ኢልካ ኽትሰምዖም ኣገዳሲ እዩ። ብመንፈስ ንኽትምግቦም ጻዕሪ ግበር። ንኣብነት፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ብዚምልከት ጥርጣረታት እንተ ተሰሚዕዎም፡ ብፍቕሪ ምርሓዮም።—15/9፡ ገጽ 18-21

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣየናይ ነገራት እዩ ዘይህሉ፧

ጸገም ጥዕናን ሞትን ሽቕለት ኣልቦነትን ውግእን ሕጽረት ምግብን ድኽነትን ኣይኪህሉን እዩ።—1/10፡ ገጽ 6-7

ካልኦት ምስ የሱስ ምእንቲ ኺገዝኡ መገዲ ዝኸፈተ ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኪዳን እዩ፧

የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ንመወዳእታ እዋን ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሉ፡ ምስቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኺዳን ኣተወ፣ እዚ ኺዳን እዚ፡ ኪዳን መንግስቲ ይብሃል። (ሉቃ. 22:28-30) እዚ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ኰይኖም ከም ዚገዝኡ ኣረጋገጸሎም።—15/10፡ ገጽ 16-17

ሰይጣን ከም ዘሎ ዜረጋግጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክልተ ኣብነት ሃብ።

ሰይጣን ንየሱስ ምእንቲ ኺፍትኖ ምስኡ ኸም እተዘራረበ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብግዜ እዮብ፡ ሰይጣን ምስ ኣምላኽ ተዘራሪቡ ነይሩ እዩ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ሰይጣን ብርእሱ ሓሲቡ ኺዓዪ ዚኽእል ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ የረጋግጽ።—1/11፡ ገጽ 4-5

ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:14 ተገሊጹ ዘሎ፡ እቶም ያእቆብ ብዛዕባኦም እተዛረበ ‘ንስሙ ዚዀኑ ህዝቢ’ እተባህሉ መን እዮም፧

እዚኣቶም ንኣይሁድን ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣመንትን ዜጠቓልሉ ዀይኖም፡ ናይቲ ዚጸውዖም ‘ብሉጽነት ምእንቲ ኺእውጁ፡’ ኣምላኽ ሕሩይ ዓሌት ገይሩ ዝመረጾም እዮም። (1 ጴጥ. 2:9, 10)—15/11፡ ገጽ 24-25

ቲምጋድ ኣበይ እያ ነይራ፧ ገሊኦም ኣብኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባትከ እንታይ ኣመለኻኽታ ነበሮም፧

ቲምጋድ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ (ሎሚ ኣልጀርያ) እትርከብ ዓባይ ከተማ ሮሜ እያ ነይራ። እቲ ኣብኡ ብዅዕታ እተረኽበ ቕርጺ ኸም ዚሕብሮ፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ሃድን ምህዳን፡ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ምጽዋት፡ ምስሓቕ—ህይወት ማለት እዚ እዩ!” ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:32 ተጠቒሱ ዘሎ ኣረኣእያ ዚመሳሰል እዩ።—1/12፡ ገጽ 8-10