ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ

የሆዋ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ

ኣነን ኤቨሊን መርዓተይን፡ ኣብ ሰሜን ኦንታርዮ፡ ካናዳ ኣብ እትርከብ ቍሸት ሆርንፐይን ካብ ባቡር ወረድና። እዋኑ ንግሆ እዩ ነይሩ፣ ቀዝሒ ኸኣ ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብር ሓው እዩ ተቐቢሉና፣ ምስኡን ምስ ሰበይቱን ምስ ወዱን ኴንና ጥዑም ቍርሲ ምስ ቈረስና፡ ብበረድ እናተጓዓዝና ኻብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ጀመርና። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ከም ሓላው ወረዳ መጠን ንመጀመርታ ግዜ መደረ ኣቕረብኩ። ሓሙሽቴና ጥራይ ኢና ተኣኪብና፣ ካልእ ሰብ ኣይነበረን።

ኣብቲ 1957 ዘቕረብክዎ መደረ፡ ሒደት ተኣከብቲ ጥራይ ምንባሮም ኣይጸላእክዎን። ምኽንያቱ፡ ኣዝየ ሓፋር እየ ነይረ። ቈልዓ ኸለኹ እኳ፡ ኣጋይሽ ናብ ቤትና ኺመጹ ኸለዉ፡ ነቶም ኣጋይሽ ዝፈልጦም እውን እንተ ዀንኩ፡ ኵሉ ሳዕ እየ ዝሕባእ ነይረ።

ኣብ ውድብ የሆዋ እተዋህበኒ መብዛሕትኡ መዝነት፡ ምስ ዚፈልጦምን ምስ ዘይፈልጦምን ሓያሎ ሰባት ንኽራኸብ ኣገዲዱኒ እዩ። ሓፋርን ብርእሰይ ዘይተኣማመንን ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ኣብዚ መዝነት እዚ ንዝረኸብክዎ ዝዀነ ይኹን ዓወት፡ ብጻዕረይ ከም ዝረኸብክዎ ገይረ ኽዛረብ ኣይክእልን እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓቅነት እቲ፡ “ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ዚብል መብጽዓ የሆዋ እየ ኣብ ህይወተይ ተመኪረዮ። (ኢሳ. 41:10) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓይ ንምሕጋዝ እተጠቐመሉ ቐንዲ መገድታት፡ ብክርስትያን ብጾተይ ኣቢሉ እዩ። ቀጺለ ብዛዕባ ገለ ኻብቶም ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዞም ዝሓገዙኒ ሰባት ክነግረኩም እየ።

መጽሓፍ ቅዱስን ንእሽቶ ጸላም ደብተርን ተጠቕመት

ብ1940ታት ሰንበት ንግሆ ጸሓይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኤልሲ ሃንቲንፎርድ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ኦንታርዮ ኣብ ዝነበረ ቦታ ሕርሻ ስድራ ቤትና መጸት። ኣደይ ማዕጾ ኸፊታ ኸተዘራርባ ኸላ፡ እቲ ኸማይ ሓፋር ዝነበረ ኣቦይ ምሳይ ኣብ ውሽጢ  ገዛ ኾፍ ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ኣቦይ፡ ሓብትና ሃንቲንፎርድ ነጋዲት ስለ ዝመሰለቶ፡ ኣደይ ዘየድልየና ነገር ምእንቲ ኸይትዕድግ ኢሉ፡ ቀሪቡ ኸም ዘይንደሊ ነገራ። ሓብትና ሃንቲንፎርድ ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዑ ኣይትደልዩን ኢኹም፧” በለቶ። ኣቦይ ከኣ፡ “ንሱ እሞ ንደሊ ኢና” ኢሉ መለሰላ።

ሓብትና ሃንቲንፎርድ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እያ በጺሓትና። ወለደይ ንጡፋት ኣባላት ቤተ ክርስትያን ሓድነት ካናዳ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሎም ካብታ ቤተ ክርስትያን ንኺፍለዩ ወሲኖም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ኣገልጋሊ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ስማት ኵሎም እቶም ገንዘብ ዝለገሱ ሰባት፡ ብተርታ እቲ ዝለገስዎ መጠን ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ለጢፍዎ ነበረ። ወለደይ ርኹባት ስለ ዘይነበሩ፡ ስሞም መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪት እዩ ዚስራዕ ነይሩ፣ ኣገልገልቲ እታ ቤተ ክርስትያን ከኣ ዝያዳ ገንዘብ ንኺህቡ ጸቕጢ ይገብሩሎም ነበሩ። ሓደ ኣገልጋሊ ኸኣ፡ ካብ ስራሕ ምእንቲ ኸይባረር፡ ንዚኣምነሉ ኸም ዘይሰብኽ ተኣመነ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብታ ቤተ ክርስትያን ተፈለና፣ ግናኸ መንፈሳውነትና እነዕግበሉ መገዲ ንደሊ ነበርና።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካናዳ ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ፡ ሓብትና ሃንቲንፎርድ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጸላም ደብተር ዝጸሓፈቶ ነጥብታትን ጥራይ ተጠቒማ፡ ንስድራ ቤትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ ነበረት። ጸኒሓ ግና፡ ንሰበ ስልጣን ኣሕሊፍና ከም ዘይንህባ ስለ እተኣማመነት፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛትልና መጸት። ድሕሪ መጽናዕቲ ነቲ ጽሑፋት ተጠንቂቕና ንሓብኦ ነበረና። *

ሓብትና ሃንቲንፎርድ ተቓውሞን ካልእ ዕንቅፋታትን እኳ እንተ ኣጋጠማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ትሰብኽ ነበረት። ቅንኣታ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ፡ ንሓቂ ኣጥቢቐ ንኽሕዛ ተደረኽኩ። ወለደይ ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰኑ፡ ኣነ እውን ሓደ ዓመት ጸኒሐ፡ ርእሰይ ንኣምላኽ ወፍየ ተጠመቕኩ። ብ27 ለካቲት 1949፡ ኣብቲ ሓረስቶት ንኸብቶም ማይ ዜስትዩሉ ጋብላ ኸኣ እየ ተጠሚቐ። ሽዑ ወዲ 17 ዓመት እየ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ወሰንኩ።

የሆዋ ንኽተብዕ ሓጊዙኒ

ብኡብኡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንዕዮ ፈላምነት ቍሩብ ገንዘብ ከም ዜድልየኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ባንክን ኣብ ቤት ጽሕፈትን ሰራሕኩ። ተመክሮ ዘይብለይ መንእሰይ ስለ  ዝነበርኩ ግና፡ ንገንዘበይ ብኡብኡ እየ ዘጥፍኦ ነይረ። ስለዚ፡ ቴድ ሳርጀንት ዝስሙ ሓው፡ ተባዕ ክኸውንን ኣብ የሆዋ ኽእመንን መኸረኒ። (1 ዜና 28:10) በዚ ተተባቢዐ ድማ፡ ኣብ ሕዳር 1951 ፈላሚ ዀንኩ። ሽዑ 40 ዶላርን ዘገልገለት ብሽክለታን ሓዳስ ሳንጣን ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ግናኸ፡ የሆዋ ወትሩ ዜድልየኒ የማልኣለይ ነይሩ እዩ። ንቴድ፡ ፈላሚ ንክኸውን ስለ ዘተባብዓኒ አመስግኖ እየ። ፈላሚ ዀይነ ምግልጋለይ ተወሳኺ በረኸታት ኣምጺኡለይ እዩ።

ሓደ ምሸት ነሓሰ 1952፡ ካብ ቶሮንቶ ስልኪ ተደወለለይ። ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መስከረም ኣገልግሎት ቤት-ኤል ንኽጅምር ዕድመ ኣቕረበለይ። ሽሕ እኳ ሓናኽን ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከይደ ዘይፈልጥን እንተ ነበርኩ፡ ካልኦት ፈለምቲ ብዛዕባ ቤት-ኤል ዜደንቕ ነገራት ነጊሮምኒ ስለ ዝነበሩ ግና፡ ምስ ተጸዋዕኩ ተሓጒሰ እየ። ምስ ኣተኹ ድማ ቀልጢፈ ለመድኩ።

“ንኣሕዋት ከም እትግደሰሎም ኣርእዮም”

ቤት-ኤል ምስ ኣተኹ ኽልተ ዓመት ጸኒሐ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቶሮንቶ ዝነበራ ጉባኤታት፡ ነቲ ምስቲ ሎሚ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ዘለዎ ግደ ዚመሳሰል ሓላፍነት ዝነበሮ ቢል ያኮስ ተካእክዎ። ዕድመይ ገና 23 ዓመት ጥራይ ስለ ዘነበረ፡ ምንም ዘይፈልጥ ጓሳ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ሓውና ያኮስ ግና ብትሕትናን ብፍቕርን እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ነገረኒ። የሆዋ ድማ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ።

እቲ ወትሩ ፍሽሕው ዝነበረ ሓውና ያኮስ ብሰባት ይግደስ ነበረ። ኣሕዋት የፍቅርዎ ነበሩ፡ ንሱ እውን የፍቅሮም ነበረ። ሽግር ኬጋጥሞም ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ግዜያት እውን ናብ ኣባይቶም እናኸደ ወትሩ ይበጽሖም ነበረ። ቢል ያኮስ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብርን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽዓይን ኣተባብዓኒ። ኣስዒቡ እውን፡ “ኬን፡ ንኣሕዋት ከም እትግደሰሎም ኣርእዮም። ከምዚ ምግባርካ ብዙሕ ጕድለት እዩ ዚሽፍን” በለኒ።

ብዓልቲ ቤተይ ብተኣማንነት ዘርኣየታ ፍቕሪ

የሆዋ ኻብ ጥሪ 1957 ኣትሒዙ ብፍሉይ መገዲ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ንኤቨሊን ተመርዓኽዋ። ኤቨሊን ኣብ መበል 14 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቓ ነይራ እያ። ቅድሚ ምምርዓውና፡ ፈረንሳይኛ ኣብ ዚዝረበሉ ኣውራጃ ኲበክ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኲበክ ብሰፊሑ ትቈጻጸራ ነበረት። ስለዚ፡ ኤቨሊን ከቢድ ዕዮ እዩ ነይርዋ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዕዮኣን ኣብ የሆዋን ብተኣማንነት ጠቢቓ እያ።

ኤቨሊን ምሳይ እውን ብተኣማንነት ጠቢቓ እያ። (ኤፌ. 5:31) ምስ ተመርዓና፡ ብኡብኡ ተኣማንነታ ተፈቲኑ ነይሩ እዩ። ንዙረት ናብ ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ. ኽንከይድ መደብ እኳ እንተ ነበረና፡ ምስ ተመርዓና ንጽብሒቱ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ካናዳ ቤት-ኤል ኣብ ዚግበር ናይ ሓደ ሰሙን ኣኼባ ኽእከብ ዕድመ ኣቕረበለይ። እዚ ኣኼባ እዚ ንመደብና ዚዕንቅፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣነን ኤቨሊንን የሆዋ ንዝሓተተና ዘበለ ኽንገብር ኢና እንደሊ ኔርና። ስለዚ፡ ንእዋን ሕጽኖትና ሰረዝናዮ። ኤቨሊን ነታ ሰሙን እቲኣ፡ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምግልጋል እያ ኣሕሊፋታ። እቲ ኽሊ ኻብ ኲበክ እተፈልየ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኣገልግሎታ ጸኒዓ እያ።

ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን፡ ዘይተጸበኽዎ ሓላፍነት ተዋህበኒ። ኣብ ሰሜን ኦንታርዮ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። መርዓውን ገና ወዲ 25 ዓመትን እየ ነይረ፡ ተመክሮ ዚብሃል እውን ኣይነበረንን፣ ምስናይዚ ግና ኣብ የሆዋ ተኣማሚንና ኽንከይድ ወሰንና። ኣብቲ ቐዝሒ ዝነበሮ  እዋን ክረምቲ ካናዳ፡ ናብ ምድቦም ምስ ዚምለሱ ዝነበሩ ሓያሎ ምኩራት ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ብለይቲ ኣብ እትጐዓዝ ባቡር ተሰቐልና። እቶም ኣሕዋት ብዙሕ ኣተባቢዖምና እዮም። አረ ሓደ ኻባታቶምሲ፡ ለይቲ ምሉእ ኮፍ ኢልና ምእንቲ ኸይነሕልፎ፡ ኣብታ ንገዛእ ርእሱ ዘዳለዋ መደቀሲቱ ኽንደቅስ ፈቒዱልና እዩ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ድሕሪ መርዓና 15  መዓልቲ ጥራይ ጸኒሑ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ነታ ኣብ ሆርንፐይን ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ኽንበጽሓ ኸድና።

ንዓይን ንኤቨሊን ብዙሕ ለውጥታት እዩ ዚጽበየና ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ዕዮ ኣውራጃ እናኣገልገልና ኸለና፡ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ኣብ መበል 36 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ዕድመ ቐረበለይ። እቲ ትምህርቲ ኻብ ለካቲት 1961 ጀሚሩ ንዓሰርተ ወርሒ ዚቕጽል እዩ ነይሩ። ሽሕ እኳ እንተ ተሓጐስኩ፡ ኤቬሊን ምሳይ ብዘይምዕዳማ ግና ቅር ኢሉኒ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣሓት ሰብኡተን ናብ ጊልዓድ ምስ ዚዕደሙ፡ ካብ ሰብኡተን ተፈልየን እንተ ወሓደ ንዓሰርተ ወርሒ ኺጸንሓ ፍቓደኛታት እንተ ዀይነን ደብዳበ ኪጽሕፋ ይሕተታ ነበራ፣ ኤቨሊን እውን ከምኡ ኽትገብር ተሓተት። ኤቨሊን በኸየት፣ ይኹን እምበር፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ተሰማማዕና፣ ኣብ ጊልዓድ ጠቓሚ ስልጠና ኺውሃበኒ ምዃኑ፡ ንኤቨሊን ኣሐጒስዋ እዩ።

ኤቨሊን ንግዜኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካናዳ ኸተገልግል ተመደበት። ምስ ሓንቲ ማርጋሬት ላቨል ዝስማ ቕብእቲ ሓብቲ፡ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኽትቅመጥ ፍሉይ መሰል ረኸበት። ኣነን ኤቨሊንን ንሓድሕድና ኣዚና ንነፋፈቕ ኔርና ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ግና ኣብ እተመደብናዮ ኣገልግሎት ብቕሳነት ኣገልጊልና ኢና። ኤቨሊን ንየሆዋን ንውድቡን ዝያዳ ምእንቲ ኽንጠቅም ኢላ፡ ነቲ ብሓንሳእ ከነሕልፎ ዝነበረና ግዜ ንኽትስውእ ፍቓደኛ ምዃና፡ ልበይ ተንኪፉኒ እዩ።

ኣብ ጊልዓድ ንሰለሰተ ወርሒ ዚኣክል ምስ ጸናሕኩ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ሓውና ናታን ኖር፡ ፍልይ ዝበለ ዕድመ ኣቐረበለይ። ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣቋሪጸ፡ ናብ ካናዳ ተመሊሰ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንሓጺር ግዜ መምህር ኰይነ ኸገልግል ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ሓውና ኖር ነቲ ዕድመ ክቕበሎ ግዴታ ኸም ዘይብለይ ነገረኒ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝጀመርክዎ ትምህርቲ ኽውድእ እንተ መሪጸ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ምናልባት ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ክምደብ ከም ዝኽእል ሓበረኒ። ናብ ካናዳ ኽምለስ እንተ ወሲነ ግና፡ እንደገና ናብ ጊልዓድ ከይተጸዋዕኩ ኽተርፍ፡ ምናልባት እውን ኣብ ካናዳ ኸገልግል ክምደብ ከም ዝኽእል ገለጸለይ። ምስ ብዓልቲ ቤተይ ተመያይጠ ኽውስን ከኣ ነገረኒ።

ኤቨሊን ንቲኦክራስያዊ ምደባ ብኸመይ ከም እትምልከቶ ኣቐዲማ ነጊራትኒ ስለ ዝነበረት፡ ንሓውና ኖር ብኡብኡ፡ “ውድብ የሆዋ ኽንገብሮ እትደልየና ዘበለ ኽንገብር ሕጉሳት ኢና” በልክዎ። ምርጫታትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ውድብ የሆዋ ኣብ ዝመደበትና ዘበለ ቦታ ኼድና ኸነገልግል ከም ዘሎና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ነይሩ።

ስለዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 1961፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽምህር ካብ ብሩክሊን ናብ ካናዳ ተመለስኩ። ጸኒሕና ድማ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል  ኴንና ኸነገልግል ጀመርና። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ፡ ኣብቲ ብ1965 እተኻየደ መበል 40 ኽፍሊ ጊልዓድ ክካፈል ዘይተጸበኽዎ ዕድመ ቐረበለይ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ ኤቨሊን ንዓሰርተ ወርሒ ተፈላሊና ኽንነብር ፍቓደኛ ምዃና ዚገልጽ ደብዳበ ኽትጽሕፍ የድልያ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ግና፡ ምሳይ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኽትካፈል ዕድመ ምስ ቀረበላ፡ ኣዚና ተሓጐስና።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ በጻሕና፡ ሓውና ኖር፡ ፈረንሳይኛ እተማህሩ ተመሃሮ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኺምደቡ ኸም ዚኽእሉ ነገረና። ኣነን ኤቬሊንን ድማ ፈረንሳይኛ ተማሂርና ኔርና ኢና። ይኹን እምበር፡ ምስ ተመረቕና፡ ኣብ ካናዳ ኢና ተመዲብና። ምስቲ ሎሚ ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዘለዎ ግደ ዚመሳሰል ሓላፍነት ከኣ ተዋህበኒ። ወዲ 34 ዓመት ጥራይ ስለ ዝነበርኩ ድማ ንሓውና ኖር፡ “ንእሽቶ” ምዃነይ ኣዘኻኸርክዎ። ንሱ ግና፡ ኣተባብዓኒ። ካብ ፈለማ ጀሚረ ኸኣ፡ ከቢድ ውሳነ ቕድሚ ምግባረይ ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ብዕደመ ዚዓብዩንን ዝያዳ ተመክሮ ዝነበሮምን ኣሕዋት ከመያይጦም እጽዕር ነበርኩ።

ቤት-ኤል—እትመሃረሉን እትምህረሉን ቦታ

ኣገልግሎት ቤት-ኤል ካብ ካልኦት ንኽመሃር ፍሉይ ኣጋጣሚታት ከፊቱለይ እዩ። ነቶም መዓይይተይ ዝዀኑ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር አኽብሮምን አድንቖምን እየ። ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብ እተፈላለየ ጉባኤታትን ዝረኸብክዎም ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰናይ ኣብነት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያናት እውን ጽቡቕ ጽልዋ ገይሮምለይ እዮም።

ብዘይካዚ፡ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ንኻልኦት ንኽምህርን ንእምነቶም ንኸደልድላን ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ “እቲ ብብዙሓት መሰኻኽር እተደገፈ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም” ኢሉ እውን መኺርዎ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 2:2፣ 3:14) ሓድሓደ ግዜ፡ ክርስትያናት ብጾተይ፡ ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዘሕለፍክዎ 57 ዓመት እንታይ ከም እተመሃርኩ ይሓትቱኒ እዮም። ብሓጺሩ፡ “ውድብ የሆዋ ሓደ ነገር ክትገብሩ ምስ እትደልየኩም፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘኩም ብምትእምማን፡ ብፍታውን ብኡብኡን ግበርዎ” ኢለ እየ ዚምልሰሎም።

ሓናኽን ተመክሮ ዘይብሉን መንእሰይ ኰይነ ቤት-ኤል ዝኣተኹሉ እዋን፡ ትማሊ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ የሆዋ ‘ብየማነይቲ ኢደይ ሒዙኒ’ እዩ። ብፍላይ ከኣ በቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ ዘርኣይዎ ለውሃትን እዋናዊ ደገፍን ኣቢሉ፡ “ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ” እናበለ ወትሩ የረጋግጸለይ እዩ።—ኢሳ. 41:13

^ ሕ.ጽ. 10 ብ22 መጋቢት 1945፡ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዕዮና ዝነበረ እገዳ ኣልዓሎ።