ኢሳይያስ 41:1-29
41 “ኣትን ደሴታት፡ ስቕ ኢልክን ስምዓኒ፣*ኣህዛብ ሓይሎም ይሓድሱ።
ይቕረቡ እሞ ይዛረቡ።+
ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።
2 እቲ ንሓደስ፡ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ኺህቦ፡ኣብ ልዕሊ ነገስታት ድማ ኬግዝኦ ኢሉ፡+ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዘተንስኦ፡+ብጽድቂ ኸኣ ናብ ኣእጋሩ* ዝጸውዖ መን እዩ፧
ኣብ ቅድሚ ሰይፉ ኸም ሓመድ፡ኣብ ቅድሚ ቐስቱ እውን ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓሰር ዝገበሮም መን እዩ፧
3 ኣእጋሩ ብዘይተጓዕዛኦ መገድታትብዘይ ዓጋቲ እናሓለፈ ይሰጕጎም።
4 ንወለዶታት ካብ መጀመርታ ብምጽዋዕነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧
ኣነ የሆዋ፡ ቀዳማይ እየ፣+ምስቶም ዳሕሮት ድማ ወትሩ ኣነ እየ።”+
5 ደሴታት ርእየን ፈርሃ።
ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ።
ቀረቡ፡ መጹ ኸኣ።
6 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ይድግፍ፣ንሓዉ ድማ፡ “በርትዕ” ይብል።
7 ስለዚ፡ ኢደ ጥበበኛ ንኣንጠረኛ የበርትዖ፣+እቲ ብሞደሻ ዜጽፍሕ፡ነቲ ኣብ ወጸቓ ዚቕጥቅጥ የበርትዖ።
ብዛዕባ እቲ ብየዳ፡ “ጽቡቕ እዩ” ይብል።
ከይክምበል ተባሂሉ ድማ ብመሳምር ጌርካ ይጸንዕ።
8 “ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ዝሓረኹኻ፡+ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ* ኢኻ፣+
9 ካብ ወሰናት ምድሪ ዝወሰድኩኻ፡+ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ከኣ ዝጸዋዕኩኻ ኢኻ።
ኣነ ድማ በልኩኻ፦ ‘ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣነ ሓርየካ ኣለኹ፣ ኣይነዓቕኩኻን ድማ።+
10 ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+
ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ።+
ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡+ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።’
11 እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ኺሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም።+
እቶም ምሳኻ ዚብኣሱ፡ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።+
12 ምሳኻ ዚቃለሱ ሰባት ክትደሊ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣እቶም ዚዋግኡኻ ሰባት ከም ዘየለዉን ከም ዘይነበሩን ኪዀኑ እዮም።+
13 ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+
14 ኣታ ሓሰኻ* ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣይትፍራህ፣+ኣነ ኽረድኣካ እየ” ይብል የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ።
15 “እንሆ፡ መኼዲ ገይረካ፡+ክልተ ዝኣፉ ስኒ ዘለዎ ሓድሽ መኼዲ ገይረካ ኣለኹ።
ኣኽራን ክትረግጽን ክትደቍስን፡ንዅርባታት ከኣ ከም ብቝቡቝ ክትገብሮም ኢኻ።
16 ከተዝርዎም ኢኻ፣ንፋስ ድማ ኪወስዶም እዩ፣ህቦብላ ንፋስ ከኣ ፋሕ ኬብሎም እዩ።
ብየሆዋ ኽትሕጐስ ኢኻ፣+በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትምካሕ ኢኻ።”+
17 “ስኡናትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ ኣለዉ፡ ግናኸ የልቦን።
ልሳኖም ብጽምኢ ነቒጹ ኣሎ።+
ኣነ የሆዋ ኽምልሰሎም እየ።+
ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ።+
18 ኣፍላግ ኣብ መላጥ ኵርባታት፡+ዓይኒ ማያት ድማ ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ ኸውሕዝ እየ።+
ንበረኻ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያ ማይ፡ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ክቕይሮ እየ።+
19 ኣብ ምድረ በዳ ኦም ቄድሮስንኦም ሰራውን ኦም ኣደስን ኦም ጽሕዲ ኣለጶን ክተክል እየ።+
ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኦም ጽሕዲ፡*ምስኡ ድማ ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን ክተክል እየ፣+
20 ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበሮ፡እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ፡ኵሎም ምእንቲ ኺርእዩን ምእንቲ ኺፈልጡንምእንቲ ኬቕልቡን ምእንቲ ኺርድኡን፡ ከምኡ ኽገብር እየ።”+
21 “ጕዳይኩም ኣቕርቡ” ይብል የሆዋ።
“መጐተኹም ኣምጽኡ” ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ።
22 “መርትዖ ኣምጽኡ እሞ፡ እቲ ዚኸውን ንገሩና።
ክንሓስበሉን* ውጽኢቱ ኽንፈልጦንሲ፡ብዛዕባ እቲ ዝቐደመ* ንገሩና።
ወይ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣስምዑና።+
23 ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ኣብ መጻኢ ዚኸውን ንገሩና።+
እወ፡ ምስ ረኣናዮ ኽንግረመሉስ፡ጽቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።+
24 እንሆ፡ ንስኻትኩም ዘየለኹም ኢኹም፣ሓንቲ እኳ ኣይትዓምሙን ኢኹም።+
ንዓኻትኩም ዚሓሪ ዘበለ ፍንፉን እዩ።+
25 ንሓደ ኻብ ሰሜን ኣተንሲአዮ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ኪመጽእ፡+እቲ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ዝዀነ+ ኸኣ ንስመይ ኪጽውዕ እዩ።
ከምቲ ሰራሕ ካይላ ንጭቃ ዚረግጾ፡ንገዛእቲ* ኸም ጸብሪ ኺረግጾም እዩ።+
26 ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ካብ መጀመርታ፡‘ቅኑዕ እዩ’ ኽንብልሲ፡ ካብ ቀደም ብዛዕባ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧+
ብሓቂ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረን!
ሓደ እኳ ኣየስምዐን!
ካባኻትኩም ዝሰምዐስ ሓደ እኳ የልቦን!”+
27 ቅድሚ ዅሉ ንጽዮን፡ “እነዉ! እነዉ!” ዝበልክዋ ኣነ እየ።+
ናብ የሩሳሌም ድማ ኣበሳሪ ኽሰድድ እየ።+
28 ግናኸ፡ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ምኽሪ ዚህብሲ ኻባታቶም ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ኪምልሱ ኸኣ መመሊሰ ሓተትክዎም።
29 እንሆ፡ ኵላቶም ናይ ሓሶት* እዮም።
ግብርታቶም ገለ እኳ ኣይኰነን።
ፍሱስ ምስሎም ንፋስን ብላሽን እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ።”
^ ማለት፡ ኬገልግሎ።
^ ወይ፡ “ዓርከይ።”
^ ማለት፡ መከላኸሊ ኣልቦን ትሑትን።
^ ወይ፡ “ተርሚን።”
^ ወይ፡ “ፍራሲኖን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቐዳማይ።”
^ ወይ፡ “ልብና ናብኡ ኬቕልብን።”
^ ወይ፡ “ንመኳንንቲ።”
^ ወይ፡ “ዘየለዉ።”