ኢሳይያስ 41:1-29

  • ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝተንስአ ሰዓሪ (1-7)

  • እስራኤል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪኸውን ተሓርየ (8-20)

    • “ኣብርሃም ፈታውየይ” (8)

  • ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብድሆ ቐረበሎም (21-29)

41  “ኣትን ደሴታት፡ ስቕ ኢልክን ስምዓኒ፣*ኣህዛብ ሓይሎም ይሓድሱ። ይቕረቡ እሞ ይዛረቡ።+ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።  2  እቲ ንሓደስ፡ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ኺህቦ፡ኣብ ልዕሊ ነገስታት ድማ ኬግዝኦ ኢሉ፡+ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዘተንስኦ፡+ብጽድቂ ኸኣ ናብ ኣእጋሩ* ዝጸውዖ መን እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ሰይፉ ኸም ሓመድ፡ኣብ ቅድሚ ቐስቱ እውን ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓሰር ዝገበሮም መን እዩ፧  3  ኣእጋሩ ብዘይተጓዕዛኦ መገድታትብዘይ ዓጋቲ እናሓለፈ ይሰጕጎም።  4  ንወለዶታት ካብ መጀመርታ ብምጽዋዕነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ፡ ቀዳማይ እየ፣+ምስቶም ዳሕሮት ድማ ወትሩ ኣነ እየ።”+  5  ደሴታት ርእየን ፈርሃ። ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ። ቀረቡ፡ መጹ ኸኣ።  6  ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ይድግፍ፣ንሓዉ ድማ፡ “በርትዕ” ይብል።  7  ስለዚ፡ ኢደ ጥበበኛ ንኣንጠረኛ የበርትዖ፣+እቲ ብሞደሻ ዜጽፍሕ፡ነቲ ኣብ ወጸቓ ዚቕጥቅጥ የበርትዖ። ብዛዕባ እቲ ብየዳ፡ “ጽቡቕ እዩ” ይብል። ከይክምበል ተባሂሉ ድማ ብመሳምር ጌርካ ይጸንዕ።  8  “ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ዝሓረኹኻ፡+ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ* ኢኻ፣+  9  ካብ ወሰናት ምድሪ ዝወሰድኩኻ፡+ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ከኣ ዝጸዋዕኩኻ ኢኻ። ኣነ ድማ በልኩኻ፦ ‘ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣነ ሓርየካ ኣለኹ፣ ኣይነዓቕኩኻን ድማ።+ 10  ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ።+ ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡+ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።’ 11  እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ኺሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም።+ እቶም ምሳኻ ዚብኣሱ፡ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።+ 12  ምሳኻ ዚቃለሱ ሰባት ክትደሊ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣እቶም ዚዋግኡኻ ሰባት ከም ዘየለዉን ከም ዘይነበሩን ኪዀኑ እዮም።+ 13  ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 14  ኣታ ሓሰኻ* ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣይትፍራህ፣+ኣነ ኽረድኣካ እየ” ይብል የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ። 15  “እንሆ፡ መኼዲ ገይረካ፡+ክልተ ዝኣፉ ስኒ ዘለዎ ሓድሽ መኼዲ ገይረካ ኣለኹ። ኣኽራን ክትረግጽን ክትደቍስን፡ንዅርባታት ከኣ ከም ብቝቡቝ ክትገብሮም ኢኻ። 16  ከተዝርዎም ኢኻ፣ንፋስ ድማ ኪወስዶም እዩ፣ህቦብላ ንፋስ ከኣ ፋሕ ኬብሎም እዩ። ብየሆዋ ኽትሕጐስ ኢኻ፣+በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትምካሕ ኢኻ።”+ 17  “ስኡናትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ ኣለዉ፡ ግናኸ የልቦን። ልሳኖም ብጽምኢ ነቒጹ ኣሎ።+ ኣነ የሆዋ ኽምልሰሎም እየ።+ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ።+ 18  ኣፍላግ ኣብ መላጥ ኵርባታት፡+ዓይኒ ማያት ድማ ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ ኸውሕዝ እየ።+ ንበረኻ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያ ማይ፡ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ክቕይሮ እየ።+ 19  ኣብ ምድረ በዳ ኦም ቄድሮስንኦም ሰራውን ኦም ኣደስን ኦም ጽሕዲ ኣለጶን ክተክል እየ።+ ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኦም ጽሕዲ፡*ምስኡ ድማ ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን ክተክል እየ፣+ 20  ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበሮ፡እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ፡ኵሎም ምእንቲ ኺርእዩን ምእንቲ ኺፈልጡንምእንቲ ኬቕልቡን ምእንቲ ኺርድኡን፡ ከምኡ ኽገብር እየ።”+ 21  “ጕዳይኩም ኣቕርቡ” ይብል የሆዋ። “መጐተኹም ኣምጽኡ” ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ። 22  “መርትዖ ኣምጽኡ እሞ፡ እቲ ዚኸውን ንገሩና። ክንሓስበሉን* ውጽኢቱ ኽንፈልጦንሲ፡ብዛዕባ እቲ ዝቐደመ* ንገሩና። ወይ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣስምዑና።+ 23  ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ኣብ መጻኢ ዚኸውን ንገሩና።+ እወ፡ ምስ ረኣናዮ ኽንግረመሉስ፡ጽቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።+ 24  እንሆ፡ ንስኻትኩም ዘየለኹም ኢኹም፣ሓንቲ እኳ ኣይትዓምሙን ኢኹም።+ ንዓኻትኩም ዚሓሪ ዘበለ ፍንፉን እዩ።+ 25  ንሓደ ኻብ ሰሜን ኣተንሲአዮ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ኪመጽእ፡+እቲ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ዝዀነ+ ኸኣ ንስመይ ኪጽውዕ እዩ። ከምቲ ሰራሕ ካይላ ንጭቃ ዚረግጾ፡ንገዛእቲ* ኸም ጸብሪ ኺረግጾም እዩ።+ 26  ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ካብ መጀመርታ፡‘ቅኑዕ እዩ’ ኽንብልሲ፡ ካብ ቀደም ብዛዕባ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧+ ብሓቂ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረን! ሓደ እኳ ኣየስምዐን! ካባኻትኩም ዝሰምዐስ ሓደ እኳ የልቦን!”+ 27  ቅድሚ ዅሉ ንጽዮን፡ “እነዉ! እነዉ!” ዝበልክዋ ኣነ እየ።+ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣበሳሪ ኽሰድድ እየ።+ 28  ግናኸ፡ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ምኽሪ ዚህብሲ ኻባታቶም ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኪምልሱ ኸኣ መመሊሰ ሓተትክዎም። 29  እንሆ፡ ኵላቶም ናይ ሓሶት* እዮም። ግብርታቶም ገለ እኳ ኣይኰነን። ፍሱስ ምስሎም ንፋስን ብላሽን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ።”
ማለት፡ ኬገልግሎ።
ወይ፡ “ዓርከይ።”
ማለት፡ መከላኸሊ ኣልቦን ትሑትን።
ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ፍራሲኖን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቐዳማይ።”
ወይ፡ “ልብና ናብኡ ኬቕልብን።”
ወይ፡ “ንመኳንንቲ።”
ወይ፡ “ዘየለዉ።”