ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣብ ህይወተይ ዜጋጥመኒ ብድሆ ንኽሰግር ሓገዘኒ

የሆዋ ኣብ ህይወተይ ዜጋጥመኒ ብድሆ ንኽሰግር ሓገዘኒ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኣብ ህይወተይ ዜጋጥመኒ ብድሆ ንኽሰግር ሓገዘኒ

ዴል ኢርዊን ዘዘንተዎ

“ሸሞንተ ይኣኽሉ! ርብዕቶ ዕጽፊ ሽግር ኣምጽኡ።” ኣብታ ኣርባዕተ ኣዋልድ ዝነበራኣ ስድራቤትና ርብዕቶ: ማለት ብሓደ እተወልዱ ኣርባዕተ ዕሸላት ምስ ተወሰኹ: ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ነዚ ኣርእስተ-ዜና እዚ ሒዛ ወጸት። መንእሰይ ከለኹ: ይትረፍዶ ውሉዳት ኪህልዉንስ ንኺምርዖ እኳ ሓሳብ ኣይነበረንን። ኰይኑ ግን: ኣቦ ሸሞንተ ዀንኩ!

ብ1934 ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ መሪባ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ተወሊደ። ካብቶም ሰለስተ ውሉዳት ሕሳስ ልደ እየ ነይረ። ጸኒሓ ስድራቤትና ናብ ብሪዝበን ገዓዘት: ኣብኡ ኸኣ ኣደይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ትምህርቲ ሰንበት ትምህር ነበረት።

ኣብ መጀመርታ 1938 ኣብታ ኸተማ እትሕተም ጋዜጣ: እቲ ኻብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪመጽእ እተሓስበ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ናብ ኣውስትራልያ ምእታው ከይፍቀደሉ ኸም ዚኽእል ጸብጸበት። ኣደይ ነታ ድሕሪኡ ናብ ቤታ ዝመጸት ናይ የሆዋ ምስክር: “ስለምንታይ እዮም ንዕኡ ኸምዚ ዚገብርዎ፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር: “የሱስ ንሰዓብቱ ሰባት ከም ዚሰጕዎም ኣይተዛረበን ድዩ፧” ኢላ መለሰትላ። ሽዑ ኣደይ ኪዩር ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ተቐበለት: እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኸኣ ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ሃይማኖት ዘሎ ሓያሎ ፍልልያት እትገልጽ ነበረት። a ኣደይ በታ ንእሽቶ መጽሓፍ ስለ እተመሰጠት: ንደቃ ናብቲ ኣብ ዚቕጽል ሰንበት እተገብረ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰደትና። ፈለማ ኣቦይ ኣትሪሩ ተቓወማ: ሓሓሊፉ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕቶታት ጽሒፉ ኣደይ ንሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ከተብጽሓሉ ይህባ ነበረ። እቲ ሓው እውን ብግዲኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ጽሒፉ ንኣደይ ይህባ እሞ ንሳውን ንኣቦይ ትህቦ።

ሓደ ሰንበት ኣቦይ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይተሓጐሰሎም ንኺገልጽ ኢሉ ምሳና ናብ ኣኼባ ኸደ። ይኹን እምበር: ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ ጉባኤ ዚበጽሓ ዝነበረ ገያሺ ሓላዊ ምስ ተዘራረበ: ኣረኣእያኡ ቐየረ: ቤትና ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ተገደስቲ ዚእከቡሉ ማእከል ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከውን እውን ፈቐደ።

ኣብ መስከረም 1938 ወለደይ ተጠምቁ። ኣነን ሓወይን ሓብተይን ኣብ ታሕሳስ 1941 ኣብቲ ኣብ ሲድኒ: ኒው ሳውዝ ዌልስ ዚርከብ ሃርግሪቭ ፓርክ እተገብረ ሃገራዊ ኣኼባ ተጠመቕና። ሽዑ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበርኩ። ድሕሪኡ: ምስ ወለደይ ብስሩዕ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽሳተፍ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ሒዞም ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ነቶም ሰብ ቤት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እተቐድሐ መደረ የስምዕዎም ነበሩ።

ሓደ ኻብቶም ኣጸቢቐ ዝዝክሮም ሰባት በርት ሆርተን ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር እዩ። ሓያል መጕልሕ ድምጺ ዘለዋ ማኪና ነበረቶ። ምስ በርት ምግልጋል: ብፍላይ ኣብ ዝነበርኩሉ ዕድመ ንዚርከብ ቈልዓ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ካብ ሓደ ዅድዅዶ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ኸነስምዕ ከለና: ብዙሕ ግዜ ናይ ፖሊስ ማኪና ናባና ገጻ ኽትመጽእ ንርኢ ነበርና። በርት ነቲ ዝወልዖ መደረ ብቕልጡፍ ኣጥፊኡ: ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ናብ ዚርከብ ካልእ ኵድዅዶ ይኸይድ እሞ ኻልእ መደረ ይውልዕ ነበረ። ካብ በርት ከምኡውን ካብ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ እሙናትን ተባዓትን ኣሕዋት ብዛዕባ ኣብ የሆዋ ምውካልን ትብዓትን ተማሂረ እየ።—ማቴዎስ 10:16

ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ: ድሕሪ ትምህርቲ ባዕለይ ኣዘውቲረ እምስክር ነበርኩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: እንዳ ኣድስሄድ ዚበሃሉ ስድራቤት ረኸብኩ። ድሕሪ ግዜ: ክልቲኦም ወለድን ሸሞንተ ደቆምን ብዙሓት ደቂ ደቆምን ሓቂ ፈለጡ። ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ነቶም ጥዑማት ስድራቤት ንኼፍልጦም የሆዋ ስለ ዝፈቐደለይ አመስግኖ እየ።—ማቴዎስ 21:16

ኣብ መጀመርታ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ: ናይ ምሉእ ግዜ ፈላሚ ኣገልጋሊ ዀይነ ናብ መይትላንድ: ኒው ሳውዝ ዌልስ ተመደብኩ። ብ1956 ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣውስትራልያ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ካብቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ዝነበሩ 20 ሰባት: ሓደ ሲሶ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ኺገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት እዮም ነይሮም። ምሳታቶም ምዕያይሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 1:6፣ 5:10

ምስ ጁዲ ሀልበርግ እትበሃል ኣብ ሓደ ዓብዪ ፕሮጀክት ንኽትሕግዘኒ ንግዜኡ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተጸውዐት ምጭውቲ ፈላሚት ምስ ተራኸብኩ: ንጽል ኰይነ ንኽነብር ዝነበረኒ ቘራጽነት በነነ። ኣነን ጁዲን ተፋቐርና: ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ተመራዓና። ድሕሪኡ: ዕዮ ወረዳ ጀመርና: እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንኣሕዋት ንምትብባዕ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ እናኸድካ ምብጻሕ ዜጠቓልል ነበረ።

ብ1960 ጁዲ ነታ ኪም እትበሃል በዅሪ ጓልና ወለደት። ሎሚ: ውሉድ ምስ ዚውለድ ዕዮ ወረዳ ኣቋሪጽካ: ኣብ ሓደ ቦታ ኢኻ እትነብር። እቲ ኣዝዩ ዘገረመና ግን: ንጉባኤታት ምብጻሕ ንኽንቅጽል ተሓተትና። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት: ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። ኣብቲ ዚቕጽል ሸውዓተ ወርሒ ኸኣ ነተን ኣብ ኲንስላንድ ከምኡውን ኣብ ኖርዘርን ተሪተሪ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ጉባኤታት ንምብጻሕ ክንጐዓዝ ከለና: ኪም ምሳና ብኣውቶቡስን ብነፋሪትን ብባቡርን 13,000 ኪሎ ሜተር ተጓዕዘት። ኣብቲ ግዜ እቲ ማኪና ኣይነበረትናን።

ወትሩ ኣብ ኣባይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዕርፍ ነበርና። ብምኽንያት እቲ ትሮፒካዊ ክሊማ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መደቀሲ ኽፍልታት መብዛሕትኡ ግዜ ማዕጾ ዘይኰነስ መጋረጃ እዩ ነይርዎ። እዚ ኸኣ ኪም ለይቲ ኣብ እትበኽየሉ እዋን ተወሳኺ ውጥረት ይፈጥረልና ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ንሕጻንና ምክንኻንን ንሓላፍነትና ምስካምን ኣዝዩ ኣጸገመና። ስለዚ: ኣብ ብሪዝበን ተቐመጥና: ኣነ ድማ ኣብ ንግዳዊ ስነ-ጥበብ ዜድሊ ረክላማት ናይ ምቕባእ ዕዮ ጀመርኩ። ኪም ካብ እትውለድ ክልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ፐቲና እትበሃል ካልእ ጓል ወለድና።

ሓዘንና ምኽኣል

ብ1972 እተን ኣዋልድ ደቂ 12ን 10ን ከለዋ: ጁዲ ሕማም ሆጅኪን ብዚበሃል ሓደ ዓይነት መንሽሮ ሞተት። እዚ ሓዘን እዚ ንስድራቤትና ኣመና ኸቢድዋ ነበረ። ኰይኑ ግን: ጁዲ ኣብ ዝሓመመትሉን ዝሞተትሉን እዋን: የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብኣሕዋትን ኣቢሉ ኣጸናኒዑና እዩ። ካብ ሓንቲ ጁዲ ደድሕሪ ሙማታ ዝወጸት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እውን ብርታዐ ረኺብና ኢና። እታ መጽሔት ንብሕታዊ ፈተናታት: እንተላይ ንሞት እተፍቅሮ ሰብ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ: ከምኡውን እቲ ፈተናታት ከም ትዕግስትን እምነትን ንጽህናን ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እትገልጽ ነበረት። bያእቆብ 1:2-4

ድሕሪ ሞት ጁዲ: ኣነን ደቀይን ብዝያዳ ተቐራረብና። እንተዀነ ግን: ከም ኣቦን ኣደን ክኸውን ምጽዓር ሓያል ቃልሲ ምንባሩ ዝኽሕዶ ኣይኰነን። እተን ክልተ ዚነኣዳ ደቀይ ግን ነቲ ዕዮ ኸም ዚቐለኒ ገይረናለይ እየን።

እንደገና ተመርዓኹ: ስድራቤትና ኸኣ ዓበየት

ድሕሪ ግዜ እንደገና ተመርዓኹ። ኣነን እታ ሜሪ እትበሃል ሓዳስ ሰበይተይን ብዙሕ ዜመሳስለና ነገራት ነበረና። ንሳ እውን: በቲ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ብዓል ቤታ ሞይትዋ እዩ። ኮሊንን ጀኒፈርን ዚበሃላ ኽልተ ኣዋልድ እውን ነበራኣ። ኮሊን ካብ ፐቲና ብሰለስተ ዓመት ኣቢላ ትንእስ ነበረት። ስለዚ: ስድራቤትና ደቂ 14: 12: 9: 7 ዝዕድሜአን ኣርባዕተ ኣዋልድ ዘለዋ ዀነት።

ኣነን ሜሪን ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍና ነተን ዝወለድናየን ደቅና ጥራይ ክንግስጽ ወሰንና: ነዚ ድማ ኵላተን ብሰብኣይ ኣደ ወይ ብሰበይቲ ኣቦ ዚወሃብ መምርሒ ንምቕባል ክሳዕ ዚቐለን ኢና ጌርናዮ። ኣብቲ ኣነን ሜሪን ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ዝነበረና ርክብ: ክልተ ኣገዳሲ ሕግታት ንስዕብ ነበርና። ሓደ: ኣብ ቅድሚ እተን ቈልዑ ፈጺምና ዘይምስምማዓትና ኣይንገልጽን ነበርና፣ ክልተ: ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 4:26 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ዋላ እውን ሰዓታት ይውሰደልና ጕዳይና ኽሳዕ እንፈትሕ ንዘራረብ ነበርና።

እቲ ዜገርም: ኵላትና ዜድሊ ምትዕርራይ ብምግባር ነቲ ሓድሽ ህይወትና ለመድናዮ: እቲ ተዘክሮ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ግን ብሓንሳእ ኣይጠፍአን። ንኣብነት: ሰኑይ ምሸት ንሜሪ “ናይ ብኽያት ምሸት” እያ ነይራ። ድሕሪ መጽናዕቲ ስድራቤት እተን ኣዋልድ ምስ ደቀሳ: እቲ ሜሪ ዓፊናቶ ዝጸንሐት ስምዒታታ ይግንፍል ነበረ።

ሜሪ ናይ ክልቴና ውሉድ ኪህልወና ደለየት። እቲ ዜሕዝን ከኣ: እቲ ቐዳማይ ድቂ ኸዳ። እንደገና ምስ ጠነሰት: ዘይተጸበናዮ ዜገርም ነገር ኣጋጠመና። ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ ምስ ገበረት: ኣብ ማሕጸና ሓደ ዘይኰነስ: ኣርባዕተ ሕጻናት ከም ዘለዉ ተነግራ! በዚ ተዓኒደ እየ ነይረ። ኣብ 47 ዕድመይ ኣቦ ሸሞንተ ክኸውን እየ! እቶም ርብዕቶ ድሕሪ 32 ሰሙን ብ14 ለካቲት 1982 ብመጥባሕቲ ተወልዱ። ብመሰረት እቲ እተወልዱሉ ተራ: ክሊንት 1.6 ኪሎ ግራም: ሲንዲ 1.9 ኪሎ ግራም: ጀረሚ 1.4 ኪሎ ግራም: ከምኡውን ዳንት 1.7 ኪሎ ግራም ነበሩ። ኵላቶም እተፈላለየ መልክዕ ነበሮም።

እቶም ሕጻናት ምስ ተወልዱ: ሓኪም ሜሪ ምሳይ መጺኡ ኾፍ በለ።

“ብዛዕባ ኽንክን ቈልዑ የጨንቐካዶ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“መቸም: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ” በልክዎ።

እተን ድሕሪኡ እተዛረበን ቃላት ኣገሪመናንን ኣተባቢዐናንን እየን።

“ጉባኤኻ ኣይኬሕፍረካን እዩ። እንጥሾ ጥራይ እንተ ኢልካ: ኣሽሓት ሳልቬታ ኬቕርቡልካ እዮም!” በለኒ።

ሳላ እዚ ሓኪም ሕርስን ምስኡ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሕክምናን: ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ ኣርባዕተ ጥዑያት ሕጻናት ሒዝና ናብ ቤትና ኸድና።

ርብዕቶ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆ

ስርዓት ምእንቲ ኺህሉ ኢልና: ኣነን ሜሪን ናይ 24 ሰዓት መደብ ኣውጻእና። እተን ኣርባዕተ ዓበይቲ ደቅና ነቶም ሕጻናት ኣብ ምክንኻን ብዙሕ እየን ሓጊዘን። እቲ ሓኪም ዝበሎ ቓላት እውን ሓቂ እዩ። “እንጥሾ” ኣብ ዝበልናሉ እዋን: ኣባላት ጉባኤና ንኺሕግዙና ይጓየዩ ነበሩ። ኣቐዲሙ: እቲ ንነዊሕ ግዜ ፈታውየይ ዝነበረ ጆን ማክኣርተር: ንቤትና ኼስፍሑ ዚኽእሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወደበ። እቶም ሕጻናት ምስ መጹ ሓደ ጕጅለ ኣሓት ኣብ ምክንኻን ሓገዛና። እዚ ዅሉ ሕያውነት: እታ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብግብሪ እተራእየትሉ እዩ ነይሩ።—1 ዮሃንስ 3:18

እቶም ርብዕቶ “ደቂ ጉባኤ” እዮም ነይሮም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ እውን: ነቶም ዝሓገዙና ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ስድራቤት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ሜሪ እውን ንደቃ ብእተኻእላ መጠን እትከናኸን ንፍዕቲ ሰበይትን ኣደን ምዃና ኣመስከረት። ነቲ ኻብ ቃልን ውድብን ኣምላኽ እተማህረቶ ብሓቂ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ እያ። ካብኡ ዚበልጽ ማዕዳ የልቦን!—መዝሙር 1:2, 3፣ ማቴዎስ 24:45

ኣርባዕተ ሕጻናት ሒዝካ እኳ ኸቢድ እንተ ነበረ: ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ኣገዳሲ ኽፋል ሰሙናዊ ልማዳትና ምዃኑ ቐጸለ። እቶም ብሕያውነት ናብ ቤትና ዚመጹ ዝነበሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዝነበርና ኽልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር በረኸት እዮም ኰይኖምና። እዚ ንጸገማትና የቃልለልና እኳ እንተ ነበረ: ሓድሓደ ግዜ ሜሪ ኣዝያ ትደክም ስለ ዝነበረት: መጽናዕቲ ኽንመርሕ ከለና ሓደ ኻብቶም ሕጻናት ኣብ ሕቝፋ ደቂሱ ኸሎ ትኽስ ትብል ነበረት። ድሕሪ ግዜ: ክልቲኦም ጽምዲ ሰብ ሓዳር መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰኑ።

ካብ ሕጻንነት መንፈሳዊ ስልጠና ምሃብ

እቶም ሕጻናት ብእግሮም ምኻድ ቅድሚ ምኽኣሎም: ኣነን ሜሪን እተን ዝዓበያ ኣዋልድን ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሒዝናዮም ንኸይድ ነበርና። እግሪ ኣብ ዚተኽሉሉ እዋን: ኣነን ሜሪን ከክልተ ንወስድ ነበርና: ጾር እውን ኣይኰኑናን እዮም ነይሮም። አረ ብዙሕ ግዜስ ምስ ምቕሉላት ሰብ ቤት ከም መዘራረቢ እዮም ዚዀኑና። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ምልክት ቈጸራ ኸዋኽብቲ እንተ ተወሊድካ: ባህርያትካ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ከም ዚስዕብ ዚኣምን ሰብኣይ ኣጋጠመኒ። ምስኡ ኣይተማጐትኩን: የግዳስ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ በታ ንግሆ እቲኣ ተመሊሰ ኽመጾ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። ንሱ ፍቓደኛ ዀነ: ስለዚ ነቶም ርብዕቶ ሒዘዮም ተመለስኩ። ብምግራም እናጠመተኒ ኸሎ: ብመሰረት እቲ እተወልድዎ ሰራዕክዎም። ድሕሪኡ: ብዛዕባ እቲ ርኡይ ኣካላዊ ፍልልያቶም ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ባህርያቶም ዝነበረ ዓብዪ ፍልልይ ባህ ዜብል ምይይጥ ገበርና: እዚ ድማ ነቲ ኽልሰ-ሓሳቡ ኣፍረሰሉ። “እዚ ኽልሰ-ሓሳብ እዚ ንዓኻ ምንጋረይ ዓሽየ እየ። ዝያዳ ምርምር ክገብር ኣሎኒ: ኣይኰነን ድዩ፧” በለኒ።

እቶም ርብዕቶ እግሪ ተኽሊ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኪብድሉ ኸለዉ ንኣርባዕቲኦም ብጕጅለ ምግሳጽ ኣይፈትዉን እዮም ነይሮም: ስለዚ በብውልቂ ይእረሙ ነበሩ። ይኹን እምበር: ንዅሎም ሕደ ሕግታት ከም ዚዓዪ ፈለጡ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንሕልናኦም ዚምልከት ጕዳያት ምስ ተላዕለ: ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጸኑዓት ኰኑ: ንሓድሕዶም ድማ ተደጋገፉ። ሲንዲ ኣፈኛኦም ነበረት። ርብዕቶ ምዃን ክምህ ዘይብል ሓይሊ ምዃኑ: ሰባት ኬስተውዕሉ ጀመሩ!

ኣነን ሜሪን ነቶም ቈልዑ ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ንኪቕጽሉ ኣብ ምድጋፍ እቲ ልሙድ ብድሆታት ኣጋጠመና። እታ ፍቕሪ ዝሰፈና ጉባኤ እንተ ዘይትድግፈና ነይራ: ካብቲ ዚርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ እንረኽቦ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ድማ እንተ ዘይህሉ ነይሩ: እቲ ዕዮ ዝያዳ ምኸበደና ነይሩ። ስሩዕ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺህልወናን ኣብ መንጎና ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ንኽንገብሮን ጸዓርና፣ እዚ ግን ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን። ሸሞንቲኦም ደቅና ንየሆዋ ምግልጋል ስለ ዝሓረዩ: እቲ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኽሒሱና እዩ።

ምስ እርጋን ምቅላስ

ኣብዚ ዅሉ ዓመታት: ብዙሕ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ረኺበ እየ። ገለ ኻብዚ ሽማግለ ጉባኤ: ሓላው ከተማ: ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዄንካ ምግልጋል ኪጥቀስ ይከኣል። ኣባል እቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዀይነ እውን ኣገልጊለ እየ፣ እዚ ኮሚተ እዚ ንምምሕልላፍ ደም ዚምልከት ጕዳይ ኣብ ዚለዓለሉ እዋን ሓካይም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ንኺተሓባበሩ ዚድግፍ እዩ። ብዘይካዚ ን34 ዓመት ንኸመርዑ ብሕጊ ተመዝጊበ እየ። ንመርዓ ሽዱሽተ ኣዋልድ ደቀይ ሓዊስካ: ኵሉምሉ 350 ስነ-ስርዓት መርዓ መሪሐ እየ።

ፈለማ ኻብ ጁዲ: ሕጂ ድማ ካብ ሜሪ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ደገፍ ብምርካበይ: ንየሆዋ ወትሩ አመስግኖ እየ። (ምሳሌ 31:10, 30) ኣብ ልዕሊ እቲ ኸም ሽማግለ ጉባኤ መጠን ኣብ ዝዓዮ ዕዮ ምድጋፈን: ንሳተን ንባዕለን እውን ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ኣብነት ኰይነንን መንፈሳዊ ባህርያት ኣብ ደቅና ኣብ ምስራጽ ሓጊዘንን እየን።

ብ1996 ኣእዳው ከም ዜንቀጥቅጥን ሚዛንካ ኸም ዜሸግረካን ዚገብር ናይ ኣእምሮ ሽግር ከም ዘሎኒ ተፈልጠ። ስለዚ: ነቲ ረክላማት ብምቕባእ ዝዓዮ ዝነበርኩ ዕዮ ክቕጽሎ ኣይከኣልኩን። ይኹን እምበር: ፍጥነተይ እኳ እንተ ዘሓለ: ሕጂ እውን ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ሓጐስ እረክብ እየ። ነዚ ብኣወንታዊ ሸነኽ ክርእዮ ኸለኹ ኸኣ: ብዕድመ ንዝደፍኡ ብዝያዳ ሓላዪ ዀንኩ።

ንህይወተይ ምልስ ኢለ ኽሓስበሉ ኸለኹ: የሆዋ ንዓይን ንስድራቤተይን ዘጋጠመና ብድሆታት ንኽንሰግሮ ወትሩ ስለ ዝሓገዘና አመስግኖ እየ። (ኢሳይያስ 41:10) ብዘይካዚ: ኣነን ሜሪን እቶም ሸሞንተ ደቅናን: ነቶም ባህ ዜብሉ ደገፍቲ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ነመስግኖም ኢና። ኵላቶም ጸብጺብና ኽንውድኦ ብዘይንኽእል መገድታት ፍቕሮም ኣርእዮምና እዮም።—ዮሃንስ 13:34, 35

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1972 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 174-80 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኣደይን ግራዝ ሓወይን ዳውን ሓብተይን ናብቲ ብ1941 ኣብ ሲድኒ እተገብረ ኣኼባ ኽንከይድ ተዳሊና ኸለና

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኲንስላንድ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን ምስ ጁዲን ኪምን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ርብዕቶ ምስ ተወልዱ: እተን ኣርባዕተ ዓበይቲ ደቅናን ኣባላት እታ ጉባኤን ኪሕግዙና ተላዕሉ