ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ሰናይ ኣብነት ኩንዎም

ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ሰናይ ኣብነት ኩንዎም

ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም ሰናይ ኣብነት ኩንዎም

መጽሔት ታይም: ሓንቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ እትገልጽ መጽሓፍ ዝበለቶ ነገራት ኣመልኪታ: “ሳይኮሎጅያውያን ነቲ ንሓደ ዘመን ዚኣክል ብዛዕባ ብሉጽ ኣተዓባብያ ቘልዓ ዝገበርዎ መጽናዕቲ እንተ ኣቋረጽዎ ይሓይሽ። እዚ ኺገብሩ ዘለዎም ግን ነቲ ብሉጽ መገዲ ስለ ዝረኸብዎ ዘይኰነስ: ስለ ዘየልቦ እዩ” በለት። እታ መጽሓፍ: ቈልዑ ብቐዳምነት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መዛኑኦም ደኣ እምበር: ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወለዶም ከም ዘይስዕቡ ትማጐት።

ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዚግባእ ሓያል ጽልዋ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ዊልያም ብራውን ዚበሃል ኣዳላዊ ዓምዲ: “ኣብ ዕድመ ዅትትና ወይ ጕርዝውና ንዚርከቡ ዘበሉ ምስ ሃይማኖት ዘይተሓሓዝ ኣምላኽ ኣለዎም ኪበሃል እንተ ዀይኑ: ተመሳሲልካ ናይ ምንባር ኣምላኽ እዩ። . . . ኣብዚ ዕድመ እዚ እተፈለኻ ምዃን ካብ ሞት ዚገድድ ጌርካ እዩ ዚርአ” በለ። ወለዲ ንቤቶም ፍቕሪ ዝዓሰሎን ዚስሕብን እንተ ዘይገይሮምዎ: ወይ ምስ ደቆም ዚኣክል ግዜ እንተ ዘየሕሊፎም—እዚ ኽልቲኡ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ልሙድ ኰይኑ ዘሎ እዩ—ናይ መዛኑ ጽልዋ ንደቆም ንኺጐድእ መገዲ እዮም ዚኸፍቱሉ ዘለዉ።

ብዘይካዚ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን ኣብ ስድራቤት መጥቃዕቲ ይወርድ ኣሎ። ከመይሲ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ: ሰባት ብገንዘብን ብተድላን ብስስዐን እዩ ኣቓልቦኦም ተዋሒጡ ዘሎ። እሞኸ ደኣ ውሉዳት “ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” እንተዀኑ ኼገርመናዶ ኣለዎ፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

‘ፍቕሪ ንስድራቤት:’ ወለዲ ንውሉዳት ኪሓልዩሎም: ውሉዳት ከኣ ናብ ወለዶም ንኺለግቡ ዚድርኾም ባህርያዊ ማእሰር እዩ። ወለዲ እዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ምስ ዚጐድሎም ግን: ውሉዳት ካብ ስድራቤት ወጻኢ ስምዒታዊ ደገፍ ይደልዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብቶም መዛኑኦም እዮም ዚደልይዎ: ብስነ-ምግባራዊ ስርዓታቶምን ኣረኣእያኦምን ከኣ ምሳታቶም ይመሳሰሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ወለዲ ንስድራቤቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ እንተ ዀይኖም: እዚ ዅነታት እዚ ኺውገድ ይከኣል እዩ።—ምሳሌ 3:5, 6

ስድራቤት—ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ብሓደ ምስ ገበሮም: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ኢሉ ኣዘዞም። ድሕርዚ: ስድራቤት ኪቐውም: ማለት ኣቦን ኣደን ውሉዳትን ኪህልዉ ኸኣሉ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 5:3, 4፣ ኤፌሶን 3:14, 15) የሆዋ: ሰባት ንደቆም ኣብ ምዕባይ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ: ወለዲ እተወሰነ መሰረታዊ ነገራት ብባህረት ከም ዚወርሱ ገበሮም። ይኹን እምበር: ሰባት ከም እንስሳታት ስለ ዘይኰኑ: ተወሳኺ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ስለዚ: የሆዋ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መምርሒታት ሃቦም። ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መምርሒታት ከምኡውን ንውሉዳት ብኸመይ ብዚግባእ ከም እትግስጾም ዚገልጽ መምርሒታት ኣብኡ ተጠቓሊሉ ኣሎ።—ምሳሌ 4:1-4

ኣምላኽ ንኣቦታት ፈልዩ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” በሎም። (ዘዳግም 6:6, 7፣ ምሳሌ 1:8, 9) ወለዲ ፈለማ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኬንብሩ ኸም ዘለዎም ኣስተብህል። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ንኻልኦት ብሓቂ ዜለዓዕል ዓይነት ትምህርቲ: ካብ ኣፍ ዘይኰነስ ካብ ልቢ እዩ ዚምንጭ። ወለዲ ኻብ ልቦም ምስ ዚምህሩ ጥራይ እዮም ልቢ ውሉዳቶም ኪትንክፉ ዚኽእሉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ነቶም ግብዝና ቐልጢፎም ዜለልዩ ደቆም ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀንዎም።—ሮሜ 2:21

ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኪምህርዎም እዩ ተነጊርዎም። (ኤፌሶን 6:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15 ትርጕም 1990) ብሓቂ ግን ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝካ ምምሃር የድሊ ድዩ፧ እወ! ሓንቲ ኣደ: “ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ዘበልና ንውሉዳት ዚግብኦም ክብሪ ኣይንህቦምን ኢና። ኣትሒትና ኢና እንርእዮም። ተኽእሎ ኣለዎም። ወለዲ ዘበልና ነዚ ኽንጥቀመሉ ኣሎና” በለት። እወ: ውሉዳት ባህ ኢልዎም እዮም ዚመሃሩ: ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዲ ኺመሃሩ ኸለዉ ኸኣ: ምፍቃር ይመሃሩ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውሉዳት ኣብ ውሽጢ እቲ እተገብረሎም ደረት: ዕቝባን ደሓንን እዩ ዚስምዖም። ስለዚ: ዕዉታት ወለዲ ንደቆም ከም ዚብልጽጉ ምእንቲ ኺገብሩ ኢሎም ጽቡቕ ሃዋሁ ንኺሰፍን ይቃለሱ: ፈቃራት ብጾት: ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡ ሰባት: ከምኡውን ዕጉሳት ግን ከኣ ጽኑዓት መምህራን ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። a

ንደቅኹም ዕቝባ ኹንዎም

ሓደ ኣብ ጀርመን ዚነብር ግዱስ ርእሰ-መምህራን ንወለዲ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ: “ክቡራት ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ደቅኹም ደፊርኩም ብዝያዳ ኢድኩም ጣልቃ ኸትእትዉ ደኣ እምበር: ንምዕባለ ሰብኣዊ መንነቶም [ዚምልከት ሓላፍነትኩም] ንተለቪዥን ወይ ንጽርግያ ኸይትሓድግዎ ኸነተባብዓኩም ንፈቱ” በለ።

ውሉድ ንተለቪዥን ወይ ንጽርግያ ምሕዳጉ: መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንኣተዓባብያ እቲ ቘልዓ ኺጸልዎ ምፍቃድ ማለት እዩ። (ኤፌሶን 2:1, 2) እዚ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ይጻረር እዩ፣ ከምቲ ኣዝርእቲ ተሰኪሙ ዚኸይድ ሓያል ንፋስ ስለ ዝዀነ ኸኣ ‘ምድራውን ስጋውን ሰይጣናውን’ ኣተሓሳስባ ተሰኪሙ ብምኻድ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቶም ገርህታት ወይ ዓያሱ የእትዎ። (ያእቆብ 3:15) እዚ ኸም ጻህያይ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ኣተሓሳስባ እዚ: ውዒሉ ሓዲሩ ንልቢ የበላሹ። የሱስ ነቲ ኣብ ልቢ እተዘርአ ነገር ዘለዎ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ብምባል ይላበወና።—ምሳሌ 4:23

ልክዕ እዩ: ቈልዑ: ቈልዑ ምዃኖም ኣይተርፎምን እዩ፣ ገሊኦም ከኣ ዘይሰምዑ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቓጻት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍጥረት 8:21) ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ” ይብል። (ምሳሌ 22:15) ገሊኦም ነዚ ነገር እዚ ኸም ግዜ ዝሓለፎ ናይ ጭከና ተግባር ገይሮም ይርእይዎ። ከም ሓቂ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ዓመጻን ህስያን ይጻረሮ እዩ። ሓድሓደ ግዜ “ሸቦጥ” ወይ ስላዕ ቃል ብቓሉ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ብሓፈሻ ግን ነቲ ወለዲ ንዘለኣለማዊ ጥቕሚ እቶም ውሉዳት ኢሎም ብጽኑዕ ግን ከኣ ብፍቕርን ብግቡእን ዚጥቀሙሉ ስልጣኖም ዜመልክት እዩ።—እብራውያን 12:7-11

ምስ ደቅኹም ተዘናግዑ

ቈልዑ ብዚግባእ ንኺዓብዩ: ኪጻወቱን ኪዘናግዑን ከም ዜድልዮም ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። ጥበበኛታት ወለዲ ብእተኻእሎም መጠን ምስ ውሉዳቶም ብምዝንጋዕ: ነቲ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ዘሎ ማእሰር የደልድልዎ። በዚ ኸምዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም ቅኑዕ ዓይነት መዘናግዒ ንኺመርጹ ይሕግዝዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ይሕብርዎም።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ኣቦ: ብዙሕ ግዜ ኻብ ስራሕ ምስ ተመልሰ: ምስ ወዱ ዅዕሶ ይጻወት ምንባሩ ይሕብር። ሓንቲ ኣደ ኸኣ ደቃ ነቲ ኾፍ ኢልካ እትጻወቶ ነእምሮ ዜስርሕ ጸወታታት ይፈትውዎ ኸም ዝነበሩ ትዝታኣ ትገልጽ። ሕጂ ዓባይ ኰይና ዘላ ሓንቲ ጓል: ኣባላት ስድራቤታ ብሽክለታ ምዝዋር ባህ ይብሎም ከም ዝነበረ ትገልጽ። ኵሎም እዞም ውሉዳት እዚኣቶም ሕጂ ዓበይቲ ዀይኖም እዮም: ንወለዶም ከምኡውን ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ግን ካብ ቀደማ እንተ ዘይሓይላ: ኣይሃሰሰትን።

ንደቆም ከም ዜፍቅሩ ብቓልን ብግብርን ዜርእዩ ወለዲ: ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ የሐጕሶም: ንምሉእ ህይወቶም ዚቕጽል ነባሪ ጦብላሕታ ኺሓድጉ ድማ ይደልዩ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኽፍሊ እተማህሩ ሓያሎ ተመረቕቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ወለዶም ዝገደፍዎ ኣብነትን ምትብባዕን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺስዕቡ ኸም ዝደረኾም ኣዘንትዮም እዮም። እዝስ ንውሉዳት ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ውርሻ: ንወለዲ ኸኣ ከመይ ዝበለ ብሉጽ በረኸት ኰን እዩ! ሓቂ እዩ: ምስ ዓበዩ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉ ዚኽእሉ ዅሎም ውሉዳት ኣይኰኑን: እንተዀነ ግን ኵላቶም ካብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኾምን ኣርኣያኦምን ገይሮም ዚርእይዎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዶም ይጥቀሙን የኽብርዎምን እዮም።—ምሳሌ 22:6፣ ኤፌሶን 6:2, 3

ንጽል ወለዲ ኺዕወቱ ይኽእሉ እዮም

ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ውሉዳት ብንጽል ወለዲ እዮም ዚዓብዩ። እዚ ዅነታት እዚ ንቘልዓ ምዕባይ ብዝያዳ በዳሂ ዝገብሮ እኳ እንተዀነ: ኣሳልጦ ግን ኪርከብ ይከኣል እዩ። ንጽል ወለዲ በቲ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኤውንቄ እትበሃል ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ኣይሁዳዊት ክርስትያን ዝገደፈቶ ኣብነት ኪተባብዑ ይኽእሉ እዮም። ኤውንቄ ንዘይኣማኒ ተመርዕያ ብምንባራ: ካብ ሰብኣያ መንፈሳዊ ደገፍ ኣይትረክብን ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ይኹን እምበር: ንጢሞቴዎስ ብምምሃር ዝመጸ ኣብነታዊት እያ ነይራ። ምስታ ንጢሞቴዎስ ዓባዩ ዝዀነት ሎኢስ ኰይና ንወዳ ኻብ ሕጻንነቱ ኣትሒዛ ዘሕደረትሉ ጽቡቕ ጽልዋ: ካብቲ ኻብ መዛኑኡ ኣጋጢምዎ ኪኸውን ዚኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ዝሓየለ እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15

ሎሚ ዘይኣማኒ ወላዲ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ወይ ኣብ ንጽል ስድራቤት ዝዓበዩ ብዙሓት መንእሰያት: ከምቲ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ዓይነት ጽቡቕ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም። ንኣብነት: ወዲ 22 ዓመትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ዝዀነ ራያን: ምስ ምዕባዩ ሓዉን ሓብቱን ብንጽል ወላዲት እዩ ዓብዩ። ኣቦኦም ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ነበሮ: ራያን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከሎ ኸኣ ራሕሪሕዎም ከደ። ብዛዕባ እዚ ራያን: “ኣደይ: ስድራቤትና ንየሆዋ ምግልጋል ከም እትቕጽል ንምግባር ቈሪጻ እያ ነይራ: ነዚ ቘራጽነታ ኸኣ ብምሉእ ልባ እያ ፈጺማቶ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን “ንኣብነት: ኣደይ ነቶም ደቃ ዝዀንና ኣወንታዊ ጽልዋ ኺገብሩልና ዚኽእሉ ኣዕሩኽ ከም እንረክብ ትገብር ነበረት። ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዀነ ኻብ ጉባኤ ወጻኢ ዚርከቡ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሕማቕ ኣዕሩኽ ገይሩ ዚገልጾም ሰባት ክንሕወስ ፈጺማ ኣይትፈቕደልናን ነበረት። ብዛዕባ ዓለማዊ ትምህርቲ እውን ቅኑዕ ኣረኣእያ ኣስሪጻትልና እያ” በለ። ኣደ ራያን መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ምብዛሕ ስራሕ እተላዕለ ትሕዝትን ድኻም ዚስምዓን እኳ እንተ ነበረት: እዚ ግን ንደቃ ፍቕራዊ ተገዳስነት ካብ ምግባር ዕንቅፋት ኣይኰናን። ራያን: “ኵሉ ሳዕ ምሳና ኽትከውንን ከተዘራርበናን እያ እትደሊ ነይራ። ስሩዕ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንኺህልወና ዝከኣላ ዅሉ እትገብር: ዕግስቲ ግን ከኣ ጽንዕቲ መምህር እያ ነይራ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚመልከት: ‘ምልምላም’ ዚብልዎ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ” በለ።

ራያን ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ: ኣብ ህይወቱን ኣብ ህይወት ሓዉን ሓብቱን ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዝገበረት: እታ ንኣምላኽን ንደቃን ብሓቂ እተፍቅር ወላዲቱ ምዃና ኣስተውዒሉ እዩ። ስለዚ: ኣቱም ክርስትያን ወለዲ: መጻምድትኹም ዝሞተኩም ኩኑ ኣይትዀኑ: ወይ ከኣ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ኣማኒ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ንደቅኹም ክትምህሩ ኸለኹም ተስፋ ኣይትቝረጹ: ወይ ብግዝያዊ ዕንቅፋታት ኣይትተሓለሉ። ሓድሓደ ግዜ: ገሊኦም ውሉዳት ከምቲ ሓሻሺ ወዲ ኻብ ሓቂ ኺርሕቑ ይኽእሉ እዮም። ዓለም ውሽጣ ኽፉእን ጭካነ ዝመልኣን ምዃና ምስ ፈለጡ ግን: ኪምለሱ ይኽእሉ ይዀኑ። እወ: “ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ: ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።”—ምሳሌ 20:7፣ 23:24, 25፣ ሉቃስ 15:11-24

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ነጥብታት እዚ ዝርዝር ሓሳባት እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 55-9 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ወለዲ የሱስ ብኣምላኽ ተመርጹ

የሆዋ ንወዱ ኻብ ሰብ ኪውለድ ምስ ለኣኾ: ንወለዲ የሱስ ተጠንቂቑ እዩ መሪጽዎም። እቲ ዜገርም ከኣ: ንየሱስ ዜሐንቅቕዎ ወለዲ ዘይኰነስ: ቃል ኣምላኽን ኣገዳስነት ትግሃትን ሓላፍነትን ዚምህርዎ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ትሑታት ሰብ ሓዳር እዩ መሪጹ። (ምሳሌ 29:21፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:27) ዮሴፍ ንየሱስ ዕዮ ጽርበት መሃሮ: ዮሴፍን ማርያምን ነቶም እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ዝዀኑ ዝተረፉ ደቆም ኣብ ምዕባይ ኪሕግዞም ነቲ በዅሪ ዝነበረ የሱስ ይሓትዎ ምንባሮም ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ማርቆስ 6:3

ብግዜ ፋስጋ: ኣባላት ስድራቤት ዮሴፍ ናብ የሩሳሌም በጺሖም ንኺምለሱ: ነቲ 200 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሕቀት ዚሽፍን ብዘይ ዘመናዊ መጓዓዝያ ዚገብርዎ ዓመታዊ ጕዕዞ ንምድላው: ብሓባር ኪዓዩ ኸለዉ በእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። እዛ ትሽዓተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣባላት ዝነበርዋ ስድራቤት: ከምዚ ዝኣመሰለ ነዊሕ ጕዕዞ ንምግባር: ብዚግባእ እትዳሎ ምንባራ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 2:39, 41) በዳሂ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ: ዮሴፍን ማርያምን ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ምናልባት እውን ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍጻመታት ንደቆም ንምምሃር ይጠቀሙሉ ነይሮም ይዀኑ።

የሱስ ምስ ወለዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ይእዘዞም” ነበረ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን [ከኣ] ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዐበየ።” (ሉቃስ 2:51, 52) እወ: የሆዋ ንዮሴፍን ማርያምን ኣሚንዎም እዩ። እዚኣቶምሲ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኸመይ ዝበሉ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ዝዀንዎም!—መዝሙር 127:3