ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግዝኣት ኣምላኽ ንምድጋፍ ጽኑዕ ውሳነ ገበርና

ግዝኣት ኣምላኽ ንምድጋፍ ጽኑዕ ውሳነ ገበርና

ታሪኽ ህይወት

ግዝኣት ኣምላኽ ንምድጋፍ ጽኑዕ ውሳነ ገበርና

ሚኻል ዦብራክ ዘዘንተዎ

ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ንሓደ ወርሒ በይነይ ተኣሲረ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሓደ መርማሪ ተወሰድኩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ገጹ በርበረ መሲሉ “ኣቱም ሰለይቲ! ናይ ኣመሪካ ሰለይቲ ኢኹም!” ኢሉ ጨደረ። ስለምንታይ እዩ ተበሳጭዩ፧ ሃይማኖትካ እንታይ እዩ ኢሉ ምስ ሓተተኒ: “ናይ የሆዋ ምስክር” ስለ ዝበልክዎ እዩ።

እዚ ቕድሚ 50 ዓመት ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እታ ዝነብረላ ዝነበርኩ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት እያ ነይራ። ይኹን እምበር: ቅድሚ ነዊሕ እዋን እውን በቲ ናይ ክርስትያን ትምህርታዊ ዕዮና ምኽንያት መሪር ስደት ኣጋጢሙና ነይሩ እዩ።

ሳዕቤን እቲ ውግእ

ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኪጅምር ከሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት እየ ነይረ። ሽዑ እታ ዛሉዢሰ እትበሃል ቍሸትና ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦስትርዮ-ሃንጋሪ እያ ነይራ። እቲ ውግእ ንዓለም ረበሻ: ንዓይ ድማ ቍልዕነተይ ከይጸገብኩ ኸቢድ ሓላፍነታት ከም ዝስከም ገበረኒ። እቲ ወተሃደር ዝነበረ ኣቦይ ኣብ ቀዳማይ ዓመት እቲ ውግእ እዩ ሞይቱ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣነን ኣደይን ክልተ ምንኣሰይ ኣሓተይን ከርፋሕ ናብራ ድኽነት ጀመርና። በዅሪ ገዛን ወድን ስለ ዝነበርኩ ድማ ኣብታ ዝነበረትና ንእሽቶ ሕርሻን ኣብ ገዛን ክሰርሕ ጀመርኩ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ሃይማኖተኛ እየ ነይረ። እቲ ኣገልጋሊ እታ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ (ካልቪናውያን) ከብኩር ከሎ ኣብ ክንድኡ ዀይነ ነቶም መማህርተይ ከም ዝምህሮም ይገብረኒ ነበረ።

ብ1918 እቲ ዓብዪ ውግእ ምስ ተዛዘመ: ራህዋ ረኸብና። እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦስትርዮ-ሃንጋሪ ተገልበጠ እሞ ዜጋታት ሪፖብሊክ ቸኮስሎቫክያ ዀንና። ካብ ከባቢና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሰዲዶም ዝነበሩ ብዙሓት ድማ ተመልሱ። ብ1922 ናብ ቍሸትና እተመልሰ ሚካል ፐትሪክ ሓደ ኻብዚኣቶም እዩ ነይሩ። ናብ እንዳ ጐረቤትና ኺበጽሖም ምስ መጸ: ንዓይን ነደይን እውን ዓደሙና።

ግዝኣት ኣምላኽ ጋህዲ ዀነልና

ሚካል ሓደ ኻብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ዘለዉ እዩ ነይሩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለየ ዘይርድኣኒ ዝነበረ ኣገዳሲ ጕዳያት ከኣ ኣዘራረበና። እቲ ኻብ ኵሉ ንዓይ ዝመሰጠኒ ግን ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ የሆዋ እተዛረቦ እዩ ነይሩ። (ዳንኤል 2:44) ኣብ ዚቕጽል ሰንበት ኣብ ዛሆር እትበሃል ቍሸት ክርስትያናዊ ኣኼባ ኸም ዚህሉ ምስ ነገረና: ክኸይድ መደብኩ። ንግሆ ሰዓት 4:00 ተንስኤ ኻብ ኣዝማደይ ብሽክለታ ኸምጽእ ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ኣቢለ ዝኸውን ብእግረይ ተጓዓዝኩ። ነፊሱ ዝነበረ ጐማ ኣዐርየ: ድሕሪኡ እንደገና 24 ኪሎ ሜተር ተጓዒዘ ኣብ ዛሆር በጻሕኩ። እቲ ኣኼባ ኣበይ ከም ዚግበር ስለ ዘይፈለጥኩ: ቀስ እናበልኩ ጽርግያ ጽርግያ ክኸይድ ጀመርኩ። ሽዑ ኣብ ሓንቲ ገዛ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝመር ከሎ ምስ ሰማዕኩ: ልበይ ብሓጐስ ፍንጭሕ በለ። ናብታ ገዛ ኣተኹ እሞ ንምንታይ ከም ዝመጻእኩ ነገርኩዎም። ምስኦም ኣቝሪሶም ድማ ናብቲ ኣኼባ ወሰዱኒ። ናብ ገዛ ኽምለስ 32 ኪሎ ሜተር ብብሽክለታ ኽጐዓዝ እኳ እንተ ነበረኒ: ፈጺመ ግን ኣይደኸምኩን።—ኢሳይያስ 40:31

በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚህብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንጹር መብርሂ ኣዝየ ተመሰጥኩ። እቲ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ እንረኽቦ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ዚገልጽ ተስፋ ንልበይ ተንከፎ። (መዝሙር 104:28) ኣነን ኣደይን ካብታ ቤተ-ክርስትያንና ከም እተሰናበትና ዚገልጽ ደብዳበ ጽሒፍና ምስ ሃብና: እዚ ኣብታ ቝሸትና ብዙሕ ኣዘራረበ። ኣብ ፈለማ ገለ ሰባት ዘየዘራርቡና እኳ እንተ ነበሩ: ምስቶም ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይሩና። (ማቴዎስ 5:11, 12) ብዙሕ ከይጸናሕኩ ድማ ኣብ ርባ አ ተጠመቕኩ።

ኣገልግሎት ክፍሊ ናብራ ህይወትና ዀነ

ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ንሰብኽ ነበርና። (ማቴዎስ 24:14) ሰንበት ሰንበት ብግቡእ እተወደበ ናይ ስብከት ወፈራ ነበረና። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት ኣንጊሆም ስለ ዚትስኡ: ኣገልግሎትና ብንግሆኡ ኢና ንጅምር ኔርና፣ ኣረፋፊድና ኸኣ ኣኼባ ንገብር። እቶም ተዛረብቲ ብባህርያዊ መልክዕ እዮም ዝርርብ ዝህቡና ነይሮም። ክንደይ ተገደስቲ ሰባት ከም ዘለዉ: ሃይማኖቶም እንታይ ከም ዝዀነ: ከምኡውን ነቲ ዜገድሶም ነገራት ኣብ ግምት የእትውዎ ነበሩ።

እቲ እንሰብኮ ዝነበርና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንብዙሓት ቅኑዓት ልቢ ኣዒንቶም ከፊቱሎም እዩ። ድሕሪ ምጥማቐይ ኣብ ትርሆቪሽተ እትበሃል ቍሸት ክሰብኽ ጀመርኩ። ኣብ ሓደ ቤት ንሓንቲ ሚስስ ዙዛና ሞስካል እትበሃል ምቕልልትን ሕያወይትን ሰበይቲ ድማ ኣዘራረብክዋ። ንሳን ስድራኣን ከምቲ ኣነ ዝነበርክዎ ሰዓብቲ እምነት ካልቪን እዮም ነይሮም። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ እኳ እንተ ነበራ: ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ግን ነበራ። ንሓደ ሰዓት ዚኣክል ምስ ተመያየጥና: ነታ “ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርከትኩላ። a

ምስ ስድራቤታ ብሓባር ኰይኖም ከኣ ነዛ ሃርፕ ዘርእስታ መጽሐፍ ምስ ናይ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ንባቦም ኬንብብዋ ጀመሩ። ኣብታ ቝሸት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ኣሕዲሮም ናብ ኣኼባታትና ኺመጹ ስለ ዝጀመሩ: እቲ ኣገልጋሊ ካልቪናውያን ካባናን ካብ ጽሑፋትናን ንኺርሕቁ ኸቢድ መጠንቀቕታ ሃቦም። ገለ ኻብቶም ግዱሳት ግን ነቲ ኣገልጋሊ ናብ ኣኼባና መጺኡ: ተኻቲዑ ትምህርትና ሓሶት ከም ዝዀነ ንኼረጋግጽ ሓሳብ ኣቕረቡሉ።

እቲ ኣገልጋሊ መጸ: እንተዀነ ግን ንትምህርቱ ዚድግፍ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኬቕርብ ኣይከኣለን። ተረቲዑ ኸይበሃል ድማ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዅሉ ኽንኣምኖ ኣይንኽእልን ኢና። ሰባት እዮም ጽሒፎምዎ: ስለዚ ድማ ሃይማኖታዊ ሕቶታት ብእተፈላለየ መገዲ መብርሂ ኺዋሃበሉ ይኽእል እዩ” በለ። እዚ ንብዙሓት ነጥበ-መቐይሮ ዀኖም። ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣገልጋሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምን እንተደኣ ዀይኑ: ድሕሪ ደጊም ስብከቱ ንኺሰምዑ ኢሎም ከም ዘይከዱ ነገርዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ምስታ ቤተ-ክርስትያን ካልቪናውያን ዝነበሮም ርክብ ተበትከ: ካብኣቶም 30 ዝዀኑ ድማ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ክፍሊ ናብራ ህይወትና ስለ ዝነበረ: በዚ መዳይ ክትድግፈኒ እትኽእል መንፈሳውያን ኣብ ዝዀኑ ስድራቤት ዝዓበየት ብጸይቲ እደሊ ነበርኩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸሎ ሓቂ ዝፈለጠ ያን ፐትሩሽካ መገላግልተይ እዩ ነይሩ። ማሪያ ጓሉ ልክዕ ከም ኣቦኣ ንዅሎም ሰባት ንምምስካር ዘለዋ ሃንቀውታ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ: ብ1936 ተመርዓና። ብ1986 ክሳዕ እትመውት ን50 ዓመታት እምንቲ ብጸይተይ እያ ነይራ። ብ1938 እቲ ኤድዋርድ ዚበሃል ሓደ ወድና ተወልደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣውሮጳ ንውግእ እያ ትቀራረብ ነይራ። እዚኸ ንናይ ስብከት ዕዮና ብኸመይ ተንከፎ፧

ክርስትያናዊ ገለልትነትና ተፈተነ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኪጅምር ከሎ እታ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ስሎቫክያ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናዚ እያ ነይራ። ዛጊት መንግስቲ ኣብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣይነበረን። ንጥፈታትና ብሕቡእ ይካየድ: ጽሑፋትና እውን ብሰበ-ስልጣን ይምርመር እኳ እንተ ነበረ: ብጥበብ ንጥፈታትና ኻብ ምፍጻም ግን ኣየቋረጽናን።—ማቴዎስ 10:16

እቲ ውግእ እናበርትዐ ምስ ከደ: ዕድመይ ልዕሊ 35 ዓመት ክነሱ ኣብ ውትህድርና ንክኽተብ ተጸዋዕኩ። ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ኣብ ውግእ ምስታፍ ኣበኹ። (ኢሳይያስ 2:2-4) እቲ ዜሐጕስ ግን እቶም ሰበ-ስልጣን እንታይ ከም ዝገብሩኒ ቕድሚ ምውሳኖም: ኵላትና እቶም ኣብቲ ኽሊ ዕድመ እቲ ዝነበርና ነናብ ገዛና ኽንከይድ ፈነዉና።

እቶም ኣብ ከተማ ዝነበሩ ኣሕዋትና: ካባቶም ኣብ ገጠራት ዝነበርና ንላዕሊ ብስጋዊ ይሽገሩ ምህላዎም ምስ ፈለጥና: ካብታ ዝነበረትና ኽንመቕሎም ደለና። (2 ቈረንቶስ 8:14) ስለዚ ድማ ምግቢ ሒዝና ልዕሊ 500 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ተጓዒዝና ናብታ በቲ ሓደ ጫፍ እቲ ሃገር እትርከብ ከተማ ብራቲስላቫ ኸድና። ኣብቲ ግዜ ውግእ ዝደልደለ ክርስትያናዊ ሕውነትን ፍቕርን ንዳሕራዩ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንኽንጸንዕ ሓጊዙና እዩ።

ዜድሊ ምትብባዕ ረኸብና

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ስሎቫክያ እንደገና ኽፋል ቸኮስሎቫክያ ዀነት። ካብ 1946 ክሳዕ 1948 ድማ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማታት በርኖ ወይ ፕራግ ዓበይቲ ኣኼባታት ይግበር ነበረ። ኣብ ምብራቓዊ ስሎቫክያ እንነብር ዝነበርና: በተን ንልኡኻት ኢለን እተዳለዋ ባቡራት ንጐዓዝ ነበርና። መዝሙር እናዘመርና ንጓዓዝ ስለ ዝነበርና: እተን ባቡራት እቲኣተን ዘመርቲ ኽትብለን ትኽእል ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:25

ብፍላይ ነቲ ብ1947 ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣኼባ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ: ሽዑ ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝመጸ ሓው ናታን ኤች. ኖርን ክልተ ኻልኦት ክርስትያናት ተዓዘብትን መጺኦም ነይሮም። መብዛሕትና ነርእስቲ እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዚገልጽ ፖስተራት ተሰኪምና ድማ ኣብ ከተማ ዞርና። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ዝነበረ ወድና ኤድዋርድ ንዕኡ ዚኸውን ፖስተር ስለ ዘይረኸበ ኣዝዩ ሓረቐ። ስለዚ: እቶም ኣሕዋት ንዕኡን ንኻልኦት ብዙሓት ቈልዑን ዚኸውን ንእስ ዝበለ ፖስተራት ሰርሑሎም። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ነቲ ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ምፍላጥ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።

ኣብ ለካቲት 1948 ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ደየበ። ድሕሪ ቕሩብ ግዜያት እቲ መንግስቲ ነገልግሎትና ዚቕይድ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ተፈሊጡና ነበረ። ኣብ መስከረም 1948 ኣብ ፕራግ ዓብዪ ኣኼባ ተገብረ: እቶም ኣብኡ እተኣከብና ነቲ ንሰለስተ ዓመት ረኺብናዮ ዝነበርና ናይ ምእካብ ናጽነት ኪእገድ ከም ዚኽእል ኣጸቢቑ ተሰሚዑና ነይሩ። ኣኼባ ወዲእና ቕድሚ ምፍልላይና ኸኣ: እዚ ዚስዕብ መግለጺ ኣቕዋም ኣውጻእና:- “ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵላትና ብሓባር ኰይንና . . . ነቲ ዜሐጕስ ኣገልግሎትና ዝያዳ ኸነስልጥ: ብጸጋ ጐይታ ኣብ ግዜ ፈተናታት ክንጸንዕ: ብዝያዳ ቕንኣት ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ኢና።”

“ጸላእቲ ሃገር”

ድሕሪ እቲ ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣኼባ ኽልተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ: ኣባላት ሚስጢራዊ ፖሊስ መጺኦም ነቲ ኣብ ጥቃ ፕራግ ዝነበረ ቤትኤል ወረርዎ። መንግስቲ ነቲ ህንጻን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ንብረትን ወረሶ: ኣብኡ ዝነበረ ጽሑፋት ኵሉ ወሰዶ: ንዅሎም ቤትኤላውያንን ገለ ኻልኦት ኣሕዋትን ድማ ኣሰሮም። እዚ ግን መጀመርታ እቲ ገና ዚመጽእ ዝኸፍአ ፈተና ነበረ።

ናብ 4 ለካቲት 1952 ዜውግሕ ለይቲ: ሓይልታት ጸጥታ ነታ ኸተማ ፍትሽ ሓዲሮም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ኣሕዋት ኣሰሩ። ኣነ ሓደ ኻብቶም እተኣስሩ ነበርኩ። ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኣቢሉ ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ኳሕኵሑና። ብዘይ ገለ ምኽንያት ከኣ ምሳታቶም ክኸይድ ኣዘዙኒ። ኢደይን እግረይን ተኣሲረ: ኣዒንተይ ተሸፊነ ምስ ካልኦት እሱራት ኣብ ናይ ጽዕነት ማኪና ተደርበኹ። ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ንበይነይ ተዳጐንኩ።

ብጀካ ነቲ ብመሰለዂት እታ ማዕጾ ሒደት ምግቢ ዚስንድወለይ ሓላዊ እንተ ዘይኰይኑ: ወርሒ ምሉእ ሰብ ዚበሃል ኣየዛረብኩን ወይ ኣይረኣኹን። ብድሕሪኡ ኣብቲ መእተዊ ኸም ዝገለጽክዎ ናብቲ መርማሪ ተወሰድኩ። ሰላዪ ኢኻ ድሕሪ ምባሉ “ሃይማኖት ድንቍርና እዩ። ኣምላኽ ዚበሃል የልቦን! ነቲ ሸቃላይ ዝዀነ ኽፍሊ ሕብረተሰብና በዝን ወድኸምዝን ከተዐሽውዎ ኣይንፈቕደልኩምን ኢና። ንስኻ ድማ ወይ ክትሕነቕ ኢኻ: ወይ ከኣ ኣብዛ ቤት ማእሰርቲ ኽትምሽምሽ ኢኻ። እቲ ኣምላኸይ እትበሎ እንተ ዚመጽእ እኳ: ምቐተልናዮ ኔርና” በለኒ።

እቶም ሰበ-ሰልጣን ንክርስትያናዊ ንጥፈታትና ዚእግድ ንጹር ሕጊ ኸም ዘየሎ ስለ ዝፈልጡ: “ጸላእቲ ሃገርን” ሰለይትን እዮም ኢሎም ዘይስምና ብምሃብ በቲ ነዚ ዚቐጽዕ ሕጎም ገይሮም ኪቐጽዑና ሃቀኑ። ዘይገበንና ‘እወ’ ኢልና ኸም “እንእመን” ገይሮም ነቲ ዝነበረና ሓቦ ኼጥፍኡ ኸኣ ፈተኑ። በታ እተመርመርኩላ ለይቲ ኽድቅስ ኣይተፈቕደለይን። ድሕሪ ቕሩብ ሰዓታት ድማ እንደገና ንምርመራ ተጸዋዕኩ። እቲ መርማሪ ኣብቲ “ከም ጸላኢ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊት ቸኮስሎቫክያ መጠን: ንኣመሪካውያን እጽበዮም ስለ ዝነበርኩ: ምስ ማሕበር ሓረስቶት ኣይተጸንበርኩን” ዚብል ወረቐት ፈርም በለኒ። ከምዚ ዝበለ ሓሶት ኣይፍርምን ኢለ ምስ ኣበኹ: ናብ መአረምታ ኽፍሊ ተወሰድኩ።

ክዛወር ወይ ደው ክብል እምበር ክድቅስ: ክግምሰስ: ወይ ኮፍ ክብል ኣይተፈቕደለይን። ሓይለይ ምስ ተጸንቀቐ: ኣብቲ ብስሚንቶ እተለሰነ ምድሪ ቤት በጥ በልኩ። ድሕሪኡ እቶም ሓለውቲ ናብቲ መርማሪ መለሱኒ እሞ ንሱ ኸኣ “ሕጂኸ ትፍርም ዲኻ፧” በለኒ። ስለ ዝኣበኽዎ ግን ጸፍዓኒ በዚ ድማ ደመኹ። ነቶም ሓለውቲ ድማ እናገዓረ “እዚ ሰብ እዚ ርእሰ-ቕትለት ኪፍጽም ይደሊ ስለ ዘሎ: ኣጸቢቕኩም ሓልውዎ” በሎም። ናብታ በይነይ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ድማ ተመለስኩ። ንዚቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላታት ብተደጋጋሚ ፈተኑ። ጸላኢ ሃገር ከም ዝዀንኩ ንኽእመን ብእተፈላለየ መገዲ ገይሮም ከእምኑኒ እኳ እንተ ፈተኑ: ኣብ የሆዋ እሙን ኰይነ ጸናዕኩ።

ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ወርሒ ምስ ተረፈኒ: ካብ ፕራግ ዝመጸ ሓደ ኣኽባር ሕጊ ን12 ኣሕዋት በብተራ ሓተተና። ንዓይ ድማ “ምዕራባውያን መጺኦም እንተ ዜጥቅዑናስ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ “ከምቲ ዓድና ምስ ሂትለር ኰይና ንሕብረት ሶቭየት ክትወግኣ ኸላ ዝገበርክዎ እየ ዝገብር። ሽዑ ኣይተዋጋእኩን: ሕጅውን ኣይዋጋእን እየ: ክርስትያን ስለ ዝዀንኩ ገለልተኛ እየ” ምስ በልክዎ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንጻወሮም ኣይንኽእልን ኢና። ምዕራባውያን ኢምፔርያሊስት እንተ ወግኡና ንምክልኻልን ነቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ሸቃላይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓራ ንምውጻእን ወተሃደራት የድልዩና እዮም” በለኒ።

ብ24 ሓምለ 1953 ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረብና። ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት በብሓደ ኣብ ቅድሚ ጕጅለ ዳያኑ ቐረብና። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ብዛዕባ እምነትና ምስክርነት ንምሃብ ተጠቐምናሉ። ነቲ እተኸሰስናሉ ናይ ሓሶት ክሲ መልሲ ምስ ሃብና: ሓደ ጠበቓ “ኣብዚ ቤት ፍርዲ እዚ ብዙሕ ሳዕ መጺአ ኣለኹ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ይእመኑ: ይጣዓሱ: አረ ገሊኣቶምሲ ይነብዑ እውን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን ካብቲ ኽመጹ ኸለዉ ዝነበርዎ ንላዕሊ በርቲዖም ኪኸዱ እዮም” በለ። ብድሕሪኡ: ዓሰርተው ክልቴና ብኽሕደት ሃገር ገበነኛታት ኢኹም ተባሂልና ተፈረድና። ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ክእሰርን ንብረተይ ብምሉእ ኪውረስን ተፈርደኒ።

እርጋን ኣይዓገተንን

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ሚስጢራዊ ፖሊስ ጽኑዕ ሓለዋ እየ ነይረ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ክነሰይ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታተይ ኣየቋረጽኩን: ኣብ ጉባኤና ተዓዛቢ ዀይነ ድማ ተመዘዝኩ። ኣብቲ እተወረሰ ገዛና ኽንነብር እኳ እንተ ተፈቐደልና: ብሕጋዊ መገዲ እተመልሰልና ግን 40 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ድሕሪ ውድቀት ኮምዩኒስታዊ ስርዓት እዩ።

ካብ ስድራቤተይ ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን ቤት ማእሰርቲ ጥዒመ። ናብ ገዛይ ካብ ዝምለስ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት: ወደይ ኤድዋርድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኺህብ ጻውዒት ቀረበሉ። ብምኽንያት እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ስለ ዝኣበየ ኸኣ ተኣስረ። ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ ፒተር ዚበሃል ወዲ ወደይ ጥዕና እኳ እንተ ዘይነበሮ: ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ።

ብ1989 እቲ ኣብ ቸኮስሎቫክያ ዝነበረ ናይ ኮምዩኒስት ስርዓት ወደቐ። ኣብ ትሕቲ እገዳ ን40 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ: ብናጽነት ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ብምጅማረይ ብሓጐስ ፍንጭሕ እየ ኢለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ጥዕናይ ክሳዕ ዘፍቀደለይ ካብ ቤት ናብ ቤት ከድኩ። ሕጂ ወዲ 98 ዓመት ስለ ዝዀንኩ: ከም ቀደም ምሉእ ጥዕና የብለይን: እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመጻኢ ዝኣተወልና ዜደንቕ መብጸዓ ምምስካረይ ኣየቋረጽኩን።

ነታ ዝዓበኹላ ቝሸት ካብ ሓሙሽተ ሃገራት 12 መራሕቲ ኺገዝእዋ ርእየ እየ። ካብዚኣቶም ገሊኣቶም ውልቀ-መለኽቲ: ገሊኣቶም ፕረዚደንታት: እቲ ሓደ ኸኣ ንጉስ እዮም ነይሮም። ዋላ ሓደ ኻብዚኣቶም ግን ነቲ ንተገዛእቱ ዜጨንቖም ጸገማት ኬጥፍእ ኣይከኣለን። (መዝሙር 146:3, 4) ብንእስነተይ ንየሆዋ ብምፍላጠይ ብዙሕ እየ ዘማስወሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ዜምጽኦ ፍታሕን ብዘይ ኣምላኽ ምንባር ከንቱ ምዃኑን ክፈልጥ ከኣልኩ። ነዚ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ብስራት ንልዕሊ 75 ዓመት ብምስባኸይ: ዕላማን ዕግበትን ዝመልኦ ህይወት ንዚመጽእ ከኣ ብሩህ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺበ እየ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ እየ ኽደሊ፧ b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እያ: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ሓው ሚኻል ዦብራክ ኣሪጉ ስለዝነበረ: እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ ርግጽ ተስፋ ትንሳኤ ሒዙ እሙን ኰይኑ እዩ ሞይቱ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ተመርዓና ነዊሕ ከይጸናሕና

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጀመርታ 1940ታት ምስ ኤድዋርድ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ነቲ ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣኼባ ኸነፋልጥ ከለና