ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ስግኣት ናጻ እንዀነሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

ካብ ስግኣት ናጻ እንዀነሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

ካብ ስግኣት ናጻ እንዀነሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

ውሉዳት ምስቶም ዜፍቅርዎም ወለዶም ተሓጕሶም ኪጻወቱ ኸለዉ ርእዩ ዘይሕጐስ መን ኣሎ፧ ቈልዑ ዚሓልዩሎም ወለዶም ኣብ ጥቓኦም ምስ ዚህልዉ: ብዘይ ገለ ስግኣት እዮም ዚዕንድሩ። ገሊኣቶም ቈልዑ ግን ኣንኳይዶ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ እዋን ኬሕልፉ: ለይቲ ዚድቅሱላ ቦታ ዚረኽቡ እኳ ብጋዶ እዩ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መዕቈቢ ዘይብሎም ቈልዑን ካልኦት ብስግኣት ዚነብሩ ሰባትንሲ ተስፋዶ ኣለዎም፧

መጻኢ ግዜ ጸልማት ይምሰለና ደኣ እምበር: ቃል ኣምላኽ ተስፋ ዝሓዘለ ምዃኑ እዩ ዚነግረና። ነብዪ ኢሳይያስ: ኵሉ ሰብ ምሉእ ድሕንነት ረኺቡ ኸም ዚነብር ኪንበ ኸሎ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም” በለ።—ኢሳይያስ 65:21, 22

እዚ ተስፋ እዝስ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ድዩ፧ እታ “ተስፋ” እትብል ቃል ወትሩ ርግጸኛ ንምዃን ኣይተመልክትን እያ። ንኣብነት: ኣብ ብራዚል “ኣ ኣስፐራንሳ ኢ ኣ ኡልቲማ ኪ ሞረ” ዚብል ብሂል ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ። ቃል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ “ተስፋ ኣብ መወዳእታ እያ እትመውት” ማለት እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ዜተስፉ ነገር ከይሃለዎም ተስፋ ኸም ዚገብሩ እያ እተመልክት። እቲ ህያው ዝዀነ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብእኡ [ብኣምላኽ] ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን” እዩ ይብለና። (ሮሜ 10:11) ቅድሚ ሕጂ እተፈጸመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት: እቲ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ብምሉኡ ምፍጻሙ ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸልና። እዚ ተስፋታት እዚ መፈጸምታ ኺረክብ ከሎ: ቈልዑ ኣብ ጐደናታት ንኺነብሩ ዜገድዶም ነገራት ኣይኪህሉን እዩ።

ኣብዚ ግዜና እውን እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ነቶም ተስፋ ዝሰኣኑ ናብራኦም ኬመሓይሹን ናይ ሓቂ ድሕንነት ኪረኽቡን ይሕግዞም እዩ። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ ፍቓደኛታት እዮም።