ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብታ የሱስ ንኣብነት ዝሰርዓልና ጸሎት: ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም እኩያት መላእኽቲ ኻብ ሰማይ ዘይተሰጉ እኳ እንተ ነበሩ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ይፍጸም ምንባሩ ድዩ ኣሚቱ፧

ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6:10 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሱስ “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ። እዚ ለመና እዚ ብኽልተ መዳያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ: ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝግበር ዝነበረ ኣብ ምድሪ ንኽፍጸም ዝቐርብ ለመና ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምሉእ ብምሉእ ንኽፍጸም ዝቐርብ ለመና እዩ። a እተን ቀቅድሚ እዚኣ ዘለዋ “መንግስትኻ ትምጻእ” ዝብላ ቃላት ሒዘናኦ ዘለዋ ትርጕም ክንርኢ ኸለና: እቲ ኻልኣይ ኣማራጺ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዝያዳ ኸም ዝሰማማዕ እየን ዝሕብራ። ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜን ድሕሪኡ ዝነበረ ነዊሕ እዋንን ድማ ዘጠቓለላ እየን። ብኸመይ፧

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ተመስረተት ስዒቡ ዝመጸ ኽልተ ነገራት ትገልጸልና። እቲ ቐዳማይ ንሰማይ ዝትንክፍ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ንምድሪ ዝትንክፍ እዩ። ራእይ 12:7-9, 12 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን: ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።”

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድሕሪ 1914 ካብ ሰማይ ተሰጒጎም ብምውጻኦም ሰማይ ካብ ዓለወኛታት መንፈሳውያን ፍጥረታት ስለ ዝጸረየ: ነቶም ንመብዛሕትኦም መንፈሳውያን ፍጥረታት የሆዋ ዝውክሉ እሙናት ደቁ ዝዀኑ መላእኽቲ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡሎም እዩ። (እዮብ 1:6-12፣ 2:1-7፣ ራእይ 12:10) በዚ ኸምዚ እቲ ኣብታ የሱስ ዝሰርዓልና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ዝጠቐሶ ለመና: ንሰማይ ብዝምልከት ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይ ዝተረፉ ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑን ንሉዓላውነቱ ምሉእ ብምሉእ ዝግዝኡን እዮም።

ይኹን እምበር: እቶም እኩያት መላእኽቲ ናብ ሰማይ ክኣትዉ ኣብ ዝኽእልሉ ዝነበሩ እዋን እውን ከይተረፈ: ካብ ስድራቤት ኣምላኽ እተሰጐጉን ኣብ ትሕቲ ቐይድን ምንባሮም ክጐልሕ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ንኣብነት: ይሁዳ 6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እኳ “ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ . . . ትሕቲ [መንፈሳዊ] ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ” ተዓቚሮም ከም ዝነበሩ ትገልጽ። ብተመሳሳሊ: 2 ጴጥሮስ 2:4 “ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም [“ጦርጦስ:” NW፣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓሰሩ ዘርኢ ዅነታት] ደርብዩ: ብመቝሕ [መንፈሳዊ] ጸልማት ተአሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር: ካብ ዘይነሐፎም” ትብል። b

እቶም እኩያት መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ከለዉ ድርቡያት እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ምድሪ ግን ዓብዪ ስልጣን ነበሮም። አረ ቓል ኣምላኽ እሞ ኸኣ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኽብሎ ኸሎ: ነጋንንቲ ኸኣ “ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም” እዩ ዝብሎም። (ዮሃንስ 12:31፣ ኤፌሶን 6:11, 12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ድያብሎስ እዚ ስልጣን እዚ ስለ ዝነበሮ: የሱስ ሓንሳእ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ: “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ክህቦ ምዃኑ ተዛረበ። (ማቴዎስ 4:8, 9) እምበኣር: መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ‘መጸት’ ኣብ ምድሪ ሱር በተኽ ለውጢ ኽህሉ እዩ።

‘ምምጻእ’ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝቐውም ክገብር እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዅሉ እቲ ሰብ ዘቘሞ ግዝኣታት ጨፍሊቓ ንሳ በይና ንምድሪ እተመሓድር ኰይና ኽትቀውም እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ተገዛእታ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ክዀኑ እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ዳንኤል 2:44) እዛ መንግስቲ እዚኣ ኻብ እዙዛት ደቅሰብ ሓጢኣት ከተወግድን ኣብ መወዳእታኡ ንምድሪ ገነት ክትገብራን እያ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዅሉ እቲ ኣሰር መግዛእቲ ሰይጣን ከተጥፍኦ እያ።—ሮሜ 8:20, 21፣ ራእይ 19:17-21

ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት እታ መሲሓዊት መንግስቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ፈጸመት “ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን: ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:28) ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ድሕሪ ምቕራቡ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሎም ዝሰሓቱ ዓለወኛታት ደቅሰብን በቲ “ኻልኣይ ሞት” ተባሂሉ ዘሎ ንሓዋሩ ኽጠፍኡ እዮም። (ራእይ 20:7-15) ድሕሪኡ: ኵሎም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝነብሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ነቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሉዓላውነት የሆዋ ብሓጐስ ንዘለኣለም ክግዝኡ እዮም። ሽዑ እተን ኣብታ የሱስ ንኣብነት ዝሰርዓልና ጸሎት ዘለዋ ቓላት ብዅሉ መዳይ ምሉእ ፍጻሜአን ክረኽባ እየን።—1 ዮሃንስ 4:8

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣን ኣመሪካን ትራንስሌሽን ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: ነታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት የሱስ “መንግስትኻ ትምጻእ! ፍቓድካ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ይኹን!” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:10

b ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ እተሰጐጕካ ምዃን ምስ “ቤት ማእሰርቲ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ይኹን እምበር: እዚ ነቲ ኣጋንንቲ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዝድርበዩሉ “መዓሙቝ” ዘመልክት ኣይኰነን።—1 ጴጥሮስ 3:19, 20፣ ሉቃስ 8:30, 31፣ ራእይ 20:1-3