ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውሉደይ ትምህርቲ ኸእትዎ ኣሎኒ ድዩ፧

ንውሉደይ ትምህርቲ ኸእትዎ ኣሎኒ ድዩ፧

ንውሉደይ ትምህርቲ ኸእትዎ ኣሎኒ ድዩ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ: ነዚ ጽሑፍ እዚ ኸተንብብ እንተ ዘይትኽእል ኔርካ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ኣብ ሃገርካ ዝዝረብ ወግዓዊ ቛንቋ ዘይትኽእል እንተ ትኸውንከ፧ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ እትነብረላ ዓዲ ኽትሕብር ዘይትኽእል ምስ እትኸውንከ፧ ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ። ውሉድካኸ፧

ንውሉድካ ትምህርቲ ኸተእትዎ ኣሎካዶ፧ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ቈልዑ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ኽመሃሩ ብሕጊ ይግደዱ እዮም: መብዛሕትኡ ግዜውን እዚ ብናጻ እዩ ዝወሃብ። ውዕል መሰላት ሕጻናት: ስሩዕ ትምህርቲ ምርካብ ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ መሰላት ምዃኑ ይጠቅስ። ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት እውን ነዚ ይሰማምዓሉ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግን ትምህርቲ ብናጻ ኣይወሃብን ይኸውን: ንወለዲ ኸኣ ጾር ክዀኖም ይኽእል እዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ እምበኣር ብዓይኒ እቶም እንተ ብስሩዕ ወይ ብኻልእ መገዲ ደቆም ክመሃሩሎም ዝደልዩ ክርስትያን ወለዲ እስከ ንርኣዮ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት ትምህርቲ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከንብቡን ክጽሕፉን ይኽእሉ ነይሮም። እቶም ሃዋርያት የሱስ ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣይሁዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ እኳ እንተ ነበሩ: በቲ ናይ ገሊላውያን ላህጃ ዘይኰነስ ብቛንቋ ግሪኽ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጽሑፋት ጽሒፎም እዮም። a ወለዲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንደቆም መሰረታዊ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ጽዒሮምሎም ክዀኑ ኣለዎም። ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ትምህርቲ ረኺቦም ክዀኑ ኣለዎም። ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት: እቲ ብሕርሻ ዝመሓደር ዝነበረ ኣሞጽ: ከምኡውን እቲ ጸራቢ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ንየሱስ በደ ሓዉ ዝነበረ ይሁዳ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና።

እዮብ እውን ከንብብን ክጽሕፍን ይኽእል ነበረ: እታ ብስሙ እትጽዋዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጽሕፍቲ ኸኣ ብዛዕባ ስነ⁠-​ፍልጠት እተወሰነ ምርዳእ ከም ዝነበሮ ትሕብረና። ናይ ስነ⁠-​ጽሑፍ ክእለት እውን ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ: ከመይሲ እቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዝርከብ ቃላቱ ብመልክዕ ግጥሚ እዩ ሰፊሩ ዝርከብ። ገለ ኻብቲ ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዘኻኸሪታት ኣብ ገልዕታት ወይ ስባር ካይላታት ተጻሒፉ ስለ ዝርከብ ከንብቡን ክጽሕፉን ዝኽእሉ ምንባሮም ንፈልጥ ኢና።

ትምህርቲ ንክርስትያናት ኣድላዪ እዩ

ኵሎም ክርስትያናት ንኣምላኽ ከሐጕሱ እንተ ዀይኖም: ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ክገብሩ ኣለዎም። (ፊልጲ 1:9-11፣ 1 ተሰሎንቄ 4:1) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣዘውቲርካ ምጥቃምን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት ምንባብን ንመንፈሳዊ ዕቤትና ኣገዳሲ እዩ። ኣምላኽ ቃሉ ብጽሑፍ ስለ ዝሃበና: ኣምለኽቱ ብእተኻእለ መጠን ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ ክዀኑ ይጽበዮም እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምርዳእ ምስ እነንብቦ: ነቲ ምኽርታቱ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ቀሊል ይዀነልና። ልክዕ እዩ: ገለ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽርድኣናን ምእንቲ ኸነስተንትነሉን እተወሰነ ኽፋል ደጋጊምና ኸነንብቦ የድልየና ይኸውን።​—⁠መዝሙር 119:104፣ 143:5፣ ምሳሌ 4:7

ኣብ ዓዓመት ንህዝቢ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝዳሎ በማእታት ዝቝጸር ገጻት ዘለዎ ጠቓሚ ጽሑፋት ይበጽሖም እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) እዚ ጽሑፋት እዚ ንናብራ ስድራ​ቤት: ባህሊ: ሃይማኖት: ስነ⁠-​ፍልጠት: ከምኡውን ንእተፈላለየ ካልእ ኣርእስትታት የጠቓልል። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይህብ። ደቅኻ ኸንብቡ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም: ብዙሕ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኸምልጦም ይኽእል እዩ።

ታሪኽ ደቅሰብ ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ: ከመይሲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ከም እተድልየና ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ብዛዕባ ጂኦግራፊ መሰረታዊ ፍልጠት ምህላው እውን ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም እስራኤል: ግብጺ: ግሪኽ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ቦታታት ይጠቅስ እዩ። ውሉድካ ነዚ ቦታታት እዚ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ኽረኽቦ ይኽእልዶ፧ ሃገሩኸ ኽረኽባ ይኽእልዶ፧ ካርታ ኸንብብ ዘይክእል ሰብ ኣብ ኣገልግሎት እተመደበሉ ዞባ ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት ይድረት እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:5

ኣብ ጉባኤ ዝወሃብ ሓላፍነታት

ክርስትያን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ምስ ንባብ እተተሓሓዘ ብዙሕ ሓላፍነታት ኣለዎም። ንኣብነት: ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክዳለዉ የድልዮም። ዝመጽእ ጽሑፋትን እተገብረ ወፈያታትን እውን ክምዝገብ የድሊ። መሰረታዊ ትምህርቲ ዘይብሉ ሰብ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ብዝግባእ ንኽስከሞ የጸግሞ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ቤትኤል ወለንተኛታት የገልግሉ እዮም። እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ብዝግባእ ንኽረዳድኡን ከም ምትርጓምን ማሽናት ምዕራይን ዝኣመሰለ ዕዮ ንኽፍጽሙን ናይታ ዝነብሩላ ሃገር ወግዓዊ ቛንቋ ዘንብቡን ዝጽሕፉን ክዀኑ ኣለዎም። ውሉዳትካ ኣማስያኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ክስከሙ እንተ ደሊኻዮም: ዝበዝሕ ግዜ መሰረታዊ ትምህርቲ ናይ ግድን እዩ ዘድልዮም። ንውሉድካ ትምህርቲ ንኸተእትዎ ዝድርኸካ ካልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ።

ድኽነትን ማሪትን

ድኻታት ሰባት ኣብ ገሊኡ ዅነታት ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይክእሉ እዮም ዝዀኑ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ግቡእ ትምህርቲ ምቕሳም ንዓናን ንደቅናን ክእለ ዝኽእል ስቓይ ንኸነወግድ ይሕግዘና። ብዙሓት ዘይተማህሩ ሰባት ትሕቲ ሰብ ኰይኖም እዮም ዝነብሩ። ቈልዑ ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ኣታዊኦም ዘይጠቅም ብምዃኑ ሰኣን ሕክምና ይሞቱ። እቶም ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ወይ ፈጺሞም ዘይተማህሩ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ብጕድለት ኣመጋግባ ይሳቐዩ: ኣብ ሕማቕ ኣባይቲ ኸኣ ይነብሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ትምህርቲ: እንተ ወሓደ ኸኣ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ እንተ ተማሂሩ እውን ብእተወሰነ ደረጃ ማሪታዊ ፍርሂ የጥፍእ እዩ። ልክዕ እዩ: ማሪታዊ ፍርሂ ኣብ እተማህሩን ዘይተማህሩን ሰባት እዩ ሰፊኑ ዝርከብ። እቶም ዘይተማህሩ ሰባት ግን እዚ ተግባራት እዚ ጥበራ ምዃኑ ንዘቃልዕ ጽሑፋት ከንብቡ ስለ ዘይክእሉ: ብቐሊሉ ኽታለሉን ክምዝመዙን ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ዝያዳ ማሪታዊ እምነት የሕድሩ: ሓደ ፈዋሲ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘሕዊ ኸኣ ይኣምኑ።​—⁠ዘዳግም 18:10-12፣ ራእይ 21:8

ትምህርቲ ስራሕ ንምርካብ ጥራይ ኣይኰነን ዝጠቅም

ብዙሓት ሰባት ቀንዲ ዓላማ ትምህርቲ ገንዘብ ንኽትረክብ እዩ ዝመስሎም። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም እተማህሩ ሰባት ስራሕ ይስእኑ ወይ መሰረታዊ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝኣክል ኣታዊ ኣይረኽቡን። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኣቶም ወለዲ ንውሉዶም ትምህርቲ ኸእትዉዎ ኣይደልዩን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ትምህርቲ ኣታዊ ንኽትረክብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓፈሻዊ ህይወትካ እውን የዕጥቐካ እዩ። (መክብብ 7:12) ሓደ ሰብ ወግዓዊ ቛንቋ ናይታ ዝነብራ ሃገር ክዛረብ: ከንብብ: ከምኡውን ክጽሕፍ ዝኽእል እንተ ዀይኑ: ምስ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ: ሰበ⁠-​ስልጣን ሲቪል: ወይ ሰራሕተኛታት ባንክ ንምርድዳእ ኣየጸግሞን እዩ።

ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዘይተማህሩ ቘልዑ ነዳቖ: ገፈፍቲ ዓሳ: ሰፈይቲ ኽዳን: ወይ ካልእ ኢደ⁠-​ጥበብ ንኽመሃሩ ምስ ካልእ ሓቢሮም ይሰርሑ እዮም። ኢደ⁠-​ጥበብ ምምሃር ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈጺሞም እንተ ዘይኣትዮም ግን ንሓዋሩ ብግቡእ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ኣየጥርዩን ይዀኑ። ፈለማ መሰረታዊ ትምህርቲ ረኺቦም ድሕሪኡ ኢደ⁠-​ጥበብ እንተ ተማሂሮም ግን ብቐሊሉ ኣይምዝመዙን: ብዝያዳ ኸኣ ዘዕግብ ህይወት ይህልዎም።

የሱስ ብዓል ናዝሬት ጸራቢ እዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ምስቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ሓቢሩ ንእተወሰነ ግዜ ነዚ ዕዮ ተለማሚድዎ ክኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3) ብዘይ​ካዚ መሰረታዊ ትምህርቲ እውን ረኺቡ እዩ: ከመይሲ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ እውን ከይተረፈ ምስቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ምሁራት ሰባት ኣገዳሲ ምይይጥ ክገብር ክኢሉ እዩ። (ሉቃስ 2:46, 47) ስለዚ የሱስ ኢደ⁠-​ጥበብ ክመሃር ከሎ ትምህርቱ ጠንጢኑ ኣይኰነን ተማሂርዎ።

ኣዋልድከ ኽመሃራ ኣለወን ድዩ፧

ወለዲ ሓድሓደ ግዜ ነወዳት ትምህርቲ ኸእትዉዎም ከለዉ ነዋልዶም ግን ኣየእትዉወንን እዮም። ምናልባት ገሊኣቶም ወለዲ ነዋልዶም ንኸምህርወን ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑን ኣዋልድ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ገዛ እንተ ውዒለን ነዴታተን ክጠቕማ ኸም ዝኽእላን ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ዘይተማህረት ጓል ብዙሕ እያ እትጕዳእ። ሓንቲ ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ዘውጽኣ ጽሕፍቲ “ድኽነት ንምጥፋእ ነዋልድ ትምህርቲ ምሃብ ሓደ ኻብቲ ብሉጽ ሜላ ምዃኑ ኻብ ብዙሕ መጽናዕትታት ተራእዩ እዩ” በለት። (ፖቨርቲ ኤንድ ቺልድረን:- ለሰንስ ኦቭ ዘ ናይንቲስ ፎር ሊስት ደቨሎፕድ ካንትሪስ ) እተማህራ ኣዋልድ ንዘጋጥመን ጸገማት ንኽሰግራ ብዝያዳ ድሉዋት እየን: ዝሓሸ ውሳነ ኸኣ ክውስና ይኽእላ: በዚ ኸምዚ ድማ ንስድራ​ቤተን ይጠቕማ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር በኒን ብዛዕባ ሞት ሕጻናት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ዘይተማህራ ኣዴታት ዘዕብያኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጻናት ካብ 1,000: 167 ክሞቱ ኸለዉ: ካብቶም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለወን ኣዴታት ዘዕብያኦም ግን 38 ጥራይ እዮም ዝሞቱ። በዚ ምኽንያት እዚ ዩኒሴፍ “ደረጃ ትምህርቲ ልክዕ ከም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ በኒን እውን ኣብ ሞት ሕጻናት ወሳኒ ረቛሒ እዩ” ኢሉ ደምደመ። ስለዚ እምበኣር ነዋልድካ ትምህርቲ ምእታው ብዙሕ ጥቕሚ ኽህልዎ ይኽእል እዩ።

መሃይምነት ምጥፋእ ጥራይ እኹል ድዩ፧

ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ቦታታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከንብቡ ንዘይክእሉ ኣባላት ጉባኤኦም መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ትምህርቲ ይህብዎም እዮም። b እዚ ጠቓሚ ምድላው እዚ ሰባት ምንባብ ንኽመሃሩ እዩ ዝሕግዝ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝዝረብ ቋንቋ እዮም ዝመሃርዎ። እዚ ግን ነቲ ስሩዕ ትምህርቲ ዝትክእ ድዩ፧ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ኣብቲ ኸባቢ እናሃለወ ኽነሱ እታ ጉባኤ ንደቅኻ ኽትምህረልካ ኽትጽበዶ ኣሎካ፧

መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ትምህርቲ ብጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ጽቡቕ ምድላው እኳ እንተዀነ: ብቝልዕነቶም ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዘይረኸቡ ዓበይቲ እዩ ተዳልዩ። ምናልባት ወለዶም ኣገዳስነት ናይ ትምህርቲ ኣይፈልጡን ነይሮም ይዀኑ ወይ ኣብ ከባቢኦም ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ኣይነበረን ይኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ ጉባኤታት ዝዳሎ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ኽወስዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን መተካእታ እቲ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይኰነን: መባእታዊ ትምህርቲ ንምሃብ ኢልካ እውን ኣይኰነን ተዳልዩ። ከም ስነ⁠-​ፍልጠት: ቍጽሪ: ከምኡውን ታሪኽ ዝኣመሰለ ትምህርትታት ኣብዚ እቱው ኣይኰነን። እዚ ኣብ ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ናይ ሓደ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝርከብ።

ኣብ ኣፍሪቃ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብወግዓዊ ቛንቋ ዘይኰነስ ብናይ ሓደ ቐቢላ ቛንቋ እዩ ዝወሃብ። ስሩዕ ትምህርቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብወግዓዊ ቛንቋ እታ ሃገር እዩ ዝወሃብ። ዝበዝሕ መጻሕፍትን ካልእ ጽሑፋትን ብወግዓዊ ቛንቋ ስለ ዝዳሎ: በዚ ቛንቋ እዚ ምምሃር ንቘልዑ ተወሳኺ ረብሓ የምጽኣሎም። ኣብ ጉባኤ ዝወሃብ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ነቲ ሓደ ቘልዓ ዝመሃሮ ስሩዕ ትምህርቲ ዝድግፍ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ክትክኦ ግን ኣይክእልን እዩ። እምበኣር ዝከኣል ክሳዕ ዝዀነ ቘልዑ ስሩዕ ትምህርቲ ኽወሃቦም ኣይግባእንዶ፧

ሓላፍነት ወለዲ

ኣብ ጉባኤ ብመንፈስ ዘድሊ ነገራት ኣብ ምምላእ መሪሕነት ዝወስዱ ሰብኡት ኣብነታውያን ክርስትያናት እዮም። ንቤቶምን ደቆምን እውን ‘ጽቡቕ ገይሮም’ ዘስተናብሩ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 12) ‘ጽቡቕ ጌርካ’ ምስትንባር ክበሃል ከሎ ደቅና ኣብ መጻኢ ዘጋጥሞም ጸገማት ምስጋሩ ንክኽእሉ ምድጋፎም እውን የጠቓልል።

ኣምላኽ ንክርስትያን ወለዲ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ሂብዎም። ንደቆም ብቓሉ ኸዕብይዎምን ‘ፍልጠት ዝፈትዉ’ ንክዀኑ ኽሕግዝዎምን ይግባእ። (ምሳሌ 12:1፣ 22:6፣ ኤፌሶን 6:4) ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ንደቅና እምበኣር ግቡእ ትምህርቲ ኽወሃቦም ኣለዎ።

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ገሊኡ ቤት ትምህርቲ ብዝሒ ተማሃሮ: ዋሕዲ ባጀት: ወይ ከኣ ዘይሕጉሳትን እኹል ደሞዝ ዘይክፈሎምን መምህራን ስለ ዘለዉ ደቅና ግቡእ ትምህርቲ ኣይረኽቡን እዮም። ስለዚ: ወለዲ ነቲ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝመሃሮ ነገራት ክከታተልዎ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ትምህርቲ ምስቶም መምህራን ምልላይ: ደቅና ብኸመይ ዝሓሹ ተማሃሮ ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ ምኽሪ ምሕታት ጥበባዊ እዩ። በዚ ኸምዚ መምህራን ንቘልዑ ምምሃር ጠቓሚ ምዃኑ ኸም ዝስምዖምን ዝያዳ ጻዕሪ ንኽገብሩ ኸም ዝለዓዓሉን ክንገብሮም ንኽእል ኢና።

ትምህርቲ ኣገዳሲ ኽፍሊ ዕቤት ሓደ ቘልዓ እዩ። ምሳሌ 10:14 “ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ” ትብለና። እዚ ብፍላይ ኣብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዝውዕል እዩ። ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ህዝቢ የሆዋ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ምእንቲ ኽሕግዙን ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ዘማቕሉ ዘሕፍር ዘይብሎም ፍቱናት ዓየይቲ’ ምእንቲ ክዀኑን ብእተኻእሎም መጠን እኹል ፍልጠት ከጥርዩ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:15) ስለዚ: ንውሉዳትካ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸተእትዎም ኣሎካዶ፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅነታት ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ: ከተእትዎም ከም ዝግባእ ግን ብዘይ​ጥርጥር ትሰማምዓሉ ኢኻ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ወለዲ ‘ውሉደይ እተማህረ ክኸውን ኣለዎዶ፧’ ንእትብል ዝያዳ ኣገዳሲት ሕቶ ኽምልሱ የድልዮም። ኣብ ዝሃሎኻ ሃሉ ብዘየገድስ: መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ብዘየማትእ መገዲ ‘እወ’ ክኸውን ከም ዘለዎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ቋንቋ ኣደኦም እቲ ገሊላውያን ዝጥቀሙሉ ላህጃ ኣረማይስጢ ወይ እብራይስጢ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 1ይ ጥራዝ ገጽ 144-6 ርአ።

b ናይ 22 ታሕሳስ 2000 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 8ን 9ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ትምህርቲ ኸተእትዎም ዘይከኣል ምስ ዝኸውን

ኣብ ገሊኡ ዅነታት ቤት ትምህርቲ ምኻድ ዘይከኣል እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ረፍዩጅስ እትበሃል መጽሔት ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ትምህርቲ ክኸዱ ዝኽእሉ ቘልዑ 1 ኻብ 5 ጥራይ ትምህርቲ ኸም ዝኣትዉ ሓቢራ። ኣብ ገሊኡ ኸኣ መምህራን ብዝገብርዎ ኣድማ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ይዕጾ። እቲ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ይህሉ ወይ ፈጺሙ እውን ኣይርከብን ይኸውን። ኣብ ክርስትያናት ዝወርድ መስጐጕቲ እውን ንደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ኸም ዝስጐጉ ይገብሮም እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንደቅኻ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ብዙሓት ቈልዑ እንተ ኣልዮምኻን ንዅላቶም ስሩዕ ትምህርቲ ኸተእትዎም ኣብ ዘይትኽእለሉ ቦታ እንተ ሃሊኻን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መንፈሳውነቶም ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ መገዲ ንሓደ ወይ ክልተ ኻባታቶም ትምህርቲ ኸተእቱ ትኽእልዶ፧ ከምዚ እንተ ጌርካ: ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቶም እተማህርዎ ነገራት ነቶም ዝተረፉ ደቅኻ ክምህርዎም ይኽእሉ ይዀኑ።

ገሊኣተን ሃገራት ኣብ ቤትካ ዄንካ እትመሃረሉ ኣገባብ ኣለወን። c ኣብዚ ምድላው እዚ ሓደ ኻብቶም ወለዲ ንውሉዱ ኣብ ምምሃር መዓልቲ መዓልቲ እተወሰነ ሰዓታት የሕልፍ። ብግዜ ጥንቲ ወለዲ ንደቆም ኣብ ምምሃር ዕዉታት እዮም ነይሮም። ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ጽቡቕ ናይ ወለዲ ስልጠና ስለ እተዋህቦ እዩ ክኸውን ዘለዎ ገና ብንእስነቱ ሓላፍነት ክስከም ዝኸኣለ።

ኣብ ከም መዓስከር ስደተኛታት ዝኣመሰለ ቦታታት ግቡእ ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ: እንተዀነ ግን ወለዲ ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሕተም ጽሑፋት ንመምሃሪ ኽጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ንቘልዑ ኣብ ምምሃር ሓጋዚት ክትከውን ትኽእል እያ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝገልጽ ዓንቀጻት ዝሓዘት እያ። እታ ህይወት ብኸመይ መጺኡ፧ ብፍልቀትዶ ብፍጥረት፧ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ጕዳያት ንምምሃር ትጠቅም እያ። ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) እውን ንእሽቶ ካርታ ዓለም ኣለዋ: ብዛዕባ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዘሎ ህይወትን ንጥፈታት ስብከትን ከኣ ትገልጽ።

እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ብጥንቃቐ እተዳለወን ምስቲ ናይቶም ቈልዑ ናይ ምርዳእ ክእለት ዝመጣጠንን እንተ ዀይኑ ብዙሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ወትሩ ዘንብቡን ዝመሃሩን እንተ ዀይኖም: ኣጋጣሚ ፈቒድዎ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ሓድሽ ኣይኰኖምን እዩ። ተበግሶ ብምውሳድን ኣበርቲዕካ ብምጽዓርን ንውሉዳትካ ብግቡእ ንኽመሃሩ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ!

[እግረ-ጽሑፋት]

c ኣብ ናይ 8 ሚያዝያ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 9-12 ዝወጸት “ኣብ ቤትካ ምምሃር​—⁠ንዓኻ ዝኸውን ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳትካ ስሩዕ ትምህርቲ ኽረኽቡሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ትነብር እንተደኣ ሃሊኻ: እንታይ ክግበር ይከኣል፧