ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

ማትሰፓንግ ህይወታ ጸሊኣን ትርጕም ስኢናትሉን ነበረት። ኣብታ ለሶቶ እትበሃል ኣብ ማእከል ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር እያ ዓብያ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ነበረት። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዝወሃባ: ገለ ደናግል ኣብ ብዕሉግ ተግባራት ንኽትካፈል ብገንዘብ ገይረን የስድዓኣ ነበራ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ማትሰፓንግ ሃይማኖት ዝብሃል ጸልአት: ንደቅ​ሰብ ብሓቂ ዝሓሊ ፈቃር ፈጣሪ ኣሎ ዝብል እምነት ከኣ ክወሓጠላ ኣይከኣለን። እቲ ዘጋጠማ ማህሰይቲ: ስምዒታዊ በሰላ ሓደገላ: ዋጋ ዘይብላ ዀይኑ እውን ተሰምዓ። ጐነጽ እትጥቀምን ተባኣሲትን ኰይና ድማ ዓበየት። እዚ ናብ ብዙሕ ገበናት መርሓ።

ኣማስያኡ ሓንቲ ኻብቶም ብባቡር ንዝጐዓዙ ሰባት ዝዝርፉ ዓዋሉ ዀነት። በዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወት እሞ ንማእሰርቲ ተፈርደት። ድሕርዚ ተጠሪዛ ናብ ዓዳ ለሶቶ ተመልሰት: ኣብኡ ድማ ከም ቀደማ ገበን ትፍጽም: ትሰክር: ትበኣስ: ከምኡውን ብዕሉግ ተግባራት ትፍጽም ነበረት።

ሓደ ግዜ ዓቕላ ኣዝዩ ጸቢብዋ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣምላኽ ንኽሕግዛ ልባዊ ልመና ኣቕረበት። “ኣታ ኣምላኽ: ካብዚ ብህይወት እንተ ኣውጺእካኒ: ንኸገልግለካ ዝከኣለኒ ዅሉ ኽገብር እየ” ኢላ ድማ ተመባጽዐት።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ክልተ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ክሕግዝዋ ፍቓደኛታት ምዃኖም ከኣ ነገርዋ። ካብቲ መጽናዕቲ ድማ ኣምላኽ ዘይግደስን ዘይሓልን ከም ዘይኰነ ተረድአት። እኳ ደኣስ እቲ ገሊኣቶም ሰባት ዋጋ ኸም ዘይብሎምን የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘየፍቅሮምን ኰይኑ ንኽስምዖም ኢሉ ውዲትን ተንኰልን ዝፍሕስ: እቲ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ዝዀነ ሰይጣን ምዃኑ ኣስተውዓለት።​—⁠ዮሃንስ 8:44፣ ኤፌሶን 6:11

ካብ ዝሓለፈ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና: ኣምላኽ ይቕረ ኽብለልና እንተ ሓቲትና: ከነሐጕሶ እውን እንተ ጽዒርና: ንገዛእ ርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ክህልወና ኸም ዝኽእል ምስ ፈለጠት ኣዝያ እያ ተጸናኒዓ። ኣምላኽ ‘ካብ ልብና ኸም ዝዓብን’ ካብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ብእተፈልየ መገዲ ኸም ዝርእየናን እውን ክትርዳእ ከኣለት።​—⁠1 ዮሃንስ 3:19, 20

ማትሰፓንግ ነተን “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ዝብላ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዘመረን ቃላት ብምንባባ ኣዝያ እያ ተሓጒሳ። (መዝሙር 34:18) “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዝነበራ ብምዃና: ገሊኣቶም ዋላ እኳ እንተ ተደቝሱ ወይ ቍም ነገር ዘይብሎም ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም የሆዋ ኸም ዘይሓድጎም ኣስተውዓለት። ኣምላኽ ንዅለን ኣባጊዑ ከም ዝሓልየለንን ኣብ ግዜ ጸበባ ኸም ዝድግፈንን ምፍላጣ ልባ ብሓጐስ መልአ። (መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ብፍላይ ከኣ በተን “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብላ ቓላት ተተንከፈት።​—⁠ያእቆብ 4:8

ነዊሕ ከይጸንሐ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ህይወት ማትሰፓንግ ተራእየ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲራ ኽትእከብን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ክትሓድግን ጀመረት። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ፍቕርን ሞገስን ኣምላኽ ዘይግብኣ ዀይኑ ኣይስምዓን እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኴይና ኻብ እትጥመቕ ኣትሒዛ: ከም ኣዋጂት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት በሽሓት ዝቝጸር ሰዓታት ኣሕሊፋ እያ። እቲ ቐደም ዝነበረቶ ናብራ ዝገደፈላ ስምዒታዊ በሰላ እኳ እንተለዋ: ሕጂ ግን ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት እያ እትመርሕ። እዝስ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ክልውጥ ከም ዝኽእል ዘርኢ ንጹር ኣብነትዶ ኸይኰነ፧​—⁠እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣታ ኣምላኽ: ካብዚ ብህይወት እንተ ኣውጺእካኒ: ንኸገልግለካ ዝከኣለኒ ዅሉ ኽገብር እየ”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንእተገፍዑ ሰባት ዘጸናንዖም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስርዓታት እንሆ:-

“ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ [ምጽንናዕ ኣምላኽ ] ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።” (መዝሙር 94:19) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ “ምጽንናዕ” የሆዋ: ንሰባት ብዙሕ የጸናንዖም እዩ። ብዛዕብኡ ምስትንታንን ኣብ ጸሎትካ ምጥቃስን ንጭንቀትካ የፍኵሰልካ: ኣምላኽ ዝርድኣልካ ዓርኪ ምዃኑ ንኽትተኣማመነሉ ድማ ይሕግዘካ።

“[የሆዋ ] ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ: ነቝሳሎም ይዘንን።” (መዝሙር 147:3) ንምሕረት የሆዋን ነቲ ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ሓጢኣትና ንምሽፋን ዝገበሮ ምድላውን ነማስወሉ እንተደኣ ዄንና: ንኣምላኽ ብምትእምማን ክንቀርቦ ንኽእል: ልብና እውን ወትሩ ኣይክዅንነናን እዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ምጽንናዕን ናይ ኣእምሮ ሰላምን የምጽኣልና።

“እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ [ናብ የሱስ ክርስቶስ ] ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” (ዮሃንስ 6:44) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ዕዮ ስብከት መንግስቱን ኣቢሉ በብውልቂ ናብ ወዱ ይስሕበና: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ይህበና።