ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኬንያ ነቶም ብቑዓት ምንዳይ

ኣብ ኬንያ ነቶም ብቑዓት ምንዳይ

ኣብ ኬንያ ነቶም ብቑዓት ምንዳይ

 ኬንያ ብተፈጥሮኣዊ መዳይ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ኣለዋ። እዛ ባህ እተብል ሃገር ብልሙዕ ጫካታት: ብሰፋሕቲ ጐላጕል: ብርቱዕ ሃሩር ብዘለዎ ምድረ⁠-​በዳታት: ከምኡውን በቲ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራናት ዝማዕረገት ኢያ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወድምቢ ከምኡውን እቲ ዘርኡ እናጠፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሓርሽ ዝርከባ ሃገር ኢያ። ኣብቲ ምድረ⁠-​ሳዕሪ እውን ብዙሓት ዘራፍ ይርከባ ኢየን።

ብዘይዚ እውን እዛ ሃገር እዚኣ ክንፊ ብዘለዎም እተፈላለዩ ፍጥረታት ማለት ካብቲ ኣብ ሰማይ ዝዝምቢ ሓያል ንስሪ ኣትሒዝካ ክሳዕ እተን ኣእላፋት ዝቝጽረን ባህ ዘብል ዜማ ዝዝምራ በብዓይነቱ ሕብሪ ዘለወን ኣዕዋፍ ዘጌጸት ኢያ። ሓራምዝን ኣናብስን እውን ከይተጠቕሱ ዝሕለፉ ኣይኰኑን። እቲ ኣብ ኬንያ እትርእዮን እትሰምዖን ነገራት ዘይርሳዕ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ካልእ ደሃይ እውን ይስማዕ ኣሎ። እዚ ድማ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዝነግሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘውስእዎ ደሃይ ኢዩ። (ኢሳይያስ 52:⁠7) እዚ ደሃይ እዚ ንልዕሊ 40 ብሄራትን ልሳናትን ይበጽሖም ኣሎ። በዚ ኸምዚ: ኬንያ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘደንቕ ነገራት ኣለዋ።

መብዛሕትኦም ህዝቢ ኬንያ ሃይማኖታውያን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክመያየጡ ፍቓደኛታት ኢዮም። እንተዀነ ግን: እታ ሃገር ከም ካልኦት ሃገራት ለውጥታት የጋጥማ ስለ ዘሎ: እተዘራርቦ ሰብ ምርካብ በዳሂ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ።

ቍጠባዊ ኵነታት እታ ሃገር ከቢድ ብምዃኑ ብዙሓት ኣብ ናብርኦም ለውጢ ንኽገብሩ ኣገዲድዎም ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤተን ዝውዕላ ዝነበራ ኣዴታት: ሕጂ ግን ኣብ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ይውዕላ: ወይ ኣብ ጐደናታት ኰይነን ፍሩታታት: ኣሕምልቲ: ዓሳ: ከምኡውን ዘምቢል ይሸጣ ኣለዋ። ሰብኡት ንስድራቤቶም ዘድሊ ንምምእራር ንነዊሕ ሰዓታት ኣድካሚ ስራሕ ይሰርሑ። ቈልዑ እውን ከይተረፉ ዝሽየጥ ፉል ወይ ዝበሰለ እንቋቝሖ ተሰኪሞም ኣብ ጐደናታት ክዞሩ ይውዕሉ። በዚ ምኽንያት እዚ መብዛሕትኦም ሰባት ቀትሪ ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን ኢዮም። ስለዚ ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምትዕርራይ ክገብሩ ኣድለዮም።

ኣባላት ናይተን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ደገ ክሽቅሉ ዝውዕሉ: ንፈተውቶም: ንኣዝማዶም: ንነጋዶ: ከምኡውን ንመሳርሕቶም ከተኵሩሎም ምኽሪ ተዋህቦም። ንሳቶም ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝረኸብዎ ሰብ ብምዝርራብ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። (ማቴዎስ 10:⁠11) እቲ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ዝገበርዎ ጻዕሪ ፍረ ኣፍርዩዶ ኢዩ፧ እወ: ኣፍርዩ ኢዩ! ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

ኣዝማድ​—⁠መቕርባና ሰባት

እታ ርእሲ ኸተማ ኬንያ ዝዀነት ናይሮቢ ሰለስተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ተቐማጦ ኣለዉዋ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እዛ ኸተማ ዝነብር ሓደ ጡረታ ዝወጸ ማጆር ኣሎ፣ ሽሕኳ ወዱ ናይ የሆዋ ምስክር እንተዀነ: እዚ ሰብኣይ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነዊሕ እዋን ክጸልኦም ጸኒሑ ኢዩ። ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዚ ጥሮታ ዝወጸ በዓል⁠-​ስልጣን ናብታ ወዱ ዝነብረላ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ሃጓፍ ስንጭሮ እትርከብ ከተማ ናኩሩ ከደ። ኣብቲ እዋን እቲ: ወዱ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት* ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ህያብ ሃቦ። እቲ ኣቦ ተቐበላ እሞ ናብ ቤቱ ተመልሰ።

ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ እዚ ቐደም በዓል⁠-​ስልጣን ዝነበረ ሰብኣይ ነታ መጽሓፍ ንበዓልቲ ቤቱ ሃባ፣ ንሳ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሓተምዋ ከይፈለጠት ከተንብባ ጀመረት። በብቕሩብ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንልባ ተንከፎ: ነቲ ዝረኸበቶ ትምህርቲ ድማ ንበዓል ቤታ ኣካፈለቶ። ንሱ እውን ተሃንጥዩ ነታ መጽሓፍ ከንብባ ጀመረ። እታ መጽሓፍ ብመን ከም እተሓትመት ምስ ፈለጡ: ቅድሚኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተነግሮም ነገር ሓቂ ከም ዘይነበረ ተረድኡ። ኣብቲ ኸባቢኦም ምስ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸቡ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ነታ መጽሓፍ ከንብቡ ኸለዉ ብዝረኸብዎ ፍልጠት ጥራይ ሽጋራ ምትካኽ ኰነ ምሻጥ ዘይክርስትያናዊ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። (ማቴዎስ 22:⁠39፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ሰጋእ መጋእ ከይበሉ ንዅሉ እቲ ኣብ ድኳኖም ዝነበረ ሽጋራ ጓሓፍዎ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንምዃን ዘድልዮም ብቕዓታት ኣማልኡ: ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተጠምቁ።

ካብ ጓሓፍ ክቡር ነገር ተረኽበ

ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ናይታ ርእሲ ኸተማ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝነብሩሉ ብዘይፕላን እተሰርሐ ገዛውቲ ኣሎ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ብጭቃ: ብዕንጨይቲ: ብድርባይ ሓጻውን: ወይ ብዚንጎ እተሰርሐ ብዙሕ ኣባይቲ ኣሎ። ሰባት ኣብ ኢንዱስትሪታት ወይ ፋብሪካታት ስራሕ ምስ ሰኣኑ እተፈላለየ ነገራት ይጣበቡ ኢዮም። ጁዋ ካሊ (ብስዋሂሊ “መራር ጸሓይ” ማለት ኢዩ) ዝበሃሉ ሸቃሎ ኣብ ጸሓይ ቀራዕ እናበሉ ካብ ኣረጊት ናይ ማኪና ጎማ ሳንደል ወይ ድማ ካብ እተጓሕፈ ታኒካታት ብላምባ ዝዓዪ መብራህቲ ይሰርሑ። ካልኦት ከኣ ኣብ ፈቐዶ ጓሓፍ እናኸዱ ወረቓቕቲ: ታኒካታት: ከምኡውን ጠራሙዝ ይኣርዩ።

ካብ ጓሓፍ ክቡር ነገር ክርከብ ይከኣልዶ ኢዩ፧ እወ! ሓደ ሓው ከምዚ ብምባል ዘጋጠሞ የዘንቱ:- “ሓደ እተጓሕፈ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ዝመልአ ዓቢ ፕላስቲክ እተሰከመ ድልዱል: ዘጋፍ: ወዘልዘል ዝበለ ሰብኣይ ናብቲ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽና መጸ። ስሙ ዊልያም ምዃኑ ምስ ነገረኒ: ‘ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኣሎካዶ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ንምንታይ ከም ዝደለዮ ስለ ዘተሓሳሰበኒ ብጥርጣረ ኢየ ርእየዮ። ሓሙሽተ ቅዳሓት ናይ መጽሔታትና ምስ ኣርኣኹዎ: በብሓደ ድሕሪ ምርኣይ ‘ንዅለን ክወስደን ኢየ’ በለኒ። ኣዝየ ስለ እተገረምኩ: ናብ ክፍለይ ኣትየ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ a ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዘ ተመለስክዎ። ነቲ ብዛዕባ ገነት ዝገልጽ ስእሊ ኣርኣኽዎ እሞ ንሰባት ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንገብረሎም ሓበርክዎ። ቀጺለ ‘ዊልያም: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምር ንምንታይ ጽባሕ ዘይትመጽእ፧’ በልክዎ። ከምቲ ዝበልክዎ ገበረ!

“ሓደ ሰንበት ንመጀመርታ ግዜኡ ናብ ኣኼባ መጸ። በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝባዊ ዝርርብ አቕርብ ነበርኩ። ዊልያም ክኣቱ ኸሎ: ናብቶም ተኣከብቲ ቍሊሕ ምሊሕ ኢሉ ጠመተ: ንዓይ እውን ኣብቲ መድረኽ ረኣየኒ እሞ ካብቲ ኣደራሽ ቀልጢፉ ወጸ። ድሓር ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ምስ ሓተትክዎ: ‘እቶም ሰባት ኣዝዮም ጽሩያት ኢዮም፣ ስለዚ ኸኣ ኢየ ዝሓነኽኩ’ ኢሉ ብሕፍረት መለሰለይ።

“ዊልያም ኣብ ጽንዓቱ ዕቤት እናገበረ ምስ ከደ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኣነባብራኡ ቀየሮ። ነብሱ ክሕጸብ: ጸጕሩ ክቕምቀም: ጽሩይን ጽፉፍን ክዳውንቲ ክኽደን: ከምኡውን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይኑ ክመጽእ ጀመረ። እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምስ ወጸት: ብእኣ ገይረ ጽንዓት ክመርሓሉ ጀመርኩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክልተ ሳዕ ዝርርብ ኣቕሪቡ: ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እውን ኰይኑ ነበረ። ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ምስ ተጠምቀ: ከም መንፈሳዊ ሓወይ ገይረ ክቕበሎ ከለኹ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ።”

ዊልያም መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዘለዎ ጥቕሚ ንመጀመርታ ግዜ ዝፈለጠ ኣበይ ኢዩ፧ “ገለ ሕታማት ኣብ ጓሓፍ ረኸብኩ” ብምባል ባዕሉ ይምልስ። እወ: ኣብ ዘይተሓስበ ቦታ ክቡር ነገር ረኸበ!

ኣብ ስራሕ ምምስካር

ኣብ ስራሕ ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዘኽእለና ኣጋጣሚታት ንምርካብ ወትሩ ንቑሓትዶ ኢና፧ ሽማግለ ናይ ሓንቲ ኣብ ናይሮቢ እትርከብ ጉባኤ ዝዀነ ጄምስ: በዚ መገዲ እዚ ኢዩ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተላለየ። ንሱ እውን ብግዴኡ በዚ መገዲ እዚ ንኻልኦት ብምምስካር ዝመጸ ክኢላ ዀነ። ንኣብነት: ሓደ እዋን መሳርሕቱ “የሱስ መድሓኒ ኢዩ” ዝብል ባጅ ለጢፉ ናብቲ ቤት⁠-​ጽሕፈት መጸ። ጄምስ ንቓላት እቲ ወንጌላዊ ፊልጶስ ብምቕዳሕ ነቲ መሳርሕቱ “ትርጕም ናይዘን ቃላት እዚኣተን ብሓቂዶ ትርድኦ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠30) በዛ ሕቶ እዚኣ ጽቡቕ ምይይጥ ንኽገብሩ መገዲ ተኸፍተ። ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሉ: ጸኒሑ ኸኣ ተጠምቀ። ጄምስ ኣብ ካልኦት ኣሳልጦዶ ረኺቡ ኢዩ፧ እስከ ባዕሉ ይግለጸልና:-

“ኣነን ቶምን ኣብ ሓደ ኩባንያ ኢና ንሰርሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ብሓንቲ ናይ ስራሕ ኣውቶቡስ ኢና እንመላለስ። ሓደ ንግሆ ብሓባር ኮፍ በልና። ንሓንቲ ካብ መጻሕፍትና ኢየ ዘንብብ ነይረ: ንቶም ኣጸቢቓ ክትረኣዮ ከም እትኽእል ገይረ እውን ሓዝክዋ። ልክዕ ከምቲ እተጸበኽዎ ኣቓልቦኡ ተሳሕበ: ኣነ ድማ ነታ መጽሓፍ ተሓጒሰ ኣለቃሕክዎ። በቲ ዘንበቦ ኣጸቢቑ ስለ እተመሰጠ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ተሰማምዐ። ሕጂ ንሱን በዓልቲ ቤቱን እተጠምቁ ኣገልገልቲ የሆዋ ኢዮም።”

ጄምስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ኣብ ኩባንያና ብተደጋጋሚ ኣገዳሲ ዝርርብ ይለዓል ኢዩ። ምስ ኤፍሬምን ዋልተርን እውን በዚ ኸምዚ ኢና ተራኺብና። ክልቲኦም ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ይፈልጡ ነበሩ። ኤፍሬም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ኣዝዮም ከም ዝጽልኡ ክፈልጥ ይደሊ ነበረ። ዋልተር ከኣ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ካልኦት ሃይማኖታትን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልያት ሕቶታት ነበሮ። ክልቲኦም በቲ ዝሃብክዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ዓገቡ እሞ ጽንዓት ክጅመረሎም ተሰማምዑ። ኤፍሬም ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ። ሕጂ ንሱ ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ: በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ስርዓታዊት ፓይነር ኢያ። ዋልተር ግን ኣዝዩ ከቢድ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞ ነቲ ጽንዓት እንገብረሉ ዝነበርና መጽሓፍ ጐሓፎ። እንተዀነ ግን: ከይተሓለልኩ ስለ እተኸታተልክዎ እንደገና ጽንዓት ክገብር ጀመረ። ንሱ እውን ሕጂ ሽማግለ ናይ ምዃን መሰል ረኺቡ ኣሎ።” ጄምስ ኣብ ስርሑ ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ንኽህብ ዝረኸቦ ዝምችእ ኣጋጣሚታት ስለ እተጠቕመሉ: ብድምር 11 ሰባት ሓቀኛታት ክርስትያናት ኰይኖም ኣለዉ።

ኣዝዩ ዘገርም ፍረ

ኣብ ሓንቲ ኣብ ገማግም ቀላይ ቪክቶርያ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸት: ፈተውትን ኣዝማድን ቀብሪ ስለ ዝነበሮም ተኣኻኺቦም ነበሩ። ሓደ ካብቶም ሓዘንተኛታት ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ነበረ። እዚ ሓው ናብ ሓንቲ ዳሊ ዝስማ መምህር ቀሪቡ: ኵነታት ምዉታትን የሆዋ ንሞት ንሓዋሩ ንምጥፋእ ዘለዎ ዕላማን ገለጸላ። ብጽቡቕ ከም ዝሰምዓቶ ስለ ዘስተውዓለ “ናብ ዓድኺ ምስ ተመለስኪ: ሓደ ካብቶም ሚስዮናውያንና ክበጽሑኽን መጽሓፍ ቅዱስ ክምህሩኽን ኢዮም” ብምባል ኣረጋገጸላ።

ዳሊ እትነብረላ ከተማ ካብ ኬንያ ብዕቤታ ሳልሰይቲ ኢያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣርባዕተ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ኣብኡ ዘገልግሉ ዝነበሩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ንዋላ ሓደ ካብቶም ሚስዮናውያን ንዳሊ ክበጽሓ ኣይነገረን። ሓደ ካባታቶም ከም ዝበጽሓ ግን ምሉእ ምትእምማን ነበሮ። ከምቲ ዝሓሰቦ ድማ ዀነ! ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ሓንቲ ሚስዮናዊት ሓብቲ ምስ ዳሊ ተራኸበት እሞ ጽንዓት ክትገብረላ ጀመረት። ሕጂ ዳሊ ተጠሚቓ ኢያ: ንእሽቶ ጓላ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ንምቕራብ ተመዝጊባ ኣላ: ክልተ ደቃ ኸኣ ተጠሚቖም ኢዮም። አረ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምክፋል እውን ሓጐስ ረኺባ ኢያ።

እቲ ወሰኽ ንዝሓቶ ጠለባት ምምላእ

ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ዝመጸ ዝያዳ ስለ እተዓየሉ: ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወሰኽቲ ሰባት ነቲ ብስራት ሰሚዖምዎ ኢዮም። ሕጂ ልዕሊ 15,000 ኣስፋሕቲ ኣብዚ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ተጸሚዶም ኣለዉ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ልዕሊ 41,000 ሰባት ኣብ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ምሉእ ኬንያ መብዛሕትኡ ግዜ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዕጽፊ ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዝያዳ ኣደራሻት መንግስቲ ምህናጽ ኣድለየ።

ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ኰነ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ኣደራሻት መንግስቲ ይህነጽ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ኣደራሽ መንግስቲ እተሃንጸለን ቦታታት: እታ ካብ ናይሮቢ ብሰሜናዊ ምብራቕ 320 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ ኣውራጃ ሳምቡሩ እትርከብ ንእሽቶ እተገለለት ከተማ ኢያ። ብ1934 እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ቦታ ብዚንጎ እተሰርሐ ናሕሲ ኣብ እዋን ጸሓይ የንጸባርቕ ስለ ዝነበረ እታ ኸተማ ብቛንቋ ሳምቡሩ ማራላል ማለት “እተንጸባርቕ” ተባህለት። ድሕሪ ስሳን ክልተን ዓመታት ኣብ ማራላል ካልእ ዚንጎ ዝናሕሱ ቤት ተሃንጸ። እዚ ቤት እዚ እውን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝካየደሉ ቦታ ስለ ዝዀነ “የንጸባርቕን የብለጭልጭን” ኣሎ።

እቶም 15 ኣስፋሕቲ ኣብዚ ምሕድግ ዝበለ ክፍሊ ኬንያ ናይ መጀመርታ ኣደራሽ መንግስቲ ንምስራሕ ሓያል ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበሮም ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ነገራት ክሰርሑ ኣድለዮም። ነቲ መናድቕ ንምስራሕ ዕንጨይቲ ተኸሉ እሞ: ብጭቃ መረግዎ። ንገለ ዓመታት ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ክቕጽል ከኣ ብዒባን ሓሙኽሽትን ለቕለቕዎ።

እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝኸውን ኣዕጻው ንምርካብ: ኣእዋም ንኽቘርጹ ፍቓድ ረኸቡ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝቐረበ ጫካ ዳርጋ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይርሕቕ ነበረ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብቲ ጫካ ኸይዶም: ኣእዋም ቈሪጾም: ጸልጺሎም: ናብቲ እቲ ኣደራሽ ዝስርሓሉ ቦታ ተሰኪሞሞ ክመጹ ነበሮም። ሓደ መዓልቲ ካብቲ ጫካ እናተመልሱ ኸለዉ እዚ ዘለኩም ፍቓድ ብቑዕ ኣይኰነን ብምባል ሓደ ፖሊስ ሓዞም። እቲ ፖሊስ ንሓደ ፍሉይ ፓይነር ኣእዋም ብምቝራጹ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክኣቱ ምዃኑ ነገሮ። ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ እትነብር በቲ ማሕበረሰብን በቲ ፖሊስን ኣጸቢቓ እትፍለጥ ሓብቲ “ነዚ ኣእዋም ዝቘረጽናዮ ኵላትና ኢና: ንሓውና ክትኣስሮ እንተድኣ ዄንካ: ንዅላትና ክትኣስረና ኣሎካ!” በለቶ። ድሕርዚ እቲ ፖሊስ ንዅሎም ፈነዎም።

ኣብቲ ጫካ ኣራዊት ስለ ዝነበሩ: ኣብኡ ምንቅስቓስ ዘየስግእ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሓብቲ ኦም ቈረጸት። እቲ ኦም ናብ መሬት ክወድቕ ከሎ ሓደ እንስሳ በተግ ኢሉ ክሃድም ረኣየት። ወርቃዊ ሕብሪ ስለ ዝረኣየት ዓጋዜን መሰላ: ጸኒሓ ግን ኣሰር እግሩ ምስ ረኣየት ኣንበሳ ምዃኑ ፈለጠት! ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት እኳ እንተሎ: እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣደራሽ ሃኒጾም ወድኡዎ: እቲ ኣደራሽ ድማ “ዘንጸባርቕ” ምንጪ ውዳሰ የሆዋ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ ኬንያ: 1 ለካቲት 1963 ኣገዳሲት መዓልቲ ኢያ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሓንቲ 7.4 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓታ ክፍሊ ናይ መጀመርታ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፍተ። ካልእ ኣብ ታሪኽ ኬንያ ኣገዳሲት ዝዀነት መዓልቲ 25 ጥቅምቲ 1997 ኢያ፣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እቲ 7,800 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ናይ ቤትኤል ህንጻ ተወፈየ! እቲ እተፈጸመ ፕሮጀክት መዛዘሚ ናይቲ ንሰለስተ ዓመት እተገብረ ብርቱዕ ጻዕሪ ኢዩ ነይሩ። ካብ 25 ሃገራት ዝመጹ ወለንተኛታት ነቲ ዝጨቀወን ቍጥቋጥ ዝመልኦን 3.2 ሄክታር ዝስፍሓቱ ጐልጐል: ናብ ገነት ዝመስል ውቁብ ዝዀነ ን80 ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝሕዝ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቀየርዎ።

የሆዋ ንህዝቡ ብዝገበሮ ነገራት ንኽንሕጐስ እኹል ምኽንያት ኣለና። እቶም ባሮቱ ኣገልግሎቶም ንኸስፍሑን ነቶም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ብቑዓት ሰባት ኣብ ምንዳይ ኣበርቲዖም ንኽዓዩን ኣልባቦም ስለ ዘነቓቕሐ ምስጋና ይኹኖ፣ እዚ ድማ ነታ ሃገር ብመንፈሳዊ መዳይ ዘደንቕ ነገራት ከም ዝህልዋ ገበራ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።