ኢሳይያስ 52:1-15
52 ዘይግዙርን ርኹስን ደጊም ናባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡+ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! ንቕሒ! ብርታዐ ልበሲ!+
ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ፡ ጽቡቕ ክዳውንትኺ ተኸደኒ!+
2 ኣቲ የሩሳሌም፡ ደሮናኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ።
ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ነቲ ኣብ ክሳድኪ ዘሎ መእሰሪ ፍትሕዮ።+
3 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“ብኸምኡ ተሼጥኩም ኔርኩም፣+ብዘይ ገንዘብ ድማ ክትብጀዉ ኢኹም።”+
4 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“ኣብቲ ቐዳማይ፡ ህዝበይ ኣብኣ ጓና ዀይኑ ምእንቲ ኺነብር፡ ናብ ግብጺ ወሪዱ፣+ድሕርዚ፡ ኣሶር ብዘይ ምኽንያት ጨቊንዎም።”
5 “ኣብዚ ደኣ እንታይ ክገብር እየ፧” ይብል የሆዋ።
“ህዝበይሲ ብኸምኡ ተወሲዱ እዩ።
እቶም ዚገዝእዎም ብዓወት ይጭድሩ ኣለዉ”+ ይብል የሆዋ፡“ስመይ እውን ወትሩ ምሉእ መዓልቲ ይነዓቕ ኣሎ።+
6 ስለዚ፡ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፣+ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዚዛረብ፡ ኣነ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
እንሆ፡ ኣነ እየ!”
7 እቲ ብስራት ዜበስር፡ሰላም ዚእውጅ፡+ዝሓሸ ብስራት ዜበስር፡ድሕነት ዚእውጅ፡ንጽዮን፡ “ኣምላኽኪ ነጊሱ!” ዚብልሲ፡+ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ኰን ጽቡቓት እየን!+
8 ስምዒ! ሓለውትኺ ድምጾም ዓው የብሉ።
የሆዋ ንጽዮን ኪመልሳ ኸሎ ብንጹር* ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ብሓደ እልል ይብሉ።
9 ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ ተሓጐሳ፡ ብሓደ እልል በላ፣+የሆዋስ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ ንየሩሳሌም ከኣ ተበጅይዋ ኣሎ።+
10 የሆዋ ነቲ ቕዱስ ቅልጽሙ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ኣህዛብ ቀሊዕዎ ኣሎ፣+ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ግብርታት ድሕነት* ኣምላኽና ኺርኢ እዩ።+
11 ርሓቑ፡ ርሓቑ፡ ካብኡ ውጹ፡+ ርኹስ ኣይትተንክዩ!+
ኣቱም ኣቕሑ የሆዋ እትጾሩ ዘለኹም፡+ካብ ማእከላ ውጹ፡+ ንጹሃት ኩኑ።
12 የሆዋ ቐቅድሜኹም ኪኸይድ፡+ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡+ብስምባድ ኣይክትነቕሉን ኢኹም፣ኣይክትሃድሙን እውን ኢኹም።
13 እንሆ፡ ጊልያይ+ ብልቦና ኺገብር፡ክብ ኪብል፡ኪብርኽን ኣዝዩ ልዕል ኪብልን እዩ።+
14 ከምቲ ብዙሓት ንዕኡ ተገሪሞም ዝጠመትዎ፡—ትርኢቱስ ካብ ናይ ካልእ ሰብ፡እቲ ምዕሩግ መልክዑ ድማ ካብ ናይ ወዲ ሰብ ብዝያዳ ተጸይቑ እዩ፡—
15 ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬደንጽዎም እዩ።+
ነገስታት ዘይተነግሮም ኪርእዩ፡+ዘይሰምዕዎ ድማ ኪሓስቡ እዮም እሞ፡ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪዓጽዉ* እዮም።+

