ኢሳይያስ 52:1-15

  • ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! (1-12)

    • ጽቡቓት ኣእጋር እቶም ብስራት ዜበስሩ (7)

    • ሓለውቲ ጽዮን ብሓደ እልል ይብሉ (8)

    • እቶም ኣቕሑ የሆዋ ዚጾሩ ንጹሃት ኪዀኑ ይግባእ (11)

  • ጊልያ የሆዋ ልዕል ኪብል እዩ (13-15)

    • መልክዑ ተጸይቑ (14)

52  ዘይግዙርን ርኹስን ደጊም ናባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡+ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! ንቕሒ! ብርታዐ ልበሲ!+ ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ፡ ጽቡቕ ክዳውንትኺ ተኸደኒ!+  2  ኣቲ የሩሳሌም፡ ደሮናኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ነቲ ኣብ ክሳድኪ ዘሎ መእሰሪ ፍትሕዮ።+  3  የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ብኸምኡ ተሼጥኩም ኔርኩም፣+ብዘይ ገንዘብ ድማ ክትብጀዉ ኢኹም።”+  4  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ቐዳማይ፡ ህዝበይ ኣብኣ ጓና ዀይኑ ምእንቲ ኺነብር፡ ናብ ግብጺ ወሪዱ፣+ድሕርዚ፡ ኣሶር ብዘይ ምኽንያት ጨቊንዎም።”  5  “ኣብዚ ደኣ እንታይ ክገብር እየ፧” ይብል የሆዋ። “ህዝበይሲ ብኸምኡ ተወሲዱ እዩ። እቶም ዚገዝእዎም ብዓወት ይጭድሩ ኣለዉ”+ ይብል የሆዋ፡“ስመይ እውን ወትሩ ምሉእ መዓልቲ ይነዓቕ ኣሎ።+  6  ስለዚ፡ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፣+ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዚዛረብ፡ ኣነ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። እንሆ፡ ኣነ እየ!”  7  እቲ ብስራት ዜበስር፡ሰላም ዚእውጅ፡+ዝሓሸ ብስራት ዜበስር፡ድሕነት ዚእውጅ፡ንጽዮን፡ “ኣምላኽኪ ነጊሱ!” ዚብልሲ፡+ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ኰን ጽቡቓት እየን!+  8  ስምዒ! ሓለውትኺ ድምጾም ዓው የብሉ። የሆዋ ንጽዮን ኪመልሳ ኸሎ ብንጹር* ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ብሓደ እልል ይብሉ።  9  ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ ተሓጐሳ፡ ብሓደ እልል በላ፣+የሆዋስ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ ንየሩሳሌም ከኣ ተበጅይዋ ኣሎ።+ 10  የሆዋ ነቲ ቕዱስ ቅልጽሙ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ኣህዛብ ቀሊዕዎ ኣሎ፣+ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ግብርታት ድሕነት* ኣምላኽና ኺርኢ እዩ።+ 11  ርሓቑ፡ ርሓቑ፡ ካብኡ ውጹ፡+ ርኹስ ኣይትተንክዩ!+ ኣቱም ኣቕሑ የሆዋ እትጾሩ ዘለኹም፡+ካብ ማእከላ ውጹ፡+ ንጹሃት ኩኑ። 12  የሆዋ ቐቅድሜኹም ኪኸይድ፡+ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡+ብስምባድ ኣይክትነቕሉን ኢኹም፣ኣይክትሃድሙን እውን ኢኹም። 13  እንሆ፡ ጊልያይ+ ብልቦና ኺገብር፡ክብ ኪብል፡ኪብርኽን ኣዝዩ ልዕል ኪብልን እዩ።+ 14  ከምቲ ብዙሓት ንዕኡ ተገሪሞም ዝጠመትዎ፡—ትርኢቱስ ካብ ናይ ካልእ ሰብ፡እቲ ምዕሩግ መልክዑ ድማ ካብ ናይ ወዲ ሰብ ብዝያዳ ተጸይቑ እዩ፡— 15  ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬደንጽዎም እዩ።+ ነገስታት ዘይተነግሮም ኪርእዩ፡+ዘይሰምዕዎ ድማ ኪሓስቡ እዮም እሞ፡ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪዓጽዉ* እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓይኒ ንዓይኒ።”
ወይ፡ “ዓወት።”
ወይ፡ “ዓባሳት ኪዀኑ።”