ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ንምንቅስቓስ ኣንበጣ ብደቂቕ ዚቈጻጸሮ ኒውሮን

ንምንቅስቓስ ኣንበጣ ብደቂቕ ዚቈጻጸሮ ኒውሮን

ኣንበጣ ብዕስለ ዀይኖም እዮም ዚጓዓዙ፣ “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ትርብዒት ኪሎ ሜተር፡ 80 ሚልዮን ኣንበጣ” ኺጓዓዙ ይኽእሉ እዮም።” ኰይኑ ግና፡ ፈጺሞም ኣይጋጨዉን እዮም። ዘይጋጨዉሉ ምስጢር እንታይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ነፍሲ ወከፍ ዓይኒ ኣንበጣ፡ ሎቡላ ጃያንት ሙቭመንት ዲተክተር ዚብሃል ንምንቅስቓስ እቲ ኣንበጣ ብደቂቕ ዚቈጻጸሮ ኒውሮን ኣሎ። ሓደ ኣንበጣ ምስ ካልእ ኣንበጣ ንኺጋጮ ቝሩብ ምስ ተረፎ፡ እቲ ኒውሮን ናብ መንገብገብን ናብ ኣእጋርን እቲ ኣንበጣ መልእኽቲ ይልእኽ እሞ፡ እቲ ኣንበጣ ቕልጡፍ ስጕምቲ ይወስድ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ካብ ቋሕ ሰም ዓይኒ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝቐልጠፈ እዩ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብኣዒንትን ብኒውሮንን ኣንበጣ ተደሪኾም፡ ሓደ ሮቦት እተሓላለኸ ራዳር ወይ ጨረር ከየድለዮ፡ ነቲ ዚቐርቦ ዘሎ ነገር ኣለልዩ ኻብኡ ንኺእለ ዜኽእሎ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ምሂዞም እዮም። ተመራመርቲ ድማ ነዚ ተክኖሎጂ እዚ ኣብ ማካይን ይጥቀሙሉ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ነተን ማካይን ካብ ምግጫው ኪሰትረን ዚኽእል ቅልጡፍን ቅኑዕን መጠንቀቕታ ዚህብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሊንከን ዚዓዪ ፕሮፌሰር ሺንግኣን ዩ፡ “ካብ ከም ኣንበጣ ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ሓሸራታት፡ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ንምንቅስቓስ ኣንበጣ ብደቂቕ ዚቈጻጸሮ ኒውሮን፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧