ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ

ጓልካ ገዛእ ርእሳ ኽትጐድእ ከላ

ጓልካ ገዛእ ርእሳ ኽትጐድእ ከላ

ጸገም

እታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ፡ ደይመደይ ኢላ ገዛእ ርእሳ ትጐድእ ከም ዘላ ፈሊጥካ። ‘እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧ ጓለይ ርእሳ ኽትቀትል ድያ እትፍትን ዘላ፧’ ኢልካ ትሓስብ።

ናይታ ኻልአይቲ ሕቶ መልሲ፡ ‘ኣይፋላን’ ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ ገዛእ ርእሳ ትጐድእ a እንተ ኣልያ፡ ሓገዝ የድልያ እዩ። እሞኸ ብኸመይ ኢኻ ኽትሕግዛ እትኽእል፧ ፈለማ፡ ጠንቂ እዚ ዜሻቕል ጠባይ እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ። b

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ገዛእ ርእስኻ ምጕዳእ፡ ዘመን ዘምጽኦ ተግባር ጥራይ ድዩ፧ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካልኦት ይገብራኦ ኸም ዘለዋ ስለ ዝሰምዓ ጥራይ ገዛእ ርእሰን ይጐድኣ እየን። መብዛሕትኡ እዋን ግና ከምኡ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ገዛእ ርእሳ እትጐድእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ንተግባራ ብምስጢር እያ እትፍጽሞ፣ የሕፍራ ድማ እዩ። ሲልያ c ዝስማ ጓል 20 ዓመት ጐርዞ፡ “ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪፈልጥ ኣይደለኹን። ነቲ በሰላይ ተጠንቂቐ እየ ዝሓብኦ ነይረ” በለት።

ገዛእ ርእስኻ ምጕዳእ፡ ኣቓልቦ ኻልኦት ንምርካብ ዚግበር ድዩ፧ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ንኸምኡ ይጥቀማሉ ይዀና። ኰይኑ ግና፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሳ ገዛእ ርእሰን ዚጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንተግባረን ብምስጢር እየን ዚፍጽማኦ፣ በቲ እተሓርደ ኽፍሊ ሰብነተን ወይ ብስምብራተን ገይረን ንኻልኦት ኪስሕባ ኸኣ ኣይፍትናን እየን። ኰይኑ ግና፡ ሓንቲ ቐደም ገዛእ ርእሳ እትጐድእ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኸም ዝገለጸቶ፡ ‘ገለ ሰብ ንጕድኣተይ እንተ ዜስተብህለሉ ነይሩ፡ እቲ ተግባር ብኣጋኡ ምተፈልጠ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ሓገዝ ምረኸብኩ ነይረ’ በለት።

ስለምንታይ ደኣ እየን እሞ ደቂ ኣንስትዮ ገዛእ ርእሰን ዚጐድኣ፧ ጠንቁ እተሓላለኸ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ እትገብር ጐርዞ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብቓላት ክትገልጾ ዚኸብዳ ስምዒታዊ ስቓይ ኣለዋ። ክኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝዀነ ስቲቨን ለቨንክሮን፡ ኣብታ ካቲንግ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ንሓንቲ ገዛእ ርእሳ እትጐድእ ጓል ኣንስተይቲ ኺገልጻ ኸሎ፡ “ስምዒታዊ ስቓይ ብኣካላዊ ስቓይ ኪፍወስ ከም ዚኽእል ገይሩ ምስ ዚኣምን ሰብ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ።

ገዛእ ርእሳ እትጐድእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብቓላት ክትገልጾ ዚኸብዳ ስምዒታዊ ስቓይ ኣለዋ

ርእስኻ ትወቅስ እንተ ዄንካኸ፧ እታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ ገዛእ ርእሳ እትጐድእ ዘላ፡ ነቲ ኸም ወላዲ መጠን ዝነበረካ ሓላፍነት ስለ ዘይፈጸምካ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ከም ወላዲኣ መጠን ነቲ ተግባራ ንኽትሓድጎ ኣብ ዘሎካ ጽቡቕ ግደ ኣተኵር።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ነታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ፡ እንታይ የጨንቓ ኸም ዘሎ ንኽትነግረካ ኣተባብዓያ። እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣጸናንዓያ። እታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ፡ ገዛእ ርእሳ ኸም እትጐድእ ምስ እትነግረካ፡ ኣመና ኣይትሰምብድ። የግዳስ፡ ብህድኣት ክትዛረባን ከተጸናንዓን ፈትን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ተሰሎንቄ 5:14

ዘየሰምብድ ሕቶታት ሕተታ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺ ባህ ዚብለኪ ዅሉ ግዜ ኸም ዘይኰነ እፈልጥ እየ፣ ልዕሊ ዅሉ ዜበሳጭወኪ ግና እንታይ እዩ፧” “ክትጭነቒ ኸለኺ እንታይ ክገብረልኪ፧” “ብዝያዳ ምእንቲ ኽንቀራረብ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧” ድሕሪኡ፡ ነቲ እትህበካ ምላሽ፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 1:19

ንጓልካ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልዋ ሓግዛ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እተን ገዛእ ርእሰን ዚጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ጕድለታተን ስለ ዜተኵራ፡ ምናልባት ነታ ጐርዞ ዝዀነት ጓልካ፡ ነቲ ዘለዋ ኣወንታዊ ባህርያት ንኸተለልዮ ኸተተባብዓ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ እትፈትዎ እንተ ወሓደ ሰለስተ ነገራት ክትጽሕፍ ንገራ። ሓንቲ ብሪያና ዝስማ ጐርዞ፡ “ብዛዕባ ዘሎኒ ብርታዐ ምጽሓፈይ፡ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘሎኒ ንኽንግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። d

ንጓልካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክትጽሊ ኣተባብዓያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:7) ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ሎሪና፡ “ብፍላይ ገዛእ ርእሰይ ንኽጐድእ ኣብ ዝፍተነሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ንስምዒተይ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ንኸፍስሶ እጽዕር ነበርኩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ተግባረይ ንኸቋርጾ ብዝያዳ ንኽጽዕር ሓጊዙኒ እዩ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ተሰሎንቄ 5:17

a ገዛእ ርእስኻ ምጕዳእ ኪብሃል ከሎ፡ ብምሕራድ፡ ብምጕሳጥ፡ ብምህራም፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ገዛእ ርእስኻ ብተደጋጋሚ ምህሳይ ማለት እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ገዛእ ርእሱ ዚጐድእ ውሉድ ብኣንስታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

c ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d መብዛሕትኡ እዋን፡ ገዛእ ርእስኻ ምጕዳእ፡ ምልክት ጭንቀት ወይ ካልእ ዓይነት ሕማም እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ ምጽዓር ኣድላዪ እዩ። መጽሔት ንቕሑ! ንሕክምና ብዚምልከት፡ እዚ ጽቡቕ እዩ ብምባል ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት፡ እቲ ዚመርጽዎ ሕክምና፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም።