ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስንጭሮ ኤላህ

ኣብ መንጎ ዳዊትን ጐልያድን እተገብረ ግጥም—ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣብ መንጎ ዳዊትን ጐልያድን እተገብረ ግጥም—ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ እቲ ብዛዕባ ዳዊትን ጐልያድን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ወይስ ጽውጽዋይ እንተ ዀይኑ የጠራጥሮም እዩ። ነታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከተንብባ ኸለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥርጣረ ሓዲሩካዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶ ሕሰበሉ።

1 | ሓደ ሰብ ብሓቂዶ 2.9 ሜተር ዝቝመቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍመት ጐልያድ “ሽዱሽተ እመትን ስድርን” ከም ዝነበረ ይሕብር እዩ። (1 ሳሙኤል 17:4) ንውሓት ሓደ እመት፡ 44.5 ሰንቲ ሜተር ኪኸውን ከሎ፡ ንውሓት ስድሪ ድማ 22.2 ሰንቲ ሜተር እዩ። እዚ ተደሚሩ ድማ 2.9 ሜተር ኣቢሉ ይኸውን። ገሊኦም፡ ጐልያድ ክንድዚ ዚኣክል ቍመት ኪነብሮ ኸም ዘይክእል ይዛረቡ እዮም። እንተዀነ ግና ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ኣብዚ ቐረባ ዘመናት፡ እቲ ዝነውሐ ሰብ ልዕሊ 2.7 ሜተር ቍመት ከም ዝነበሮ ተመዝጊቡ ኣሎ። እሞ ደኣ፡ ጐልያድ ካብዚ ብኣስታት 15 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ዚነውሕ ምዃኑስ ብሓቂዶ ኪኸውን ዘይክእል እዩ፧ ንሱ ሓደ ኻብቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ገዘፍትን ነዋሕትን ብምዃኖም ዚፍለጡ ዝነበሩ ዓሌት ረፋይም እዩ ነይሩ። ሓደ ኣብ 13 ኽፍለ ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈ ናይ ግብጺ ሰነድ፡ ኣብ ከባቢ ከነኣን ዝነበሩ ገሊኦም ሓያላት ተዋጋእቲ ቝመቶም ልዕሊ 2.4 ሜተር ይበጽሕ ከም ዝነበረ ይሕብር። ስለዚ፡ ቍመት ጐልያድ መጠኑ ዝሓለፈ እኳ እንተ ነበረ፡ ኪኸውን ዘይክእል ግና ኣይኰነን።

2 | ዳዊት ብሓቂዶ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ እዩ፧

ምሁራት ንታሪኽ ንጉስ ዳዊት ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ኬቕርብዎ ዝፈተኑሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ዘይከውን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ “ቤት ዳዊት” ዚብል እተጻሕፎ ጥንታዊ ጽሑፍ ረኺቦም እዮም። ብተወሳኺ፡ የሱስ ክርስቶስ ንዳዊት ብሓቂ ኸም ዝነበረ ሰብ ገይሩ እዩ ተዛሪቡሉ። (ማቴዎስ 12:3፣ 22:43-45) እቲ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ፡ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ከም ዝመጸ ብዜርኢ ኽልተ ዝርዝር መስመር ወለዶ እተደገፈ እዩ። (ማቴዎስ 1:6-16፣ ሉቃስ 3:23-31) ብንጹር እምበኣር፡ ዳዊት ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ እዩ።

3 | ኣብቲ ጸብጻብ እተገልጸ ፍጻመታት ብሓቂ ኣብ ዝነበረ ቦታ ድዩ ተፈጺሙ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ውግእ ኣብ ስንጭሮ ኤላህ ከም እተኻየደ እዩ ዚሕብር። ብዘይካዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ኣብ መንጎ ሶኮን ዓዜቃን ዚብሃላ ኽልተ ኸተማታት ዝነበረ ዅድዅዶ ኸም ዝሰፈሩ ብዝርዝር ይገልጽ እዩ። እስራኤላውያን ድማ ኣብ መንጽር እቲ ስንጭሮ ኣብ ዝነበረ ዅድዅዶታት ሰፊሮም ነበሩ። እዚ ቦታታት እዚ ግና ብሓቂ ዝነበረ ድዩ፧

ኣብ ቀረባ ግዜ ናብቲ ቦታ ዝኸደ በጻሒ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ርአ፦ “ሓደ ቦታታት ዜርእየና ዝነበረ ሃይማኖተኛ ዘይኰነ ሰብ፡ ናብ ስንጭሮ ኤላህ ወሰደና። ናብ ደንደስ እቲ ዅድዅዶ ብእትወስደና መገዲ ድማ ደየብና። ነቲ ስንጭሮ እናረኣናዮ ኸለና፡ ንቐዳማይ ሳሙኤል 17፡1-3 ኸነንብብ ሓተተና። ብድሕርዚ፡ ናብ ስግር እቲ ስንጭሮ እናኣመልከተ፡ ‘እቲ ንኢድ ጸጋም ዘሎ፡ ዑናታት ሶኮ እዩ። እቲ ንኢድ የማን ዘሎ ኸኣ ዑናታት ዓዜቃ እዩ። ፍልስጥኤማውያን ኣብዚ ኣብ ፊትኩም ዘሎ ዅድዅዶታት፡ ኣብ መንጎ እዘን ከተማታት እዮም ሰፊሮም ነይሮም። ስለዚ፡ እዚ ደው ኢልናሉ ዘሎና ቦታ፡ እቲ እስራኤላውያን ሰፊሮምሉ ዝነበሩ ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ’ በለና። ሳኦልን ዳዊትን ኣብታ ኣነ ዝነበርኩዋ ቦታ ደው ኢሎም ከም ዝነበሩ ሓሰብኩ። ድሕሪኡ፡ ናብቲ ስንጭሮ ወሪድና፡ ነታ መብዛሕትኡ እዋን ንቕጽቲ ዝዀነት ብኣእማን ዝመልአት ሩባ ሰገርናያ። ዳዊት ድንን ኢሉ ነታ ንጐልያድ ዝቐተለላ እምኒ ዚርከበን ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ኪኣሪ ኸሎ ብኣእምሮይ ሰኣልኩ።” እዚ በጻሒ እዚ፡ ከም ብዙሓት ካልኦት ሰባት፡ በቲ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅነት ዘለዎ ዝርዝራት ኣዝዩ እዩ ተመሲጡ።

እምበኣር፡ ብሓቅነት እዚ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዚ ኸም እትጠራጠር ዚገብር ነገር የለን። ከመይሲ፡ ብሓቂ ዝነበሩ ሰባትን ቦታታትን ዜጠቓለለ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ክፍሊ እቲ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ካብቲ “ኺሕሱ ዘይክእል” ኣምላኽ ሓቂ ዝመጸ እዩ።—ቲቶስ 1:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16