ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 5 2016 | መጸናንዒ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ብፍላይ ኣብ ግዜ ጸገም፡ ኵላትና ምጽንናዕ የድልየና እዩ። እዛ ሕታም እዚኣ፡ ኣምላኽ ነቶም ጸገማትን ብድሆታትን ዜጋጥሞም ሰባት ብኸመይ ከም ዜጸናንዖም ትገልጽ።

ገበር

ኵላትና ምጽንናዕ የድልየና እዩ

ሰብካ ኺሞተካ ኸሎ፡ ኣብ ሓዳርካ ወይ ኣብ ስራሕካ ሽግር ምስ ዜጋጥመካ ወይ እውን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣበይ ኢኻ ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል፧

ገበር

ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ

ኣብ ጸበባ ዘለዉ ሓገዝ ዚረኽቡሉ ኣርባዕተ መገድታት

ገበር

ኣብ ግዜ ጸገም ምጽንናዕ ምርካብ

ገሊኦም ሰባት፡ ብፍላይ ኣብቲ ዜድልዮም ግዜ ብኸመይ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ።

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”

ዳዊት ንጐልያድ ኬሰንፎ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ካብ ታሪኽ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

ኣብ መንጎ ዳዊትን ጐልያድን እተገብረ ግጥም—ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ገሊኦም ሃያስያን ብዛዕባ ሓቅነት እዚ ጸብጻብ እዚ ይጠራጠሩ እዮም። ከምኡ ኺስምዖም ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ዝመረሮን ዓመጸኛን እየ ነይረ

ንሓደ ኣብ ጐደና ዚብኣስ ዝነበረ ኣብ መክሲኮ ዚነብር ሰብኣይ፡ ባህርያቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

እቲ መልሲ የገርመካ ይኸውን።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ስለምንታይ እየ ዝጽሊ፧ ኣምላኽከ ይምልሰለይ ድዩ፧

ኣምላኽ ንጸሎትካ ዚምልሶ ወይ ዘይምልሶ ምዃኑ፡ ብዓብይኡ ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ።