ብእምነት ጥበባዊ ውሳነ ግበር
“ከይተጠራጠረ ብእምነት ይለምን።”—ያእ. 1:6።
1. ቃየል ጥበባዊ ውሳነ ኸይገብር ዝጸለዎ እንታይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧
ቃየል ኪውስን የድልዮ ነበረ፣ ነቲ ሓጥእ ስምዒታቱ ኺመልኮ ወይ ከኣ ተግባራቱ ብስምዒታቱ ኺምራሕ ኪፈቅድ ነበሮ። ውሳነኡ ድማ፡ ንዝተረፈ ህይወቱ ኺጸሉ ዚኽእል ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል ነበረ። ቃየል እንታይ ከም ዝወሰነ ትፈልጥ ኢኻ፣ ጽቡቕ ውሳነ ኣይገበረን። ውሳነኡን ሳዕቤን ውሳነኡን ህይወት እቲ እሙን ዝነበረ ሓዉ ኣቤል ኣጥፊኡ እዩ። ነቲ ምስ ፈጣሪኡ ዝነበሮ ርክብ እውን ኣበላሽይዎ እዩ።—ዘፍ. 4:3-16።
2. ጥበባዊ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧
2 ንሕና እውን ክንመርጽን ክንውስንን ዜድልየና ዅነታት የጋጥመና እዩ። ኵሉ ውሳነታትና ንህይወትና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ውሳነታትናን እንገብሮ ምርጫታትን፡ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ናይ ምውሳን ክእለትና ኣብ ክንዲ ህውከትን ባእስን ጓህን ዝመልኦ ህይወት፡ ህዱእን ሰላማውን ህይወት ክንነብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 14:8።
3. (ሀ) ጥበባዊ ውሳነታት ምእንቲ ኽንገብር ኣብ ምንታይ ኢና እምነት ከነሕድር ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
3 ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣምላኽ ጥበበኛታት ክንከውን ኪሕግዘና ፍቓደኛ ኸም ዝዀነን ክእለት ከም ዘለዎን ከይተጠራጠርና ኽንኣምን ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ እተጻሕፈ ምኽሪ ብምውካል ኣብ ቃል የሆዋን ኣብ መገዱን እምነት ከነሕድር ኣሎና። (ያእቆብ 1:5-8 ኣንብብ።) ናብኡ ብዝቐረብናን ንቓሉ ዘሎና ፍቕሪ ብዝዓበየን መጠን፡ ኣብ ፍርድታቱ ዝያዳ ምትእምማን ከነሕድር ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርና ኣብ ቃል ኣምላኽ ናይ ምውካስ ልማድ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ነቲ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለትና ኸነመሓይሾ እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧ ውሳነ ኽንገብር ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ሳዕቤኑ ብዘየገድስ ብውሳነና ኽንጸንዕ ንግደድ ኢና ማለት ድዩ፧
ውሳነታት ምግባርና ዘይተርፍ እዩ
4. ኣዳም እንታይ ውሳነ እዩ ኺገብር ዜድልዮ ነይሩ፧ ሳዕቤኑኸ እንታይ ኰነ፧
4 ደቂ ሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዞም፡ ሰባት ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብሩ ይግደዱ እዮም። ኣዳም ንፈጣሪኡ ወይ ንሄዋን ኪሰምዕ እንተ ዀይኑ ኺውስን የድልዮ ነበረ። ውሳነታት ኪገብር እውን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ እንታይ ዓይነት ውሳነ ዝገበረ ግና ይመስለካ፧ እታ እተታለለት ሰበይቱ ኣዝዩ ሕማቕ ውሳነ ኺገብር ጸለወቶ፣ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ውሳነ ድማ፡ ካብ ገነት ተሰጐ፡ ህይወቱ ድማ ሰኣነ። እዚ ሳዕቤን ውሳነኡ ግና ናይ ፈለማ ጥራይ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነ ኽሳዕ ሕጂ መከራ ነሕልፍ ኢና ዘለና።
5. ብዛዕባ ውሳነታት ምግባር እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧
5 ገሊኦም ሰባት፡ ውሳነታት ክንገብር እንተ ዘይንግደድ፡ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ይሓስቡ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ የሆዋ ንደቂ ሰብ ከም ሮቦት ኪሓስቡን ኪመርጹን ዘይክእሉ ገይሩ ኸም ዘይፈጠሮም ዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ከም እንኽእል ይምህረና እዩ። የሆዋ ውሳነታት ክንገብር ዚደልየና ንጥቕምና ኢሉ እዩ። ነዚ ዜረጋግጽ መርትዖታት እስከ ንርአ።
6, 7. ጥንታውያን እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ ኺገብሩ የድልዮም ነይሩ፧ ጥበባዊ ውሳነ ምግባር ዝኸበዶምከ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
6 ጥንታውያን እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ ኣዝዩ መሰረታውን ኣገዳስን ምርጫ ኺገብሩ፡ ማለት ንየሆዋ ወይ ከኣ ንኻልእ ኣምላኽ (ወይ ኣማልኽቲ) ኬምልኹ እንተ ዀይኖም ኪሓርዩ ነበሮም። (እያሱ 24:15 ኣንብብ።) እዚ ብቐሊሉ ኺውሰን ዚኽእል ውሳነ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ዚገብርዎ ውሳነ ግና ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ ነይሩ። ብግዜ መሳፍንቲ፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ዘይጥበባዊ ምርጫ ገይሮም እዮም። ንየሆዋ ዝባኖም ሂቦም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኹ። (መሳ. 2:3, 11-23) ነቲ ድሕሪ ሓያሎ እዋናት ህዝቢ ኣምላኽ ውሳነ ኺገብሩ እተገደዱሉ ግዜ እውን ከም ኣብነት ንርአ። ነብዪ ኤልያስ ነቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ኽልተ ምርጫ ብንጹር ገለጸሎም፣ ንኣምላኽ ወይ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ በዓል ኬምልኹ ኺውስኑ ሓበሮም። (1 ነገ. 18:21) ኤልያስ ነቶም ህዝቢ ተወላወልቲ ብምዃኖም ገንሖም። ንየሆዋ ምግልጋል ወትሩ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ስለ ዚስምዓካ፡ እቲ እስራኤላውያን እተዋህቦም ምርጫ ቐሊል ከም ዝነበረ ትሓስብ ትኸውን። ሓደ ኼመዛዝን ዚኽእል ሰብ፡ ብኣምልኾ በዓል ኪሰሓብ ወይ ናብኡ ኺለግብ ከም ዘይክእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ‘ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ ይሕንክሱ’ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኤልያስ ነቲ ብሉጽ ኣምልኾ፡ ማለት ንኣምልኾ የሆዋ ኺሓርዩ ምምዓዱ ጥበባዊ እዩ ነይሩ።
7 እስራኤላውያን ጥበባዊ ውሳነ ምግባር ኣዝዩ ዝኸበዶም ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ቀዳማይ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኦምን ድምጹ ምስማዕ ሓዲጎምን ነይሮም እዮም። ኣብ ልክዕ ፍልጠት ወይ ኣብ ኣምላኻዊ ጥበብ እተመስረተ መሰረት ኣይነበሮምን፣ ብየሆዋ እውን ኣይእመኑን እዮም ነይሮም። ኣብ ልክዕ ፍልጠት ተመስሪቶም እንተ ዚመላለሱ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ ምሓገዞም ነይሩ። (መዝ. 25:12) ብዘይካዚ፡ ካልኦት ኪጸልውዎምን ውሳነታት ኪገብሩሎምን ፈቒዶም ነይሮም እዮም። ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ንየሆዋ ዘየምልኹ ኣረማውያን ህዝቢ ንኣተሓሳስባ እስራኤላውያን ጸልዮምዎን መገድታቶም ኪስዕቡ ደሪኾምዎምን እዮም። የሆዋ ግና እዚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ።—ዘጸ. 23:2።
ካልኦት ኪውስኑልና ግቡእ ድዩ፧
8. ብዛዕባ ውሳነታት ምግባር ካብ ታሪኽ እስራኤላውያን እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር፧
8 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ንጹር ትምህርቲ ይህበና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ብርእስና ውሳነ ኽንገብር ኣሎና፣ ቅኑዕ ኣብ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ተመስሪትና ድማ ኢና ጥበባውን ቅኑዕን ምርጫ ኽንመርጽ እንኽእል። ገላትያ 6:5፡ “ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር ኪጸውር እዩ” ኢላ ተዘኻኽረና። (እ.ጽ.) ናይ ምውሳን ሓላፍነትና ንኻልኦት ኣሕሊፍና ኽንህብ የብልናን። የግዳስ፡ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ እንታይ ምዃኑ ኽንምሃርን ክንገብርን ኣሎና።
9. ካልኦት ኪውስኑልና ምፍቃድ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧
9 ካልኦት ኪውስኑልና ብምፍቃድ ኣብ ሓደጋ ኽንኣቱ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጸቕጢ መዛኑ ሕማቕ ውሳነ ኽንገብር ኪጸልወና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 1:10, 15) ይኹን እምበር፡ ካልኦት ዚገብሩልና ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ኽንስዕብ ሓላፍነት ኣሎና። ካልኦት ኪውስኑልና ንፈቕደሎም እንተ ዄንና፡ ንዓታቶም ‘ክንስዕብ’ ወሲንና ኢና። እዚ ድማ ምርጫ እዩ፣ እሞ ኸኣ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ኪህልዎ ዚኽእል ምርጫ።
10. ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ካልኦት ኪውስኑሎም ምፍቃዶም ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ገላትያ 4:17 ኣንብብ።) ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገሊኦም ንኻልኦት ካብ ሃዋርያት ኪንጽልዎም ኢሎም ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ኪውስኑሎም ደልዮም ነበሩ። ስለምንታይ፧ እቶም ስሱዓት ሰባት፡ ተፈላጥነት ኪረኽቡ ይደልዩ ነበሩ። ካብ ደረት ስልጣኖም ይሓልፉ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነታት ኪገብሩ ንዝነበሮም መሰል ከኣ ኣየኽብሩሎምን እዮም ነይሮም።
11. ካልኦት ብሕታዊ ውሳነታቶም ኪገብሩ ኸለዉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
11 ጳውሎስ ኣሕዋቱ ንዘለዎም ናይ ምውሳን መሰል ብምኽባር ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:24 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ምስ ብሕታዊ ውሳነ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ ነዚ ኣብነት እዚ ኺስዕቡ ኣለዎም። ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓበሬታ ምሃብ የሐጕሶም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ባዕሎም ውሳነታት ኪገብሩ እዮም ዚደልይዎም። ከምኡ ምግባሮም ከኣ ቅኑዕ እዩ፣ ከመይሲ፡ ውጽኢት ውሳነታቶም ዚጾሩ እቶም ውልቀ ሰባት ባዕሎም እዮም። ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንርስዖ የብልናን፦ ንኻልኦት ክንግደሰሎምን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ወይ ምኽሪ ኺዝክሩ ኽንሕግዞምን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነታት ኪገብሩ መሰልን ሓላፍነትን ዘለዎም ባዕላቶም እዮም። ጥበባዊ ውሳነታት ምስ ዚገብሩ ድማ፡ ኪጥቀሙ እዮም። እምበኣር፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ውሳነታቶም ክንውስነሎም ስልጣን ከም ዘሎና ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ ከም ዘይብልና ንጹር እዩ።
ፈቃራት ሽማግለታት ንኻልኦት፡ ባዕሎም ውሳነታት ምግባር ኪምሃሩ ይሕግዝዎም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11)
ብስምዒት ተደሪኽካ ኣይትወስን
12, 13. ኣብ እተቘጣዕናሉ ወይ ተስፋ ኣብ ዝቘረጽናሉ እዋን ልብና ዚብለና ንገብር እንተ ዄንና ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
12 ‘ልብኻ ዚብለካ ግበር’ ዚብል ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ግና ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ኣይድግፎን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ በቲ ዘይፍጹም ልብና ወይ ብስምዒት ተደሪኽና ውሳነታት ከይንገብር የጠንቅቐና እዩ። (ምሳ. 28:26) ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ልብኻ ዚብለካ ምግባር ዘለዎ ሳዕቤን ይገልጸልና እዩ። በቲ ዘይፍጹም ልብና ኽንእመን ግቡእ ዘይኰነሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን” ስለ ዝዀነ እዩ። (ኤር. 3:17፣ 13:10፣ 17:9፣ 1 ነገ. 11:9) እሞኸ፡ ልብና ዚብለና ምግባርና እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧
13 ንየሆዋ ብምሉእ ልብና፡ ንብጾትና ድማ ከም ነፍስና ኸነፍቅር ስለ እተኣዘዝና፡ ልቢ ክርስትያናት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። (ማቴ. 22:37-39) ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 12 እተጠቕሰ ጥቕስታት ከም ዚገልጾ ግና፡ ስምዒታትና ንኣተሓሳስባናን ንተግባራትናን ኪመርሖ ምፍቃድ ሓደጋ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ተቘጢዕና ኸለና ውሳነታት እንተ ጌርና እንታይ እዩ ዜጋጥመና፧ ከምኡ ጌርና ንፈልጥ እንተ ዄንና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይጠፍኣናን እዩ። (ምሳ. 14:17፣ 29:22) ተስፋ ኣብ ዝቘረጽናሉ እዋንከ ጥዑይ ውሳነታት ክንገብር ንኽእልዶ፧ (ዘሁ. 32:6-12፣ ምሳ. 24:10) ቃል ኣምላኽ፡ ‘ንሕጊ ኣምላኽ ባርያ’ ምዃን ጥበባዊ ምዃኑ የዘኻኽረና እዩ። (ሮሜ 7:25) እምበኣር፡ ብስምዒታትና ተደሪኽና ኣገዳሲ ውሳነታት ንገብር እንተ ዄንና፡ ብስምዒታትና ብቐሊሉ ኽንታለል ንኽእል ኢና።
ሓሳብና ኽንልውጥ እንኽእል መዓስ ኢና፧
14. ውሳነኻ ምልዋጥ ግቡእ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧
14 ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር የድልየና እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነታት ክንልውጥ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ እዋን፡ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ኸም ብሓድሽ ክንምርምሮን ክንልውጦን ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ብግዜ ዮናስ ንዝነበሩ ሰብ ነነዌ ብዛዕባ ዝሓዘሉ መገዲ እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣ ኣየምጽኣሎምን እውን” ይብለና። (ዮና. 3:10) የሆዋ፡ ሰብ ነነዌ ኸም እተነስሑን ኣተሓሳስባኦም ከም ዝቐየሩን ምስ ረኣየ፡ ውሳነኡ ኣተዓራርዩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ልዙብን ትሑትን ርሕሩሕን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ ብቕጽበታዊ ቝጥዓ ነዲሩ እንታይ ከም ዚገብር ኣይውስንን እዩ።
15. ውሳነና ኽንቅይር ምኽንያት ኪዀነና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
15 ሓድሓደ እዋን፡ ንዝገበርናዮ ምርጫ ወይ ውሳነ ዳግም ክንሓስበሉ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ለውጢ ዅነታት ከምኡ ኽንገብር ኪድርኸና ይኽእል እዩ። የሆዋ ሓድሓድ ግዜ ዅነታት ኪልወጥ ከሎ ውሳነታቱ ለዊጡ እዩ። (1 ነገ. 21:20, 21, 27-29፣ 2 ነገ. 20:1-5) ወይ ከኣ ውሳነና ኸነዐሪ ምኽንያት ኪዀነና ዚኽእል ሓድሽ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ወዲ ወዱ ንሳኦል ዝዀነ መፊቦሸት ግጉይ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ቕኑዕ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ግና፡ ውሳነኡ ኣዐርዩ እዩ። (2 ሳሙ. 16:3, 4; 19:24-29) ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ኽንገብር ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
16. (ሀ) ገለ ኻብቲ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ጠቓሚ መምርሒታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንሕሉፍ ውሳነታትና ኽንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
16 ቃል ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ምግባር ኣብ ዜድልየና ዅነታት ተሃዊኽና ኸይንውስን ይምዕደና እዩ። (ምሳ. 21:5) ብዛዕባ እቲ ውሳነ እንገብረሉ ነገራትን ንዕኡ ዚምልከት መርትዖታትን ግዜ ወሲድና ንምርምር እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:21) ርእስታት ስድራ ቤት ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም፡ ግዜ መዲቦም ንቕዱሳት ጽሑፋትን ንክርስትያናዊ ጽሑፋትን ኪምርምሩ፡ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ኣባላት ስድራ ቤቶም ከኣ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም። ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ርእይቶ ሰበይቱ ኺሰምዕ ከም ዝመዓዶ ኣይትረስዕ። (ዘፍ. 21:9-12) ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት እውን ግዜ መዲቦም መጽናዕቲ ኺገብሩ ኣለዎም። ልዙባትን ትሑታትን እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ነቲ ድሮ ዝገበርዎ ውሳነ ኪቕይር ዚኽእል ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዚረኽቡ ኽብሮም ከይትንከፍ ፈሪሆም ውሳነኦም ካብ ምቕያር ድሕር ኣይብሉን እዮም። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ኣተሓሳስባኦምን ውሳነታቶምን ኪቕይሩ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም፣ ኵላትና እውን ኣብነቶም ክንስዕብ ኣሎና። እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ሰላምን ስርዓትን እዩ ዜስፍን።—ግብ. 6:1-4።
ንውሳነታትካ ተግብሮ
17. ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
17 ገሊኡ ውሳነታት ካብቲ ኻልእ ዝኸበደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኸቢድ ውሳነታት፡ ግዜ ወሲድካ ኽትሓስበሉን ክትጽልየሉን የድልየካ እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ኪምርዓዉ እንተ ደኣ ዀይኖምን ንመን ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎምን ኪውስኑ የድልዮም እዩ። ካልእ ብዙሕ በረኸት ኪርከበሉ ዚኽእል ከቢድ ውሳነ ድማ፡ ብኸመይን መዓስን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም እትኣቱ ምውሳን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ የሆዋ ጥበባዊ መምርሒ ኸም ዚህበካ ኽትተኣማመን ኣሎካ። (ምሳ. 1:5) ስለዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀንዲ ምንጪ ምኽሪ ጌርካ ኽትጥቀመሉን የሆዋ መምርሒ ኺህበካ ኽትጽልን ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ባህርያት ኪህበና ኸም ዚኽእል እውን ኣይትረስዕ። ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ ድማ፡ ‘እዚ ዝገብሮ ውሳነ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅር ዜረጋግጽ ድዩ፧ ኣብ ስድራ ቤተይ ሰላምን ሓጐስን ዜስፍን ድዩ፧ ዕጉስን ለዋህን ከም ዝዀንኩ ዜርኢ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ምሕታት ልመድ።
18. የሆዋ ባዕልና ኽንውስን ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧
18 የሆዋ ኸነፍቅሮ ዀነ ኸነገልግሎ ኣይግድደናን እዩ። ብምርጫና ኢና ኸምኡ እንገብር። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና ኸኣ፡ ንዕኡ ንምግልጋል ‘ክንሓሪ’ ንዘሎና ሓላፍነትን መሰልን የኽብረልና እዩ። (እያ. 24:15፣ መክ. 5:4) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ መምርሒታቱ ተመስሪትና እንገብሮ ውሳነታት ክንትግብሮ ይደልየና እዩ። ኣብ መገድታት የሆዋን ኣብቲ ብለውሃት ዘዳለወልና ስርዓታትን እምነት ብምሕዳር፡ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብርን ኣብ ኵሉ መገድና ጽኑዓት ከም ዝዀንና ኸነርእን ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:5-8፣ 4:8።