ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህዝቅኤል ብፍታዉ ንየሩሳሌም ብምሳልያዊ መገዲ ኸበባ

ንመንፈስ ነብያት ቅድሓዮ

ንመንፈስ ነብያት ቅድሓዮ

ምስቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ዜመሳስለካ ነገር ኣሎዶ፧ ናይ 2013 ሕታም ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ “ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ትርጉም ነብዪ ኺገልጽ ከሎ፡ “መለኮታዊ ዕላማታት ዜፍልጥ ሰብ” ይብል። ወሲኹ ኸኣ፡ “ነብያት፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ብምግላጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትምህርትታትን ትእዛዛትን ፍርድታትን የሆዋ ዜፍልጡ ኣፈኛታት ኣምላኽ እውን እዮም ነይሮም” ኢሉ ይገልጽ። ዋላ እኳ ዘይትንበ እንተ ዀንካ፡ ንስኻ እውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መልእኽትታት ብምእዋጅ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንካ ትዛረብ ኢኻ።—ማቴ. 24:14

ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽና ኽንነግርን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኽንምህሮምንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ነዚ ዕዮ እዚ፡ ምስቲ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ’ መልኣኽ ሓቢርና ኢና ንዓይዮ ዘለና። (ራእ. 14:6) ኰይኑ ግና፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዕሽሽ ከም እንብሎ ዚገብረና ብድሆታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ብድሆታት እንታይ እዩ፧ ክንደክም፡ ተስፋ ኽንቈርጽ፡ ወይ ዘይንረብሕ ኴይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ነብያት እውን ከምኡ ይስምዖም ነይሩ እዩ፣ ተስፋ ግና ኣይቈረጹን። የሆዋ እውን ዕዮኦም ኪፍጽሙ ሓጊዝዎም እዩ። እምበኣር፡ ገለ ኻባታቶም ንመርምር እሞ፡ ብኸመይ ክንመስሎም ከም እንኽእል ንርአ።

ተጋዲሎም

ሓድሓደ እዋን፡ መዓልታዊ ንጥፈታትና ስለ ዜድክመና፡ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና እዩ። ብርግጽ፡ ዕረፍቲ የድልየና እዩ፣ የሱስን ሃዋርያቱን እውን ኣዕሪፎም እዮም። (ማር. 6:31) ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ባቢሎን ከይዱ ዝነበረ ህዝቅኤል ኰነ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ካብ የሩሳሌም ተማሪኾም ዝኸዱ እስራኤላውያን ኰይኑ ኺፍጽሞ ተዋሂብዎ ዝነበረ ዕዮ እሞ ሕሰብ። ሓደ እዋን፡ ኣምላኽ ንህዝቅኤል፡ ሕጡብ ወሲዱ ንኸተማ የሩሳሌም ኣብኡ ኪቐርጻ ነጊርዎ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ህዝቅኤል ብጸጋማይ ጐድኑ 390 መዓልቲ፡ ብየማናይ ጐድኑ ኸኣ 40 መዓልቲ ብምድቃስ፡ ነታ ዝቐረጻ ኸተማ ኪኸብባ ተነጊርዎ ነበረ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “እንሆ፡ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፡ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ” በሎ። (ህዝ. 4:1-8) ከምኡ ምግባሩ፡ ኣቓልቦ እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዚስሕብ እዩ ነይሩ። ህዝቅኤል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነዚ ኣድካሚ ዕዮ እዚ ኺዓይዮ ነበሮ። እሞኸ እቲ ነብዪ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ብኸመይ እዩ ኺፍጽሞ ዚኽእል፧

ህዝቅኤል ስለምንታይ ነብዪ ዀይኑ ኸም እተላእከ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንህዝቅኤል ኪልእኮ ኸሎ፡ እስራኤላውያን “እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም” በሎ። (ህዝ. 2:5) ህዝቅኤል ነዚ ዕላማ እዚ ኣይረስዖን። ስለዚ፡ ከምቲ እተባህሎ ብፍታዉ ንየሩሳሌም ብምሳልያዊ መገዲ ኸበባ። በዚ ኸምዚ፡ ናይ ሓቂ ነብዪ ምዃኑ ኣርኣየ። ጸኒሑ፡ ንሱን እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ብጾቱን፡ “እታ ኸተማስ ተትሒዛ” ዚብል ወረ ሰምዑ። እወ፡ እቶም እስራኤላውያን ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ተገንዘቡ።—ህዝ. 33:21, 33

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ስርዓት ሰይጣን ብምሉኡ ኸም ዚጠፍእ ንሰባት ነጠንቅቖም ኢና። ብስጋ ንደክም እኳ እንተ ዀንና፡ በታ ዘላትና ጕልበት ቃል ኣምላኽ ንሰብኽን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕን ኢና። ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ዚገልጽ ትንቢታት ኪፍጸም ከሎ፡ ‘መለኮታዊ ዕላማታት ዜፍልጡ ሰባት’ ኴንና ብምግልጋልና ኽንሕጐስ ኢና።

ተስፋ ኣይቈረጹን

ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ንጋደል እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ በቲ ሰባት ንመልእኽትና ዚህብዎ ምላሽ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝሓደጎ ኣብነት ምዝካርና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ኤርምያስ መልእኽቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ሰበኸ፡ ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ባጫን ኰይኑ እዩ። ወረግ ሓደ እዋንሲ፡ “ኣይክዝክሮን፡ ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። እወ፡ ኤርምያስ ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ ዓዲ ኣይወዓለን። ስለምንታይ፧ እቲ ነብዪ፡ “ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን” በለ።—ኤር. 20:7-9

ንሕና እውን በቲ ሰባት ንመልእኽትና ዚህብዎ ምላሽ ተስፋ ንቘርጽ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ብምስትንታን ነዚ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። እቲ መልእኽቲ፡ ‘ኣብ ኣዕጽምትና ተዓጽዩ ኸም ዚነድድ ሓዊ’ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ እንተ ደኣ ዄንና ድማ፡ እቲ ሓዊ ኣብ ውሽጥና ብቐጻሊ ኺነድድ እዩ።

ኣሉታዊ ስምዒታት ኣወጊዶም

ገሊኦም ክርስትያናት ዕላማኡ ዘይርድኦም ዕዮ ኺውሃቦም ከሎ ይጭነቑ እዮም። ነብዪ ሆሴእ እውን ከምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ፡ “ኪድ፡ ውሉድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና አእቱ” ኢሉ ኣዘዞ። (ሆሴ. 1:2) ክትምርዖ እንተ ትሓስብ እሞ፡ እታ እትምርዓዋ ኣመንዝራ ኸም ዝዀነት ኣምላኽ እንተ ዚነግረካ ኸመይ ኰን ምተሰምዓካ! ሆሴእ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ተቐቢልዎ እዩ። ንጎሜር ተመርዓዋ፣ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉ። ጸኒሓ ኸኣ፡ ሓንቲ ጓልን ካልእ ወድን ወለደትሉ። እዞም ደሓር እተወልዱ ኽልተ ደቃ፡ ብዝሙት ዝወለደቶም ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ንሆሴእ ብዛዕባ እታ ዚምርዓዋ ሰበይቲ ኺነግሮ ኸሎ፡ “ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ” ምዃና ሓቢርዎ ነይሩ እዩ። እወ፡ ደድሕሪ ሓደ ፈታዊኣ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪ ብዙሓት “ፈተውታ” እያ ኸይዳ። ድሕሪኡ ድማ ናብኡ ኽትምለስ ደለየት። ንስኻ እቲ ነብዪ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ምተቐበልካያዶ፧ የሆዋ ንሆሴእ ከምኡ ኺገብር እዩ ኣዚዝዎ! ወረግ እቲ ነብዪ ብብዙሕ ዋጋ እዩ ዓዲግዋ።—ሆሴ. 2:7፣ 3:1-5

ሆሴእ ነዚ ሓላፍነት እዚ ምፍጻሙ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣይተረድኦን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሆሴእ ነቲ እተባህሎ ብተኣማንነት ብምፍጻሙ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ምስ ጠለምዎ ኸመይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንርዳእ ሓጊዙና እዩ። ከም ሓቂ ድማ፡ ገሊኦም ቅኑዕ ዝልቦም እስራኤላውያን ናብ ኣምላኽ ተመሊሶም እዮም።

ሎሚ፡ ኣምላኽ፡ “ሰበይቲ ምንዝርና” ኸነእቱ ኣይሓተናን እዩ። ሆሴእ ነዚ ዕዮ እዚ ኺፍጽም ፍቓደኛ ምዃኑ ግና እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ብግህዶን ኣብ በቤትን” ምስባኽ ብብሕትና ዚኸብደና እኳ እንተ ዀነ፡ ፍቓደኛታት ኴንና ኽንፍጽሞ ኸም ዘሎና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። (ግብ. 20:20) ገሊኡ መዳያት ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፈትውዎ ዚገልጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ በቤት ከይዶም ኪሰብኩ ኸም ዘይደልዩ ይዛረቡ እዮም። ጸኒሖም ግና፡ መብዛሕትኦም ነቲ ፈጺሞም ኪገብርዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ዚስምዖም ዝነበረ ዕዮ ኺዓይዩ ጀሚሮም እዮም። እዝስ ዓብዪ ትምህርቲዶ ኸይኰነ፧

ካብቲ ሆሴእ ነቲ እተዋህቦ ኸቢድ ሓላፍነት ብምቕባል ዘርኣዮ መንፈስ፡ ካልእ ነገር እውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ነቲ ንሰበይቱ እውን ዜጠቓልል ምሳልያዊ ድራማ ኻብ ምፍጻም ኬድሓርሕር ይኽእል ነይሩ እዩ። ሆሴእ ባዕሉ ብዛዕባኡ እንተ ዘይጽሕፍ ነይሩ፡ ብዛዕባ እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሓላፍነት መን እሞ ኺፈልጥ ምኸኣለ፧ ንሕና እውን፡ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኽንነግር እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና፣ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኸኣ ካልእ ሰብ ኣይፈልጥን ይኸውን። ነታ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ኣና ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። መምህራ ንተምሃሮኣ፡ ብዛዕባ ኣጸቢቖም ዚኣምኑሉ ዛዕባ ወይ ጕዳይ ጽሑፍ ኪጽሕፉን ንደቂ ኽፍሎም ኬእምንዎምን ሓተተቶም። ኣና ነዚ ኽትምስክር ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ዕሽሽ ኢላ ኽትሓልፎ ትኽእል ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣምላኽ ከም ዝሃባ ገይራ ረኣየቶ። እንታይ ምላሽ ከም እትረክብ ስለ እተረድኣ፡ ናብ የሆዋ ጸለየት፣ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኽትጥቀመሉ ድማ ሓያል ባህጊ ሓደራ። “ንመርትዖታት ፍልቀት ንመርምሮ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ከኣ ጸሓፈት።

መንእሰያትና ንመንፈስ ነብያት ብምቕዳሕ፡ የሆዋ ፈጣሪና ምዃኑ ብትብዓት ይዛረቡ እዮም

ኣና ነቲ ጽሑፋ ንደቂ ኽፍላ ኸተቕርብ ከላ፡ ሓንቲ ብፍልቀት እትኣምን መማህርታ ብዙሕ ሕቶታት ክትሓትታ ጀመረት። ኣና ድማ ነቲ ዘለዋ መትከል ጽቡቕ ገይራ ተጣበቐትሉ። እታ መምህራ በዚ ስለ እተገረመት፡ ኣዝዩ ዜእምን ጽሑፍ ብምቕራባ ሸለመታ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ኣና ምስታ ብፍልቀት እትኣምን መማህርታ ብዙሕ ምይይጥ ገይራ እያ። ነዚ የሆዋ ዝሃባ “ዕዮ” ስለ ዝፈጸመት ከኣ፡ “ሕጂ ኸይፈራህኩ ብተኣማንነት ብስራት ክሰብኽ ክኢለ እየ” በለት።

ንሕና ኸም እኒ ህዝቅኤልን ኤርምያስን ሆሴእን ነብያት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ነቲ ንሳቶም ዝሓደግዎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ምስ እንቐድሖ፡ ነቲ ኣምላኽ ሎሚ ብዛዕባና ዘለዎ ፍቓድ ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና። እሞኸ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ብዛዕባ ጥንቲ ዝነበሩ ኻልኦት ነብያት ከተንብብን ብኸመይ ክትመስሎም ከም እትኽእል ከተስተንትንን ትኽእልዶ፧